ህዝቢ ትግራይ ንሰላም፣ንድሕንነቱን ህልውንኡን ዋርድያ ክኸውን ይግባእ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ትግራይ ውሑስ ሰላም ንክህሉ፣ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ እዋኑ ንክበፅሑ፣ንሓረስታይ ብእዋኑ ኽረምቲ ከይኣተወ ንክሓርስ፣ ዘመናዊ ድኹዒን ምሩፅ ዘርኢ ንክባፃሕ እናሰርሑ እዮም፡ ፡ ኣብ ዳግም ህንፀት ትግራይ’ውን ትኹረት ገይሮም እናሰርሑ ይርከቡ፡፡ንግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓዱሽ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ኮይኖም ዝተመደቡ ዶክተር ኣብርሃም በላይ፣ ኣብቲ ክልል ጊዘ ዘይህቡ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሓገዝ ምድሓን ሂወት ተኻይዶም እዮም፤ይካየዱ’ውን ኣለዉ፡፡ ብተወሳኺ’ውን ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምዝርራብ ምምሕያሻት ኣሰራርሓታት ሕግን ምሕደራን ከምተገበሩ ገሊፆም እዮም፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ሰላምን ፀጥታን ብህፁፅ ከምፅኡ ዘኽእሉ ርኡያት ስጉምቲታት ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምልዛብ ሓዊሱ፣ ቅድሚ ምጅማር ዝመፅእ ክረምቲ ዜጋታትና ብህፁፅ ክጣየሹን ናብ ስራሕቲ ሕርሻ ክምለሱን ብዘኽእል መገዲ ልዑል ቆላሕታ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም እዮም፡፡ ስለዚ ንዚ ስራሕ ምሕጋዝን ንክዕወት ምግባርን ይግባእ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ዓብይ እጃም ክወፃእ ኣለዎ፡፡ ሰላም ኮነ ደሕንነት ከምኡ’ውን ህልውና ህዝቢ ዋርድያ ባዕሉ እቲ ህዝቢ እዩ፡፡

ሓረስታይ ብእዋኑ መሬቱ ሓሪሱ ምህርቲ ንምድንፋዕ 260 ሽሕን538 ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ካብ ወደብ ናብ መኸዘን ዝኣተወ እንትኾን ዛጊድ ን22 ወረዳታት 102 ሽሕ ኩንታል ንክባፃሕ ተገይሩ እዩ፡፡ ምሩፅ ዘርኢ’ውን 35 ሽሕ 599 ኩንታል ናብ ሓረስታት ንክባፃሕ ተገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ 900 ሽሕ ሄክታር መሬት በዘርኢ ንምሽፋን ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ እዩ፡፡ ስለዚ እታወታት ሕርሻ ብእዋኑ ናብ ሓረስታይ ንክበፅሕ ሰላም ወሳኒ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ቐዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡

ግዝያዊ ምምሕዳር ንዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ህፁፅ ኣዋጅ ወይ እውን ኣዋጅ እቶ-እቶን ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስትን ንተወሳኺ ጊዘ ከይናዋሕ ገይሩ ኣሎ፡፡ እዚ ዝተገበር ህዝቢ ብባዕሉ ከይዲ ምኽባር ሰላሙን ደሕንነቱን ዝለዓለ ተሳትፎ ክህልዎ ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር እዩ ፡፡ ኣካላት ፀጥታ ኣብ ኩሉ ቦታ ንህዝቢ ክሕልዎ ኣይኽእሉን፡፡ ህዝቢ ኸባቢኡን ንባዕሉን ክሕልው ኣለዎ፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ ስሩዕ ብመረፃ ዝምስረት ሕጋዊ መንግስቲ ክልል ዝጣየሽ፣ ኣብ ህዝቢ ዝበፅሑ ከበድቲ ፀገማት ካብ ዘለዉዎ ንላዕሊ ከይቕፅሉ፤ ህዝቢ ንዓመታት ዝሳገር ፀገም ከየጋጥሞን ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንቡር ሰላሙ ንክምለስ ብሞዮኦምን ልምዶምን ንህዝቦም ከገልግሉ ድልዋት ዝኾኑን ብህዝቢ ዝተሓረዩን መናእሰይ ትግራይ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣትዮም እናገልገሉ ይርከቡ፡፡ ኮይኑ ግና ትግራይ ክሳብ ሐዚ ዝሰኣነቶም መናእሰይ ከይኣኽሉ ሐዚ ‘ውን እንተኾነ፣ ቀረብ ጥዕና ንኽድንፍዕ ኣቑሑት ናብ ኩሉ ዘባፅሑ፣ ሰብኣዊ ሓገዝን እታወታት ሕርሻን ህዝብና ብእዋኑ ክበፅሖ ቀትርን-ለይትን ደፋእፋእ ዝብሉ፣ መንግስታዊ ግልጋሎት ክጅመር ላዕልን ታሕትን ዝብሉ፣ ሓገዛትን ድጋፋትን ተሰኪሞም ገጠር ከተማ ከይፈለዩ ዘባፅሕ መናእሰይ፣ ዘበናዊ ድኹዒን ምሩፅ ዘርእን ንገባር ከባፅሑ ትኽስ ዘይብሉ መናእሰይ ኮነ ተባሂሉ ብዕጡቓት እናተቐተሉ እዮም፡፡ እዚ ግቡእ ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ከውግዞ ይግባእ፡፡

እዞም መናእሰይ፣ እኹል ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ዘይብሉን ኣብ እዋን ሕማቕ ጊዘን ፀገም ህዝቦም ክፈትሑን ህዝቦም ከገልግሉን ብህዝቢ ዝተመርፁ ምሁራት ተጋሩ ምዃኖም ተረዲእና ደሕንነቶም ኣብ ምርግጋፅ ሓላፍነት ኩሉ ትግራዋይ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ብመንግስቲ ፌደራል ኮነ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ሰላም ንምምላስ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም፡፡ ምልሻታትን ዕጡቓት ዕጥቖም ብምፍታሕ ናብ ሰላማዊ መነባባርኦም ንክምለሱ ተገይሩ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ሐዚ’ውን ውሑስ ሰላም የለን፡፡ ስለዚ ካብዚ ኣፀጋሚ ኩነታት ንምውፃእን ናብ ንቡር ሰላሙን ልምዓቱን ንክምለስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ዋርድያ ሰላም፣ደሕንነቱን ህልውነኡን ክኸውን ይግባእ፡፡

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You