ወይዘሪት ሓዳስ ኪዱ ሰዓረ ትበሃል ፤ ኣብ ወለጋ ተወሊዳ ኣብ መቐለ ‘ያ ዓብያ። ብቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽን ካልኣይ ዲግሪ ዝተመረቐት እንትኾን ሕዚ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣማኻሪት ፅንዓትን ምርምርን ከንቲባ ኮይና እናሰርሐት ትርከብ። ወይዘሪት ሓዳስ ናብ ፖለቲካ ዝኣተወትሉ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ስለ ዝነበሩን ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ ክማለአሉ ዝግበኦ ነገር ዘይተማለአሉ ብምንባሩ’ዩ፡፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ እቲ መንእሰይ ዘልዕሎ ዝነበረ ሕቶ ዘይተመለሰ ብምንባሩን ከምኡ ‘ውን ርኡይ ለውጢ ክመፅእ ኣለዎ ብምባል ካብ ዝንቐሳቐሱ ዝነበሩ ኣካላት ሓንቲ ‘ያ። ገና ካብ ዩኒቨርስቲ ጀሚራ ብውልቐ ይኹን ብጉጅለ ተወዲባ ምንቕስቓስ ትገብር ነይራ ‘ያ። መንእሰይ ትግራይ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ነይሮሞ ‘ዮም። ንኣብነት ከም ስራሕ ስእነት፣ መሬት፣ ከምኡ ‘ውን ፓርቲታት ብናፅናት ክንቐሳቐሱ ዘይምኽኣልን ዲሞክራስያዊ መረፃ ዘይምህላውን ወዘተ ስለ ዝነበሩ ኣብ ከምዚኦም ዝመሳሰሉ ፀገማት ኣድሂባ ትንቐሳቀስ ነይራ ‘ያ። ይኹን ‘ምበር እቲ ኩነታት ብናፃነት ፖለቲካዊ ምንቕስቓስ ንምክያድን ሕቶ ንምልዓልን ዝምችው ብዘይምንባሩ ከም ድሌታ ኣይትንቐሳቐስን ነይራ፤ ኣብ ከይዲ እቲ ለውጢ ምስ መፀአ ፖለቲካዊ ድሌት ስለ ዝነበራን ከምኡ ‘ውን ደጋፊት ናይቲ ለውጢ ብምንባራ ኣባል ፓርቲ ብልፅግና ኮይና እናነጠፈት ትርከብ። ኣብዚ ኸዚ ዝተረኸበ ሃዋህው ሰላም ድማ ናብ ተግባር ክቕየር ኣለዎ ፣ እዚ ድማ ተረባሓይ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ፣ ካብ ሰላም ብዙሕ ነገር ‘ዩ ዝርከብ ፣ ሃገር ሰላም ንክትኾን ኹላትና ግቡእና ክነዋፅእ ኣለና ትብል፡፡ ምስ ወይዘሪት ሓዳስ ኪዱ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ።
ወጋሕታ፡- ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ወይዘሪት ሓዳስ፡- እዚ ሰላም ስምምዕነት ቅድሚ እቲ ኹናት ‘ውን እናተልዓለ ዝፀንሐ ‘ዩ ፣ መንግስቲ ካብ ኹናት ሰላም ዝሓሸ ኣማራፂ ከምዝኾነ ኣሚንሉ እናሰርሐሉ ዝፀንሐ ‘ዩ።ብፍላይ ብወገን ህወሓት መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ፃውዒት ሰላም እንተገበረሉ ንሰላም ተቐባልነት ከምዘይነበሮ ኢና እናሰማዕና ፀኒሕና።ኣብዚ ኸዚ ግና ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሓደ ብርኪ ናብ ላዕሊ ዝኸድሉን ዝተፈራረምሉን ኣጋጣሚ ስለዝኾነ ብመዳይ መንግስቲ ንሰላምን ዘለዎ ድልውነትን ንልምዓት ዘለዎ ቑርፀኝነትን ዘረጋገፀሉ ‘ዩ ።
ወጋሕታ ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ናብ ተግባር ንክመፅእ ካብ ክልቲኦም ወገናት እንታይ ትፅቢት ይግበር ? ወይዘሪት ሓዳስ፡- ሰላም ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ ትፅቢት ዝግበረሉ ጥራሕ ኣይኮነን።ሰላም ናይ ክልተ ወገን ስምምዕነት ‘ዩ።እዚ ሰላም ተግባራዊ ንክኾን ብወገን ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዘሎ ናይ ሰላም ድልውነት ማዕረ ዝኾነ ድልየት ሰላም ክህሉ ኣለዎ።እቲ ሓደ ወገን ንሰላም እናሰርሐ እቲ ሓደ ወገን ዘፍርስ እንተኾይኑ ቅድሚ ኸዚ እናረአናዮ ዝነበርና መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ናይ እፎይታ ግዘ ሂቡ እናሃለወ ግና ሓደ ሓደ ትንኮሳታት ነይሮም ‘ዮም።በዚ ድማ ሰላም እንትፈርስ ክልተ ሰለስተ ግዜ ሪእና ኢና።ኸዚ ‘ውን ቅድሚ ኸዚ ከምዝበልናዮ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ደላይ ‘ዩ ፣ ሰላም ንክመፅእ ድማ እቲ ህዝቢ ድፍኢት እናገበረ ‘ዩ መፂኡ ።ስለዚ ብወገን መንግስቲ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ዕብየት ብልፅግና ንምርግጋፅ ንሰላም ድልው ከምዝኾነን ሰላም ንክመፅእ ‘ውን እናርሐሎም ዝመፀ ‘ዩ ፣ ቅድሚ ኸዚ መንግስቲ ዝብሎም ዝነበረ ‘ዩ ኸዚ ‘ውን እናተኻየደ ዘሎ ፡፡ ብሕገ መንግስቲ ኹሉ ነገር ስርዓት ክድሕዝ ፣ ኣብ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ሓደ ዓይነት ሉኣላውነት ንክህሉ፤ እዞም ኸዚ ዝተዘርዘሩ ቅድሚ ኸዚ ‘ውን እኮ ሕገ መንግስቲ ንክምለስ ‘ዩ ፃዕሪ ዝግበር ዝነበረ ፣ እዚ ሰላም ንክመፅእ ናይ ክልቲኦም ኣካላት ማዕረ ዝኾነ ተሳትፎ ንክህልዎም ዓብይ ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ኣለዎም ማለት ‘ዩ። እቲ ስምምዕነት ካብ ዝፍረም ሓደ ወርሒ ኾይንዎ ኣሎ።ኣብ ኬንያ ዝተፈረመ ድማ ነቲ ሰላም ቅሩብ ከምዝኾኑ ዝተርኣየሉ ከይዲ ‘ዩ ነይሩ ፣ እዚ ንህወሓት ዝተውሃበ ሰፊሕ ዕድል ‘ዩ።ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ትዕግስትን ንህዝቢ ዘርኣዮ ዝነበረ ወገናውነትን ስለዝኾነ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀበባ ችግርን ‘ዩ ዘሎ ነቲ ህዝቢ ምድሓን ‘ውን ዝብል ስለዝኾነ ነዚ ኣሚኖም ክንቀሳቐሱን ንቲ ስምምዕነት ሰላም ክትግብሩን ኣለዎም ማለት ‘ዪ፡፡
ወጋሕታ፡- እዚ ሰምምዕነት ሰላም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝነበሮ ፅዕንቶ ኣንፃር ክንሪኦ ከለና ዘለዎ ረብሓ እንታይ ይመስል ? ወይዘሪት ሓዳስ፡- ሰላም ምንም ኮታ መመረፂ ዘይብሉ ሓደ ዓብይ መማረፂ ‘ዩ።ናይ ሓደ ዓዲ ልምዓት ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ባህሊ ይኹን ልምዲ ኾነ ዕብየት ናይ ኹሉ መሰረት ሰላም ‘ዩ።ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ እዋን ኣብ ኹናት ዝነበረ ህዝቢ ‘ዩ።ካብ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ ብዛዕባ ዋጋ ሰላም ዝፈልጥ የለን።ብዛዕባ ሰላም እንታይነት ፣ ሰላም ኣብ ሓንቲ ዓዲ ዘለዎ ግደ እቲ ህዝቢ ብደንቢ ገይሩ ‘ዩ ዝፈልጥ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ሰላሳ ዓመት ዝሃነፆ ዝነበረ ፣ ኢኮኖሚ ፣ ማሕበራዊ ጉዳያት ክቡር ሓይሊ ሰብ ‘ዩ ጠፊኡ ዘሎ።ስለዚ ትግራይ ካብዚ ፀልማት ፀበባን ጥምየትን ንምውፃእ እዚ ሰላም ከም ሓደ መማረፂ ‘ዩ።ብተግባር ‘ውን ርኢናዮ ኢና፣ ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ፃውዒት እንትተገበር ድፍኢት እንትገብር እዚ ‘ውን ሓደ ናይቲ ህዝቢ ኣስተዋፅኦ ‘ዩ።ናይ ሓደ ጉጅለ ኣይኮነን። ህዝቢ ኣብቲ ሕማቕ ኩነታት ኾይኑ ‘ውን ድፍኢትን ፃውዒትን ሰላም ይገብር ነይሩ ‘ዩ።ሰለዚ ሰላም ክንብል ከለና እቲ ህዝቢ ትግራይ ኣቀባብልኡ ‘ውን ምርኣይ ንኽእል ኢና።ኣብ ዝተፈላለዩ ሚድያታት ‘ውን እናገለፁ ‘ዮም ነይሮም።እዚ ድማ ንሰላም ዝነበሮ ባህጊ ፣ ዝነበሮ ትፅቢት ካብ ፀልማት ወፂና ሰላም መፂኡ ዝረኸብናዮ ጭላንጭል ሙሉእ ይግበሮ ኣብ ምባል ‘ዩ ዘሎ።ስለዚ እዚ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ፀልማት ፀበባ ወፂኡ ዕብየት ሰላም ራህዋ ዘጉናፅፍ ስለዝኾነ እዚ ኢና ተግባራዊ ክንገብር ዘለና ማለት ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- እዚ ሰምምዕነት ሰላም ሓደ ሓደ አካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ እንትቃዎሙ ርኢና ኢና፤ እዚ ተቃውሞ ካብ ምንታይ ዝተልዓለ ‘ዩ ይብላ ? ወይዘሪት ሓዳስ፡- ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት ህዝቢ ትግራይ ዝራኣዮ ስቓይን መከራን ኣሎ።ንሕና ‘ውን ብዝተፈላለየ መገዲ እናገለፅና ዝፀናሕና ኢና።ትግራይ ልምዓት’ምበር ኣፅዋር ኹናት ኣየድልያን ።መንእሰይ ትግራይ ተማሂሩ ተማራሚሩ ዕብየት ከምፅእ ኣብ ናይ ዕብየት ኢትዮጵያ ‘ውን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንክገብር ኢና ንደሊ ፣ ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ኹናት ኣየድልን ኢና ዝበልና ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣፅዋር ኹናት ኣየደልይን ‘ዩ። ካብ ኣፅዋር ኹናት ትራክተር ክተቕርበሉ ፣ ካብ ኣፅዋር ኹናት ናይ ልምዓት ናወው ዝኾኑ ካልኦት ኢኮኖሚ ዕብየት ዘምፅኡ ነገራት ብምቕራብ እነስፈሐሉ’ምበር ህዝቢ ትግራይ ኣፅዋር ኹናት ተሓንጊጡ ክነብር ድልየትና ኣይኮነን ።እዚ ኢና ከም ሓንቲ ተወላዲት ትግራይ ክገልፅ ዝደሊ።ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮ-ኤርትራ ዝነበረ ዘይምስምዕማዕ ናብ ሰላም ክቕይሩ ከለዉ እቲ ተሓስዩ ዝነበረ ህዝቢ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ።ብስግኣት ክነብር የብሉን ፣ብኣፅዋር ኹናት ዝተዓጠቐ ኹሉ ግዜ ብስግኣት ምንባርን ኣብ ዕብየት ‘ውን ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ኣስተዋፅኦ ስለዘለዎ ህዝቢ ትግራይ እፎይ ኢሉ ቀሲኑ ክሓድረሉ ዝኽእል ምስ ጎረባብቱ ዘለዎ ጉርብትና ‘ውን ንክጠናኸር ኢና እንደሊ።ክሳብ ኸዚ ‘ውን እዚ ንክኾን ኢና ሓሳብና እናንፀባረቕና ዝነበርና። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምሁር ዝባሃል መፍረያይ ሓይሊ ዝበሃል ተዓጢቑ ኣድላይ ኣብ ዘይኮነ ኹናት ዋጋ እናኸፈል ‘ዩ መፂኡ ።እቲ ዕጥቒ ምፍታሕ ክብል ከለና ሓንቲ ሃገር ‘ያ ዘላትና ንሳ ‘ውን ኢትዮጵያ ‘ያ።ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ሕገ መንግስቲ ኣለዋ ፣ በቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ ዕጡቃት ንክህሉ ኣይፈቅድን።ስለዚ በቲ ሕገ መንግስቲ ክልተ ዕጡቃት ንከይህልዩ እንድሕር ዘይፈቅድ ኾይኑ እቲ ሕገ መንግስቲ ድማ ተግባራዊ ይኹን ተባሂሉ ናብ መሬት ክወርድ ከሎ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ክፈትሕ ኣለዎ፡፡ ክፈትሕ ኣለዎ ማለት ድማ ዝተፈለየ ነገር ኣይኮነን።ካብ ዕጥቂ ምፍታሕ ልምዓት ኣሎ ብልፅግና ኣሎ ዕብየት ኣሎ፣ እቲ ሙሁር ሓይሊ ናብ ሰላም ይምለስ፤ እንድሕር ናብ ሰላም ዝምለስ እንተኾኑ ድማ ትግራይ ናብ ምርግጋዕ ‘ያ እትኸይድ።ኾይኑ ግና ዕድመ ልክዖም ናይ ኹናት ዝኾኑ እቲ መንእሰይ ክሞተሎም ዝደለዩ ‘ውን ኣለዉ።ዕጥቂ ክፈትሕ የብሉን ዝብሉ ዘለዉ ንምንታይ ‘ዮም? ሓልየሙሉ ድዩ ? ፣ ትግራይ ዕድመ ልክዑ ኣብ ኹናት ክነብር ኣለዎ ድዩ? ንዉሑዳት ኣባላት ፖለቲከኛታት ክባሃል ኣድላይ ዘይኾነ መስዋትነት ‘ዩ ተኸፊሉ ዘሎ ።ብሰላም ፣ ዘተ ፣ ብልዝብ ክግበር ክፍታሕ ዝነበሮ ጎንፂ። ስለዚ ኣብቲ ወፃኢ ዘለዉ ኣካላት ዝገብርዎ ዘለዉ ተቃዉሞ ፋይድኡ ‘ውን ኣይተረደአንን።እዚ ዘሪአና መንእሰይ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስግኣትን ኣፅዋር ኹናትን ተሓፂሩ ክነብር ‘ዮም ዝደልዩ ማለት ‘ዩ።እዚኦም ድማ ናይ ባዕሎም ረብሓ ዝተረፎም ‘ዮም እዚ መንገዲ እናተኸተሉ ዘለዉ።ካብ ኹናት ረብሓ ዝረክብ ባዕሉ እናመፀ መስዋእቲ ዝኸፍል እንተይኾነስ ኣዮኻ ቦሎም እናበለ እናጓሃሃረ ነቲ ህዝቢ ሰላም ዘስእን ‘ዩ።እዚ ድማ ነቲ ዝመፀ ሰላም ዓብይ ዓንቃፋይ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሚድያ ከምዝሰማዕናዮ እንተኾይኑ እዚ ዕንቅፋት ኣይደልን።ኣብ ወፃኢ ኾይኖም ኣብ ዝተደላደለ ናብራ ኾይኖም ከምኡ ‘ውን ብዝተፈላለየ መገዲ ተጠቀምቲ ዝኾኑን ንዉሑዳት ሰባት ኣብ ስልጣን ንክፀንሑ ኢሎም ዝገብርዎ ዘለዉ ‘ዮም ፣ ንሕና ሰላም ንብል ንሳቶም ድማ መፍረያይ ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ክጠፍእ ኣለዎ እናበሉ ‘ዮም፤ እዚ ‘ዩ እቲ ዓብይ ፍልልይ ተፈጢሩ ዘሎ፡፡
ወጋሕታ፡- እዚ ስምምዕነት ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ተፈፃሚ ንክኸውን ካብ ኣካላት ሚድያ፣ ፓርትታትን ካልኦት ኣካላትን እንታይ ትፅቢት ይግበር ? ወይዘሪት ሓዳስ፡-እዚ ሰላም ተፈፃሚ ንክኾን ናይ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ብፂሒት ክህሉ ኣለዎ።ካብ ፖለቲካ፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ካብ ሚድያ ኣስተዋፅኦ ክግበር ኣለዎ።ብፍላይ ድማ ሚድያታ ኣብ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እዚ ሰላም ተግባራዊ ንክኾን ዓብይ ግደ ኣለዎ።ኣብዚ ኽልተ ዓመት ዝተሓሰየ ማሕበረሰብ ኣሎ፤ናይ ባዕሉ ዝኾነ ‘ውን በሰላ ሒዙ ዝሓለፈ ‘ዩ። ሚድያታት ክሰርሓ ዘለዎን ማሕበረሰብ ኣብ ምቅርራብ ፣ እሴታት ኣብ ምጉልባት ሰላም ክንደየናይ ኣድላይ ከምዝኾነ ምርዳእ’ዩ።ሰላም ዝበለ ኹሉግዜ ተዓዋቲ ‘ዩ።ኣብ ናይ ዓለም ፖለቲካ ‘ውን ሰላም ዝበለ ተዓወታይ ‘ዩ።ሰላም ዝመርፅ ብልፅግና የረጋግፅ ‘ዩ ። ሰላም ዝበለ ንሓንቲ ዓዲ ዕብየት ዘምፅእ ‘ዩ። በዚ መሰረት ሚድያታት ኣብ ዘቕርብኦ ትሕዝቶ ፣ ኣብ ርክብ ህዝብታት ምትእስሳር ብዛዕባ ሰላም ኣጠናኺረን ክሰርሓ ኣለዎን። ፖለቲካ ፓርታት ‘ውን መጀመርያ ነቲ ሰላም ስምምዕነት ትኹረት ክህቡ ኣለዎም።ኣብ ሓንቲ ሃገር ሰላም ኣድላይ ‘ዩ ፣ እንድሕር ሰላም ዘይሃልዩ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራን ኢኮኖሚያውን ርክብ ‘ዩ ዝበላሾ።ፖለቲካዊ ፓርትታት ድማ ብነፃነት ዝንቀሳቀሳሉ ሓሳብ ንሓሳብ ዝለዋወጣሉ እንድሕር ሰላም ሃልዩ ‘ዩ።መፍረያይ ሓይሊ ክፈሪ ዝኽእል ሰላም እንድሕር ሃልዩ ‘ዩ።ካልኦት ምቸው ዝኾኑ ኣጋጣምታት ክፍጠሩ ዝኽእሉን ወለዶ ተጠቓሚ ክኸውን ዝኽእልን ሰላም እንተሃልዩ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ድማ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምቅስቃስ መሰሉ ዝኽበር ሰላም እንተሃል ‘ዩ ።ሰላም ክባሃል ከሎ ከምዚ ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን ፤ ካብ መናእሰይ ሙሁር ጀሚሩ ኩሉ ኣብ ፖለቲካ ምቅስቃስ ዘሎ ኣካል ሰላም ክንደየናይ ኣድላይ ከምዝኸነ ርዱእ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ሰላም ተግባራዊ ንክኾን ናይ ኩሉ ማሕበረሰብ ተሳትፎ የድልይ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ምስ ዘሎ ኩነታት ተደሓሒዙ ኣብ መወዳእታ ዘሕልፈኦ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ወይዘሪት ሓዳስ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ከም ሓንቲ ተወላዲት ትግራይ ከምኡ ‘ውን ከም ሓንቲ ኣመራርሓ እዚ ሰላም ንክመፅእ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸፈለ ዓብይ መስዋእትነት ኣሎ። እዚ መስዋእትነት እንታይ ‘ዩ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ‘ዩ ኢሉ ዘርኣዮ ድልውነት ከምኡ ‘ውን ኣብ መትከሉ ብምፅናዕ ሕገ መንግስቲ መሰረት ብምግባር ቅድሚ ኸዚ ዘቕርቦም ዝነበረ ድልውነት ሰላም ተፈፃሚ ንክኾን ፃዕሪ እናገበረ ከምዝፀንሐ ዝተፈለጠ ‘ዩ።እዚ ፃዕሪ ድማ ተፈፃሚ ንክኸውን ፍረ ክህልዎን ዝገበሮ ፃዕሪ ከም ሓንቲ ትግራወይቲ ከመስግን ይደሊ።ከምኡ ‘ውን ህዝቢን መንግስትን ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ወገናውነት ብምርኣዩ፣ ፀበባን ፀገምን ይኣኽሎ ኢሉ ሓገዝ ንክኣቱ፣ መንእሰይ ድማ ናብ ልምዓት ክኸድ ኣለዎ ኢሉ ድጋፍ በምርኣይ እዚ ‘ውን ክምስገን ዝግባእ ‘ዩ።እዛ መፂኣ ዘላ ሰላም ‘ውን ኣብ ተግባር ንክትውዕል ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ምትሕብባር የድልዮ ‘ዩ ከም ትግራዎት ድማ ዓብይ ሓላፍነት ትፅቢት ይግበረልና ‘ዩ ፣ ብምኽንያት ኹናት ተጎዲኡ ዘሎ ከባቢታት ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኹሉ ብፂሒቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡ ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን ፡፡ ወይዘሪት ሓዳስ ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።
መሰረት ገ/ዮሃንስ