‹‹ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ዝተራእዩ ለውጥታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም››ኣይተ መስፍን ደሳለኝ

ኣይተ መስፍን ደሳለኝ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ከተማ ማይጨው ‘ዮም ተወሊዶም። ብቐዳማይ ዲግሪ ብኢንጅነሪንግ ዝተመረቑ ኮይኖም ቕድሚ ለውጢ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ኣብ ማይጨው ኮሎጅ ቴክኒክን ሞያን ከምኡ ‘ውን ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብሞያ መምህርነት ዘገልገሉ እንትኾኑ ከምኡ ‘ውን ኣብ መቐለ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሰሪሖም ‘ዮም።

ኣይተ መስፍን ሐዚ ኣብ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ምክትል ኣቦ ወንበር ኮይኖም ‘ዮም እናሰርሑ ዝርከቡ። ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ኣድሂቡ ዝተገበረ ቓለ መሕትት ከምዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

 ወጋሕታ፡- እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ከም ትዴፓ ከመይ ተዓዚብክምዎ?

ኣይተ መስፍን፡- እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ከም ትዴፓ ብኣወንታዊ ኢና ንምልከቶን ንድግፎን። ትዴፓ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ቕርሕንቲ ብሰላም ‘ምበር ብኹናት ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ኣይኣምንን። ክሳብ ሕዚ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ዝድገፍን ዝተባባዕን ‘ዩ። ትዴፓ ነዚ ጉዳይ እዚ ናብ ተግባር ንምቕያር ‘ውን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ዝከኣሎ ኩሉ እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ።

ኩናት ነንበዓልኻ ይቕረ ምስ ካሊእ ሃገር ‘ውን እንተኾነ ተገዲድካ ወይ መማረፂ ስኢንካ ተዛይኮይንኻ ትኣትዎን ዘዋፅእ ኣይኮነን። ኣብ ኩናት ስዓር ኣይትስዓር ተጎዳኢ ኢኻ። እዚ ድማ ነንባዕልኻ ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ጎዳኢ ‘ዩ። ሰዓራይን ተሰዓራይን እትኾነሉ ኩነታት የለን። ናይ ክልቲኡ ወገን ጉድኣት ናይ ኩሉ ጉድኣት እዩ። ስለዚ ነቲ ተበፂሑ ዝኒሀ ስምምዕነት ሰላም ትዴፓ ብታሕጓስ ‘ዩ ተቐቢልዎ። ናብ ባይታ ንምውራድ ድማ ምስ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሓቢሩ ንምስራሕ ንደሓር ዝብል ኣይኮነን። እናሰርሐ ‘ውን ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- እዚ ስምምዕነት እዚ ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ መስፍን፡- እዚ ስምምዕነት እዚ ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ረብሓ ‘ዩ ዘለዎ። ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ዘሎ ህዝቢ ‘ዩ። ድሕሪ እዚ ስምምዕነት ኣብ ትግራይ ዝተረኣዩ ለውጥታት ኣለዉ። እንተነኣሰ ካብ ድምፂ ተኹሲ ናፃ ወፂኡ ‘ዩ። እቶም ድሕሪ ስምምዕነት ዝተራእዩ ለውጥታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ህዝቢ ካብ ስግኣት ብዝተወሰነ ደረጃ ናፃ እናኾነ ‘ዩ፤ መሊኡ ድማ ናፃ ክወፅእ ‘ዩ ድሌቱን ድሌትናን።

ኣብ ዋጋ ሸቐጣት ‘ውን እንተሪእና ናይ ምቅናስ ኩነታት ኣሎ ‘ዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ‘ውን እናእተወ ‘ዩ ዘሎ። ሕዚ ህዝቢ ካብቲ ዝነበሮ ስግኣት ዝሓሸ ተስፋ ኣለዎ። ካብቲ ዝነበሮ ከቢድ ፀገም ሕዚ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ተስፋ እናገበረ ‘ዩ ዘሎ። ሰብኣዊ ሓገዛት ምእታው ጀሚሮም ኣለዉ ‘ዮም። ብተፈላለዩ ሚድያታት ንሰምዖ ከምዘለና እቲ ህዝቢ ሰላም እናተፀበየ ከምዝነበረን ተስፋ እናገበረን ‘ዩ ዘሎ።

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዝፀንሐ ከቢድ ፀገም ንምውፃእ ዓብዪ ድሌት ከምዝነበሮን በቲ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ሕጉስ ከምዝኾነን ብተፈላለዩ ሚድያታት እናገለፀ ‘ዩ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ከበድቲ ሰብኣውን ቑሳውን ክሳራታት እናበፅሕዎ መፂአፂኦም ‘ዮም ። ክሳብ ሕዚ ተዓፅዩ መሰረታዊ ግልጋሎታት ስኢኑ ዝነበረ ህዝቢ ‘ዩ። ካብዚ ፀገም ክወፅእ ዝኽእል ነገራት ብሰላም ምፍታሕ ጥራሕ ‘ዩ፤ ስለዚ እዚ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ክኸውን ‘ዩ ድሌቱ።

እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ‘ዩ። ቕድሚ ሕዚ ዝተለምደ ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ዕዉት ስምምዕነት ምፍፃሙ ንኢትዮጵያ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ። ብናይ ፖለቲካ ታሪኽ ኢትዮጵያ እዚ ሓዱሽ ‘ዩ። እዚ ክልመድ ኣለዎ። ነገራት ብሰላም ‘ምበር ብኹናት ኣይፍትሑን ዘሸነፈ የሸንፍ ውፅኢቱ ክሳራ ‘ዩ። ብኽልቲኦም ወገናት ንሰላም ቕሩባት ኮይኖም ኣብዚ ምብፅሖም ክበረታታዕ ዝግባእ ‘ዩ። ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ድማ ናብ ተግባር ንምቕያር ተርኡ ክፃወት ኣለዎ። እዚ ስምምዕነት ሰላም እዚ ከም ሃገር ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ከቢድ ፀገም ናፃ ዘውፅእ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ኣዝዩ ኣብዪ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ድሕሪ ስምምዕነት ዝተራእዩ ለውጥታት ከመይ ይገልፅዎ? ከምኡ ‘ውን እቶም ለውጥታት ተጣናኺሮም ንኽቕፅሉ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ መስፍን፡- ድሕሪ ስምምዕነት ዝተወሰኑ ለውጥታት ኣለዉ ‘ዮም፤ ቕድም ኢለ ከምዝበልክዎ ሰብኣዊ ሓገዛት ይኣትዉ ኣለዉ ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ናይ ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ብኣካል እናተራኸቡ ይዛራረቡ ከምዘለዉ እናተገለፀ ‘ዩ ዘሎ። ቕድሚ ሕዚ ዘይተለመዱ ነገራት እናተሰርሑ ‘ዮም። ንበዓሉ ተኹሲ ጠጠው ምባል ዓብዪ ነገር ‘ዩ። መድሓኒት ‘ውን ምእታው ጀሚሩ ኣለዎ። ብፍላይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ከም መብራህቲን ማይን ዝበሉ መሰረታዊ ግልጋሎታት ብምፅጋን እናጀመሩ ‘ዮም ዘለዉ። ስለዚ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ህዝቢ ዝጥቐመሉ ኩነታት ስለ ዘሎ እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

ህዝቢ ዘሕደሮ ተስፋ ተግባራዊ ንክኸውን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ናብ ተግባር ክልወጥ ካብ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ኣወንታዊ ስራሕቲ ክሰርሕ ድማ ትፅቢት ይግበር። ናብ ባይታ ንምውራድ ዘኽእሎ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ። እዚ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኩሉ ኢትዮጵያዊ ጠቓሚ ስለ ዝኾነ ኩሉ ናይ በዓሉ ኣበርክቶ ክገብር ኣለዎ። ሰላም ንምርካብ ልዑል ዋጋ ምኽፋል የድሊ። ሰላም ክሰፍን ከሎ ኩሉ ተጠቓሚ ‘ዩ ዝኸውን። ብፍላይ ካብ ህወሓትን ፌዴራል መንግስትን ልዑል ሓላፍነት ትፅቢት ይግበር። ካብ ንኹናት ንሰላም ዓብዪ ዋጋ ክኽፈል ዘለዎ።

ብወገን ትግራይ ኮይኖም ሰላም ንምዕንቃፍ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ኣካላት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ በርቲዑ ክቓለሶም ኣለዎ። ብተመሳሳሊ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ‘ውን ኩሉ ክቓለሶም ኣለዎ። ዘላቒ ሰላም ሰፊኑ ህዝቢ ክጥቀም በርቲዕኻ ምቕላስ ኣድላይ ‘ዩ። ሕብረተሰብ ንሰላም ዋጋ ክኸፍል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ምስ እዚ ተተሓሒዙ ትዴፓ እንታይ እናሰርሐ ይርከብ?

ኣይተ መስፍን፡- ትዴፓ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምዝርራብ ህዝቢ ረዳእታ ክረክብ እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። ከምኡ ‘ውን እዚ ስምምዕነት እዚ ናብ ተግባር ንኽቕየር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ። ከም ዝፍለጥ ትዴፓ መሰረቱ ኣብ ትግራይ ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ መሰረት ገይሩ ዝቃለስ ውድብ ‘ዩ። ቅድሚ ሕዚ ኣብ እዋን ኩናት ናይ በዓሉ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ነይሩ ‘ዩ። ሕዚ ድማ ቕድሚ ሕዚ ዝተፈፀሙ ጉድለታት ከይድገሙ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ዝናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ።

በቲ ስምምዕነት መሰረት ኣብ ትግራይ ክፍፀሙ ዝግበኦም ብዙሓት ‘ዮም። ንኣብነት ግዝያዊ ምምሕዳር ክምሰረት ‘ዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ቕድሚ ሕዚ ዝተኻየደ መረፃ ካብ ኣፍልጦ ቦርድ መረፃ ወፃኢ ስለ ዝነበረ ተቐባልነት ኣይረኸበን። እዚ ህወሓት ተቐቢልዎ ኣብቲ ስምምዕነት ተኻቲቱ ‘ዩ፤ ስለዚ ኣብዚ ዝጣየሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ንሕና ከም ተፎኻኸርቲ ፓርቲ ናይ በዓልትና ኣስተዋፀኦ ምግባርና ዘይቐሪ ‘ዩ። ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ድማ ካብ ሕዚ ጀሚርና ሓደ ሓደ ምድላዋት እናገበርና ኢና። ነቲ ሰላም ብምድጋፍ ጉዳይ ትግራይ ይምልከተና ‘ዩ ምስ ዝብሉ ካልኦት ኣካላት ‘ውን ብሓባር እናሰራሕና ኢና ዘለና።

ይኹን ‘ምበር ሓደ ሓደ ኣካላት ብወገን ትግራይ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ነቲ ሰላም ንምኹላፍ እናሰርሑ ‘ዮም ዝረከቡ። ነዚኦም ብሓደ ኮይንካ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ትዴፓ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ናይ በዓሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ።

ቕድሚ ሕዚ ከምዚ ብልዝብል ናብ ሰላም ና ዘይምምፃእ ዕድላት ባኺኖም ‘ዮም። ሕዚ እዚ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ክድገፍ ‘ዩ ዘለዎ። ሓደ ሓደ ኣብ ውሽጢ ህወሓትን ካብ ህወሓት ወፃኢን ኮይኖም ነዚ ዝተረኽበ ሰላም ዘይድግፉ ኣካላት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም። እዚ ዝተረኽበ ስምምዕነት ሰላም ሓዱሽ ‘ዩ። ደስ ኣይብሎምን። ንኸምዚኦም ዝበሉ ኣካላት ምቕላስ ድማ ኣድላይ ‘ዩ። ንሰላም ንዘይደሊ ኣካል ትዴፓ ንምምካት ድልዊ ‘ዩ። እዚ ስምምዕነት ሰላም እዚ ከም ትዴፓ ብፅቡቕ ኢና ተቐቢልናዮ። መንግስቲ እዚ ስምምዕነት እዚ ናብ ተግባር ንምቕያር ይቓለስ ‘ዩ ዘሎ። ንሕና ‘ውን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይና ተፈፃሚነት ክህልዎ ኢና ንሰርሕ ዘለና።

ወጋሕታ፡- ነቲ ዝተበፅሐ ሰላም ንምዕንቓፍ ዝፍትኑ ኣካላት እንታይ ይመኽርዎም?

ኣይተ መስፍን፡- ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ተፈፃሚ ከይኸውን ዕንቕፋታት ንምፍጣር ዝተወሰኑ ዲስፖራ ተጋሩ ሰልፊ ብምውፃእ ነዚ ክቓወሙ ይረአዩ ‘ዮም። እዞም ኣካላት እዚኦም ካብ ስምዒት ወፂኦም ብዛዕባ ሰላም ተዝሓስቡ ‘ዩ ዝምረፅ። ናይ ሰላም ጥቕሚ ካብኣቶም ንላዕሊ ዝፈልጥ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣብ ዝነብርሉ ዓዲ ሰላም ስለ ዘሎ ‘ዮም ተረጋጊዖም ዝነብሩ ዘለዉ። ሰላም ተዘይህሉ ነይሩ ተረጋጊዖም ናብረኦም ክመርሑ ኣይምኽኣሉን ነይሮም። ብዛዕባ ሰላም ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ክቓለሱ ዝነበሮም ንሳቶም ‘ዮም ነይሮም። ኮይኑ ግና እቲ ሓዊ ስለ ዘይረኸቦም ዝግደስሉ ዘለዉ ኮይኖም ኣይስመዐንን። መከራን ስቓን ዝረክብ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ክኾነሉ ‘ዩ ዝደሊ። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ፀገም ‘ዩ ዘሎ። ዝሓዝዎ ኣካይዳ ንማንም ስለ ዘይጠቕም ክእረሙ ኣለዎም። ሰላም ዝደሊ ኣካል ድማ ንኸምዚኦም ዝበሉ ኣካላት ኣትሪሩ ክቓለሶም ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኩናት ይንበር ኢሉ ዝሓስብ ኣካል ናብ ውኒኡ ክምለስ ‘ዩ ዝግበኦ። ንበዓሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ከም ሰብኣዊ ፍጡር ክሓስብ ኣለዎ። እዞም ኣካላት እዚኦም ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቕስቓሳት ንህዝቢ ትግራይ ሓሲቦም ኣይኮኑን። ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ልምዓትን ፍትሕን ‘ዩ ዝደሊ። ንበዓርሶም ኣብ ውሑስ ቦታ ኮይኖም ኩናት ክቑስቑስሉ ኣይግባእን። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ዘሎ። እዚ ክርደኦም ኣለዎም።

ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ኩናት ኣሕሊፉ ‘ዩ፤ ግና ተጎዲኡ ‘ምበር ኣይተጠቐመን። ኣብ ኩናት ሰዓር ኣይትስዓር ጉድኣቱ ‘ዩ ዝምዘን። ብኣሻሓት ሂወት እናኸፈልካ ተዓዊተ ከትብል ኣይትኽእልን። ኣብዚ ኩናት እዚ ዝተሰወአ ብኣሓሻት ‘ዩ። ክንድዚ እናኸፈልካ ምንባር ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ። ስለዚ ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ይኣኽሎ ‘ዩ።

ስለዚ ሕዚ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ምዕንቓፍ ግቡእ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ብኹናት ጥራሕ እንተይኮነስ ብስእነት መድሓኒት፣ ምግቢን ካልኦት መሰረታዊ ነገራትን ኣብ ከቢድ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። እዚ ክስመዖም ‘ዩ ዘድሊ ነይሩ። እንደገና ኩናት ንኽቕፅል ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ንምዕንቓፍ ምፍታን ማለት ህዝቢ ትግራይ ብጥሜትን ኹናትን ይወዳእ ማለት ‘ዩ። ከምዚ ምሕሳብ ማለት ካብ ሰብኣዊ ፍጡር ዘይትፅበዮ ኢሰብኣዊነት ኣተሓሳስባ ‘ዩ።

ውፅኢት ኩናት ካብ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ ዝፈልጦ የለን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ኢና ንደሊ እናበለ እናሃለወ ሰላም ንምሕንኳል ምፍታን ማለት ንህዝቢ ትግራይ ንሕና ጥራሕ ኢና ንፈልጠልካ ማለት ‘ዩ። እቲ ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጠቕም ንኣባላት ህወሓት ‘ውን ‘ዩ ዝጠቕም።

ወጋሕታ፡- ስምምዕነት ሰላም ካብ ዝፈፀሙ ክልቲኦም ኣካላት እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ መስፍን፡- ካብ ክልቲኦም ኣካላት ዝግበር ትፅቢት ነቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ናብ ተግባር ምቕያር ‘ዩ። ፅቡቕ ጅማሮታት ኣለዉ ‘ዮም። ሰብኣዊ ሓገዛት ይኣትዉ ኣለዉ፤ መራሕቲ ሰራዊት ክልቲኦም ኣካላት ብኣካል እናተራኸቡ ‘ውን ይዛራረቡ ከምዘለዉ ንሰምዕ ኣለና ኢና። ኮይኑ ግና ብወገን ህወሓት መግለፂታት ምብዛሕ ይረአዩ ‘ዮም። ነቲ ሰላም ዘዕንቕፉ ነገራት ከይህልዉ ጥንቓቐ የድሊ። ካብ ናይ መንግስቲ ፌዴራል ሰራዊት ወፃኢ ካልኦት ሓይልታት ‘ውን ስለ ዘለዉ ፀገማት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም፤ ይኹን ‘ምበር ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ኣለዎ። መግለፂ ክበዝሕ የብሉን፤ ብሰላማዊ መገዲ ስምምዕነት ሰነድ ናብ ተግባር ምቕያር ‘ዩ ዘድሊ። ቕድሚ ሕዚ ዝተሰርሑ ጉድለታት ኣለዉ ‘ዮም። እዚኦም ከይድገሙ ዝተናበበ ስራሕቲ ክሰርሑ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ምስ እቲ ስምምዕነት ተተሓሒዙ ከሕልፍዎ ዝደልይዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም።

ኣይተ መስፍን፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ኩነታት ‘ያ ዘላ፤ ናህሪ ዋጋ ኣሎ፤ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኩናት እንተቐፂሉ ናብ ዝገደደ ኢና ንኸይድ ዘለና። እቲ ኩናት ብዙሕ ፀገም ኣምፂኡ ‘ዩ። ካብ ትግራይ ወፃኢ ‘ውን እንተኾነ መጠኑ ይንእስ ‘ምበር ጎንፂ ስለ ዘሎ ብዙሕ ፀገም ኣሎ ‘ዩ። ስለዚ ሃገርና ሙሉእ ብሙሉእ ሰላም ንኸትኸውን ኩሉ ህዝቢ ንሰላም ጠጠው ክብል ኣለዎ። ጎንፂ ብዝወሰኸ ቑፅሪ ፀገም እናበኣሰ ‘ዩ ዝኸይድ። ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ጎንፂ ‘ውን እንተኾነ ብቕልጡፍ መልክዕ ክሕዝ ኣለዎ። ህዝብን መንግስትን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ክሰርሑ ኣለዎም። ኩሉ ህዝቢ ንሰላም ኣብዪ ዋጋ ክህብ ኣልዎ። ጎንፂ ኣብዚ ሃለወ ይሃሉ ዝጉዳእ ኢትዮጵያዊ ‘ዩ። ስለዚ ኩሉ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ መግስቲ ጠጠው ብምባል ሓጋዚ ክኸውን ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት ኣዚና ነመስግን።

ኣይተ መስፍን፡- ኣነ ‘ውን ኣዝየ ‘የ ዘመስግን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 29 ህዳር 2015 ዓ.ም

Recommended For You