ፈታዊ ኢትዮጵያ- ሴናተር ኣሜሪካ ጂም

ኣዲስ ኣበባ፡- ሴናተር ግዝኣት ኦክላሆማ ፓርቲ ሪፐብሊካን ኣሜሪካ ጅም ኢንሆፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትመፅኡ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቀባብላ ዝገበርሎም እንትኾኑ፤ “ፈታዊ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሴናተር ዩናይትድ ስቴትስ ጂም ኢንሆፍ ናብ ካልአይቲ ቤቶም ዝኾነት ኢትዮጵያ እንኳዕ ደሓን መፅኡ” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ፅሒፎም። ሴናተር ግዝኣት ኦክላሆማ ፓርቲ ሪፐብሊካን ኣሜሪካ ጅም ኢንሆፍ፣ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበሮ እገዳ ቪዛ ኣብ መድረኽ ሴኔት ከምዝተቓወሙ ይዝከር።“መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግብረ ራዕዲ ምስ ዝተፈረጀ ህወሓት ብማዕረ ምቕማጥ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ” ክብሉ’ውን ገሊፆም እዮም፡፡

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኹሉ ሰላማዊ መፍትሒ ንምምፃእ እናሰርሐ ከምዝርከብ ዝገለፁ ሴናተር ኢንሆፍ ንናይ ሃገሮም ሴኔት ከምዘፍለጥዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምፃእ እናተንቀሳቐሰ ዝርከብ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመረፀ መንግስቲ ሕጋዊ ብዘይኮነ መገዲ ብጥፍኣትን ዕንወትን ስራሕቱ ብግብረ ራዕዲ ምስ ዝተፈረጀ ህወሓት ብማዕረ ምቕማጥ ተቐባልነት የብሉን። ብዋናነት ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ህወሓት ግብረ ራዕዲ ምዃኑ እዩ ዝበሉ ሴናተር ኢንሆፍ፣ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ሓድነትን ሰላምን ንምምፃእ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም። መንግስቲ ኣሜሪካ እቲ ከይዲ ብምድጋፍ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ክብል ከምዝግባእ አመላኺቶም።

ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጠረ ፀገም ዝበፅሐ ጥፍኣት ደው ንምባል እኹል ስጉምቲ ኣይወሰዱን ብዝብል ብርክት ዝበሉ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰበስልጣን ማዕቀብ ቪዛ ከምዘንበረ ዘዘኻኸሩ ሴናተር ኢንሆፍ፣ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እገዳ ቪዛ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጠረ ፀገም ተታሓሒዙ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝተፈጠረ ጎንፂ ብሰላም መገዲ ንምፍታሕ ዝተፈጠረ ሃዋህው ንምርግጋእ ዘኽእል ከምዘይኮነ ሓቢሮም። እቲ እገዳ ብግብረ ራዕዲ ዝተሰየመ ህወሓት ምስ መንግስቲ ብተመሳሳሊ ሪጋ ዘቐምጥ እዩ። እዚ ድማ ትኽክለኛ ዘይኮነ ውሳነ ምዃኑ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም፡፡

 ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወዲ ሰብ ዝበፅሕ ዝኾነ ዓይነት ሰብኣዊ ግህሰት ተቐባልነት ዘይብሉን ተግባርን ምዃኑ፣እዚ ገበን ፈፂሙ ዝተብሃለ ኣካል ተሊዩ ብሕጊ ተጠያቒ ዝገብር ምዃኑ ብምግላፆም ኩርዓት ይስምዐኒ ዝበሉ ሴናተር ኢንሆፍ፤ ብግብረ ራዕዲ ዝተሰየመ ህወሓት ምስ መንግስቲ ብተመሳሳሊ ሪጋ ዘቐምጥ ውሳነ ፍፁም ጌጋ እዩ ኢሎም። ‹‹ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ብቐረባ እፈልጥ እየ።

 ካብ 1997 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ 19 ጊዜ ዑደት ገይረ እየ። በዚ ድማ ምስ ቐዳማይ ሚኒስትራት፣ምስ ሕጊ ዘውፅኡ ኣካላት፣ምስ ቢዝነስ ሰባት፣ምስ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ጥንኩር ርክብ ነይሩኒ። ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ብደንቢ ብደንቢ እፈልጣ እየ ምባል እኽእል›› ኢሎም። ልዕሊ ኹሉ ግን ታሪኻ እፈልጥ። ኢትዮጵያ ካብ መላእ ኣፍሪካ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአት ናይ ነዊሕ እዋን ነፃነት ዘለዋ ጥንታዊት ሃገር እያ ዝበሉ ሴናተር ኢንሆፍ፣ እቲ ዘድነቅ ነገር ግን እታ ሃገር ሕዚ እውን ንዲሞክራሲ ስርዓት ሓዳሽ ምዃና እዩ ኢሎም። ፀገም ዝኾነ እውን ዝኾነ እዚ እዩ ክብሉ ገሊፆም።እዚ እውን ንርዳእ ኢና ኢሎም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣብታ ሃገር ዝመፀ ሓድነት ብሓፈሻ ዝመፀ ለውጢ ኣብ ዝተዛተናሉ እዋን ንዲሞክራሲ ዘለዎም ቁርፀኝነት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ቀፃላይ እዋን ዘለዎም ራእይ ተረዲአ እየ ዝበሉ እቶም ሴናተር፣ እዚ ድማ ብተግባር ኣርእዩ እዩ ኢሎም። ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝኾነ ህወሓት ዘመኑ ሙሉእ ኣብቲ ጎደቦ ይኽተልዎ ዝነበሩ ናይ በለፅ ኣሰራርሓ ምስ ጎረቤት ኤርትራ ናብ ኩናት ካብምእታው ጀሚሩ ኣብቲ ጎደቦ ሰላም ክፍጠር ዘይደልን ዘይከኣለን ነይሩ ክብሉ ሴናተር ኢንሆፍ ገሊፆም። 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ጥቕዓት ፈፂሞም። መንግስቲ እዚ ተኸቲሉ ናብ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ኣትዩ እዩ ኢሎም። ብዋናነት ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ህወሓት ግብረ ራዕዲ ምዃኑ እዩ ዝበሉ ሴናተር ኢንሆፍ፣ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ሓድነትን ሰላምን ንምምፃእ እናሰርሐ ይርከብ። መንግስቲ ኣሜሪካ እቲ ከይዲ ብምድጋፍ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ክብል ይግባእ። ኢትዮጵያውያን እትሰርሕዎ ዘለኹም ንድግፍ ኢና ሓቢርና ኢና ንምባል እፎቱ ኢሎም።

 ኣማንሚካኤል መስፍን

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You