‹‹ እዚ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ተግባር ምውዓሉ እቲ ቐንዲ ተጠቃሚ ንህዝቢ ትግራይ ‘ዩ›› – ኣይተ ጎይቶኦም በርሀ

ኣይተ ጎይቶኦም በርሀ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ፖለቲካዊ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ‘ዮም ፤ መጀመርታ ኣብ 1999 ዓ.ም ፓርቲ ዓረና ካብ ዝመስረቱ ሰባት ሓደ እንትኾኑ ኣብቲ እዋን ብሰንኪ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ስኢኑ ስለ ዝነበረ ምስ መሓዙቶም ኮይኖም ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እናተንቀሳቐስኩ ንምስራሕ ፈቲዮም’ዮም። ኮይኑ ግና ከምቲ ዝሓሰብዎ ክጓዓዘሎም ኣይካኣለን:: ኣባላቶም ይንገላትዑን ካብ ስራሕ መንግስቲ ይባረሩን ከምዝነበሩ ይዝክሩ። ምስ ህዝቢ ማሕበራዊ ርክብ ከይህልዎም’ውን ይገበር ከምዝነበረ ይገልፁ። ብፍላይ ህዝባዊ ጎስጓሳት ኣብ ዝገብረሉ እዋናት ዕንቕፋታት ይበፅሕዎም ስለ ዝነበሩ ካብዚ ፅዕንቶ ንምውፃእ ነፃነት ከምዘድሊ ብምእማን ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) ተመስሪቱ ስለ ዝነበረ ካብ ዓረና ወፂኦም ናብ ዴምህት ተፀምቢሮም። ዴምህት ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዕጥቓዊ ቓልሲ ዘካይድ ዝነበረ ሓይሊ እንትኾን ኣብ ዴምህት ካብ ተራ ተጋዳላይ ክሳብ ማእኻላይ ተጋዳላይ ኮይኖም ይነጥፉ ከምዝበረ ይሕብሩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሰላም ጥራሕ ‘ዩ ፤እዚ ዝተረኸበ ናይ ሰላም ተስፋ ናብ ተግባር ብምምፃእ ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝብና ነፃ ክነውፅእ ይግባእ ይብሉ:: ምስ ኣይተ ጎይቶኦም በርሀ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ ፡- ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል ? ኣይተ ጎይተኦም፡- ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ዉድብ ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ደስ ዝብል ዜና ‘ዩ ነ:: ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኹናት ዝራኣዮን ዝተሳተፈሉን ‘ዩ ነይሩ:: ኹናት ከምዝፍለጥ በላዒ ህይወትን ኣውዳሚ ንብረትን ‘ዩ:: ካብ ኹናት ምንም ኸስቢ ከምዘየለ ንኹሉ ዝርደኦ ‘ዩ:: ካብዚ ብምብጋስ ፌደራል መንግስቲ ይኹን ዉድብ ህወሓት ንመጀመርያ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝገበርዎ ስምምዕነት ሰላም ዳሓራይ ድማ ኣብ ኬንያ ኣብ ናይ ክልቲኦም ወታደራዊ ሓለፍቲ ዝገበርዎ ናይ ሰላም ስምምዕነት ፅቡቕ ተስፋ ዝሃበን ዓብይ ዜና ‘ውን ‘ዩ ኾይኑ:: ብፍላይ ድማ ንሕና ከም ኢትዮጵያውያን ትግራይ ‘ውን ሓንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ሕድ ሕድና ኣብ ጠረንጴዛ መፂና ኢህን ምሂን ክንብልን ከምቲ ዘተ ሰላም ዝተሰማዕምዑ ንሕናውን ኣብዚ ሰላም ኣብ ምፍጣር ክሰርሕ መገዲ ዝኸፈተልናን ትምህርቲ ዝወሰድናሉን ‘ዩ:: እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ዝበለፀ ረብሓ ‘ዩ ዘለዎ:: ስለዚ እዚ ዘተ ሰላም ንኢትዮጵያ ኾነ ነቲ ኣብ ፀገም ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ተስፋ ሃዋህው ሒዙ ዝመፀ ‘ዩ ::

 ወጋሕታ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ካብ ክልቲኦም ወገናት እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ? ኣይተ ጎይቶኦም፡- ቅድሚ ኸዚ እናራእናዮ ከምዝመፃና ኣብ ዓለም ናይ ሰላም ዝርርብ ዝግበርን ልሙድን ‘ዩ:: ድሕሪ ዝተፈላለየ ጎንፂ ኣብ ክልተ ወገናት ንሰላም ስምምዕነት ፊርመኦም ዘዕርፍሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ ‘ዩ:: ኸዚ ዝተገበረ ‘ውን እዚ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና እዚ ኹሉ ከይዲ ምስ ሓለፈ ኣብ መሬት ወሪዱ እንድሕር ዘይተጠቒምናሉ ዝኸሸፈሉ ‘ውን ኣጋጣሚ ስለ ዘሎ ዳግማይ ናብ ኹናት ዝኣተዉሉ ኣብ ዓለም ታሪኽ ርኢና ኢና:: እዚ ድማ ኣባና ከይኸውን ካብቲ ዝሓለፈ ዕንወትን ምጥፋእ ህይወትን ተማሂሮም ክልቲኦም ኣካላት እቲ ዝተሰማዕማዕሉ ጉዳይ ኣብ ባይታ ኣውሪዶም ንክሰርሕሉ ትፅቢት ‘ዩ ዝግበር:: ህዝቢ ‘ውን እዚ ‘ዩ እናተፀበየ ዘሎ:: ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ኣብዚ ተሳትፎኦም ክዋፅኡ ኣለዎም:: ኣቦታት ሃይማኖት ፣ ዓበይቲ ዓድን ዝኣመሰሉን ዓብይ ጎስጓስ ከካይዱ ኣለዎም:: ጎስጓስ ጥራሕ ‘ውን ኣይኮነን ነዞም ክልቲኦም ኣካላት ናብ ሰላም ንክመፁን ተግባራዊ ንክገብርዎን ፅዕንቶ ክፈጥሩ አለዎም:: እዞም ኣካላት እታ ዝፈረምዋ ውዕል ኣብ ባይታ ከሪኡና ኣለዎም:: እንድሕር ኣብ ባይታ እንድሕር ዘይተሪኡ እቲ ህዝቢ ‘ውን ናብ ተስፋ ምቑራፅ ‘ዩ ዝኸይድ:: እዚ ማለት ድማ ህወሓት ዝፈረምዎ ውዕል ኣሎ ፣ እዚ ድማ እቲ ሓደ ዕጥቂ ምፍታሕ ‘ዩ እዚ ንክኸውን ምስ ህዝቢ ክዛተይን ከእምንን ኣለዎ:: ኸዚ ሓደ ሓደ ምድንጋራት እናተርኣዩ ‘ዮም:: እዚ ድማ ቕድመ ኩነታት እናውፃእኻ ከምዚ እንተኾይኑ ከምዚ ዝብል ነገር ኣሎ:: ግና ኣብታ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪካን ዝፈረምዋ ‘ዩ ተግባራዊ ክኸውን ዝግባእ::

ወጋሕታ ፡- እዚ ስምምዕነት ሰላም ተፈፃሚ ንክኸውን ካብ ህዝቢ ትግራይ ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያን ከምኡ ‘ውን ካብ ፖለቲከኛታት ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ? ኣይተ ጎይቶኦም፡- እቲ ዓብይ ጉዳይ እዚ ‘ዩ:: ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ህዝቢ ሰላም ‘ዩ ዝደሊ:: ኣብ ዝሓለፈ ብሰላም ሚኒስትር ዝተገበረ ዘተ ‘ውን ካብ ኹሉ መዳያት ዝተወፃፅኡ ኣካላት ዝነበረ መድረኽ ከም ሓደን ዓብይ ጉዳይን ገይሮም ኣፅንኦት ሂቦም እናተዛተይሉ ዝነበሩ እዚ ሰላም ስምምዕነት በቢ ዘለናዮ በቢ ስራሕ ዘፈርና ብዛዕባ ሰላምን እታ ዝተረኸበት ሃዋህው ሰላም ተጠቂምና ናብ ተግባራውነቱ ንክንመፅእ ንህዝቢ ክጉስጉሱ ‘ዩ እቲ መመርሒ ዝተውሃም:: ፖለቲካ ፓርቲ ‘ውን እቲ ናይ ፅልኢት ንግግር ገዲፍካ ኣብ ሰላምን ሰላም ዘድሀበ ሓበሬታ ‘ዩ ክጋዋሕ ዘለዎ:: ንፌደራል መንግስትን ህወሓትን ድማ ናብ ሰላም ክመፁን ተግባራዊ ክገብርዎን ፅዕንቶ ክብርሎም ኣለዎም:: ካብ ፖለቲካታት ትግራይ ክልተ ዓይነት ሓይሊ ‘ዩ ዘሎ:: እቲ ናይ ህወሓት ዘሎ ኣካይዳ ኣጀንዳ ዘጋዉሑ ዉድባት ፣ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዋ ፓርትታት ድማ ብዛዕባ ሰላም ጭቡጥ ዝኾነ መገዲ ንክመፅእ ፅዕንቶ ከሕድር ክንቀሳቐሳ ኣለወን:: ብፍላይ ድማ ህወሓት እታ ዝፈረማ ነገር ብቕልጡፍ ናብ ባይታ ከውርዳ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ:: ኹሎም ፖለቲካ ውድባት ሰላም ሰላም ምዝማሮም ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቦም ምድሓን ማለት ‘ዩ:: ከምቲ ኣብ እዋን ኹናት ኣብ ጎኒ ፌደራል መንግስቲ ዝኾነ ኸዚ ‘ውን እታ ተረኺባ ዘላ ሃዋህው ሰላም ናብ ባይታ ንክትወርድ ክንሰርሕ ኣለና::

 ወጋሕታ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ? ኣይተ ጎይቶኦም፡- ሰላም ናይ ኹሉ መሰረት ‘ዩ እንብል ነዚ ‘ዩ:: መወዳደርቲ መማዝንቲ ኣልቦ ‘ያ:: ካብ ሰላም ኹሉ ነገር ይርከብ ‘ዩ:: እዚኣ ናይ ሰላም ስምምዕነት ሰላም ምርካባ ድማ ኣብ ትግራይ እንሰምዖ ዘለና ብሰንኪ ኹናት ኣጋጢሙ ዝነበረ ናይ ዋጋ ናህሪ ብፍርቂ ናይ ምቕናስ ፣ ካብ ዓሰርተ ሸውዓተ ሽሕ ዝነበረ እኽሊ ናብ ሽድሽተ ሽሕ ዝወረደሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ ::ነጋዳይ ‘ውን ንባዕሉ ኩነታት ሰላም እናራኣየ ‘ዩ ዝቕንስን ዝውስኽን እዛ ጉዳይ ሰላም ምስ ዝተሰምዐት ኩሉ ናውቲ ናይ ምቕናስ እናርኣየ መፂኡ ‘ዩ:: እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ፤ ካብ ሰላም ብዙሕ ነገር ኢኻ ትረክብ፤ እቲ ሓደ ካብቲን ናብትን ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ሰፊሕ ‘ዩ ዝኸውን:: እናረእና መፂና ኢና ብሰንኪ ሰላም ምስኣንን ሕማቕ ኩነታትን ካብ መቐለ ሃገረሰላም ካብ መቐለ ውቕሮ ዘይንቀሳቐስ ማሕበረሰብ ‘ዩ ነይሩ:: ኸዚ ግና እቲ ህዝቢ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ምንቅስቓስ ኣጋጣሚ ክፍጠረሉ ኣለዎ:: ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምዝውዋር መሰሉ ክንፈግ የብሉን:: እቲ ካልኣይ ዝዓነወ መሰረታዊ ልምዓት ንምምላስ ‘ውን ጥጡዕ ባይታ ዘመቻችው ‘ዩ:: እንትህነፁ ብዙሕ ዓመታት ዝወሰዱ ግና ብምኽንያት ኹናት ብዉሑድ ግዜ ከምዘይነበሩ ዝኾኑ መሰረተ ልምዓት ብዙሓት ‘ዮም:: እዚ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ንባዕሉ እቲ ቀንዲ ኣድላይ ሰላም ‘ዩ:: ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ብሰፊሑ ኣትዩ ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ንክድሕን ሰፊሕ ዕድል ‘ዩ ዝኸፍት:: ብዋሕዲ ምግቢ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢን ብፍላይ ድማ ህፃናትን ሽማግለታትን ብቕልጡፍ ክበፅሓሎም ንምግባር እዚ ሰላም ኣድላይ ‘ዩ:: ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ‘ውን ዘጠናኽር ‘ዩ:: ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ዓፋርን ዝተርኣየ ምቅሕሓር ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ፣ ኣብ ንግዲ ኾነ ካልኦት ማሕበራዊ ህይወቶም ንክምለሱ ንምግባር እዚ ሰላም ስምምዕነት ዓብይ ዕድል ‘ዩ ዝህብ:: ሓድነት ኢትዮጵያ ‘ውን ንክጥንክር ዝገብር ተስፋ ‘ዩ:: ስለዚ ህወሓት እዚ ሰላም ተቐቢሉ ኣብ ተግባር ኣውዒሉ እንድሕር ሰሪሕላ ንህዝቡ ነፃነት ሂቡ ማለት ‘ዩ:: ብሰንኪ እዚ ኹናት መድሓኒት የለን ፣ ህፃናትን ኣለዉ ፣ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናትና ኣለው ፣ ሽማግለታት ኣለዉ እዚኦም መድሓኒት ረኺቦም ህይወቶም ከድሕንሉ ዝኽእልሉ መገዲ ምእንተ ህዝቢ ክባሃል እዚ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ:: እዚ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ግቡኡ ክዋፃእ ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ካብ ኹሉ ንላዕሊ ሰላም ደላይ ህዝቢ ‘ዩ:: ደቁ ናብ ኹናት ካብ ምስዳድ ናብ ትምህርትን ልምዓትን ምልኣኽ ‘ዩ ዝደሊ:: ካብ ኹናት ምንም ረብሓ ከምዘይርከብ ይፈልጥ ‘ዩ፣ስለዚ እዚ ሰላም ናብ ተግባር ንምምፃእ ክደፍእ ኣለዎ:: ምንም ይኹን ምንም ቅድምያ ክዋሃብ ዘለዎ ንድሕንነት ህዝቢ ‘ዩ:: ምስ ህዝቢ ዘተ ገይርካ ፍታሕ ይርከብ ‘ዩ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ እዚ ሰላም ስምምዕነት ናብ ተግባር ንምምፃእ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ:: ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ናብ ንቡር ናብርኡ ክምለስ ኣለዎ:: እዚ ንክኾን ድማ ካብ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ጥራሕ ትፅቢት ዝግበር እንተይኾነስ ካብ ህዝቢ ‘ውን እቲ ዓብይ እጃም ከበርክት ትፅቢት ይግበር:: እቲ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ህድእ ብምባል ረብሑኡ እንታይ ‘ዩ ፣ መጨረሽኡ ናብይ ‘ዩ ኢሉ ክሓትት ይግባእ:: ናይ ኹናት መጨርሽኡ ሰላም ‘ዩ:: ኣብ ማእኸል ግና ህዝቢ መከራ ተቐባላይ ‘ዩ:: ኹልግዜ ንሰላም ቁሩብ ብዝኾና ራህዋን ቅሳነትን ህዝቢ ‘ዩ ዝመፅእ::

ወጋሕታ፡- ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣተዎሉ እዋን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንከቃልል ከምዝኾነ ተረዲኡ ብኸመይ ክቕበሎ ይግባእ ይብሉ ? ኣይተ ጎይቶኦም፡- ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እምነት ንከየሕድር ብዙሕ ስራሕቲ ተሰሪሑ ‘ዩ:: ግና መከላከያ ንሕገ መንግስቲ ተገዛኢ ኾይኑ ‘ዩ ዝሰርሕ፤ ሕገ መንግስቲ ድማ ንህዝቢ ማእኸል ገይሩ ‘ዩ ዝሰርሕ:: ኣብዚ ኸዚ መከላከያ ኣብ ዝተቆፃፀሮ ቦታ ‘ውን ዝተፈላለየ ሓገዛት እናገበረ ከምዝኾነ እናርኣየ ‘ዩ:: ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ እናሓገዘ ነይሩ ‘ዩ፣ኸዚ ‘ውን እናቀፀለሉ ‘ዩ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲከኛታት ንባዕሎም ኣጀንዳ ንምጥቃም ኢሎም ዝተዛረብዎ ብምግዳፍ ኣብ ጎኒ መከላከያ ኾይኑ ስራሕቲ ክሰርሕ ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ኸዚ መጥቀሚ ፖለቲካ ፕሮፖጋንዳ ምዃን ገዲፉ ናብ ስርሑ ክኣቱ ኣለዎ :: ዝጠቕሞን ዝጎድኦነ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ክፈሊ ኣለዎ:: ወጋሕታ፡- ሓደ ሓደ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብፍላይ ‹‹ምፍታሕ ዕጥቂ›› ተቃውመኦም እናስምዑ ‘ዮም ፤ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል? ኣይተ ጎይቶኦም፡- እዚ ብኽልተ ዓይነት ኢና ክንርኦ ንኽእል :: እቲ ሓደ ንፁህ ዳያስፖራ ኣሎ ብስግኣት ዝሪኦ:: እቲ ካልእ ድማ ብናይ ባዕሉ ጥቕማጥቕሚ ብምሕሳብ ዝቃዎም ኣሎ:: ትማሊ ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ነዛ ዓዲ ኣብ ዝበልዑላ እዋን ካብኡ ተጠቀምቲ ዝነበሩ ናይ ዲያስፖራ ኣካላት ‘ውን ኣለዉ:: ኣብዚ ሐዚ እዚ ሰላም ስምምዕነት ኣይንቕበልን ዝበሉ እዚኣቶም ‘ዮም ይፍለጡ ‘ዮም:: ነዚ ሰላም ዘረግቲ ንሳቶም ‘ዮም፤እቶም ቀንደኛት ተሓተቲ ድማ ንሳቶም ‘ዮም ዝኾኑ:: ናዚኣቶም ጥቕሚ የብሉን:: እቲ ናይ ስግኣት ‹‹ሰራዊት ኣምሓራን ኤርትራን ኣሎ፤ ከይወፀ ኣይንፈትሕን›› ዝብል ስግኣት ‘ዩ:: እዚ ስግኣት ካብ ምርግጋዕ ኣንፃር ዝተልዓለ ‘ዩ:: እንተኾነ እቶም ዝቃወሙ ዘለዉ ዳያስፖራታት እዚ ሰላም እንድሕር መፂኡ እቲ ጥቕሚ ክረኽቡ ስለዘይኽእሉ ብምንም ተኣምር እዚ ተረኹቡ ዘሎ ኣጋጣሚ ክቕበሉዎ ኣይኽእሉን::

 ወጋሕታ፡- እቶም ዝቃወሙ ዘለዉ ኣካላት ህዝቦም ካብ ዝኣተዎ ፀገም ንክወፅእ እንታይ ዓይነት ግደ ከወፍዩ ኣለዎም ይብሉ ? ኣይተ ጎይቶኦም፡- ቅንዕና እንድሕር ሃልይዎም፣ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ኣብ ተግባር ንክውዕል ክድግፍኡ ኣለዎም:: እዚ ድማ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ድማ ንካልእ እንተይኾነስ ንናይ ባዕሎም ህዝቢ ረብሓ ክባሃል ‘ዩ:: ንሳቶም እንድሕር ንህዝቦም ዘይደገፉ ኣብዚ ሰዓት ህዝቦም ካብ ኣቲዎ ዘሎ ፀገም እንድሕር ዘየውፂኦም መዓዝ እሞ ክሕግዝዎ:: እዚ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ተግባር ምውዓሉ እቲ ቐንዲ ተጠቃሚ ንህዝቢ ትግራይ ‘ዩ:: ምኽንያቱ ዝብላዕ፣ ሕክምናን መድሓኒትን ስኢኑ እናተሳቐየ ዘሎ ናትና ህዝቢ ‘ዩ:: ግና እዚ ፌደራል መንግስቲ እናነቐፍካ ዝኾነ ጉጅለ እናወደስኻ እንድሕር ኾይኑ ግና ህዝብኻ ባዕልና ኢና ናብ ዝገደደ ፀገም እንእትዎ ማለት ‘ዩ:: ስለዚ ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ተቃወምቲ ኢና በሃልቲ ናብ ቀልቦም ተመሊሶም እንድሕር ብትኽክል ንህዝቢ ትግራይ ተቆርቖርቲ እንተኾይኖም እዚ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ ጉዳይ ኣወንታ ዝኾነ መልሲ ብምሃብ ክሳተፉ ኣለዎም:: እዚ ጉዳይ ፖለቲካ ኣይኮነን፣ ኣብዚ ሰዓርን ተስዓርን ዝባሃል ነገር የለን:: እዚ ስምምዕነት ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቅምን ሃገር ከም ሃገር ፀኒዓ ናብ ልምዓት እትጓዓዘሉ መገዲ ዝኸፈተ ‘ዩ:: እዚ ዕድል ድማ ይትረፍ ንሓንቲ ኣብ ዕብየት ዘላ ሃገር ዓበይቲ ሃገራት ‘ውን ዝብህገኦ ኣንፈት ‘ዩ:: እዚ መገዲ ሰላም ንምቕባልን ተግባራዊ ኣብ ምዃን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ ዓብይ ሓላፍነት ትፅቢት ይግበረሎም::

ወጋሕታ ፡- ምስ እዚ ኩነታት ተተሓሒዙ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከሕልፍዎ ዝደልዩ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም ? ኣይተ ጎይቶኦም፡- ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ከሕልፎ ዝኽእል መልእኽቲ እዛ ተረኺባ ዘላ ዕድል ሰላም ንጠቐመላ :: እዛ ኣጋጣሚ ታሪኽ ‘ያ:: እዛ ሰላም ስምምዕነት እንድሕር ኣብ ተግባር ኣውዒልናያ እዚ ኹሉ ዝሓለፍናዮ ፀገምን ክፉእ ኩነታት ብፅቡቕ ኣጋጣሚ ክሽፍነና ይኽእል ‘ዩ:: ፅቡቕ ታሪኽ ናይ ምሽፋን ዓቕሚ ክህልዎ ‘ዩ:: እቲ ብምኽንያት ኹናት ዝተጎድአ ህዝቢ ‘ውን ናይ ምክሓስ ዓቕሚ ዘለዎ ‘ዩ:: እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ ‘ዩ ኸዚ ሓዱሽ መገዲ ክንጅምር ኣለና:: ዝተጀመሩ መሰረተ ልምዓት ክቕፅሉ ኣለዎም፣ ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ፣ ሰራሕተኛ ናብ ስርሑ ፣ ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ ብምኻድ ድሕንነት ሃገር ከነረጋግፅ ኣለና::

ንመፃኢ ወለዶ ክንሓስብ ኣለና:: ደቅና እንታይ ኢና ክነውርሶም ? እንታይ ዓይነት ታሪኽ ኢና ክገድፈሎም ? ዝብል ሕድ ሕድና ሓላፍነት ወሲድና ክንጓዓዝ ኣለና:: ኣብዚ ንኽልተ ዓመት ዝተፈጠረ ጎንፂ ንጎኒ ገዲፍና ብሰላምን ይቅርታን ተዛዚሙ ታሪኽ ንምዝራብ ‘ውን ኣይንሓፍርን:: እቲ ሓድሽ ወለዶ ድማ ይቅርታን ፀገማት ናብ ጠረጴዛ ኣምፂኻ ምዝታይ ነምህሮለና ማለት ‘ዩ:: ናይ ኹናት መጨረሻ ስምምዕነት ሰላም ‘ዩ:: ሃገር ክቕፅል ኣለዎ :: ሃገር ጠጠው እትብል ብሓይሊ መንእሰይ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና ብኹናትን ስደትን መንእሰይ እንድሕር ነጥፍእ ኾይና ዕብየት ሃገር ‘ውን ብእኡ ልክዕ ‘ዩ ዝዕገት:: ሓዱሽ ወለዶ ንምፍጣር ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሒዝና ክንመፅእ ኣለና :: እዚ ንምግባር ድማ ካብ ሰላምን ምርግጋዕን ‘ዩ ዝፍጠር:: ስለዚ እዘ ስምምዕነት ሰላም ንዓና ኢትዮጵያውያን ዓብይ ተስፋ ስለዝኾነ ኹላትና ተሓባቢርና ኣብ ተግባር ክነውዕል ንግበር ይብል:: ወጋሕታ ፡-ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን:: ኣይተ ጎይቶኦም ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

22 ሕዳር 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You