‹‹ሰላም ክሰፍን ኣለዎ እንትበሃል ዝቃወም ጥዕና ዘለዎ ሰብ ኣይመስለንን›› – ኣይተ መረሳ ካሕሳይ

ጋሻና ኣይተ መረሳ ካሕሳይ ይበሃሉ ። ኣብ ወረዳ እንደርታ ብሞያ ሕጊ እናሰርሑ ዝነበሩ እንትኸውን፤ኣብ ነበር ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ኣማኻሪ ቤት ፅሕፈት ሕጊ ኾይኑ ንሸሞንተ ኣዋርሕ እናሰርሑ ድሕሪ ምፅናሕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር በመሰረት ወሳነ መንግስቲ ካብ መቐለ እንትወፅእ ምስ ኣባላት ጊዚያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ሐዚ ‘ውን እናተቓለሱ ዝርከቡ‘ዮም ፤ምስ ጋሻና ብዛዕባ እዋናዊ ዛዕባ ስምምዕ ሰላም ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ፃንሒት ከም ዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና ፤ሰናይ ፃንሒት።

ወጋሕታ ፡- ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ከመይ ሪኢኻዮ? ብኸመይ ኸ ትገልፆ ? ኣይተ መረሳ፡- ፈለማ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሰላም ሪኢቶ ንክህብ ንዝገበረለይ ዕድመ ኣዝየ እናመስገንኹ፤ ኣብዘን ውሑዳት መዓልታት ኣብ ሃገርና ፅቡቕ ንፋስ እናነፈሰ ‘ዩ ዘሎ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ብሓቂ ፅቡቕ ስንቂ እናኾነና ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ዘርያ ሰላም ሪኢቶ ንኽህብ ዕድል ብምርካበይ ሕጉስ ‘የ፤እዚ ስምምዕ ሰላም ንሃገርና ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣፍሪካን ንመላእ ዓለምን ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ‘ዩ።

እቲ ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዝነበረ ኲናት ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝተገበረ ኲናት ብምዃኑ ኣብ ታሪኽ ከምዚ ዝበለ ኹነታት እንትፍጠር ኣዝዩ ጎዳኢ ‘ዩ። ተሓባቢርና ሃገር ክነልምዕን መገዲ ብልፅግና ክንሕዝ እናተገበአና ነንርእስና እናተዋዳእና ዓወት ዘይብሉ እኳድኣስ ሃገር ዝጎድእን ህዝቢ ናብ ዘስካሕክሕ ኹነታት ዘውድቕን ፤ፀላእትና ድማ ኣብ ልዕሌና ንኽሕይሉ ዕድል ዝኸፍት ስለዝነበረ እቲ ሐዚ ዝተፈፀመ ውዕሊ ሰላም ልዕሊ ኹሉ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅምን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ዕረፍቲ ዝህብ ጉዳይ ‘ዩ። ስለዝኾነ ኣነ ‘ውን ከም ሓደ ዜጋ ኣዝየ ተሓጒሰ ‘የ። ኣነ ብወገነይ ቕድሚ ሐዚ ኣብ ሚዲያ ወፂአ ሪኢቶ ንምሃብ ፈቓደኛ ኣይነበርኩን፣ምኽንያቱ ዝተፈላለየ ትርጉም ስለዝወሃቦ፤ሐዚ ግና ብዛዕባ ሰላም ስለዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ዕድመ እናተገበረለይ ኣነ ‘ውን ደስ እናበለኒ ብዛዕባ ሰላም ሪኢቶይ እናሃብኩ ‘የ። እዚ ስምምዕነት ሰላም ኣዝዩ ልዑል ሓጎስ ‘ዩ ፈጢሩለይ ኣሎ።

ወጋሕታ፡-ነቲ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ወታደራዊ መራሕቲ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ኣብ ኬንያ ዝተገበረ ስምምዕ ኣመልኪቱ ዝተፈላለዩ ኣካላት እናተቓወሙ ይርከቡ ፤ብፍላይ ሓደ ሓደ ዲያስፖራ ተጋሩ ፤እዚ ስምምዕ ሰላም ኣብ ተግባር ንኽውዕል እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል? ኣይተ መረሳ፡- ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ዝተቐመጡ መምርሕታት ኣለዉ፤እቲ ውዕል ተግባራዊ ንክኸውን እንታይ ትፅቢት ይግበር ዝብል እንትማላእ ወይ እንትምለስ ዝተማልአ ይኸውን። እዚ ማለት ፈለማ እቲ ዘተ ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ኹሉ ሰብ ምስ ባዕሉ ክዕረቕ ይግበኦ፤ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ኣምባሳደር ሰላም ክኸውን ኣለዎ፤ሰላም ዝጅምር ካብ ሕድ ሕድ ውልቀ ሰብ ስለዝኾነ ኹሉ ንሰላም ጠጠው ክብል ይግበኦ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተፈጠረ ጎንፂ ‘ውን ከም ውዳበ ይኹን ከም ፓርቲ ፖለቲካ እዚኣቶም ኹሎም ዝሓልፉን ዝኸስሙን ውዳበታት ‘ዮም፤ህዝብን ሃገርን ግና ኣይሓልፉን ቐፀልቲ ‘ዮም። ስለዝኾነ ኣመራርሓ ህወሓት ነዚ ስምምዕነት ሰላም ከየመናትአ ተግባራዊ ንምግባር ቑርፀኛ ክኸውን ይግባእ። መንግስቲ ፌደራል ድማ እቲ ውዕሊ ሰላም ንኽፍፀም ምስ ዝተፈላለዩ መዳግቲ ኣካላት ኮይኑ ነዚ ጉዳይ ክሕግዝ ብምግባርን ናብ ተግባር ክእተው ይግባእ። ከምቲ ዝፍለጥ ሰላም እንትህሉ ‘ዩ ሰሪሕኻ ዝንበርን ዝዕበይን። ኣብ ቐረባ እዋን ዝረአናየን በዓል ሶሪያ ኣብ ውሽጠን ሰላም ስለ ዘይነበረ ከም ሃገር ፈሪሰን ‘የን። ንሕና ሃገርና እንተፈሪሳ ናበይ ኢና ንኸይድ እቲ ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ኹሉ ዜጋ ሰላም ክሰብኽ ኣለዎ፤ኣሉታዊ ሓሳባት ጠጠው ክብሉ ይግባእ፤ኣወንታዉን ንሰላም ዝድግፉን ሓሳባት ክበራኸቱ ይግባእ። ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፅዓኖ ሕማም ድሕረትን ሕሶት ብዕራይ ወለደን እናፈጠሩ ምስ ጎራብቱ ኣባኢሶሞን ብዙሕ ክሳራ ኣውሪዶምሉን ‘ዮም፤እዚ ኹሉ ዝተገበረ ምእንተ ኣብ ስልጣኖም ክፀንሑ ዝገበርዎ ድሑር ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ‘ምበር ህዝብና ብተፈጥሮ ፀገም ሃልይዎ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ልዕሊ ኹሉ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- እቲ ኲናት ጠጠው ምባሉ ዘለዎ ረብሓ ብፍላይ ድማ መናእሰይ ካብ ሞት ዘድሓነን በብመዓልቱ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብኽልቲኡ ወገን ዝወፅእ ወፃኢ ነይሩ ፤በዚ ምኽንያት ድማ ኢኮኖሚ ሃገር እናተዳኸመ ስለ ዝኸይድ ኣብዚ እንታይ ሓሳብ ኣለካ? ኣይተ መረሳ፡- ኲናት ጠጠው እንትብል ዘምፅኦ ረብሓታት ኣዝዩ ብዙሕ ‘ዩ፤ብውሑዱ ብዘይ ሰላም ሰሪሕኻ ምንባርን ወፂእኻ ምምላስን ኸቢድ ‘ዩ፤ብምዃኑ ድማ ኲናት ጠጠው እንትብል ብዋናነት ኢኮኖሚ ሃገር ይረጋጋዕን ዜጋታት ድማ ንስራሕ ድሉዋት ክኾኑ ይዕድም፤ብዘለዎም ክእለትን ሓላፍነትን ንስራሕ ይለዓዓሉ፤ናይ ወፃኢ ኢንቨስተራት ሰላም እንተሃልዩ ናብ ሃገርና ምእታውን ኢንቨስት ምግባርን ይደልዩ፤ቑፅሮም ድማ ይውስኽን፤ማሕበራዊ መነባብሮ ዜጋታት ናብ ንቡር ይምለስን ዓርሰ እምነት ዜጋታት ክህነፅ ድማ ወሳኒ ተራ ዝፃወት ‘ዩ። ስለዝኾነ ሰላም እዞም ዝጠቐስክዎምን ኻልኦትን ረብሓታት ስለዘለዎ ዕብየትን ልምዓትን ንምምፃእ ዕዙዝ ተራ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዓዲ ወፃኢ ዝርከቡ ዝተወሰኑ ተወለድቲ ትግራይ ከምቲ ዝፍለጥ ካብ ፅባሕ ስምምዕነት ሰላም ጀሚሮም ብተቓውሞ መንገድታት እስካዕ ምዕፃው በፂሖም ‘ዮም፤እዚ ተግባሮም ካብ ምንታይ ዝነቐለ ‘ዩ? እቲ ናታቶም ተቓውሞ ንህዝቢ ትግራይ ዝህቦ ረብሓ ኣሎ ዶ? ኣይተ መረሳ፡- ወሳኒ ሕቶ ‘ዩ፤ ኣነ ‘ውን ኣዝዩ ዘገረመኒ ጉዳይ ‘ዩ ፤ምኽንያቱ ኲናት ጠጠው ክብል ኣለዎ ሰላም ክሰፍን ኣለዎ እንትበሃል ዝቃወም ሰብ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ኣይመስለንን፤እዞም ሰባት እዚኦም ናይ ትግራዋይ ስነ ልቦና ዘለዎም ኣይኮኑን። ንህዝብታ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝሓልይ ኣምባሳደር ሰላም ዝኸውን ‘ምበር ሰላም ንምንታይ ተፈጠረ ኢሉ ኣብ ኣደባባይ እናወፀ ኲናት ዝሰብኽ ሰብ ፀላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ትግራይን ‘ዩ።

እዞም ሰባት እዚኦም ኣነ ከም ፀላኢ ‘የ ዝሪኦም ፣ምኽንያቱ እሳቶም ኣፍቲ ዘለዉሉ ቦታ ሰላም ስለ ዘሎ ‘ዮም ዝነብሩ ዘለዉ፤ሰላም ተዘይሃልዩ ሰሪሖም ክነብሩ ኣይኽእሉን። ስለዝኾነ ኣብ ወፃኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ኲናት ንምንታይ ጠጠው በለ እናበለ ዝፍክር ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሓስብ ዘይኮነስ ፀላኢ ‘ዩ። ካብ ሰላም ዕብየትን ብልፅግናን ይርከብ ፤ካብ ሰላም ብዙሕ ትርፍታት ይርከብ፤ካብ ኲናት ዝርከብ ጥቕሚ ከምዘየለ እናፈለጡ መንእሰይ ትግራይ ንኽጠፍእ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ወፂኦም ኣሉታዊ ሓሳብ እናነዝሑ ምጥራዕ ኣዝዩ ዘሕዝን ‘ዩ። ጥዕና ዘለዎ ሰብ ክገብሮ ዘይኽእልን ኢትዮጵያዊ ስነ ልቦና ዘይብሎምን ስለዝኾኑ ልዕሊ እዚኣቶም ፀላኢ የብልናን ፤ ብፍላይ ፅንፈኛታት ዳያስፖራ ህዝቢ ትግራይ ዝውክሉ ኣይኮኑን፤እዚ ክብል ከለኹ ውሑዳት ዳያስፖራታት ኣብ ፅቡቕ ስነ ምግባርን ህዝቢ ኣብ ምሕጋዝን ዝርከቡ ከም ዘለዉ ክዝንጋዕ የብሉን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ንህዝቦም ዝሓልዩ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ‘ዩ፤በዚ መሰረት ድማ ቤት ምኽሪ ማሕበር ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ነተን ብኲናት ዝዓነዋ ከባብታት መሊስኻ ንምህናፅ ፃውዒት ኣቕሪቡ ‘ዩ፤ነቶም ፅንፈኛታት ይኹን ሰላማውያንን እንታይ ኢኻ ትብሎም? ኣይተ መረሳ፡- ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ዳያስፖራ ፣ሙሁራን፣ፖለቲከኛታትን ኹሎም ንሰላም ዝሕለቑን ኢትዮጵያ ሰብ ኣብ ዝሰኣነትሉ እዋን ንሰላም ጠጠው ምባሎም ክምስገኑ ይግባእ፤ምኽንያቱ ሃገርና ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓገዝ እትደልየሉ እዋን ‘ዩ፤ስለዝኾነ ነዞም ንሰላም ዝተሓባበሩ ኹሎም ከመስግን ይፈቱ። ብፍላይ ቤት ምኽሪ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ፃውዒት ገይሩ ‘ዩ፤እዞም ፃውዒት ዝተገበረሎም ዓዶምን ህዝቦምን ዝፈትዉ ፤ኣምባሳደር ሰላም ዝኾኑ ሰባት ምስዚ ቤት ምኽሪ ክሰርሑ ትፅቢት ይገበር፤ንሰላም ጠጠው ኢሎም ምስቲ ቤት ምኽሪ ብሕብረት ተጣሚሮም እቲ ጉዳይ ሰላም ናብ ዝበለፀ ብርኪ ክኸይድን ክትግበርን ክሰርሑን ሃገርና ጀሚራቶ ዘላ መገዲ ልምዓት ክቕፅልን ኣድላዪ ዘበለ ኹሉ ክገብሩ ትፅቢት ይግበረሎም ዝብል ሪኢቶ ኣለኒ። ነቶም ፅንፈኛታት ግና እንተኽኢሎም ኣሰር ናይዞም ኣምባሳደር ሰላም ዝኾኑ ዲያስፖራ ተዝስዕቡ ይሐሾም ምኽንያቱ ህዝብና ሰላም ‘ዩ ዘድልዮ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ እናእተወ ‘ዩ፤መሰረተ ልምዓት ‘ውን እናተሰርሐ ‘ዩ ዘሎ፤እዚ ድማ ምስ ሰላም ተተሓሒዙ ዝመፀ ነገር ስለዝኾነ ከመይ ትገልፆ? ኣይተ መረሳ፡- ካብ ኲናት ዝርከብ ነገር ጥፍኣትን ዕንወትን ‘ዩ፤ ወለዶ የብርስ መሰረተ ልምዓት የዕንው ፤ህዝብታት ብሓድነት ንኸይነብሩ ዓርሰ እምነት ዝኸልእ ‘ዩ። በቲ ተፈጢሩ ዝፀንሐ ጎንፂ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገር ብፍላይ መሰረተ ልምዓት ኣዝዩ ዓንዩ ‘ዩ፤ሐዚ ድማ እናተሰርሐን ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ መንግስቲ ፌደራል ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ‘ዩ፤እዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ወሳኒ እዋን ክረኽቦ ዝግባእን ዝተገበረሉን ጉዳይ ‘ዩ፤ ቐደሙ ‘ውን መንግስቲ ፌደራል ሃገር ንኽትለምዕ እናሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ፤እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ መሰረተ ልምዓት ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅልን ህዝቢ ትግራይ ድማ በቲ ዝግበረሉ ሓገዝ ተረጋጊዑ ናፍቲ ንቡር ኣተሓሳስብኡ ናብ ሰላሙ ክምለስን ህድእ ኢሉ ከም ዘስተባህልን ኣየጠራጥርን።

ወጋሕታ፡-ምእንተ ሰላም ክበሃል ተደጋጋሚ ፃውዒታት ቐሪቦም ነይሮም ‘ዮም፤ብሽምግልና ተፈቲኑ ‘ዩ ዓበይቲ ተፈለጥቲ ሰባት ናብ ትግራይ ኸይዶም ለሚኖም ነይሮም ፤ኣዴታት ‘ውን ብንብዓት ለሚነን ነይረን፤ኣብ መወዳእታ ግና ሰሚሩ ብኣፍሪካውያን ስምምዕ ሰላም ተገይሩ ዩ፤ኣብዚ ዘለካ ሪኢቶ እንታይ ዩ? ኣይተ መረሳ፡- ኣብዚ ክስመረሉ ዝግባእ ነገር ኣሎ ፤መንግስቲ ፌደራል ካብ ድሮ ለውጢ ጀሚሩ ኲናት ከምዘይጠቅምን ፀገማት ብዘተ ክፍትሑ ከም ዝግበኦምን ደጋጊሙ እናተማሕፀነ ፀኒሑ ‘ዩ። ተዓዋታይን ተስዓራይን የለን እናበለ ካብ ፈለማ ዝነበሮ ቖራፅነት ኣዝዩ ዝድነቕ ጉዳይ ‘ዩ። እቶም ዝተልኣኹ ሽማግለታትን ኣዴታትን ተንበርኪኸን ለሚነን ‘የን፤እዚ ኹሉ ናብ ጎኒ ተገዲፉ ሓው ምስ ሓው ተቓቲሉ ብዙሕ ኣሽሓት መናእሰይ ስኢና፤ብዙሕ ዕንወት ኣጋጢሙና፤ማንም ዝተጠቐመ የለን፤ጎዳእቲ ባዕልና ተጎዳእቲ ድማ ባዕልና ኢና፤ሐዚ ‘ውን መንግስቲ ፌደራል እቲ ናይ ሰላም ቕዋሙ እናቐፀለሉ ‘ዩ ዘሎ፤ምኽንያቱ ንሰላም ቑሩብ ከም ዝኾነ ኣብ ዓለም ኣመስኪሩ ‘ዩ። ብሓፈሻ ኢትዮጵያውያን ንኲናት ጥራሕ ዘይኮነስ ንሰላም ‘ውን ጀጋኑ ከም ዝኾኑ ዘመስከረ ስለ ዝኾነ እዚ ፃውዒት ሰላም ካብ ፈለማ ጀሚሩ ይደልዮ ስለ ዝነበረ ዝድነቕ ‘ዩ።

 ወጋሕታ፡-ምስዚ ሰላም ተተሓሒዙ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከተሕልፎ እትደልዮ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህበካ? ኣይተ መረሳ፡- ኣነ ዘለኒ መልእኽቲ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ታሪኽ ዘለዋን ህዝብታታ ድማ ናይ ባዕሎም ሃይማኖት ዘለዎም ህዝብታት ‘ዮም፤ኢትዮጵያውያን ነንርእሶም ክጠፋፍኡ ስለዘይብሎም ሐዚ ድማ ኣምባሳደር ሰላም ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ንቕድሚት ክወፁን እቶም ኣሉታዊ ሓሳብን ዘረባን ዝነዝሑ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ናይ ሰላም ሓይሊ ዝተላበሱ ኣካላት ክሓብሩን ብምግባር ፤እቶም ኣብ ኣደባባይ እናወፁ ንምንታይ ሰላም ኾነ እናበሉ ዘዕገርግሩ ብሕጊ ክሕተቱልና ይግባእ፤ሰላም ንምንታይ ኾነ ኢሉ ምቅዋም ንባዕሉ ዓርሱ ዝኸኣለ ገበን ‘ዩ፤ኣብ ኣደባባይ ሰላም ይስበኽ ‘ምበር ኲናት ምስባኽ ዓርሱ ዝኽኣለ ገበን ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ዓለም ነዚኣቶም ጠጠው ከብለልና ይደልይ ፤ንህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ድማ ሰላም እንትህሉ ኢና ሰሪሕና ንነብርን ደቅና ነዕብይን ስለ ዝኾነ ኹላትና ኣምባሳደር ሰላም ክንኸውን ይግበአና ዝብል መልእኽቲ ኣለኒ።

 ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት የመስግን።

አይተ መረሳ፡-ኣነ የመስግን።

ሄርሞን ፍቃዱ

15 ህዳር 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ  ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You