‹‹ዝነበረ ሓድነትን ፍቕርን ስለዝበልፅ ዝሓለፈ ምርሳዕ ግድን ‘ዩ›› – ኮሎኔል ፍስሃ ገብረመድህን

ስርዓት ደርጊ ንምውዳቕ ኣብ 1978 ዓ.ም ተጋዳላይ ህወሓት ኾይኖም ቃልሲ ዝጀመሩ ‘ዮም :: ኣብ ምድብ እግረኛ ተራ ወታደር ኾይኖም ሞርታር ተኳሲ ነይሮም ‘ዮም:: ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ዝኣትዉ ናይ ሞርታር ሻምበል ኣዛዚ ነይሮም ‘ዮም:: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተዉ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሰሪሖም ‘ዮም:: ኣብ ቤት ትምህርት መሃንዲስ ምምሕዳርን ፋይናንስን ፣ መሃንዲስ መከላከያ ዋና መምርሒ ሓላፊ ሎጂስቲክስ ፣ ናይ ገዛን መሬትን ኽትትል ምምሕዳርን ፋይናንስን ከምኡ ‘ውን ኣብ መከላከያ ኮንስትራክሽን ናይ ኢንዶክትሬሽን ኮሙኒኬሽን ዋና ሓላፊ ኾኖም ኣገልጊሎም ‘ዮም:: ኾይኑ ግና ኣብ 2007 ዓ.ም ኣባል ሰማያዊ ፓርቲ ኢኻ ብዝብል ናብ እስር ቤት ኣትዮም ፣ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ደሞወዝ ‘ውን ተኸልኪሎም:: ኣብ ከይዲ ኣባል ትዴፓ ኾይኖም፣ ድሕሪ እቲ ለውጢ ድማ መሰል ጡረታ ተኸቢርሎም ‘ዩ:: ኮሎኔል ፍስሃ ገብረመድህን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ትግራይ ዴሞክራሲ ፓርቲ (ትዴፓ) ከምኡ ‘ውን ናይቲ ፓርቲ ፀጥታን ድሕንነትን ሓላፊ ‘ዮም:: ናይ ሎሚ ጋሻና ድማ ገይርናዮም ኣለና::

ሕቶ ፡- ኣብ ሰሜን ሃገርና ኣብ ዝነበረ ኹናት ኣብ ክልል ኣምሓራ ፣ ዓፋርን ትግራይን ከም ሃገር ‘ውን ዝበፅሐ ጉድኣት ከቢድ ከምዝኾነ ይፍለጥ ‘ዩ:: ካብዚ ኣንፃር ናይ ኹናት ኽፍኣት ከመይ ይገልፅዎ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ከምዝበልክዎ ኣነ ኹናት ዝፈልጦ ብፊልሚ እንተይኾነስ ኣብ ውሽጢ ኹናት ብዙሕ ዓመታት ዘሕለፍኩ ሰብ ‘የ:: ኹናት ማለት ህይወት ወዲ ሰብ ዝበልዕ ‘ዩ ፣ንብረት ዘዕኑ ‘ዩ፣ ሕድሕድ ተተኳሲ ሃፍቲ ሃገር ‘ዩ:: ዝዓነዉ መኻይን ‘ውን ብዙሕ ብር ዝወፆም ‘ዮም:: እዚ ድማ ዕብየት ሃገር ንድሕሪት ጎቲቱ ‘ዩ:: በዚ ድማ ማንም ዝስማዕማዕ ሓሳብ ‘ዩ:: ካልእ ድማ መንእሰይ ትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ መንእሰይ ኢትዮጵያ ‘ውን ኣብ ልምዓት ዝውዕለሉ ግዘ ኣብ ኹናት ኣሕሊፉ ‘ዩ:: እዚ ድማ ንሃገር ዓብይ ኪሳራ ‘ዩ:: እዚ ኹናት ዓፋር ፣ ኣምሓራን ትግራይን ናይ ኹናት ዓውዲ ገይርዎ ‘ዮ:: ብዙሕ ንብረት ምውዳም ፣ ህይወት ሰብ ምጥፋእ፣ ምምዝባል ኣስዒቡ ‘ዩ:: ከም ሃገር ዝበፅሐ ዕንወት ብዘየሻሩ ኣካል ፅንዓት ዝደሊ እንተኾነ ‘ውን ዓብይ ጥፍኣት ከምዝኾነ ክንክሕድ ኣንኸእልን:: ኹናት ኣጥፋኢ ብምዃኑ ፈፂሙ ክካየድ ኣይነበሮን፣ ዝነበረ ኩነታት ከም ቀሊል ክንሪኦ ኣይግባእን:: ኾይኑ ግና ካብ ፀገም ብምውፃእ ዝጠፍአ ጠፊኡ ናብ ሰላም ምምፃእ ልዕልነት ‘ዩ::

ሕቶ ፡-ኸዚ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ከመይ ይሪእዎ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ብዙሕ ንብረትን ህይወት ሰብን መስዋእቲ እንተኾኑ ‘ውን እቲ ቅሬታ ንምፍታሕ ግና ኸዚ ‘ውን ይካኣል ‘ዩ ዝብል ነገር ዝበረታታዕ ‘ዩ:: መጀመርያ ‘ውን እቲ ኹናት ህዝቢ ትግራይ ኣይደልዮን ነይሩ:: ኾይኑ ግና ብሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዝተጀመረን ትፅቢት ዘይተገበረ ‘ዩ:: ካልኣይ መከላከያ ሰራዊት እንትንካእ እቲ ህዝቢ ንምንታይ ኢሉ ንጉጅለ ህወሓት ይሓትት ነይሩ ‘ዩ:: ብኻልእ ወገን ድማ ህዝቢ ትግራይ ምስ ዓፋርን ኣምሓራን ህዝብታት ናይ ባህሊ ፣ እምነትን ታሪኽን ዝተኣሳሰርሉ ብዙሓት ኣጋጣሚ ኣሎ:: ከባቢ ሰሜን ህዝቢ ሓደ ዝገብሮን ዝመሳስሎን ‘ዩ ዝበዝሕ፤ ሕድሕዶም ብደም ዝተኣሳሰሩ ‘ዩ:: ኹናት ዘስዐቦም ፀገም ከምዘሎ ኾይኑ ሰላም ንምፍጣርን ተግባራዊ ንክኾን ዝተጀመረ ፃዕሪ ክሳኻዕ ዝብል እምነት ኣለኒ:: ዝነበረ ሓድነትን ፍቕርን ስለዝበልፅ ዝሓለፈ ምርሳዕ ግድን ‘ዩ:: ክንፈልጦ ዘለና እዚ ኹናት ዜጋታት ኢድ ከምዘይብሉ ምርግጋፅ ግቡእ ‘ዩ:: እዚ ኹናት ብኹሉ ከባብታት ዘብፀሖ በሰላ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ግና ምግንዛብ የድሊ ‘ዩ:: ኹሉ ነገር ስኽን ኢልካ ምርኣይ ይካኣል ‘ዩ:: ብናተይ ኣረዳድኣ ህዝብታት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ቅሬተኦም ብቀሊሉ ክፈትሑ ‘ዮም ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ:: ህዝብ ንትርፊ ፖለቲካ ኢሎም ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈሉ ፖለቲከኛታት ከምዘለዉ ክፍለጥ ይግባእ:: ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ንምንፃል ዝተኸደ መንገዲ ‘ውን ኣይተሳኸዐን ምባል ይካኣል ‘ዩ:: እቲ ሓደ ካብ ሓደ ምንፃል ኣይካኣልን:: ዝፀንሐ ምትእስሳር ብዝተፈጠረ ቅሬታ ተረሓሒቁ ክፀንሕ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን::

ሕቶ ፡- ፀገማት ጎሊሆም ኣብ ዝተርኣይሉ ክልላት እቲ ሰምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንክኾን ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣብዚ ጉዳይ መዳርግቲ ኣካላት ብዙሓት ‘ዮም:: ሰላምን ሓድነትን ከምዝመፅእ ኣቦታት ሃይማኖት ዓብይ ግደ ኣለዎም:: ኣብ ኩሉ ቦታታት ዘለዎም መራሕቲ እምነት ንተኸተልቶም ሰላምን ዕርቅን ክሰብኩ ኣለዎም:: ተኸተልቶም ናይ እምነቶም ሕጊ የኽብሩ ‘ዮም:: ፅዕንቶ ፈጠርቲ ተፈለጥቲ ሰባት ትርፊ ዘለዎ ካብ ሰላምን ሓድነትን’ምበር ካብ ኹናት ከምዘይኾነ ከፍልጡ ይግባእ:: መራሕቲ ቃል ፈጣሪ ብምግዋሕ ጉዳይ ዕርቂ ምስባኽ ዋና ስረሖም ክኾን ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ:: ካልእ ኣብ ሰላም ጉዳይ ዝሰርሑ ማሕበራት ‘ውን ዓብይ ሚና ኣለዎም:: እዚኦም ህዝብታት ዕድሎም ሓደ ምዃንን ብሓባር እንትነብሩ ዘትርፍዎ ነገር ብዙሕ ከምዝኾነ ክስራሕ ኣለዎ:: ህዝብታት ትግራይ ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ሓደ ‘ዮም:: እቲ ጥፍኣት ኣብ ኩሎም ዝበፅሐ ‘ዩ:: ኸዚ እዚ ንድሕሪት ምሕሳብ ፣ ቂም ምሓዝ፣ ቑስሊ ምሕኻኽ እንተይኾነስ ፀገማት ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ምሙካር ‘ዩ:: ካብ ዝሓለፈ ኽፉእ እዋን ዝመፅእ ሰናይ ዘመን ምሕሳብ ‘ዩ ዝሓይሽ:: ኹሉ ክርደኦ ዝግባእ እዚኦም ህዝብታት ምንም ጥፍኣት የብሎምን:: ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ነይረ ‘የ:: ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓትን ሓድነት ንምምላስ ህዝቢ ኣምሓራ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ብቀሊሉ ዝረአ ኣይኮነን:: ካብ ክልል ኣምሓራ ብዙሕ ሓገዝ እናመፀ ነይሩ ‘ዩ:: ኣብቲ እዋን መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ህዝብን ዝገብርዎ ዝነበሩ ተሳትፎ ዓብይ ‘ዩ:: ክልል ዓፋር ‘ውን ትግራይ መሊስኻ ንምህናፅ ዓብይ ግደ ‘ዩ ነይርዎ:: ኸዚ ‘ውን እንተኾነ ዝተፈጠረ ግዝያዊ ቅርሕንቲ ከምዝኾነ ክፍለጥ ይግባእ::

ሕቶ ፡- ህዝቢ ትግራይ ስምምዕነት ሰላም ንከይቕበል እናጎስጎሱ ዘለዉ ኣካላት እንታይ ሓሲቦም ‘ዩ? ኮሎኔል ፍስሓ፡- ንድሕሪት ከይድና ሓደ ነገር ንዘክር:: ስርዓት ደርጊ ንምውዳቕ ዝተኸደ መገዲ ምዝካር ፅቡቕ ‘ዩ:: ጎስጓስ ይካየድ ነይሩ ‘ዩ:: እዚ ዝግበር ናይ ህዝቢ ወገናውነት ንክርከብ ዝንዛሕ ፕሮፖጋንዳ ‘ዩ:: ኣብዚ ከይዲ 1983ዓ.ም ስርዓት ደርጊ ወዲቑ ብካልእ ተተኪኡ:: ኣብዚ ከይዲ ግና ህዝቢ ንህዝቢ ቅርሕንቲ ኣይነበረን:: ግዳ ኢድን ጓንትን ኾይኖም ‘ዮም እናሰርሑ ዝነበሩ:: ርግፅ እቲ ኹናት ቅድሚ ምጅማሩ ብዝተፈላለየ መራኸቢ ሓፋሽ ህዝቢ ንህዝቢ ናይ ምንኽኻስ ስራሕቲ ይስርሑ ነይሮም ‘ዮም:: ንሕና እዚ ነገር ግቡእ ኣይኮነን እናበልና ዝሰምዐና ኣይነበረን:: ዘይግቡኡ ቃላት ውርወራ ነይሮም ‘ዮም፤ እዚ ኹሉ ኾይኑ ግና እቲ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ክኾን ኣይካኣለን:: ኸዚ ‘ውን እቲ ስምምዕነት ሰላም ናብ መሬት ንምውራድ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ስራሕቲ ክጥንክር ኣለዎ::

ቅድሚ እቲ ኹናት ምጅማሩ ንሓደ ኣኼባ ባህርዳር ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ሓደ ናይ ሃይማኖት ኣቦ ዝበልዎ ምዝካር ይደሊ ‘የ:: ‹‹ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ዘድልዮ ኹናት እንተይኾነስ ዝብላዕ ዳቦ፣ ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ፣ንፁህ ኣየርን ሰላማዊ ህይወትን ‘ዩ›› ኢሎም እንትከራኸሩን ንህዝቢ ዝወገነ ዝርርብ እንትገብሩ ሰሚዐ ነይረ:: እዚ ኣተሓሳስባ ኣብ ኣብዝሓ ህዝቢ ዘሎ እንትኾን ብወገን ትግራይ ህዝቢ ‘ውን እዚ ኣተሓሳስባ ‘ዩ ዘሎ:: እቲ ሕብረተሰብ ዝደሊ ሰላም ‘ዩ:: ካብዚ ምርዳእ ዝካኣል ኣብ ክልቲኦም ዘሎ ህዝቢ ሰላም ደላይ ከምዝኾነ ‘ዩ::፡ ኣብቲ እዋን ኹናት ኾነ ኸዚ ህዝብታት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ብሓባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይነብሩ ‘ዮም ፣ ይበልዑ ይሰትዩ ኣለዉ ፣ ቅድሚ ኸዚ ካብ ዝነበረ ዝተፈለየ የለን:: እዚ ዝኾነ እቲ ጎንፂ ኣብ ህዝቢ ስለዘይኾነ ‘ዩ:: ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣብ መንጎ ፀወታ እንትላዓል እዚ ኹናት ዉሑዳት ዘምፅእዎ ‘ምበር ናይ ሓደ ሃገር ህዝብታት ከመይ ይባኣሱ ዝብል ነስሓ ዘለዎ ዝርርብ ‘ዮም ዝዛረቡ:: ሰለስቲኦም ህዝብታት ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ብሉፅ ግደ ዘለዎምን ዶብ ብምሕላው ሓድነታ ዘቐፀሉ ‘ዮም:: ካብ ትግራይ ዝወፁ ከምዝብልዎ ናይ ውልቀ ሰባት ውልቃዊ ጥቕሚ ፣ ስልጣን ንምድልዳል ዝተገበረ ኹናት’ምበር ናይ ወፃኢ ወራሪ ኣይመፀናን፤ እዚ ፈፂሙ ክኾን የብሉን ኢሎም እንትቃወሙ ኢና ንሰምዕ:: ቅድሚ ዒስራ ዓመታት ኢትዮጵያ እና ኤርትራ ኹናት እናተኻየደ ህዝቢ ንህዝቢ ግና ይራኸብ ነይሩ:: ካልእ ተሪፉ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ነይሩ ‘ዩ:: ኣብ ከባቢ ወሰን ለይቲ መውስቦ ይፍፀም ነይሩ:: ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ክልቲኦም ዶብ እንተተዓፀወ ‘ውን ህዝቢ ንህዝቢ ዝራኸብ ዝነበረ እቲ ጎንፂ ኣብ መንጎ ህዝቢ እንተይኾነስ ድልየት ፖለቲከኛታት ስለዘነበረ ‘ዩ:: እዚ ኹሉ ኮይኑ ቀደማይ ሚኒስትር ናብ ኤርትራ ኣቅኒዖም ሰላም ምስ ወረደ ኣብ ዶብ ዝነበሩ ህዝብታት ብፍላይ ድማ ኣብ ዛላኣንበሳ ህዝቢ ንህዝቢ እንትራኸብ ዝነበረ ስምዒት እዚ ጥራሕ ምዝካር እኹል ‘ዩ:: እዚ ዘይንርስዖ ‘ዩ:: እቲ ኹሉ ኹናት ቅርሕንቲ ተሪፉ ሰላም ዝወረደሉ ‘ዩ:: ካብዚ ‘ውን ብግልፂ እንርድኦ እቲ ኹናት ህዝቢ ንህዝቢ ብዘይምዃኑ ‘ዩ:: ምስ ኤርትራ ‘ውን እንተኾነ መስዋትነት ተኸፊሉ ‘ዩ ሃገር ዝፀንዐ:: ኣነ ኣብቲ ቦታ ስለዝነበርኩ ይፈልጦ ‘የ:: ኣብዚ ኹሉ ኩነታት ኾይኑ ህዝቢ ንህዝቢ ክንፀል ኣይካኣለን:: ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ፣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ይጎርፍ ‘ዩ ነይሩ:: ስለዚ ካብ ኣምሓራ ናብ ትግራይ ካብ ትግራይ ናብ ኣምሓራ ምጉዓዝ ክቕፅል ‘ዩ:: ናብ ዓፋር ‘ውን ተመሳሳሊ:: ብዙሕ ፃዕሪ እንተተገበረ ‘ውን እቲ ጎንፂ ህዝባዊ ምግባር ኣይተኽኣለን:: ግና ኣብቲ እዋን ኹናት ፀገማት ተፈጢሮም ‘ዮም:: እዚ ቅድም ‘ውን ዝነበረ ኸዚ ‘ውን ዘሎ ‘ዩ:: ካልእ ክንርደኦ ዘለና ዕጡቓት ትግራይ ምስ ካልኦት ክልላት ወታደራት ወይም ኣካላት ፀጥታ ሓዲኡ ናይ ሓዲኡ ፀላእቲ ኣይኮኑን:: እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ብደም ዝተኣሳሰረ ‘ዩ:: ስለዚ መንእሰይ ትግራይ ምስ ማንም ኣይፃልእን:: የግዳስ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራ ከምዝረእናዮ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላምን ዕርቅን ይቕርታን ክሰፍን ‘ዩ::

ሕቶ ፡- ኣብዚ ሰሙን እናስተውዓልናዮ ዘሎ ነገር ኣሎ ፤ ኣብ ወፃኢ ዘሎው ዲያስፖራታት ኣብ ሰላም ስምምዕነት ተቃውሞ እናልዓሉ ‘ዮም ::እዚ ንህዝቢ ትግራይ ብምሕሳብ ድዩ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- መራኸቢ ሓፋሽ ዝከታተሎ ብዙሕ ነገር ኣሎ:: ብመጀመርታ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኹናት ብዙሓት ንመስዋእቲ ዝዳረገ ‘ዩ:: ብዙሕ ቅርሺ ዝወፆ ንብረት ‘ውን ዓንዩ ‘ዩ:: ብጉድኣት ኣካል ‘ውን ዓብይ ጉድኣት ዘብፀሐ ‘ዩ:: ብስነ ልቦና ዘብፀሖ ፀገም ‘ውን ልዑል ‘ዩ:: ብዙሓት ህዝቢ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ‘ዩ:: ብቲ ኹናት ዝተልዓለ ሕፅረት ምግቢ ተፈጢሩ ‘ዩ:: እዚ ፀገም ኣብ ትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብቲ ኩነታት ቀጣና ዝነበሩ ክልላት ዓፋን ኣምሓራን ‘ውን ዝተስተዋዓለ ‘ዩ:: ኣብዚ ኹናት ኣቕርቦት መድሓኒት የለን:: ስለዚ እዚኦም ኣካላት ስምምዕነት ሰላም ዝተቃወምዎ ናይ ባዕሎም ምኽንያት ኣለዎም:: እቲ ዋና ምኽንያቶም ኣብ ሃገር ሰላም ንከይሰፍን ‘ዩ:: ካልአይ ንሳቶም ዘትርፉ ካብ ሰላም እንተይኾነስ ካብ ኹናት ‘ዩ:: ናታቶም ደቂ ኣይሞቱን፣ ኣይተፀገሙን ፣ንሳቶም ሰላም ዝትንፍስሉ ኣየር ኾይኖም ‘ዮም ሓዊ ዘቀፃፅሉ ዘለዉ:: እዚ ህዝቢ ትግራይ ክፈልጦን ክነቅሕን ኣለዎ::

ሕቶ ፡- ሰላም ኣየድልን ፣ ኹናት ይቐፅል ኢሎም ሰልፊ ምክያዶም ምኽንያቶም እንታይ ‘ዩ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ከምዝበልክዎ ‘ዩ:: እዚኦም ኣካላት እዚ ኹናት እንድሕር ጠጠው ኢሉ ቢዝነሶም ጠጠው ይብል ‘ዩ:: ንጎሆን ምሸትን ዘይተፈጠረ እናፀሓፉ ሰልፊ እናወፁ ብህዝቢ ይንግዱ ‘ዮም:: ኣብ ርሑቕ ኾይኖም ብኹናት ዝሳቐ ህዝቢ ቢዝነስ ይሰርሑ:: ንሳቶም እናሓሰቡ ዘለው ብዩቱብን ዝኣመሰሉን ዝረኽብዎ ገንዘብ ጥራሕ ‘ዩ:: እዚ ብምዃኑ ከይዲ እቲ ሰላም እንታይ ‘ዩ ኢሎም ካብ ምሕታት ትኽክል ኣይኮነን ኢሎም ምቅዋም ‘ዩ ዝጠቐሞም:: ብሓፈሻ እዚ ዝገብርዎ ንጥቅሞም ጥራሕ ‘ዩ:: ካብዚ ብዝዘለለ ህዝቢ ዝጠቕም ስራሕ ናይ ምስራሕ ድልየት የብሎምን:: ንህዝቢ ሰላም ንሃገር ሓድነት ዝሓስቡ ኣይኮኑን::

ይኮኑን:: ሕቶ ፡- ንዝወለዶምን ንዘዕበዮም ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ምርጋጋዕን ንምንታይ ዘየሕስቦም? ኮሎኔል ፍስሃ ፡- ኸዚ ‘ውን ቅሩብ ንድሕሪት ምስ ኢልና ብታሪኽ ዝኾነ ንመልከት:: ንስርዓት ደርጊ ንምውዳቕ ተባሂሉ ነቲ ቃልሲ ብዙሕ መንእሰይ መስዋእቲ ኾይኑ ‘ዩ:: ብውሑዱ ህዝቢ ትግራይ 60ሽሕ ሰባት መስዋእት ገይሩ ‘ዩ:: ልዕሊ 100ሽሕ ኣካል ጉድኣት ኾይኖም ተሪፎም ‘ዮም:: እዚ ዝተለመደ ኾይኑ ቀፂሉ ‘ዩ:: ኣብዚ ውሽጢ ህዝቢ ትግራይ ምንም ዝተጠቐሞ ነገር የለን:: በዚ ዝተልዓለ ድማ በቢእዋኑ እናሓተተ ፀኒሑ ‘ዩ:: ዉሑዳት ኣመራርሓ ጥራሕ እንትጥቀሙ ፣ እቲ ህዝቢ ተመልካቲ በላዒ ኾይኑ ‘ዩ ዝነበረ፣ ግና ሕትኡ ኣየቋረፀን:: ኣብ እዋን ኢትዮ ኤርትራ ዝነበረም ምዝካር ፅቡቕ ‘ዩ:: ኣብቲ እዋን ‘ውን ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ኣካላት ነይሮም ‘ዮም::ኸዚ ‘ውን ዘሎ እዚ ‘ዩ:: እዚ ናይ ምትሕብባርን ምምራሕን ‘ውን ዝሰርሑ ኣለዉ:: ዝረኽብዎ ጥቕሚ ድማ ብህዝቢ ትግራይ ስም ዝተመሰረቱ ትካላት ልምዓትን ዝኣመሰሉ እናደጎሙ ‘ዮም ዝነብሩ::

ሕቶ ፡- ካብዚ ኹሉ ተቃዋሚ ዲያስፖራን ድልየትን ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት እናሃለወ ህወሓት መንገዲ ሰላም ይሓይሽ ምባሉ ካብ ምንታይ ዝፈልፈለ ‘ዩ ? ኮነሬል ፍስሃ ፡- ኸዚ ዘሎ ሰላም ንምቕባል ህወሓት ብህዝቢ ትግራይ ስለዝተገደደ ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ:: ብተግባር ‘ውን እናተርኣየ ዘሎ እዚ ‘ዩ:: በቲ ኹናት ምኽንያት ዘይተደለየ መስዋትነት ተኸፊሉ ‘ዩ:: በዚ ዝተልዓለ ኣብ ታሕቲ ብምውራድ ኣመራርሓ ህወሓት ህዝቢ እናዛተዩ ነይሮም ‘ዮም:: ደቅና ሕክምና ስኢኖም ብጨው እናሓፀብና ኢና ኢሉ እቲ ህዝቢ:: ሕክምና የለን ፣ ምግቢ የለን መሰረተ ልምዓት የለን እናበሉ ሕቶ እናልዓሉ ‘ዮም:: ናይዚ ኹናት መወዳትኡ ኣበይ ‘ዩ ኢሉ ነቲ ኣመራርሓ እናሓተቱ ነይሮም ‘ዮም:: ናይቲ ህዝቢ ዝመረረ ሕቶ ነቲ ሰላም መገዲ ኣስተዋፅኦ ገይሩ ‘ዩ:: ኸዚ ድማ እናተደራደረ ዘሎ ህወሓት’ምበር ናይ ትግራይ ሰራዊት ኣይኮነን ብምባል እዞም ፅንፈኛታት ካልእ ተንኮል ጀሚሮም ‘ዮም::

 ኣብዚ መንግስቲ ዓብይ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ:: ዝምልከቶም ኣካላት ክረባረቡ ይግባእ:: ስለዚ ጉዳዩ ንህዝቢ በደንቢ ምእማን ኣድላይ ‘ዩ:: ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ እንትኸድ ብዝተፀንዐን ብሓላፍነትን ዝተሳኽዐ ስራሕ ክሰርሕ ኣለዎ:: በዚ መንገድ እንድሕር ከይዱ ብኹናት ዝተማረረ ህዝቢ ትግራይ ብደስታ ‘ዩ ዝቕበሎ:: ብምኽንያት ተደጋጋሚ ኹናት መናእሰይ ትግራይ ረጊፎም ‘ዮም:: መንእሰይ ጥራሕ እንተይኾነ ሽማግለታን ህፃናትን በዚ ኹናት ተጎዲኦም ‘ዮም:: ብዙሕ ምጉዳል ኣካል በፂሑ ‘ዩ:: እቲ ህዝቢ ‘ውን ተማሪሩ ‘ዩ:: ኣብዚ ግር ዝበለ ነገር ከይፍጠር ዓብይ ፃዕሪ ዝሓትት ስራሕ ክስራሕ ከምዝግበኦ ምፍላጥ ግቡእ ‘ዩ:: ሕቶ፡- ከም ወታደር ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ሓይልታት ዕጥቂ እንተፈቲሖም ፀገም ኣለዎ ድዩ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ሕገ መንግስቲ ይከብር ዝብል ምእታዉ ትኽክለኛ መትከል ‘ዩ:: ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ምክልኻል ሰራዊት ክህሉ ኣለዎ ‘ዩ ዝብል::

እዚ እቲ ሕገ መንስቲ ዓንቀፅ 87 ብዝርዝር ኣቕሚጥዎ ‘ዩ:: ስለዚ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ እቲ ሓደ ክኾን ኣለዎ:: ካልእ ዶብ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ መከላካያ ሰራዊት ሃገር ከምዝኾነ ኣቕሚጡ ‘ዩ:: እዚ ‘ውን ብሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 51 ብዝርዝር ተቐሚጡ ‘ዩ:: ስለዚ ኣብ ኢትዮጵያ ካልእ መከላከያ ሰራዊት ክህሉ ኣይግባን:: ካብዚ እንርድኦ ክልላት መከላከያ ሰራዊት ምህናፅን መሰልን ስልጣንን የብሎምን:: ክልላት ዝፍቀደሎም ስሩዕ ወይ ከዓ ህዝባዊ ፖሊስ ‘ዩ:: ትግራይ ክልል ድማ ካብ ካልኦት ክልላት ዝተፈለየ ክኾን ኣይኽእልን:: እቲ ሕጊ ‘ውን ዝብል እዚ ‘ዩ ፤ ሰላም ክሰፍን እንድሕር ኾይኑ ሕገ መንግስቲ ተግባራዊ ክኾን ይግባእ:: ብዙሕ ህይወት ዝተኸፈለሉ ፣ ብጥምየት ህዝቢ ዝተቀፅዓሉ ፣ መሰረተ ልምዓት ዝተቋረፀሉ ፣ ንብረት ዝዓነወሉ ፣ ኣካል ዝጎደለሉ ሕገ መንግስቲ ስለዘይተኸበረ ‘ዩ ፤ ኣብ ስምምዕነት መከላከያ ሃገር ናብ ትግራይ ይእቶ ዝተብሃለ ሕገ መንግስታዊ ስለዝኾነ ‘ዩ::

ሕቶ፡- ኣብ ቀፃሊ ኣብ ካልኦት ክልላት እዚ ተግባር ንከየጋጥም እንታይ ክግበር ኣለዎ ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ወታደር ስለዝነበረኩ ኸዚ ድማ ናብ ፖለቲካ ስለዝኣተኹ ብዙሕ ነገር ክብል ይኽእል ‘የ:: ኣብ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ ዝቃረን ውዳበ ክህሉ የብሉን:: ፖለቲካ ውድባት ‘ውን እዚ ተግባራዊ ክገብራ ይግባእ:: ተግባራዊ ኣይንገብርን ዝብል እንተኾይኖም መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ:: ፓርትታት ብጠረንጴዛ ዙርያ መረፃ ኣሸኒፎም ናብ ስልጣን ክመፁ ይግባእ:: እዚ እንድሕር ዘይኾይኑ ግና ደስ ክብሎም ሰላማዊ መገዲ እንተደልዮም ብጥይት ተዋጊእና ስልጣን ክድሕዝ ኢና ምባል ኣየኽድን:: ፖለቲካ ፓርትታት ኽልተ እግሪ ስለዘለዎም እቲ ሓደ ሰላማዊ ካሊእ እዋን ድማ ብተቃራኒ ጠጠው ክባሃል ኣይካኣልን:: መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ኣለዎ::

ንሃገር ሰላም ህዝቢ ‘ውን ሓላፍነቱ ክወፃእ ይግባእ:: መንግስቲ እንታይ ገይርልና ጥራሕ እንተይኾነስ ንሕና እንታይ ገይርና ኢልካ ምሕታት ግቡእ ‘ዩ:: ንመንግስቲ ጥራሕ ዝውርወር ነገር ጠጠው ክብል ይግባእ:: ስለዚ ኣብ ቀፃሊ ከም ሃገር ንከይጋጥም ብሓባር ዝተወደበ ስራሕ ክስራሕ ትፅቢት ይግበረልና:: ሕቶ፡-ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን:: ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣነ ‘ውን ንዝተውሃበኒ ዕድል የመስግን::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

8 ህዳር 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You