‹‹ናይ ሓሳብ ድርቂ ዝወቕዖም ሰባት መደናገሪ መረዳእታ ከውፅኡ ስለዝኽእሉ ዜጋታት ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ›› ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ

ኣዲስ ኣበባ፡- ናይ ሓሳብ ድርቂ ዝወቕዖም ሰባት መደናገሪ መረዳእታ ሰሪሖም ከውፅኡ ስለዝኽእሉ ዜጋታት ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ሓላፊ ዘፈር ህዝብን ዓለምለኸ ርክብን ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ኣፍሊጦም፡፡ ዶክተር ቢቂላ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዘፍለጥዎ፤ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብብርኪ ዓለምለኸ ምስ ምስፍሕፋሕ ዲጂታል ሚዲያ ተተሓሒዙ ናይ ሓሶት መረዳእታታት ፈጢሮምን ፈብሪኮምን፤ቖሪፆም እናልገቡ ከምኡ’ውን ገጣጢሞምን ኣዋዲዶምን፤ ፈፂሞም ሓሶት ዝኾኑን መሰረት ዘይብሎምን መረዳእታታት ምስርጫው ህዝቢ ምድንጋር እናተለመደ ዝመፀ ጉዳይ እዩ፡፡

 ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ቦታ ክረኽቡ ዘይከኣሉ ከምኡ ‘ውን ናይ ሓሳብ ድርቂ ዝወቕዖም ሓይልታት ቕድሚ ኣዋርሕ ናይ ቐዳማይ ሚኒስትር ዘረባ እዩ ኢሎም ቖሪፆም ዝለገብዎን ገጣጢሞም ብምውዳድ ፈፂሙ ሕሶትን መሰረት ኣልቦን መረዳእታ ከምዘውፅኡ ዘዘኻኸሩ ዶክተር ቢቂላ፤ከምዚ ዝበለ መረዳእታ መሊሶም ከውፅኡ ስለዝኽሉ ዜጋታት ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ ኢሎም፡፡ ሓይልታት ጥፍኣት ንቐፃሊ ‘ውን ካብዚ ንቓዐብ ዝኾነ ነገር ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ዘመላኽት እዩ ዝበሉ ዶክተር ቢቂላ፣ነዚ ዝገብሩሉ ምኽንያት ብሓሳብ ፖለቲካ፣ብመምርሒ፣ብፖሊሲን ስትራተጅን በሊፆም ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝግበኦም ቦታ ክረኽቡ ስለዘይኽእሉን ናይ ሓሳብ ድርቂ ስለዝሃረሞምን ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ምንዛሕ መረዳእታ ሓሶት ብልዑል ኹነታት ንሚዲያ ዓብዪ ፈተና እናኾነ ዝመፀ ጉዳይ እዩ።እዚ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ኢትዮጵያ ብስፍሓት እናተሰራጨወ ይርከብ።ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሕ ፃዕርታት ዘለትሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፤ኣዝዩ ዝተረጋገዐን ሓቃዊ ዝኾነን መረዳእታ ኣብ ዘድልየሉ እዋን እዞም ኣካላት ፈፂሙ ሕሶት ዝኾነን መሰረት ኣልቦን መረዳእታታት ብምፍጣር ህዝቢ ምድንጋር ዝጀመሩሉ ኹነታት ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ካብ ኣኼባ ስራሕ ፈፃሚ ብልፅግና ሸሊኹ ዝወፀ ብዝብል ኣብዚ ሰሙን እዚ ዘውፅእዎ መረዳእታታት ኣፍቲ ኣኼባ ዘይተነገሩ፤ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፣ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ዝተዛረብዎም ድምፅታት ቖራሪፆም ብምግጥጣም ሙሉእ ሓሳብ ክኸውን ብምግባር ዝሰርሕዎ ኣዝዩ ዝወረደ፣ተራን መሰረት ኣልቦን ስራሕ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

መዋደድቲ መረዳእታ ሕሶት እዚ ኣብ ዝገብሩሉ እዋን ምስ ውድቀትን ጥፍኣትን ኢትየጵያ ዝምነዩ ሓይልታት ወፃኢ ብትልሚ፣ብተግባርን ብፋይናንስን ተሓባቢሮም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ዋላ ሓደ ጥርጥር የብሉን።እዚ ሐዚ ዝኸውን ዘሎ ብሓደ ወገን ዓብዪ ሙሁሮ ስለዝኾነ ተሞክሮ ክውሰደሉ ይግባእ ኢሎም።

ንቐፃሊ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ብቐሊሉ ጠጠው ክብሉ ስለዘይኽእሉን ክቕፅሉ ስለዝኽእሉን፤ካብዚ ዝገደደ ዝተዋደደን ዝተፈብረኸን መረዳእታ ዜጋታትና ከጋጥሞም ስለዝኽእል መንግስቲ ንመረዳእታ ሓሶትን ናይ ፅልኢት ዘረባታትን ነቲ ኣዋጅ መሰረት ገይሩ ዝወስዶ ስጉምቲ መአረምታ ከምዘሎ ኾይኑ ዜጋታታት ዓርሶም ክሕልዉን ክጥንቀቑን ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።

መንግስታዊ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ተጠቒሙ ስጉምቲ መአረምታ ክወስድ እዩ፤ይኹን ‘ምበር ዜጋታትና ሓቃዊ መረዳእታ ዝሰራጨወሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሓሶት መረዳእታ ‘ውን ኣዝዩ ብዝቐልጠፈ ኹነታት እናተሰራጨወ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ስሩዕን ዲጂታልን ሚዲያታት ዝመሓላለፉ መረዳእታታት ቕድሚ ምእማኖም እቲ ፍልፍል ብዝግባእ ምምርማር፣ምስልሳልን ከምኡ ‘ውን ካብ ኽልተን ሰለስተን ፍልፍል መረዳእታታት ሓቃውነቶም ከፃርዩ ከምዝግበኦም ኣመልኪቶም።እቲ መረዳእታ ብዝግባእ ሚዛናውቱ ኣፃርዮም ንኽቕበሉ መፀዋዕታ ኣቕሪቦም።

መንግስቲ ኣብ ኸይዲ እቲ ለውጢ ትካላዊ ብዝኾነ መገዲ ክምራሕ ኣለዎ፤ኸይዲ ስርዓት ዲሞክራሲ ሓቃውን ሚዛናውን ብዝኾነ መረዳእታ ክድገፍ ኣለዎ ኢሉ ካብ ዝሰርሖም ስራሕቲ እቲ ሓደ ኣዋጅ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሓሶት መረዳእታን ምውፅኡ እዩ።እዚ ድማ ግጉይን ህዝቢ ዘደናግርን ብተወሳኺ ድማ ግቡእ ዘይኮነ ስምዒትን ግንዛበን ዝፈጥር መረዳእታ ብፍላይ ንበዓል ቤት መረዳእታ ይኹን ንውልቀ ሰባትን ትካላትን ተሓተትቲ ዝገብር ኣሰራርሓ ሕጊ ኣለዎ ኢሎም።

መንግስቲ ሕጊ ከኽበር ክገብርን ህዝቢ ንምደንጋር፣ጎንፅን ዘይምርድዳእን ንምፍጣር፣ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ጥርጣረ ንምዝራእ ዝግበሩ ሓላፍነት ዝጎደሎም ኣሰራርሓታት ኣብ ድሕሪት ዘለዉ ኣካላት፣ውልቀ ሰባት ይኹኑ ትካላት ፈልዩ ሕጊ ናይ ምኽባርን ኣግባብ ተሓታትነት ንኽሰፍን ዝግበር ኣካይዳ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ይኣምን ኢሎም።

ዶክተር ቢቂላ ከምዝበልዎ፤ልዕሊ ኹሉ ግን ዜጋታት ብውልቆም ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም።ኣብዚ ዘበን ዝስማዕ ነገር ኹሉ መጋገዪ ዝኾነሉ እዋን እዩ።ነንርእሱ ንኽጓነፅ ዝፍጠሩ መረዳእታታት ብምህላዎም ብዝኾነ መገዲ ዝንገሩ መረዳእታታት ቕድሚ ምቕባልና ደጋጊምና ምርኣይን፤ ሓቃውነቱ ምርግጋፅን ውፅኢቱ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

 ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You