ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 19 ኣባላትን ኣመራርሓን ህወሓት ንብረት ተኣጊዱ

  • ኣባላት ጉጅለ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ጂቡቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

 ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ)፡-ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 19 ኣባላትን ኣመራርሓን ህወሓት ቀወምቲ ንብረታት እገዳ ከምዝተገበረ ግብረ ሓይሊ ደሕንነትን ፀጥታን ኣፍሊጡ፡፡ ብጥብቂ እናተደለዩ ዝነበሩ ኣባላት ጉጅለ ሽበራዊ ህወሓት ኣብ ጂቡቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም፡፡ እቲ ግብረ ሓይሊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝበሎ፣ ኣሸባሪ ጉጅለ ሼኔ እንትድግፉ ዝነበሩ 141 ተጠርጠርቲ ስርዓት ፋይናንስ ንኽቋረፅን ገንዘቦን ንክእገድን ተገይሩ።

ንብረቶም ንክእገድን ንኸይንቀሳቐስን ዝተገበሩ ኣባላትን ኣመራርሓን ግብረ ራዕዲ ህወሓት፣ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብቕፅል ስሙ ወዲ ወረደ፣ ሌተናል ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ብቕፅል ስሙ ፍስሃ ማንጁስ ፣ሜጀር ጀነራል አበበ ተክለሃይማኖት ብቕፅል ስሙ ጆቤ፣ ሜጀር ጀነራል ሀለፎም እጅጉ ብቕፅል ስሙ ወዲ እጅጉ፣ ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ ግደይ፣ብርጋዴር ጀነራል ሃይለስላሴ ግርማይ ብቕፅል ስሙ ወዲ እምበይተይ፣ ብርጋዴር ጀነራል ምግበ ሀይለ፣ ብርጋዴር ጀነራል ተክላይ አሸብር ብቕፅል ስሙ ወዲ ኣሸብር፣ ኣይተ ኢሳያስ ወልደጊዮርጊስ፤ ኣይተ ሓሰን ሽፋ ብድምሩ19 ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ኣብ መቐለ ኮይኖም ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሓበሬታ ዝህቡ፣ ብሕቡእ ደገፋት ፋይናንስን ሎጀስቲክስን እንተቕርቡን ተመሳሲሎም መጥቃዕቲ ዝፍፅሙ ዝነበሩን 14 ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

በተመሳሳሊ እታ ሃገር ማእኸል ግብረ ራዕዲ ንምግባር እናተንቀሳቐሱን ብጥብቂ እናተደለዩን ዝነበሩ ኣባላት ጉጅለ ራዕዳዊ ህወሓት ብመንግስቲ ጂቡቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ዝሓለፈ ሶኒ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜንን ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብፂሖም ናብ ጎረቤት ሃገር ካብ ሞንጎ ዝሃደሙ ኣባላት እቲ ጉጅለ ሃብቶም ገብረስላሴ ወልዩ፣ መሰለ ታመነ እሼቱነን ኮሎኔል መሓመድ በሪሁ ኑርን ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ገበን ብመንግስቲ ጂቡቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ኢዩ እቲ ኮሚሽን ብፍሉይ ንኢቢሲ ዝገለፀ።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣባላት እቲ ጉጅለ፣ ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር ምርመራ ቢሮ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ነቶም ተጠርጠርቲ ተረኪቡ ሕጋዊ ምፅራይ ከምዝገብር ገሊፁ። ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ፌዴሪኢ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ሓይሊታት ፀጥታን ድሕንነትን ብምውዳድ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብገበን ክሕደት ሃገር ተጠርጢሮም ትእዛዝ ማእሰርቲ ዝወፀሎም ኣመራርሓታት ህወሓትን መኮንናትን ካብ ዝተሓብኡሉ ቦታ ብምህዳን ናብ ሕጊ እናቕረበ ምፅንሑ ይፍለጥ ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You