‹‹ቀንዲ ዘብዒ ሰላም፣ ደሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ-ባዕሉ ህዝቢ እዩ›› ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቀንዲ ዘብዒ ሰላም፣ ደሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ህዝቢ እዩ ክብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም። ዶክተር ኣብርሃም ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ዝነበረ ፃንሒት፣ መንግስቲ ፌደራል ሓዱሽ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ዝምድብ ዛጊድ ልዕሊ ክልተ ሰሙናት ተቖፂሮም ኣለዉ ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ብሓገዝን ተስፋን ህዝቢ ትግራይ፣ ፈለማ ቅኒት ሓፈሻዊ ወድዓዊ ህልዊ ኹነታት ብምግባር ብህፁፅ ዝስርሑ ዛዕባታት ምፍላይን መፍትሒ ምሃብን ስራሕቲ ብምስራሕ ናብ ተግባራዊ ስራሕ ኣቲና ኣለና ኢሎም፡፡

ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ ሒደት መዓልትታት እንትርአ ፤ ጊዘ ዘይህቡ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሓገዝ ምድሓን ሂወት ተኻይዶም እዮም፤ይካየዱ ‘ውን ኣለዉ ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም፣፡ብተወሳኺ ‘ውን ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምዝርራብ ምምሕያሻት ኣሰራርሓታት ሕግን ምሕደራን ከምዝተገበሩ ገሊፆም፡፡ኣብ ክልልና ሰላምን ፀጥታን ብህፁፅ ከምፅኡ ዘኽእሉ ርኡያት ስጉምቲታት ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምልዛብ ሓዊሱ፣ ቅድሚ ምጅማር ዝመፅእ ክረምቲ ዜጋታትና ብህፁፅ ክጣየሹን ናብ ስራሕቲ ሕርሻ ክምለሱን ብዘኽእል መንገዲ ልዑል ቆላሕታ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም፡

ካብቶም ብግዚያዊ ምምሕዳር ዝተወስዱ ምምሕያሻትን ምትዕርራያትን ሓደ፣ ንዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ህፁፅ ኣዋጅ ወይ እውን ኣዋጅ እቶ-እቶን ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስትን ንተወሳኺ ጊዘ ከይናዋሕ ብምግባር፣ ህዝብና ብባዕሉ ከይዲ ምኽባር ሰላሙን ደሕንነቱን ዝለዓለ ተሳትፎ ክህልዎ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ፣ ኣዋጅ እቶ-እቶ ስዒቡ ዝተሓላለፈ ‹‹ገደብ ሰዓት ሕላፍ›› ከከም ኩነታቱ ደረጃ ብደረጃ እናተርኣየ ንምምሕያሽን ሙሉእ ብሙሉእ ንምልዓልን ብጊዝያዊ ምምሕዳር ምድላዋት እናተግብሩ ይርከቡ ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም፣ ስለዝኾነ ‘ውን መላእ ትግራዋይ እዚ ምድላው ኣብ ግምት ብምእታው ብትዕግስቲን ተወሳኺ መግለፅ ክከታተል ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ የፍልጥ ክብሉ ኣመልኪቶም።

እዚ ሰናይ ጅማሮ መንግስቲ ፌደራልን ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን፣ ብፍላይ ኣብ ቀፃሊ ዝዝርዘሩ ሓደ-ሓደ ከተማታትን ከባቢታትን ወፃኢ ተፈፃሚ ክኸውን እዩ። እዚ ድማ፣ ህዝብና ሰላሙን ደሕንነቱን ምስ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ተቐናጅዩ፣ ብባዕሉ ከኽብር ከምዝኽእል ኣብ ግምት ዘእተወ ውሳነ እዩ። ኣብ ከይዲ ‘ውን ክልልና ናብ ዝሓሸ ምርግጋዕ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንዘይሕለል እጃም ህዝብና ኣቐዲምና ኣፍልጦ ብምሃብ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ቀንዲ ዕላማ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ኣብ ትግራይ ሕገመንግስቲን ካልኦት ሕግታትን ከይሸራረፈ ንምትግባር ግዴትኡ ዝዋፃእን ቕቡልነት ዘለዎን፣ ሕጋዊ ምሕደራ ብሕጋዊ መንገዲ ንምምፃእ ዘኽእል ቅኑዕ መገዲ ምፍጣሩ ምርግጋፅ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ዋና ስራሕ ፈፃሚ፣እዚ ሰናይ ተግባር ብምጥቃም፣ ስራሕቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ብዕሊ ክግንዘቦን ብዘላቒነት ክልልና ንምርግጋዕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ‘ውን እጃሞም ከወፍዩ ከምዝግባእ ምርዳእ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

‹‹ምስዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝን ድጋፋትን ኣብ መላእ ትግራይ ንምብፃሕ ዘኽእሉ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ክቅፅሉ ክግበር እዩ። ስለዝኾነ ‘ውን፣ ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ፣ ህዝብና ናብ ልሙድ ዕለታዊ ተግባሩ ንምምላስ ዝሕግዙ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ምቕፃል ጀሚሮም እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ጠቐምቲ ርኡያት ስጉምትታት ከምእንወስድ ኣቐዲምና እናፍለጥና፣ ህዝብና ኣብ ሓፈሻዊ ሰላምን ምርግጋዕን ከምኡ’ውን ሰብኣዊ ሓገዝን ወፍሪ ምድሓን ሂወትን ፈተነታት ዳግመ-ህንፀት ትግራይን ንምዕዋት እጃምኩም ክተወፍዩ ከምዝግባእ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ የተሓሳስብ›› ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ክሳብ ስሩዕ ብመረፃ ዝምስረት ሕጋዊ መንግስቲ ክልል ዝጣየሽ፣ ኣብ ህዝብና ዝበፅሑ ከበድቲ ፀገማት ካብ ዘለዉዎ ንላዕሊ ከይቕፅል፤ ህዝብና ንዓመታት ዝሳገር ፀገም ከየጋጥሞን ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንቡር ሰላሙ ክምለስን ንምግባር ብሞዮኦምን ልምዶምን ንህዝቦም ከገልግሉ ድልዋት ዝኾኑን ብሕዝቢ ዝተሓረዩን መናእሰይ ትግራይ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣትዮም እናገልገሉ ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም።

ኮይኑ ግና፣ ክሳብ ሐዚ ዝሰኣንናዮም መናእሰይ ከይኣኽሉና ሐዚ ‘ውን እንተኾነ፣ ቀረብ ጥዕና ንኽድንፍዕ ኣቑሑት ናብ ኩሉ ዘባፅሑ፣ ሰብኣዊ ሓገዝን እታወታት ሕርሻን ህዝብና ብእዋኑ ክበፅሖ ቀትርን-ለይትን ደፋእፋእ ዝብሉ፣ መንግስታዊ ግልጋሎት ክጅመር ላዕልን ታሕትን ዝብሉ፣ ሓገዛትን ድጋፋትን ተሰኪሞም ገጠር ከተማ ከይፈለዩ ዘባፅሕ መናእሰይ፣ ዘበናዊ ድኹዒን ምሩፅ ዘርእን ንገባር ከባፅሑ ትኽስ ዘይብሉ መናእሰይ ኮነ ተባሂሉ ብዕጡቓት እንትቕተሉ ምርኣይ/ምስማዕ ካብ እንጅምር ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለዉ ክብሉ ገሊፆም።

‹‹እዞም መናእሰይ፣ ተዓጢቖም ዝዋግኡ እንተይኮኑስ ህዝቦም ከይጠሚ ላዕልን ታሕትን ኢሎም ዝዕንግሉ፣ ጥኑሳት ኣደታትን ኣሓትን ብስእነት ሕክምና ከይሞታ ቀረብ ጥዕና ክህሉ ዝሰርሑ፣ ሆስፒታላትን ጥዕና ጣብያታትን ናብ ስራሕ ክምለሱ ፃዓርዓር ዝብሉ፣ ህዝቢ ግቡእ ግልጋሎት መንግስቲ ክረክብ ዝሰርሑ፣ ገባር ዓድና ከይሓረሰ ክረምቲ ከየርክቦ እታወት ዘባፅሑ ወዘተ… እዮም። እዞም መናእሰይ ውግንና ዝኾነ ይኹን ፖለቲካ ዘይብሎም፣ ፍልጠቶምን ልምዶምን ሒዞም ኣብ ቁርፂ እዋን ንህዝቦም ወጊኖም ደው ዝበሉ እዮም። ስለዝኾነ ‘ውን፣ እዞም እኹል ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ዘይብሉን ኣብ እዋን ሕማቕ ጊዘን ፀገም ህዝቦም ክፈትሑን ህዝቦም ከገልግሉን ብህዝቢ ዝተመርፁ ምሁራት ተጋሩ ምዃኖም ተረዲእና ደሕንነቶም ኣብ ምርግጋፅ ሓላፍነት ኩሉ ትግራዋይ ምኻኑ ክፍለጥ ከምዝግባእ ክገልፅ እፎቱ›› ኢሎም።

ኣብ ክልልና ትግራይ ንኹሉ ማእኸል ዝገበረን ኣሳታፋይን፣ ሰላማዊ ዝኾነ ምሕደራ ንምርግጋፅ ዘቕረብኩዎ ፃውዒት፣ ካብ ህዝቢ ትግራይን መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያን፣ ከምኡ ‘ውን ሓደ-ሓደ ዓለም-ለኸ ትካላትን ኣባላት ማሕበረሰብን ንዝተገበረለይ ሓገዝ ልዑል ሓበን ይስመዐኒ፤ የቐንየለይ ኢሎም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

 ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You