‹‹ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዘሰጋግር ‘ዩ ›› ኣይተ ሃይለ ገብረሚካኤል

ኣይተ ሃይለ ገብረሚካኤል ኣብ ትግራይ ፍሉይ ሽሙ ዓዲ ኣሕፈሮም ዝተወለዱ እንትኾኑ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳታት እንትጮን ዓድዋን ’ዮም ተማሂሮም። ካብኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ብስራሕ ኣመራርሓ፣ ብቢዝነስ ማኔጅመንት፣ ብማርኬቲንግ ማኔጅመንት ብመጀመሪያ ዲግሪ ዝተማሃሩ’ዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ቢሮታት ብሓላፍነት ዝሰርሑ እንትኾኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ ክልተ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ክትትልን ቁፅፅርን ከምኡ ‘ውን መሰረታዊ ውዳበ ኣማራርሓ ብልፅግና ኾይኖም እናገልገሉ ይርከቡ። ኣይተ ሃይለ ለውጢ ደላይ ’የ ይብሉ። ኩነታት ኣብ ዘለዎ ጠጠው ክብሉ የብሎምን ተቐይሩ ንካልእ ወለዶ ድማ ክሓልፍ ይግባእ፤ ብትማሊ ክንነብር የብልናን ይብሉ። ትማሊ ዝነበረ ጌጋ ፅባሕ ክድገም የብሉን እዚ ንክመፅእ ድማ ሎማዓንቲ ብምጥቃም ለውጢ ምቕባል ግድን ’ዩ ይብሉ። ምስ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣድሂብና ዝገበርናዮ ቓለ መሕትት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፤ ሰናይ ንባብ፤

ወጋሕታ፡-ኣብቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል? ኣይተ ሃይለ፡- መጀመርታ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቕም ብምዃኑን ኩሉ ዝምነዮ ነገር ስለ ዝነበረን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ደስ በለካ ክብል እፈቱ። ኣነ ‘ውን ከም ሓደ ትግራዋይ ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያዊ ክልቲኦም ኣካላት ናብ ስምምዕ ሰላም ምምፀኦም ብጣዕሚ ደስ ኢሉኒ ‘ዩ። እዚ ስምምዕ ሰላም እዚ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ዩ፤ ምኽንያቱ በዚ ኩናት እዚ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ተጎዲኡ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ካብዚ ኩናት እዚ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተጠቐምቲ ዝነበሩ ኣካላት ነዚ ስምምዕ ሰላም እዚ እናተቓወሙ ‘ዮም ዝርከቡ። እዞም ኣካላት እዚኦም ሃገርና ሰላም እንኾይና ክትዓቢ ስለ ትኽእል ‘ዮም ዝቃወሙ ዘለዉ። ምኽንያቱ ፀላእቲ ስለ ዝኾኑ ሃገርና ክትዓቢ ኣይደልዩን።

እዞም ኣካላት እዚኦም ዕቤት ኢትዮጵያውንን ሓድነትን ዘሐጉሶም ኣይኮነን። ሃገርና ኣብ ሕማቕ ብርኪ ከትወድቕ ‘ዮም ዝደልዩ። ብፍላይ ቕድሚ ሕዚ ኣብ ውሽጥን ደገን ኩይኖም ጎስጓስ ኩናት ዘካይዱ ዝነበሩ ኣካላት ሕዚ ‘ውን ካብ ከምዚ ዓይነት ኣመላኻኽታ ኣይወፁን። ኩናት ንኽቕፅል ድሌት ዝነበሮም ኣካላት ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ንሪኦም ኣለና ኢና። እዚኦም ካብቲ ኩናት ተጠቐምቲ ስለ ዝኾኑ ‘ዮም። ደቒ ድኻታት ናብ ኩናት ክኣትዉ ብምግባር ናይ በዓሎም ጥቕሚ ጥራሕ ዝሕልዉ ‘ዮም። ቕድሚ ሕዚ ጀሚሮም ንርእሶም ኣብ ሰላም ዘለዎ ዓዲ ኮይኖም ሃገር ይሕምሱ ‘ዮም ነይሮም። ብሕልፊ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኣካላት ሰላምን ዕቤትን ሃገርና ስለ ዘይደልዩ እቲ ኩናት የጎሃህሩ ‘ዮም ነይሮም፤ ሕዚ ‘ውን ብእኡ ክቕፅል ‘ዮም ዝደልዩ። ብሓፂሩ እቲ ክሳብ ሕዚ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ተግባራዊ እንድሕር ኮይኑ ኢትዮጵያ ክትዓቢ ትኽእል ‘ያ፤ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ መከራ ዝናገፈሉ ‘ዩ። እቲ ዝነበረ ፀልማት ናብ ብርሃን ዝቕየረሉ ‘ዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ሕጉስ ኮይኑ መነባብርኡ ክቕይር ይኽእል ‘ዩ። ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ሃይማኖተኛ ‘ዩ፤ ተመስገን ኢሉ ፈጣሪኡ ኣመስጊኑ ዝነብርን ሰሪሑ ዝበልዕን ህዝቢ ‘ዩ፡ ስለዚ ሰላም እንተረኺቡ ሰሪሑ ሂወቱ ክቕይር ዝኽእል ህዝቢ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ንኸባቢ ክልተ ዓመት ዝኣክል ከም ስልኪ፣ መብራህቲ፣ ትምህርትን ካልኦት ኩሎ መሰራታዊ ግልጋሎታትን ዝተቛረፅዎ ህዝቢ ብምዃኑ ኣዝዩ ተፀጊሙ ‘ዩ ዘሎ። ብተወሳኺ ብዙሕ ህዝቢ ብሕማም፣ ጥሜትን ኹናትን ይመውት ኣሎ ‘ዩ፤ እዚ ስምምዕ ሰላም እዚ ናብ ተግባር ኣብ ዝቕየረሉ ግዘ ግና ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ፤ በቲ ስምምዕ መሰረት መሰረታዊ ግልጋሎታት ስለ ዝረክብ ካብቲ መከራ ሓራ ክወፅእ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ስምምዕ ሰላም እዚ ንህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ወሳኒ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። እዚ ስምምዕ ሰላም እዚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ካብ ፀገምን መከራን ዝወፀሉ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ደላዪ ሰላም ‘ዩ፤ ሰላምን ልምዓትን ዝምነ ህዝቢ ‘ዩ፤ መዓዘ ኢና ካብ ኩናት ንወፅእ ዝብል ዘሎ ህዝቢ ‘ዩ፤ ስለዚ እዚ ስምምዕ ሰላም እዚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ እቲ ብቐጥታ ዝጉዳእ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዘሰጋገረሉ ‘ዩ። መሰረታዊ ልምዓታት ስለ ዝምለሱ ህዝቢ ናብ ስርሑ ዝዋፈረሉ፤ ሞት፣ ስቓይን መከራን ዘብቐዐሉ ‘ዩ።

 ወጋሕታ፡-እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ተግባራዊ ንኽኸውን ካብ ክልቲኦም ወገናት ከ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ? ኣይተ ሃይለ፡- ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝግበር ትፅቢት ዝተስማዕምዕሎም ነጥቢታት ናብ ተግባር ምቕያር ‘ዩ። እዚ ብቕልጡፍ ናብ ተግባር እንተተቐይሩ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ተፀጊኖም ህዝቢ ናብ ዝሓሸ መነባብሮ ክምለስ ይኽእል ‘ዩ። በቲ ኩናት ብዙሓት ዕንወታት ተፈፂሞም ‘ዮም። ብዝበለፀ ኣብ ትግራይ ዋላ ይኹን ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ‘ውን ብዙሓት መሰረታዊ ልምዓታት ዓንዮም ‘ዮም፤ ሂወት ሰብ ጠፊኡ ‘ዩ። ክልቲኦም ተወሃሂዶም ኣብ ልምዓት ክነጥፉ ኣለዎም፤ ኣብቲ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ኣብ ምፅጋን ብምንጣፍ ሃገርና ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ፀገም እትወፀሉ ኩነታት ክፈጥሩ ኣለዎም። እቲ ስምምዕ ሰላም ሽትኡ ክወቕዕ ብስኒትን ቕንዕናን ክሰርሑ ኣለዎም። ንሃገር ኣብ ዝጠቕም ጉዳይ ብዘይ ኣፈላላይ ክሰርሑ ኣለዎም። ናይ ቕድሚ ሕዚ ዝነበረ ኣፋፋላይ ንጎኒ ብምግዳፍ ዝተፈራረምሉ ስምምዕ ናብ ተግባር ኣብ ምቕያር ተጊሆም ክሰርሑ ኣለዎም። ከምታ ዝተጀመረት ስምምዕ ሰላም ናብ ተግባር ኣብ ምልዋጥ ‘ውን በዚ መሰረት ክኸዱ ኣለዎም። ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ኣብ ተግባር ክድገም ኣለዎ። እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ተግባራዊ ክኸውን ኩሉ ናይ በዓሉ ግደ ክፃወት ይግባእ። ናብ ተግባር እንተተቐይሩ ሃገር ትዓቢ፣ ህዝቢ ካብ ፀገም ይወፅእ፤ ሃገርና ዝነበራ ኣሉታዊ ምስሊ ናብ ኣወንታዊ ምስሊ ይቕየር።

 ወጋሕታ፡- እቲ ስምምዕ ሰላም ተፈፃሚ ንክኸውን ካብ ህዝቢ ትግራይ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ ‘ውን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ሃገርና እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ? ኣይተ ሃይለ፡- እዚ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ተፈፃሚ ንኽኸውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክድግፍ ኣለዎ። እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ዩ፤ ዝፅበዮ ዝነበረ ‘ዩ፤ ብዘይካ ውሱናት ኣካላት ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ብተመሳሳሊ። ህዝቢ ትግራይ ድሌቱ ሰላም ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ፤ ነዚ ሰላም እዚ ዘለዎ ድሌት ብሰላማዊ ሰልፊ ይኹን ብካሊእ መልክዕ ደገፉ ክገልፅ ኣለዎ፤ ንሕና ድሕሪ ሕዚ ኩናት ኣይንደልን፤ ሰላም ኢና ንደሊ፤ ዝተጀመረ ስምምዕ ሰላም ቐልጢፉ ተግባራዊ ክኸውን ሓሳቡ ክገልፅ ኣለዎ። እዚ ስምምዕ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዘሰጋገግር ስለ ዝኾነ ድጋፉ ክገልፅ ኣለዎ፤ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ እቲ ስምምዕ ሰላም ተግባራዊ ክኸውን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ። ደጋፊ ክኸው ይግባእ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ብተመሳሳሊ። ህዝቢ ትግራይ ማለት ህዝቢ ኢትዮጵያ ማለት ‘ዩ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ማለት ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ማለት ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ካሊእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝበፅሐ ጉድኣት ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓዚኑ ‘ዩ። ስለዚ እቲ ጉድኣት ናይ ኩሉ ስለ ዝኾነ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባል ሓጋዚ ክኸውን ኣለዎ።

ትግራይ ብምጉዳኣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓዚኑ ‘ዩ፤ በዚ መሰረት ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ሰላም ይድግፎ ኣሎ ‘ዩ፤ ክሳብ መወዳእታ ድማ ደገፉ ኣበርቲዑ ክቕፅለሉ ኣለዎ። ናይ ትግራይ ሰላም ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ‘ዩ፤ ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ናይ ትግራይ ሰላም ‘ዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ሙሉእ ድጋፍ ክገብር ኣለዎ። ናይ ደገ ሓይልታት ኣባይ ከይግደብ፣ ኢትዮጵያ ከይትዓቢ ክሰርሑ ፀኒሖም ‘ዮም። ነንርእስና ብዘይ ምስምዕማዓና ናይ ደገ ሓይልታት ከም ድሌቶም ኢዶም ብምእታው እቲ ፀገም ክጋደድ እናገበሩ ፀኒሖም ‘ዮም። እዚ ሕዚ ከብቕዕ ኣለዎ፤ የብቕዕ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ፤ ዝሓሰብዎ ኩሉ ከምዝደለይዎ እናኸደሎም ኣይኮነን። ምኽንያቱ በዚ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ድሌታት ሓይሊ ናይ ደገ እናፈሸለ ‘ዩ። ኩሉ ሓደ ኮይኑ ተስማዕሚዑ ንሃገሩ ጥራሕ ክሓስብ ኣለዎ። ብግዝያዊ ኣፈላላይ ሃገሩ ንባዕዳውያን ሓይልታት ኣሕሊፉ ክህብ የብሉን። ተናሕናሕናቲ ፓርቲት ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ክብሉ ኣለዎም።

ተወዳዲሮም ስልጣን ንኽሕዙ ሰላም የድሊ ‘ዩ፤ ኣብ ትግራይ ከይዶም ክወዳደሩ እንተኾይኖም ሰላም እንተሃልዩ ‘ዩ፤ ሰላም እንተዘይሃልዩ ተወዳዲሮም ስልጣን ዝሕዝሉ ኩነታት ኣይህሉን። ሓሳቦም ናብ ህዝቢ ከቕርቡ እንተኾይኖም ሰላም እንተሃልዩ ‘ዩ። ብሓሳብ ይኹን ብገንዘብ ናይ ምስታፍ ሓላፍነት ስለ ዘለዎም ሓገዝቲ ኮይኖም ክርከቡ ኣለዎም። ሰላም እንድሕር ዘይሃልዩ ከም ማንም ህዝቢ ተጎዳእቲ ‘ዮም። ሰላም እንድሕር ዘይሃልዩ ተናሕናሕቲ ኮኖም ክቐርቡ ኣይኽእልን፤ ክፈርሱ ይኽእሉ ‘ዮም። ስለዚ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ንረብሓ ሃገር ስለ ዝኾነን ዕኑዕ ዕላማ ስለ ዘለዎን በቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሕጉሳት ኮይኖም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ዝኸኣልዎ ኩሉ ንሰላም ኣበርክቶ ክገብሩ ኣለዎም።

 ወጋሕታ፡-እቲ ስምምዕ ሰላም ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ? ኣይተ ሃይለ፡- ስምምዕ ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ብዙሕ ‘ዩ፤ መንእሰይ ትግራይ ትምህርቱ ገዲፉ ናብ ኩናት ኣትዩ ነይሩ ‘ዩ፤ ሰራሕተኛ መንግስቲ ደሞዙ ኣቛሪፁ ኣብ ኩናት ‘ዩ ነይሩ፤ ብዙሕ ሰብ ሂወቱ እናሰኣነ ነይሩ ‘ዩ፤ ካብ መረበቱ ተፋናቒሉ ‘ዩ። ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ተዘርዚሩ ዘይውዳእ ፀገማት ገጢምዎ ‘ዩ ነይሩ፤ ብሓፂሩ እዚ ስምምዕ ሰላም እዚ ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ። ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዘሳጋገር ‘ዩ። ዝተፈናቐለ ነናብ መረበቱ፣ ተምሃራይ ናብ ቤት ትምህርቱ ይምለስ፤ ብሓፂሩ ኩሉ ነናብ ስርሑ ክምለስ ዝገብር ‘ዩ። ካብ ሞት፣ ኩናት ወዘተ ስለ ዝድሕን እዚ ንህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ተጠቓሚ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ነቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ”ምፍታሕ ዕጥቒ‘ ዝቓወሙ ኣካላት ኣለዉ፤ ኣብዚ አንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ንዝቓወሙ ኣካላት ከ እንታይ ይምዕዱ? ኣይተ ሃይለ፡- ሰላም ክመፅእ እንተኾይኑ ዕጥቒ ምፍታሕ ወሳኒ ‘ዩ፤ እዚ ሰላም ክሰፍን ዝገብር ‘ዩ፤ ብፍላይ ዲያስፖራ ተጋሩ ነዚ ብምቕዋም ሰልፊ እናወፁ ‘ዮም ዘለዉ። እዚኦም ሃገርና ሰላም ከይትኸውን፤ ከይትዓቢ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ንበዓርሶምን ደቖምን ኣብ ውሑስ ቦታ ኮኖም ‘ዮም ብሂወት ደቒ ድኻታት ዝፃወቱ ዘለዉ። ዝመውት ዘሎ ወዲ ድኻ ‘ዩ፤ እዚኦም ህዝቢ ብኹናት ክውዳእ ‘ምበር ሰላምን ራህዋን ክረክብ ኣይደልዩን። ድሌቶም ኩናት ‘ዩ። እዚኦም ናይ ዕንወት ሓይልታት ‘ዮም። ሃገር ንኸይትዓቢ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ፅቡቕ ኣመላኻኽታ የብሎምን፤ ህዝቢ ኣብ ፀገም ክወድቕ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።

ሰላም ዝደልዩ ኣይኮኑን፤ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ኣማላኻኽታን ‘ዩ ዘለዎም። ምፍታሕ ዕጥቒ ዝቓወምሉ ዘለዉ ምኽንያት ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምንዋሕ ስለ ዝደልዩ ‘ዮም፤ ከምኡ ‘ውን ሃገር ንምጉዳእ። ዕጥቒ ምፍታሕ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ። እንተነኣሰ ብኹናት ዝመውት ዝነበረ መንእሰይ ትግራይ ንኸይመውት ይሕግዝ ‘ዩ። ኹናት ክቐሪ ዝሕግዝ ‘ዩ፤ ኩናት ቐርዩ ማለት ህዝቢ ትግራይ ናብ ሰላማዊ ናብርኡ ይምልስ ማለት ‘ዩ። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንኸብቕዕ ይሕግዝ፤ ነቲ ክልል ንምርግጋዕ ይሕግዝ፤ ሕገ መንግስቲ ‘ውን ንኽኽበር ናይ በዓሉ ኣወንታዊ ግደ ኣለዎ። ስለዚ ዕጥቒ ምፍታሕ ሰላም ዘስፍን ‘ምበር ኩናት ዘስዕብ ስለ ዘይኮነ ነዚ ዝቓወሙ ኣካላት ክሓስቡ ይግበኦም። ዕዙዝ ረብሓ ኣለዎ። እዞም ዕጥቒ ምፍታሕ ኣየድልን ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ንህዝቢ ትግራይ ሓልዮም እንተይኮኑስ ብሓፈሻ ሃገር ናይ ምጉዳእ ድሌት ስለ ዘለዎምን ረብሐኦም ንምሕላውን ‘ዮም፤ ውልቓዊ ጥቕሞም ስለ ዝተተንከፈ ‘ዩ።

ይኹን ‘ምበር ዝሳኸዐሎም ኣይኮነን። እቲ ዝተጀመረ ስምምዕ ሰላም ንደሓር ዝምለስ ኣይኮነን። ዝሳኸዐሎም ኣይኮነን። እዞም ኣካላት እዚኦም ክሓስቡ ኣለዎም፤ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክስመዖም ኣለዎ። ክሓስቡን ክስተኻኸሉን ኣለዎም፤ ብሕጊ ‘ውን ዘጥይቕ ስራሕ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ብታሪኽ ‘ውን ዘውቕሶም ‘ዩ። ፅቡቕ ነገር ክሓስቡ ኣለዎም፤ ናብ ልቦም ክምለሱ ኣለዎም። ሕማቕ ስርሖም ጠጠው ከብሉ ኣለዎም፤ እንተኺኢሎም ንሰላም ጠጠው ክብሉ ኣለዎም። ኣብ ደገ ኮይኖም ሰላም ከይህሉ ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት በቲ ኩናት ሕጉሳት ዝነበሩ ‘ዮም። እዚኦም በቲ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ዘይተሓጎሱ ኣካላት ‘ዮም። ሕዚ ሰላም ንኸይኾን ‘ዮም ዘዐገርግሩ ዘለዉ። ይኹን ‘ምበር ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ፅቡቕ መገዲ ‘ዮም ዘለዉ፤ ንደሓር ክብሉ የብሎምን።

 ወጋሕታ፡- ምስ እዚ ኩነታት ተተሓሒዙ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከሕልፍዎ ዝደልይዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም። ኣይተ ሃይለ፡- ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ተበፂሒ ዝኒሀ ስምምዕ ሰላም ሓጋዚ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዝተጀመረ ስምምዕ ሰላም ሙሉእ ንኽኾን ከምኡ ‘ውን መሊኡ ሰላም ንዓስል ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓጋዚ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ክልል ትግራይን ዓፋርን ዝበፀሐ ጉድኣት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኩሉ ህዝቢ ክተሓባባር ኣለዎ።ኣብ ትግራይ ዘቛረፁ መሰረታዊ ግልጋሎታት ክምለሱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ክተሓባበር ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት ኣዝየ ኣመስግን።

ኣይተ ሃይለ፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንኽገልፅ ንዝተገበረለይ ዕድመ ኣዝየ ኣመስግን።

መኣርግ ገ/ሄር

1 ህዳር 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You