‹‹ህዝቢ ትግራይ ብናይ ሓሶት ፖለቲካዊ ጉጅለ ህወሓት ክዳናገር የብሉን›› – ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ

ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ(ትዴፓ) ‘ዮም፤ ኣይተ ሙሉብርሃን፣ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን መዓርነትን ንምስፋን ኢሉ ዘሕለፎ መሪር ተጋድሎን ከምኡ ‘ውን ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ደቑ መስዋእቲ ከፊሉ ዘምፀኦ ዓወት ንረብሓን መናውሒን ዕድመ ስልጣን ውሱናት መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ኮይኑ ‘ዩ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ተጎዲኡ ‘ዩ ብምባል ኣንፃር ጉጅለ ህወሓት እናተቓለሱ ይርከቡ። ኣይተ ሙሉብርሃን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ተፈላለዩ ሚድያታት እናቐረቡ ብሓሳብ ኣንፃር ህወሓት ዝሙጉቱን ሓበሬታ ዝህቡን ፖለቲከኛ ‘ዮም። እንበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣድሂብና ምስ ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከም ዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና።ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብመልክዕ ሰላማዊ ሰልፍን ኣኼባን ንራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት እናኾነንዎ ነይሮም ‘ዮም፤ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ኣይተ ሙሉብርሃን፡- ከም ዝበልካዮ ኣብዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ተፈላለየ ክፋል ሃገርና ዝነብሩ ተጋሩ ኣኼባታትን ሰላማዊ ሰልፊን ብምግባር ነቲ ተግባር ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት እናኾነኑ ቐንዮም ‘ዮም። ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ ቐሊል ዘይበሃል ምንቕስቓሳት እናገበሩ መፂኦም ‘ዮም። እዚ ዋላ ዘንጊዑ ይጀመር ብጣዕሚ ዝበራታትዕ ተግባር ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር እዚ እኹል ስለ ዘይኮነ ቐፃልነት ክህልዎ ኣለዎ። ካብ ትግራይ ወፃኢ ብዙሕ ተወላዲ ትግራይ ኣለዉ ‘ዮም።

እዚኦም ብሰንኪ ራዕዳዊ ህወሓት ዝተፈላለዩ ፀገማት እናበፅህዎ መፂኦም ‘ዮም። ብፍላይ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ኢትዮጵያዊ መንነቱ ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ እናተገበረ መፂኡ ‘ዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ክኸፍሎም ዘይግብኡ ዋጋታት እናኸፈለ መፂኡ ‘ዩ። ኣብ ንብረቱን ሂወቱን ዝተፈላለዩ ጉድኣታት እናበፅሖ መፂኡ ‘ዩ። እዚ ድማ ጉጅለ ህወሓት ሃገር ንምፍራስ ብዝገበሮ ስዒቡ ዝመፀ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ስለ ዝኾነ በርቲዑ ክቓወሞ ኣለዎ። ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ሃገሩ ኢትዮጵያ ብናፃናት ከይነብረላ እናገበረ መፂኡ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብናይ ሓሶት ፖለቲካ ጉጅለ ህወሓት ክዳናገር የብሉን። እዚ ሓይሊ እዚ ንህዝቢ ትግራይ እናዳናገረ መፂኡ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ዋጋ እናኸፈለ ‘ውን መፂኡ ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ዝኸፍሎ መስዋእቲ ከብቕዕ ኣለዎ። እቲ ብሰላማዊ ሰልፍን ኣኼባታትን ዝጀመሮ ናይ ምኹናን ተግባር ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። ብንቕሓት ኣጣናኪሩ ክቕፅለሉ ‘ምበር ንደሓር ክብል የብሉን። ትግራዋይ ፀላእቱ ብምፍላጥ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህልውንኡ ንምውሓስ ተወዲቡን ነቒሑን ብምቕላስ ሃገርና ዝጀመረቶ ለውጢ ንቕድሚት ከቕፅል ኣለዎ። ንዕኡ ክምጥን ዝኽእል መድረኻት ብምድላው ክቕፅለሉ ይግባእ ክሳብ ሕዚ ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓስ ክበራታታዕ ዝግበኦ ተግባር ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ፌዴራል ሓራ ኣብ ዘውፀአን ከባቢታት ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ንምቕራብ ድልዊ ምዃኑ ገሊፁ ‘ዩ፤ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ኣይተ ሙሉብርሃን፡- መንግስቲ ሓራ ኣብዘውፀአን ከተማታት ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ንምቕራብ ምድላዉ ዝበራታታዕ ተግባር ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ብምፅንሑ ተጎዲኡ ‘ዩ። እቲ ሓይሊ ብዝወለዖ ኩናት ምኽንያት ትግራይ ተጎዲኣ ‘ያ። እቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ዘሎ። ብዙሕ ፀገማት ዝበፅሖ ክልል ‘ዩ። መንግስቲ ኣብዚ ብቕልጡፍ ረዳእታ ከቕርብ ኣለዎ። እቲ ረዳእታ ናብቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ቐልጢፉ ክበፅሕ ኣለዎ። ዝፈረሰ መሰረተ ልምዓት ናብ ንቡሩ ክምለስ ፃዕሪ የድሊ ‘ዩ። በተለይ ዝተረጋገዐ ህዝቢ ክኸውን ብፖለቲካውን ወታደራውን ዝተደገፈ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ቕድሚ ሕዚ ዝነበሩ ጉድለታት ከይድገሙ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም። ጉጅለ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ፈጢርዎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምድንጋር ክፀሪ ክኽእል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህወሓት ተጨቚኑ ከምዝነበረ ክፍለጥ ኣለዎ። ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ፀገም ከብቕዕ መንግስቲ መሰረታዊ ነገራት ኣብ ምቕራብ በርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። ኣድላይ ዝበሃል ነገራት ቐልጢፉ ክስራሕ ኣለዎ። መሰረታዊ ግልጋሎታት ብቕልጡፍ ክኽፈተሉ ኣለዎ። መንገዲ ‘ውን ክኽፈት ኣለዎ፤ ብፍላይ ድማ ክሕግዙ ዝኽሉ ገበርቲ ሰናይ ክሳተፉ መንግስቲ ጠንኪሩ ክሰርሕ ኣለዎ። ኣብዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ክተሓባረር ኣለዎ።

 ሓገዝ ንምብፃሕ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ክረባረብ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብተን ሓራ ዝወፃ ከባቢታት ሰፊሕ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም። ራዕዳዊ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣማራፂ ብምስኣን ዓፊኑ ጨቚኑ ሒዝዎ ፀኒሑ ‘ዩ። መንግስቲ ፌዴራል ዝሓሸ መንግስቲ ምዃኑ ብተግባር ኣብ መሬት ወሪዱ ሰሪሑ ከርኢ ኣለዎ። ከምኡ ‘ውን ህዝቢ በዓል ዋና ስለ ዝኾነ ምስ ህዝቢ ክሰርሕ ኣለዎ። ህዝቢ ሒዝካ ኢኻ ክትዕወት እትኽእል። ህዝቢ ናቲ ለውጢ በዓል ዋና ኮይኑ ክሰርሕ መንግስቲ በርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። ጉጅለ ህወሓት ደጊሙ ንህዝቢ ዋጋ ከየኽፍሎ ብዝግባእ ክስረሐሉ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ተግባር ጉጅለ ህወሓት ብዝግባእ ንኽፈልጦ ክስራሕ ኣለዎ።

 እቲ ጉጅለ ኣብ ህዝቢ ብዙሕ መከራን ስቓይን ዘብፀሐ ሓይሊ ‘ዩ። ስለዚ ህዝቢ ኣብ ምንቓሕን ምውዳብን ብዝግባእ ምስራሕ የድሊ። እቲ ጉጅለ ንናይ በዓሉ ረብሓ ክብል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዉዊን ከቢድ ክሳራ ኣብፂሑ ‘ዩ። ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጠሮ ፀገም ክምጥን ዝግባእ ነገር ክስራሕ ኣለዎ፤ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ከይራኸብ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን እዚ ከይድገም ብጥንቓቐ ክስራሕ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ናብ ሰላም ዝመፀሉ ሃዋህው ክፍጠር ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- እቲ ሕዚ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ንመበል ሳልሳይ ዝወለዖ ኩናት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ፅልዋ ከመይ ይገልፅዎ? ኣይተ ሙሉብርሃን፡- ከም ዝፍለጥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ኣብ መንጎ ደላዪ ለውጥን ለውጢ ዘይደልን ኣካል ‘ዩ። መሪሕነት ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ናይቲ ለውጢ ተጠቓሚ ከይኸውን ገይርዎ ‘ዩ። ቐዳማይ፣ ካልኣይ ከምኡ ‘ውን ሳልሳይ ኩናት እናበለ ህዝቢ ትግራይ ክጉዳእ ገይርዎ ‘ዩ። ህዝቢ ብማዕበል ክኸትት ብምግባር ብዙሕ ክሳራ ክበፅሖ ገይሩ ‘ዩ። ዝኣመነን ዘይኣመነን ህዝቢ ብሓይሊ ክኸትት ብምግባር ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉዎ ‘ዩ። እቲ ውግእ ኣንፃር ተጋሩ ከምዝኾነ ገይሩ ንህዝቢ ሰቢኹ ‘ዩ፤ እናሰበኸ ‘ውን ይርከብ። ህዝቢ ትግራይ እቲ ውግእ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።

 እቲ ጉጅለ እቲ ውግእ ኣንፃር ተጋሩ ገይሩ ‘ዩ ንህዝቢ ዝነግር ዘሎ። እዚ ኮነ ኢሉ ንናይ በዓሉ ረብሓ ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓስ ‘ዩ። መንግስቲ ምስ ህዝቢ ትግራይ ፀገም የብሉን። በዚ ኩናት እዚ እቲ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ክጉዳእ ገይሩ ‘ዩ፤ብፖለቲካዊ፣ ብኢኮኖሚያዊን ብማሕበራውን ክጉዳእ ገይሩ ‘ዩ። ዝተገብረ ኩናት ብጣዕሚ ከቢድ ስለ ዝኾነ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ቐሊል ዘይበሃል ፅልዋ ኣሕዲሩ ‘ዩ። መፃኢ ተስፋ ህዝቢ ትግራይ ኣፀልሚቱ ‘ዩ፤ ስነ ልቦንኡ ተጎዲኡ ‘ዩ፤ ነዚ ክምጥኑ ዝኽእሉ ናይ ስነ ልቦና ሙሁራት ብምእታው ክሰርሑ ኣለዎም። እቲ ዝነበረ ማሕበራዊ እሴት ተጋሩ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ኣይኮነን ዘሎ።

ሙሁራት ኢትዮጵያውያን ነዚ ክምጥን ዝኽእል ምስ ታሪኽ እናተሓሓዙ ክሰርሑ ኣለዎም። ምስ ፖለቲካዊ ኩነታት እናረኣኻ፤ ምትዕርራያት ክግበር ኣለዎ። እቲ ጎንፂ ኣንፃር ተጋሩ ከም ዘይኮነ፤ እዚ ኩሉ ተኸፊሉ ዘሎ መስዋእቲ ከምቲ ጉጅለ ህወሓት ዝብሎ ዘይኮነስ ንህዝቢ ሓራ ንምውፃእ ተባሂሉ ከምዝኾ ክንገር ኣለዎ። መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ከጥቕዕ ኢሉ እንተይኮነስ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ጭቖና ንምልቓቕ ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ። ቐሊል ዘይበሃል ሕብረተሰብ ትግራይ ብራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ተደናጊሩ ‘ዩ። እዚ ዝስተኻኸለሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። ነዚ ምድንጋር እዚ ክምጥን ዝኽእል ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ፤ እቲ ውግእ ምስ ትግራዋይ ኣይኮነን፤ ከምዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ዝውጋእ ወይ ዝብደል ህዝቢ ኣይኮነን፤ ሰላም ዝደሊ ህዝቢ ‘ዩ፤ ሰሪሑ ክልወጥ ዝደሊ ድኻ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኣብ መዓርነት ዝተመስረተ ሓድነት ዝኣምን ህዝቢ ‘ዩ። ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ክትሕግዞን ከትድግፎን ‘ምበር እትወግአሉ ምኽንያት የለን። ክወግኦ ዝደሊ ሓይሊ ‘ውን የለን።

 ክብደል ዝገብር ዘሎ ኣተሓሳስባ መሪሕነት ህወሓት ‘ዩ። ብመንግስቲ ወታደራዊ ስራሕ ይካየድ ኣሎ ‘ዩ፤ ግን ወታደራዊ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን፤ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ስራሕ ‘ውን ክስራሕ ኣለዎ። እዚኦም ኩሎም ተናቢቦም ክኸዱ ኣለዎም። ናይ ስነ ልቦና ሰባት ክኣትዉ ኣለዎም፤ ምኽንያቱ ክልተ ሰለስተ ደቓ ዝወደአት ኣዶ ኣላ ‘ያ። ኣካሉ ዝጎደለን ካልኦት ብዙሓት ፀገማትን ኣለዉ ‘ዮም። ስለዚ ህዝቢ ናብዚ ፀገም እዚ ዘእተዎ ክሳብ ብዝግባእ ነቒሑ ዝርደኦ ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ የድሊ ‘ዩ። እቲ ዝኣቱ ዘሎ ሰራዊት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ፀገም ከውሕስ ‘ምበር ካሊእ ኣይኮነን። ጉጅለ ህወሓት ከምዝብሎ ኣይኮነን። መሪሕነት ጉጅለ ህወሓት ንኣተሓሳስባ ህዝቢ ትግራይ ዓጊትዎ ፀኒሑ ‘ዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ብሰፊሑ ክስራሕ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ከተማታት ትግራይ ብመንግስቲ ፌዴራል ሓራ እናወፃ ‘የን ዝርከባ፤ እዚ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ትርጉም ወይ ረብሓ ኣለዎ ይብሉ? ኣይተ ሙሉብርሃን፡- ከተማታት ትግራይ ካብ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናፃ ምውፀአን ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ፤ ግና ሓራ ምውፃእ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብቲ ባይታ ክስራሕ ዝግበኦ ነገር ክስራሕ ክኽእል ኣለዎ። መንግስቲ ካብቲ ንዒስራን ሸውዓተን ዓመት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህወሓት ካብ ዝነበሮ ኩነታት መነባብሮ ዝሓሸ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ሰላም፣ ፍትሒ፣ ማዕርነት፣ ዲሞክራሲ ከስፍነሉ ኣለዎ። ከምዚ እንተኾይኑ ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ለውጢ ‘ዩ ።

 ከምዚ እንተኾይኑ ህዝቢ ምስ መንግስቲ ዘይኾነሉ ኩነታት የለን፤ ዋላ እቶም ኣካል ጉጅለ ህወሓት ‘ውን ካብ ህወሓት ተነፂሎም ናብ መንግስቲ ክመፁ ይኽእሉ ‘ዮም። በዚ ምኽንያት ጉጅለ ህወሓት በይኑ ክተርፍ ይኽእል ‘ዩ። ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ሰላሙ ውሑስ እንተኾይኑ፤ ሰላሙ እንተተረጋጊፅሉ ህወሓት ዘይፈርሰሉ ኩነታት ኣይህሉን። መንግስቲ ንህዝቢ ብዝግባእ እንተሒዙ ‘ዩ ጉጅለ ህወሓት ክጠፍእ ዝኽእል። ኣብዚ ብዝግባእ ክስራሕ ኣለዎ። ራዕዳዊ ህወሓት ዕድሚኡ ዘናውሕ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኮይኑ ንህዝቢ ብምድንጋር ‘ዩ። ስለዚ ካብ ውሽጢ ህዝቢ ክንፀል ኣለዎ። እዚ ጉጅለ እዚ ብውግእ መንእሰይ ትግራይ ክውዳእ ገይሩ ‘ዩ።

ንህዝቢ እናታለለን እናፈራረሐን ‘ዩ ናብ ኩናት ዘእትዎ ዘሎ። ብኸምዚ ህዝቢ ትግራይ ደቑ ክስእን ዝገብር ዘሎ ሓይሊ ‘ዩ። መንግስቲ ንመራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ሕጋዊ ስጉምቲ እናወሰደ ህዝቢ ኣብ ጎኑ እናሰለፈ እንተኸይዱ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ናፃ ክወፅእ ይኽእል ‘ዩ። መንግስቲ ብፍላይ እተን ተቖፃፂርዎን ዘሎ ቦታታት ብዝግባእ እንተረጋጊዕዎን፤ ዘድሊ ነገራት እንተቕሪቡ፤ ነቲ ህዝቢ ካብ ኣተሓሳስባ ራዕዳዊ ህወሓት ናፃ እንተውፂእዎ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ተታሒዛ ነይራ ‘ያ፤ ኮይኑ ግና ክስርሑ ዝግበኦም ነገራት ብዘይ ምስርሖም ህዝቢ ትግራይ ናብ ካልኣይ ፀገም ክኣቱ ክኢሉ ‘ዩ። እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣብ ልቢ ህዝቢ ክኣቱ ኣለዎ። ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት እቲ ዝመፀ ለውጢ ናብ ህዝቢ ከይኣቱ ተንጠልጢሉ ክተርፍ ገይሩ ‘ዩ። መንግስቲ ህዝቢ ክሕዝ ክኽእል ኣለዎ፤ ህዝቢ እንተዘይሒዙ ውፅኢታዊ ክኸውን ኣይኽእልን። ናይ ኩሉ መሰረት ህዝቢ ስለ ዝኾነ ንህዝቢ ምሓዝ የድሊ። ናይ ሃገር በዓል ዋና ህዝቢ ስለ ዝኾነ ምስ ህዝቢ ተቐራሪብካ ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ መሊኡ ሓራ ምእንቲ ክወፅእ ሓጋዚ ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝሓለፉ መከራታት ተረዲኡ ናብ ዝሓሸ መነባብሮ ንኽመፅእ ምስ መንግስቲ ኮይኑ ክሰርሕ ኣለዎ። ህዝቢ ናፃ ኮይኑ ከይፈርሐ ነቒሑ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ተመሊሱ ከይመፅእ ክሰርሕ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ምስ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ብምዃን ጠቕሊሉ ሓራ ክወፅእ ክሰርሕ ኣለዎ። እዚ ዕድል እዚ ከምልጠሉ የብሉን።

ወጋሕታ፡- ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንኽወፅእ እንታይ ክገብር ኣለዎ ይብሉ? ኣይተ ሙሉብርሃን፡- መሪሕነት ህወሓት ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ዕድላት ኣምኪንሉ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ክኸፍሎ ዘይግባእ ዋጋ ብሰንኪ ጉጅለ ህወሓት ክኸፍል ክኢሉ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ እቲ ሕዚ ተረኺቡዎ ዝኒሀ ዕድል ከየምልጦ ነቒሑ ክሕልዎ ኣለዎ፤ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ናይ ጉጅለ ህወሓት ተንኮልን ስራሕን ከይፈርሐ እናቓለዐ ኣብ ጎኒ መንግስቱ ደው ብምባል ሰላሙ ከውሕስ ኣለዎ። ሓጋዛይ ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ረብሕኡ ክስለፍ የብሉን።

 ከምዝፍለጥ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ጨቚኑ ብምሓዝ በዝቢዝዎ ‘ዩ። ብዙሕ ጉድኣት ክበፅሖ ገይርዎ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰሪሑ ዝበልዕ ዝነበረ ናብ ከቢድ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ቑልውላው ክወድቕ ገይርዎ ‘ዩ። ንህዝቢ ብምትላል ኣንፃር ረብሕኡ ክስለፍ ብምግባር መከርኡን ፀገሙን ክናዋሕ ገይርዎ ‘ዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ሓቂ ተረዲኡ ንረብሕኡ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ዕድመ ስልጣን መራሕቲ ህወሓት ንምንዋሕ እንተይኮነስ ንናይ በዓሉ ረብሓ ጥራሕ ክስለፍ ኣለዎ። እዚ ተረኺቡ ዝኒሀ ዕድል መንግስትን ህዝቢ ትግራይን ከምኡ ‘ውን ኩሉ ዝምልከተቶ ኣካል ተጠንቒቑ ክሕዞ ኣለዎ፤ ዝኽፈል መስዋእቲ እንተሃልዩ ‘ውን ክኽፈል ኣለዎ። ምኽንያቱ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዘይምሃር ውድብ ‘ዩ።

 ሕዚ ‘ውን ህዝቢ ብምትላል ደጊሙ ምፍታኑ ኣይቀርይን ‘ዩ። ብፍላይ ናብ ጉሬላ ፋይተር ክቕየር ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ህዝቢ ተቐሪቕሩ እናተኮሰ ካሊእ መዓት ከምፀአሉ ይኽእል ‘ዩ። ህዝቢ እንተነቒሑ ግና ካብ ህዝቢ ዝስወር ነገር ስለ ዘየለ ዋላ ሓንቲ ዝገብሮ ነገር የለን። ህዝቢ በዓሉ ከቓለዖ ኣለዎ። ክሓብኦም የብሉን፤ ምኽንያቱ ቕድሚ ሕዚ ነዐኦም ብምሕብኡ ‘ዩ መከርኡ ኣናዊሑ። ህዝቢ ትግራይ ኩናት ስለ ዘየድልዮ ንመንግስቲ ሓጋዛይ ክኸውን ኣለዎ፤ ደጊሙ ክታለል የብሉን፤ ህዝቢ ሒዙ ናብ ፍርዲ ከቕርቦም ኣለዎ። መንግስቲ ‘ውን ዕላምኡ ናብ ፍርዲ ምቕራብ ‘ምበር ካሊእ ዕላማ የብሉን።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት ኣዚና ነመስግን። ኣይተ ሙሉብርሃን፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንምግላፅ ስለ ዝጋበዝኩምኒ ኣዝየ ኣመስግን።

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 24 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

Recommended For You