ተመዛበልቲ ክልል ትግራይ ንምጥያሽ 14 ሰባት ዝርከብዎም ኮሚቴ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፡-ኣብ ትግራይ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ቅድሚ መፃኢ ክረምቲ ንምምላስን ዘላቒ ምጥያሽ ንምግባርን ዝስረሐሉ ኣግባብ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ዘተ ተኻይዱ። ኣብ መንጎ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ዝካየድ መድረኽ ህንፀት ሰላም ኩሉ ዜጋ ንክድግፎ ፃውዒት ቐሪቡ።

 ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምምላስን ንምጥያሽን ዘኽእል መገዲ ምትሕብባር ብዝምልከት ካብ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ዝተወፃፅኡ ኣቦታት ሃይማኖት ፣ማሕበረሰብ ኣባላት ንግድን ምሁራንን ዘተ ኣካይዶም። በዚ’ውን ኣመራርሓ ፌደራልን ክልልን ከምኡ’ውን ናይ ክልቲኦም ጉጅለ ሓዊሱ 14 ሰባት ዝርከብዎም ኮሚቴ ተጣይሹ ስራሕቲ ዘፈጥን ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ዝካየድ መድረኽ ህንፀት ሰላም ኹሉ ዜጋ ንክድግፎ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ትግራይ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ቅድሚ መፃኢ ክረምቲ ንምምላስን ዘላቒ ዝኾነ ምጥያሽ ዝስረሐሉ ኣግባብ ቀዳማይ ሚንስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተመርሐን ላዕለዎት ፌደራል መንግስቲ ሓለፍቲ ስራሕ ፣ናይ ክልትኤን ክልላት ሰብ ሃፍቲ፣ምሁራንን ሃይማኖት ሰባትን ዘተ ከምዘተኻየደ ኣዘኪሮም እዮም።

እዚ ዘተ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ህዝብታት ብስፍሓት ንቐፃሊ ዝግበሩ መድረኻት ዘተ ከይዲ ህንፀት ሰላም ኢሉ’ውን መሊስኻ ምጥያሽ ስራሕቲ በሪ ዝኸፍት ሰናይ ስጉምቲ ከምዝኾነ ገሊፆም። እዚ ሰናይ ጅማሮ ብስፍሓት ውፅኢታዊ ንክኸውን ናይ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ሓገዝን ኽትትል ከምዘድሊ ኣፍሊጦም።

ዶክተር ኣብርሃም ‹‹መላእ ህዝብታት ሃገርና እዚ ሰላምን ሰናይ ህዝባዊ ርክብ ጅማሮ ብንቅሓት ብምክትታልን ብምድጋፍን ንዜጋታት ዘለኩም ማእገር ንክተርእዩ ብትሕትና ይሓትት ››ክብሉ ንኹሉ ዜጋ ፃውዒት አቕሪቦም እዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

 ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You