ሓዱሽ መስሕብ ቱሪስት ጎቦ ‹‹ኣምበሪቾ››

ቕድሚ ኽልተ ዓመት ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ፣ ቤት ምኽሪ፣ ህዝብን ሙሁራንን ኣፍቲ ከባቢ ዘሎ ዕሙቕ ዝበለ ሃፍቲ ክጥቀሙሉን ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ጠጠው ንኽብሉ ኒሕ ስለዝሓደሮም ካብ መንግስቲ ጥራሕ ዝምደብ በጀት ምንቅስቓስ፣ተወሳኺ ፍልፍል ኢኮኖሚ ዘይምእላሽን ቑፅሪ ስራሕ ዝሰኣኑ ብልዑል መጠን እናወሰኸ ምምፅኡ ኣዝዩ ኣተሓሳሲብዎም፡፡ እዞም ህዝብታት ብሄር ብሄረሰብ ደቡብ ቤት ምኽሪ ዞባ ምምሕዳር ከንባታን ጠምባሮን፣ህዝብን ሙሁራትን እቲ ኢኮኖሚ ካፍቲ ዝተለመደ ወፃኢ ብኻልእ መገዲ ክመፅእ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ፈጢሮም፡፡

ነዚ ድማ ኣፍቲ ዞባ ዝርከቡ ዓበይቲ ጎቦታት ከልምዑ ሓሰቡ፣እዚ 18 ሄክታር ዝሽፍን ጎቦ ኣልሚዕና ዝተማልአ ናይ ቱሪስት መባፅሒ ተንገብሮ ብዙሕ ናይ ቢዝነስ ሰንሰለት ክፍጠር ይኽእል ‘ዩ፡፡ ንምልማዕ ዝተሓረየ ጎቦ ድማ ካብ ዞባ ከምባታ ጠምባሮ ከተማ ዱራሜ ሸሞንተ ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ጎቦ ኣምበርቾ ‘ዩ፡፡ እቲ ሓሳብ እንትጥንሰስ ኣምበርቾ ናብ ቐደሙ ክንመልሶ ብዝብል ቕዋም ፤እቲ ጎቦ ማይ ዓይኒ ሩባታት ዝሓዘ ጎቦ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ፡፡እቲ ኻልኣይ ሓሳብ ድማ እዚ ጎቦ ቐደመወት ህዝቢ ከምባታ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ፈላማይ ስፍራ ብምዃኑ ነቲ ታሪኽን ባህልን ብምንፅብራቕ ቱሪስት ምስሓብ ይከኣል ‘ዩ ብዝብል ሓሳብ ናብ ምልማዕ ከም ዝኣተዉ የብራህርሁ፡፡

በዓል ሞያ ቱሪዝም ዕዳጋ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ደቡብ ኣይተ ኢያሱ ሰለሞን ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ን18 ዓመታት ሰሪሖም ‘ዮም፡፡ ጎቦ ኣምበርቾ መደያየቢ እንትስራሕ ጀሚሩ ይፈልጥዎ ‘ዮም፡፡ ቤት ምኽርን ዞባ ባህልን ቱሪዝምን እቲ ሓደ ዕድል ምልማዕ ከም ዝኾነ እንታይ ንግበር ዝብል ሓፈሻዊ ናይ ምኽክር መድረኽ ከም ዝገበሩን ኣፍቲ ዘተ ከም ዝተሳተፉን ይዛረቡ፡፡ እዚ ኹሉ ስዒቡ ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ 777 መደያየቢ (ደረጃ) ተሃኒፆም ‘ዮም፡፡ከም ኣገላልፃ ኣይተ ዘመዴ፤እቲ ጎቦ በዓል 777 ደረጃ እናተብሃለ ምፅዋዕ ጀሚሩ ‘ዩ፤በዝሒ ናይቲ ደረጃ ኣብ ዓለም መበል ኻልኣይ ኣብ ኣፍሪካ ድማ ቐዳማይ ተባሂሉ ‘ዩ፡፡

እዞም 777 መደያቢ (ደረጃታት) ንምህናፅ 4.2 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ተገይሩ ‘ዩ፡፡እዚ ስራሕ ብሰብ ሞያ ኮንስትራክሽን ተዝኾን ነይሩ ብ50 ሚሊዮን ኣይስራሕን ዝበሉ ኣይተ ዘመዴ፣ሓደ ሽሕ መናእሰይ፣ናይቲ ዞባ ሙሁራት ኢንጂነራት፣መተሓባበርቲ ብምስታፍ ከም ዝተሃነፀ ተዛሪቦም፡፡ እዚ ፕሮጀክት ብመንግስቲ ፌደራል ይኹን ብኻልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት ሓገዝ ኣይተገበረሉን፡፡ሐዚ ሕጊ ተዳልይሉ ምምሕዳር እቲ ዞባ በጀት ይምድብ፤ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ካብ ህዝብን ቱሪዝምን ዝእከብ ንዘብን ክህልው ‘ዩ ክብሉ እቶም መካየዲ ስራሕ ይገልፁ፡፡ እቶም መካየዲ ስራሕ ከምዝበልዎ፣ ኣፍቲ እግሪ ጎቦ ዝርከብ ሜዳ ልዕሊ 2ሽሕ 600 ሜትር ልዕሊ ፀፍሒ ምድሪ ዝርከብ እንትኸውን ፤ኣብ ጫፍ እቲ ጎቦ ድማ 3ሽሕ 58 ልዕሊ ፀፍሒ ይርከብ፡፡

 በዚ መጠን በሪኽ ምዃኑ ኣዝዩ ዝሑል ክኸውን ተባሂሉ እንተታሐሰበ ‘ውን ክንድቲ ዝሑል ዝበሃል ኣይኮነን፡፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ከምዚ ዝበለ ውቁብ ብራኸ ዘለዎ ስፍራ ኾይኖም ዝሕጎሱሉ ስፍራ ‘ዩ፡፡ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ድማ ጋሻ ናይ ምቕባል ባህሊ ዘለዎ እንትኸውን፤ እቶም ቱሪስታት ድማ ብፈረስን ብመኪናን እናተጉዓዙ ነቲ ስፍራ ይጉብንዩ፡፡ እቲ ቦታ ሰሓባይን ብተፈጥሮ ዝተዓደለን ‘ዩ፤ኣፍቲ ጎቦ 777 ደረጃታት ዝተሃነፁ እንትኾኑ ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታዊ፣ባህላውን ታሪኻውን መልእኽትታት ተገይሮም ‘ዮም፡፡ ቐደም ናብዚ ቦታ ህዝቢ ከምባታ እንትመፅእ ሸውዓተ ዓሌት ስለ ዝነበሮም እቲ ሓደ ሸውዓተ ናታቶም ውክልና ዝሕዝ ‘ዩ፡፡ እቲ ኻልኣይ ሸውዓተ ድማ እቶም ሸውዓተ ጎቦታት ዝውክል ‘ዩ፡፡ እቲ ሳልሳይ ሸውዓተ ድማ ካፍቲ ጎቦ ንታሕቲ ዝወርዱ ‹‹ለመለ ለጋ›› ተባሂሎም ዝፅውዑ ሸውዓተ ክውክሉ ተገይሮም ‘ዮም፡፡ እቲ ጎቦ ብርክት ብዝበሉ ኢትዮጵያውያንን ናይ ደገ ዜጋታትን እናተጎብነየ ከም ዝርከብ ኣይተ ዘመዴ ይጥቁሙ፤ እሶም ከም ዝበልዎ፤ ካብ 2013 ጀሚሩ እስካዕ ሐዚ ልዕሊ 3000 ቱሪስታት ሪኦሞ ‘ዮም፤ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጫፍ እቲ ጎቦ ዳስ እናሰርሑ፣ ካምፕፋየር (መማወቒ ሓዊ) እናንደዱ፣ እናተሓጎሱ፣ ዝተፈላለየ ጉዕዞ እናገበሩን፤ ዘሕልፍዎ እንትኾኑ መንጎኦም 570 ዝኾኑ ዲያስፖራታት እንትኾኑ ልዕሊ 90 ድማ ወፃእተኛታት ከም ዝኾኑ ይዛረቡ፡፡ ምምሕዳር ዞባ ከምባታን ጠምባሮን ፣ቤት ምኽሪ ዞባ፣ብርብርብ ህዝብን ሙሁራንን ዝለምዐ ጎቦ ኣምበርቾ ኻልኦት ዞባታት ተሞክሮ ክቐስማ ከም ዝኽእላ ዘርእይ ተግባር ‘ዩ፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

Recommended For You