ኣከባብራ በዓል መስቀል

ንመስቀለይ ንመስቀለይ፤ ድርብ ከበሮ ሓዛለይ።

ኣይኮን ንመስቀል ንወለሎ፤ ንሰብ እኳ ይዕለሎ።

እናበሉ ብምድራፍ በዓል መስቀል ኣብ መላእ ትግራይ ዘለዎ ልዑል ክብሪ ዝግለፀሉ ዕለት ‘ዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ድሮ እቲ በዓል ዕለት 16 ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ምኽባር ዝጅምር በዓል መስቀል ፍሉይ ድባብ ዘለዎን ብፍሉይ ድምቐት ኣብ ጎዳናታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቲ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶኡ ከከም ኣከባቢኡ ዝተፈላለየ ባህላዊ ትሕዝታት ተወሲኽዎ ዝኽበር ተናፋቓይን ተፈታውን በዓል ‘ዩ።

ሃይማኖታዊ ትሕዘቶ በዓል መስቀል ኣብ ኩሉ ከባቢታት እታ ሃገር ተመሳሳሊ እንተኾነ ‘ውን ተወሳኺ ባህላዊ ትሕዝትኡ ግና በቢከባቢኡ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣከባብራ ዝርኣየሉ ‘ዩ። ንኣብነት ብኣብዛሓ ከምዝፍለጡ ኣብ ከባቢ ምብራቕ ትግራይ ከባቢ ዓዲ ግራት ኢሮብን ክልተ ኣውላዕሎን ከባቢኡን ፍልይ ብዝበለ ባህላዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣከባብራ ከምዘለዎ ‘ዩ ዝፍለጥ። ካብ ትግራይ ወፃኢ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዝተፈላለየ ባህለታት ዝኽበር ኮይኑ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ጉራጌ ብዝተፈለየ ኣከባብራ ባህሊ ከምዝኽበር ይግለፅ ‘ዩ።

ባህላዊ ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ከባቢ ዓዲግራትን ኢሮብን ብሰፊሑ ከምዝግለፅ ኹሉ ብብዙሕ መልክዑ ኣብ ከባቢ ክልተ ኣውላዕሎ ብፍላይ ኣብ ቐላቕል ዴስኣ ተመሳሳሊነት ዘለዎ ከምዘኾነን ብዝበለፀ ድማ ካብ ዓበይቲ ሰብ ፀጋ ዕድመ ናይቲ ከባቢ ተወለድቲ ከምዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከመይ ከምዝኽበር ከምዚ ዝስዕብ ክንርኢ ኢና፡-

ኣብቲ ከባቢ ምድላዋት ዝጅምር ቕድሚ ሰሙናት ከምዘኾነ ‘ዩ ዝሕበር። ማለት ‘ውን ነቲ በዓል ዝኸውን ከከም ዓቕሙ ካብ ንግዓት ዝኸውን ሕሩጭን ጠስሚን ጀሚሩ ክሳብ ንመሕረድ ዝኸውን እንስሳ ዝዳለው ኮይኑ እቲ ዋና በዓል ግና ዕለት 16 ኪዳነምህረት ወይ ድሮ መስቀል ናይ ምሸት ነቲ በዓል ዝተዳለወ ሕሩጭ ብምግዓት ፆም ተዘይውዒሉ ብጥስሚ ወይ ከዓ ብኻሊእ ከም እንጣጢዕ ብዝበሉ ብምብላዕ ‘ዩ ዝጀመር።

እዋን ክረምቲ ምስ ምዃኑ እቲ ሓረስታይ እኽሊ ዝውድአሉ እንተኾነ ‘ውን ኣብቲ እዋን በዓል ግና ፅጋብ ብፅጋብ ‘ዩ ዝኸውን ይበሃል። ከም ምሳለኡ ‘ውን “መስቀልያ ዘይፀገበስ ዳርጋ ዘይኸረም” ብምባል ዝሰኣነ እንተሰኣነ ነዚ በዓል ዝኸውን ኣይስእንን ይበሉ።

ብምቕፃል መናእሰይ እቲ ከባቢ ምሸት ሽግ ኣበሪሆም ብጥዑም ናይ ሓባር ድመፂ ሆሆ ሆያየ..ገራፋር..ሆየ ሆያየ እናበሉ ነቲ ከተማ ወይ ቁሸት ብምዛር ናብ ቤተክርስትያን ብመኻድ ብምዛርን ፆሎት ብምግባር ናብቲ ዳመራ ዝድመረሉ ሜዳ ብምኻድ መናእሰይ ደቂ ተባዕተዮን ደቂ ኣነስተዮን ኣብቲ ዳሜራ ዝተተኸለሉ ቦታ ባህላዊ ጎይላ ገይሮም እቲ ዝተወለዐ ሽግ ኣብ ማእኸል ክእከብ ብምግባር “ኣቦ ጎይላ” ተመሪፁ ጎይላ ይጅምር። ነቲ በዓል ዝኾኑ ከም “ንመስቀለይ ንመስቀለይ፤ ድርብ ከበሮ ሓዛለይ”። “ኣይኮን ንመስቀል ንወለሎ፤ ንሰብ እኳ ይዕለሎ”። ዝበሉ ባህላዊ ዜማታት እናተፃወቱ ይሓድሩ።

ብፅባሕትኡ ንጉሆ 17 ብስነ-ስርዓት እታ ቤተክርስተያን ፆሎት ተገይሩ እቲ ዳመራ ምስተ ደመረ፤ ባህላዊ ምኽባር ስነ-ስርዓት በዓል መስቀል በቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሰፊሕ መይዳ የቅፅል። ብፍላይ ኣብዚ ስነ-ስርዓት ምኽባር ሰባት ጥራሕ ዘይኮኑስ እንስሳት ከፍቲ እውን ናይዚ በዓል ተሳተፍቲ ዝኾናሉ ባህላዊ ስነ-ስርዓት ይጅምር።

ኣብዚ መዓልቲ መስቀል ንጎሆ ናይ ምዕኳኽ ስነስረዓት ዝካየድ ኮይኑ “መስቐል ሓይልና፣ መስቐል መፅንዒና፣ መስቐል መድሓኒት ነፍስና ብዝብል ትምህርቲ ቤተክርሰተያን ብተወሳኺ ኣብቲ ዓመት ዝሓለፉ ሕማቓት ነገራት ምሰቲ ኣረጊት ዓመት ተሪፎም፤ እቲ ዝመፀ ሓዱሽ ዓመት ድማ ፅቡቕ ዓመት ነክኾን ዝምነይሉ “ዓኾኾይ ዓኾኾይ ትዃን ውፃእ ቁንጪ እቶ” እናበሉ ይገልፁ። ነተን ከፍቲ ‘ውን ናይ ፅጋብን ፅቡቕ ዘመን ክኾነለን እናተመነዩ ይዕኮኻ።

ብተወሳኺ ኣላሕም ኣብ ቀርነንን ኣብዑር ድማ ኣብ ምንጉደኦም ጠስሚ ምስ ሓሙኽሽቲ እቲ ዳመራ ተላዕጢጡ ክጣሰማ ምስተገበረ ናብቲ ንመስቀል ተባሂሉ ዝተኸለለ ሕዛእቲ ወፊረን ንኽስዕራኦ ይግበር። ረፋድ ምስኮነ ብጓስአን ኣቢለን ናብቲ መውዓሊ መስቀል ተባሂሉ ዝተሓረየ ቦታ ክእከባ ይግበር። ናብቲ በዓል ካብ ዝመፃ ኣላሕም ድማ ፀባ ተሓሊቡ ነቲ በዓል መድመቒ ይኸውን እቲ ዝተረፈ ድማ ንድኻታት እቲ ከባቢ ንክከፋፈል ይግበር። ናይቲ ዓመት ሸዊት ‘ውን ምብላዕ ዝጀመረሉ ዕለት ‘ዩ።

ብሓፈሻ በዓል መስቀል ኣብዚ ከባቢ ፍልይ ብዝበለን ብዝደመቐን ኣገባብ ዝኽበር በዓል ‘ዩ። ስለዚ እዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመፀ በዓል፣ ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝትኡ እንተይሃሰሰ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ክሰጋገርን ፍልፍል ኣታዊ በፃሕቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንክኸውንን ብፍላይ መዳርግቲ ኣካላት ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ተመራመርቲ፣ ዩኒቨርሲትታትን ኮሌጃትን መፅናዕትታት ብምክያድ ተዓቂቦም ናብ ዝቕፅል ወለዶታት ‘ውን ንኽመሓላለፉ ትኹረት ተዋሂባዎ ክስራሕ ዝግባእ ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You