ብተፈጥሮዊ ፅባቀ ዝተዓጀበ ባህላዊ ፀወታ ኣውርስ

አብ ሃገርና ብዙሓት ድሙቃት ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ዝንፀባረቑ እንትኸውን ካብኣቶም ካብዚ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ሓምላዋይ ኣዝርእቲ ብዕምበባ ኣብ ዝውቅብሉ፣ ኣጥዑትን ገልገላትን ፀጊቦም ኣብ ዝሕምብጡሉ እዋን ዝንፀባረቕ ኮይኑ፤ ምስቶም በዓላት ተተሓሒዙ እቲ ሕብረተሰብ ኣብዚ እዋን ታጓሱ ዝገልፀሉ ዝተፍላልዩ ባህላዊ ፀወታት ዝዝውተረሉ እዋን’ዩ፡፡ ካብዚ ኦም ድማ ኣብ ተምቤን ባህላዊ ፀወታ ኣውርስ ዝደምቀሉ ‘ዩ፡፡

ከም ገለፃ ነጣፋይ ማሕበራዊ ሚድያ “Biwa Hawi Ayinu” ኣብ ተምቤን ባህላዊ ፀወታ ኣውርስን ሕምበጣን ብዓላት ፍልሰታን ናዓስታሊለይን ከም ሓደ ኣባል ስድራ ቤቶም ዝናፍቑዎን ብፍላይ ድማ ምስ ብዙሓት ፅቡቕት ነገራት ሓቢሩ ዝመፅእ ምዃኑ የዕርዮም የስተማቕሩዎ፡ ፡

ኣብዚ እዋን እዙይ ሓቢሮም ዝዝከሩ ደርፎም፣ እንስሳ በሊዐን ፀጊበን ብዙሕ ፀባ ዝሕለባሉ ምዃነን፣ ናይ እንስሳ ውፅኢት ኣብ ውስን እዋን ዝርከብ ልግዐ ኣብዙ እዋንዚ ዝርከብ ምዃኑ፣ ምስ ውሽጣዊ ባህላዊ ዘይቤ ዘለዎ ኣገላልፃ ፍቕሮም፣ ምስ ሸዊት ቀውዒ ወዘተ ሓቢሩ ዝመፅእ ባህላውን ሃይማኖታውን ፀወትኦም ብምዃኑ ብፍሉይ ይናፍቑዎ፡፡

ባህላዊ ፀወታ ኣውርስ ብተንቤነቶት ዝፅወትን ንኩሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘሳትፍን ብፍላይ መናእሰይ እቲ ከባቢ ዘይቐርዩሉ ጉዳይ ኾይኑ፤ ጓዳን ኣስታሊለይን ዝበሃሉ ክፍልታት ዘለዉዎን ከበሮ፣ ጭራ ዋጣ፣ ሸምበቆ፣ ክራርን ካልኦትን መሳርሕታት ሙዚቃ ምስ ጭብጨባ፣ ሕምብጣን ደርፍን ተወሃሂዶም ፍሉይ መቐረት ዘለዎ፤ ሕምበጣ ደቂ ኣንስትዮ በኸንፈረንን ኢደን ናብ መንኮራርዕቲ ብምእታውን ብዘውፅእኦ ድምፂ ዝፍጠር ዝተወሃሃደ (harmonized) ድምፂ ዝዕጀብን ሓደ ክፋል ባህሊ ተንቤነቶት ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ባህላዊ ፀወታ ብፍላይ መናእሰይ እቲ ከባቢ ዘይቐርዩሉ ጉዳይ ምዃኑ ገለ ኣብዚ ባህሊ ኣመለኪቶም ዝፀሓፉ ይገለፁ፡፡

እዚ ባህላዊ ፀወታ ብበዝሒ ዝፀወተሉ እዋን ካብ ቕነ ኣሸንዳ ጀሚሩ ክሳብ በዓል መስቀል ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝዘልቕ ፀወታ በቢኸባቢኡ ኣብ ዝተለመዱ መማእኸልቲ ቦታታት ዝፅወት ኮይኑ ብዘይ ናይ ዕድመን ፆታን ኣፈላላይ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ኣካል ዘሳትፍን ደርፍታታት ኣውርስ ንኹሉ ጨፋት ዝትንክፍ፣ ብፍላይ ኣብ ሕድሕድ ማሕበረሰባዊ ጉዳያት ዓብዪ ኣሰተዋፅኦ ከምዘለዎም፤ ነጣፋይ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኾነ ኣይተ ሰመረ ገብሩ ኣብዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝፀሓፎ ይሕብር፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣዉርስ ብናይ ኣፀዋዉታ መልክዑ ናይ ቀይሕ ተክሊ፣ ናይ ኣምበራ መጠቓን ደጉዓ ተምቤን እናተባሃለ ከምዝፍለጥን፤ ኣብ ክሊ ኣዉርስ ዘለዉ ተፃወትን ተሳተፍትን ብዝምልከት፣ ተፃወቲ ዘላላይን ሓንባጢትን ኮይኖም ተሳተፍቲ ድማ ጎርዞ ጓይላ (ኣቦ ጓይላ ኣማሓዳሪ ፀዋታ)፣ ሓደ መንጉሒ ወይ መንጉሒት፣ ወቃዒ ከበሮ ተቐበልትን መጣቓዕትን ናይዚኦም ድምር ጥበባዊ ስራሕ ንፀወታ ኣውርስ ፍሉይ ድምቀት ከምዝህበዎ ብስም ተክልሽ ፊያሜታ ዝፍለጥ ነጣፋይ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ፅሑፉ ይገለፅ።

ከም ገለፃ ተኽልሽ፤ ፀወታ ኣውርስ ሓደ መውረሳይ (ዘላላይ) ነታ ሓምባጢት ፈለማ የኳድዳ፣ ንሳ ድማ እናሓምበጠት ትኾድድ። ኣብዚ ምንሕናሕ ስለዘሎ ንዘይምሽናፍ ተሓላለዮም ሰለል እናበሉ ነቲ ፀዋታ ሰሓባይ ዝገብሩዎ። ሰለስተ ዙር ዝኸውን ምስ ኣኹደዱ እቲ ዘላላይ ሓንሳብ ንየማን ሓንሳብ ንፀጋም እናዘለለ እታ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብኣንፃሩ ንየማን ፀጋም እናበለት ትሕንብጥ። ሰለስተ ዙር ዝኸውን ምስ ኣውረሱ እንደገና ተመሊሶም ይዃደዱ፣ መሊሶም ይዘሉ።

ከምኡ እናበሉ እናቐፀሉ እንዳሃለዉ ሓዲኦም እንተደኺሙዎም ወይ እንተዘይተስማዕሚዖም ወይ ‘ውን ይኣኽሎም ኢሉ ዝኣመነ/ት ተመልካታይ/ቲት ተወረስ/ሲ ኢሉ/ላ ይኣቱ / ትኣቱ። ‘ቶም ዝተወረሱ ተፃወቲ ብዘይ ምንም ህልክነቶም ንሓደሽቲ ተፃወቲ (ወረስቶም) ሰተት ኢሎም እቲ መድረኽ ገዲፎሙሎም ይወፁ። እዚ ኣብ ልሙድ ኩነታት እንትኸውን ሓልሓሊፉ ኣብ ሰፊሕ መድረኻት ኣብ ፀዋታ ምስ ዝስማዕምዖም እናተፀዋውዑ ክልተ፣ ሰለስተ ፅምዲ እናኾኑ ዝፃወቱሉ ኹነታት ኣሎ።

ኣብ ሓደ ፀዋታ ብዙሕ ዜማታት (ደርፍታት) ይድረፉ ‘ዮም። ሓደ መንጉሒ /መንጉሒት/ ብሓደ ዓይነት ዜማ ይጅምሩ እሞ እቲ ፀዋታ ከይተቐየረን ከይተቋረፀን ድማ ፅንሕ ኢሎም ባዕልቶም ወይ ካልኦት ብካልእ ዓይነት ዜማ ይቕይርዎ። ብኸምዚ እናቐፀሉ ሓደ ሓደ ፀዋታ ነዊሕ እዋን ዝፀንሕሉ ኩነታት ኣሎ። ኣብ ኣውርስ ዝድረፉ ደርፍታት /ስነ-ቃላት/ ዝህልዎም ትሕዝቶ ኣብ ዝኾነ ማሕበራዊ ሓላፍነት /ኩነታት/ ንዘሎ ኣካል ዝነቕፉ ዋላ እንተኾኑ ደራፊኦም ተሓታትነት የብሉን። እዚ ማለት ጎርዞ ጎይላ ዳኛ የብሉን ማለት ‘ዩ።

ባህላዊ ፀወታ ኣውርስ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ዛዕባታት ብዝምልከት እቲ ህዝቢ ንዝፈትዎም ይኹን ንዝፀልኦም ውልቀ ሰባት ይኹን ስርዓት ብኣውርስ እናዋዘየ ናይ ልቡ ‘ዩ ዝገልፅ። ንኣብነት ጀግና ንምውዳስ ከምዚ ኢሉ ደሪፉ ‘ዩ። “ኣሉላ ኣባነጋ ነዓ ተመለስየ፣ ስምካ ተሰሚዓ ሮማ ትሕመስየ”።

ካሊእ ህዝቢ ተምቤን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣስፋልት መንገዲ እናተሰርሐ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና “እንትሰምዕ ንሕና ደኣ እንታይ ገይርና ኢና ኣስፋልት ዘይስራሓልና” ብምባል ህዝቢ ተምቤን ከምዚ ኢሉ ደሪፉ ‘ዩ፤ “ኣርባዕተ እግራ መኪና፣ ፀሊም መንገዲ ስኢና ኣሃይ ላሎ”።

ከምኡ ‘ውን ኣብ 1979 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ መቐሎ መሬት፤ መሬት ዝዕድሉ ዝነበሩ ሰባት ብላዕ ንዝሃበ ፅቡቕ መሬት እንትህቡ ንዘይሃበ ድማ እናዳለዉ ብማዕረ ስለ ዘይረኣይዎ ህዝቢ ከምዚ ኢሉ ደሪፉሎም ነይሩ የ’፤ “ናይ ሎሚ ገማዶ – ልብኻ መንደዶ፣ ሓደ ከይቀረየ – ኣኪብካ ናብ ጎዶ”።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You