ባህላዊ ፀወታታት ጎቤን ሽኖዬን ኦሮሞ

ኢትዮጵያ ካብ ዘለውዋ ሃፍቲ ኣብ እምነትን ባህልን ዝርከቡ ብዙሓት ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ብዙሕ ፅባቀ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ባሕላዊ መለወጢ ዘበን ኣለውዋ። ካብዚኦም ሽኖዬን ጎቤን ዝብሃል ኣብ ስርዓት ገዳ ውሽጢ ካብ ዝፍፀሙ ኣብ ባህላዊ ክብርታ ዝካተቱ መብሰሪ ዘመን መለወጢ ሓደ ‘ዩ።

ጎቤን ሽኖዬ ግመ ክረምቲ ወርሓት ሓሊፉ እዋን ቀውዒ ክኣትው እንትቃረብ ብመናእሰይ (ቀሬዎች) ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝግበር ባህላዊ ፀወታ ኾይኑ፤ እዚ ድማ መመላኸቲ ምምፃእ ወይ ምቕራብ በዓላት ሓዱሽ ዓመት፣ መስቐልን ኢሬቻን ተገይሩ ከም ዝውሰድ ‘ውን ‘ዩ ዝግለፅ። ብተወሳኺ ባህላዊ ኣመፃፅእኡ መለወጢ ሓዱሽ ዘበን ንምብሳር እንኸውን፤ ኣብ ውሽጦም ዝሓለፉ ካብ ምምስጋን ብተወሳኺ ንቀፃሊ ዝመፅእ ዘበን ድማ ብሩህ ንክኸውን ትምኒቶም ዝገልፁሉ ከምዘኾነ ‘ውን ይሕበር።

እዚ ባህላዊ ፀወታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝፅወት ፀወታ ኮይኑ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ሸዋ ቱለማ ብዝበሃሉ ማሕበረሰብ በቢዓመቱ ዝዝውተር ባህላዊ በዓል ‘ዩ። እዚ ፀወታ ዝፃወትዎ መናእሰይ በቢ ከባቢኦም ብጉጅለ ብጉጀለ ተኣኻኺቦም ‘ዮም። ብተወሳኺ እዚ ባህላዊ ፀወታ ከም መድረኽ መተሓፃፀይ ከምዝኾነ ‘ውን ‘ዩ ዝዝረብ።

እዚ ብዘይአተዋን ደናግልን ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ናይ ሽኖዬ ፀወታ ከከም ኣከባቢኡ ብዝተፈላለየ መፅውዒ ከምዝፅዋዕ ዝግለፅ ኮይኑ፤ ንኣብነት ቁኒ ቡቅፈና፡ ቃሜ፣ እንግጫን ብዝበሉ መፀወዒ ኣለውዎ። በተወሳኺ ሺኖዬ ደቂ ኣነስትዮ ፀወታ ብስራት መለወጢ ዘበን እንትኾን ዘየእተዋን ደናግልን እየን ዝኾና፡፡ ናይዚ ምኸንያት ካብ ነሓሰ ከሳብ መስከረም ዘሎ እዋን ንሓዱሽ ዕላማ ንሓዱሽ ትልሚ ዝልዓዓልሉ ኣብ መሬት ዝተዘርአ ዘርኢ ብምብቋል ነቲ ሓረስታይ ተስፋ ዝርአየሉ እዋን ‘ዩ::

እዘን ፍረ ዘይረኣያ ኣጓላት ‘ውን ወሊደን ልክዕ ከም ምድሪ ተስፍአን ለምሊሙ ከም ብቁሊ ምድሪ ንቀፃሊ ዝዕምብባ ተምሳሌት ብምዃነን ‘ዩ፡፡ እዘን ኣዋልድ ኣብዚ እዋን ግዝኤን ስለዝኾነ ከምድሌተን ንክፃወታ ዝኾነ ይኹን ከልካሊ የብለንን ዘተናኾለን ‘ውን የለን፡፡ ከም ቆፅሊ ኣሸንዳ /ቁኒ/ እንግጫ ኣሲረን ፀጉረን ኣደ ጀሌ ዝብሃል ባህላዊ ኣሰራርሓ ተሰሪሐን ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናኸዳ ኣሸንዳ /ቁኒ እናሃባ ይምርቃ ብምላሹ ከዓ ገንዘብ ከምዝወሃበን ‘ዩ ዝግለፅ::

ብተመሳሳሊ ጎቤ ድማ ብመናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ ዝኽበር ኮይኑ፤ ነናብ ገዛ ሰባት እናተዞረ ልዕሊ ሰሙን ዝፅወት ባህላዊ መግለፂ ብስራት ሓዱሽ ዓመት ከምዝኾነ ይንገር። እዚ ‘ውን ከምቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈላለየ መፀውዒ ከም ጎቤም፣ እዮሼ፣ ደሬናን እዮሌን ዝበሉ ስማት ይፍለጥ።

ከም ገለ ፀብፃባት ድማ እዚ በዓል ምምፃእ ክረምቲ ተኸቲሉ ሩባታት ስለዝመልኡ ኣባ ገዳታት ናብ ሽምግልናን ካልኦት ማሕበራዊ ግልጋሎታት ንምሃብ ስለዝፅገሙ ካብ ሰነ 30 ጀሚሩ ክሳብ ነሓሰ 16 እቶም ኣባገዳ ኣብ ሜዳ ሓደ ዕንጨይቲ ተኺሎም ርሑስ ሽንብራ ሒዞም ካብቲ ከባቢ ርሕቅ ናብ ዝበለ ጎቦ ብምውፃእ ጊና ወይ ንሰሃ ኣትዮም ንዋቃ ወይ ንፈጣሪ እቲ ክረምቲ ብሰላም ኣሕሊፍና ዝተረሓሓቀ ዘመድ ኣዝማድ ብሰላም ብጥዕና ኣፅኒሕኻ ኣራኺብካ ፍቅርን ሓድነትን ሃበና ብምባል ይልምኑ::

መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ኣባገዳ ጊና ወይ ንስሃ ካብ ዝኣተውሉ እዋን ጀሚሩ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናዘሩ ርሑስ ሳዕሪ እናሃቡ ብምላሹ ድማ ሙኩት በጊዕ እናተቀበሉ ዓቅሙ ዘይፈቀዶ ሰብ ገዛ ድማ መሪቆም ብምሕላፍ እቲ ኣባገዳ ክሳብ ካብ ንሰሃ ዝምለስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣባገዳ ምኻዱ ተኸቲሎም እንጨይቲ እናደመሩ ክሳብ ነሓሰ 16 እናተፀበይዎ ይፀንሑ ይብሃል::

እቲ ኣባገዳ ካብ ጊና ወይ ንስሃ እንትምለስ ኩሎም ብሓደ ደው ዘበልዎ ምሳሌ ካብ ፀለማት ናብ ብርሃን መሰጋገሪ ዝኾነ ሚጂሪ /ደመራ / በሓባር የብርሁ መናእሰይ ደቂ ተባዕተዮ ናይ ጎቤ ፀወታ ንኣዋርሕ ዝተኣኻኸብዎም ሙክታት ብዓበይቲ እናተመረቁ ኣመስቀላ/ካለኣይ ሕረዱ/ እናተብሃሉ ኣበቲ ዝተደመረሉ ጓህሪ ጠቢሶም ብምብላዕ ፀወታ ጉቤ ይዛዘም ይበሉ::

ኣብዚ በዓል ብኽልቲኡ ፆታ ብባህላዊ ኽዳንን መጋየፂታትን ደሚቆም በቢጉጀልኦም ኮይኖም ዝፃወትሉን ኣብቲ ማሕበረሰቦም ድማ ፅቡቕ ተቀባልነት ዘለዎም ከምዘኾነ ‘ዩ ዝሕበር። ብፍላይ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ገዛ ገዛ እናዞራ ኣብ ዝፃወታሉ ግዘ ዘሕልፈኦ መልእኽትን ምርቃትን ኣብቲ ሕብረተሰብ ተሰማዕነትን ከምዘለወንን ‘ዩ ዝዝረብ።

በዚ መሰረት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ኦሮሚያ ብዘተሓባብሮ እዚ ባህሊ ብግቡእ ኣብ ኩሉ ንክፋለጥን ንምዕባይን ፃዕሪ እናገበረ ዝርከበሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ናይዚ በዓል ፌስቲቫል ‘ውን እናተዳለወ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ዝኸደሉ ኩነታት ይርኣይ ኣሎ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You