ዓይኒ-ዋሪ ቕነ ብስራት ሓዱሽ ዓመት

እዚ ዘለናሉ ወርሒ ነሓሰ ብብዙሓት ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ፀጋታትን ኩነታትን ዝደመቐን መሬት ብተፈጥራዊ ፅባቐኣ ዝትምዕርገሉን ምምፃእ ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ ተስፋ ዝብሰረሉን፤ ነዚ ብስራት ሓዱሽ ዓመት ድምቀት ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብረ በዓላት ‘ውን ዝለዓለ ‘ዩ ምባል ይክኣል።

ከምዝፍለጥ ኣብ መላእ ከባቢታት ትግራይ በዓል ኣሽንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒ-ዋሪን ሒንግደይ-ፅሞረይን ኣብ ገለ ከባቢታት ኣምሓራ ድማ ከም ኣሸንድየ ሻደይን ሶለልን ዝርከበሉ ቅንያት ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልቲታት ‘ውን ኣሽንዳን ማርያን ነቲ እዋን ብዝገልፁ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ብምግባር ብድሙቅ ክኽበር ዝቐነየ እንትኸውን ፅባሕ ነሓሰ 24ን ድማ ክብረ በዓል ዓይኒ ዋሪ ኣብ ከተማ ኣክሱምን ከባቢኣን “ክብርታት ዓይኒ ዋሪ ንኽብሪ ደቂ ዓይኒ ዋሪን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብድምቀት ዝኽበር ኮይኑ፤ ሒንግደይ-ፅሞረይ ድማ ኣብ ከባቢ ፀለምቲ ኣብ 29 ነሓሰ ከምዝኽበር ይገለፅ።

ሓበሬታ ርክብ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም ከምዝሕብሮ፤ ነሓሰ 24 ዝኽበር በዓል ዓይኒ-ዋሪ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትሕዝቱኡ ከይተበረዘ ብፍሉይ ድምቀትን ንምኽባር ምድላዋት እናተወገነ ምዃኑን እቲ በዓል መሰረት ስልጣነን ሰርዓት ሃይማኖትን ኣብ ዝኾነት ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ከተማ ኣኽሱም፤ ብመንፈሳዊ ምስጋናን ብያሬዳዊ መዝሙርን ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትውፊታቱ ኸይተበረዘ ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተዓጅቡ ብፍሉይ ድምቀትን ከምዝኽበር ኢዩ ተገሊፁ ዘሎ።

መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣኽሱም ተፀጊኑ ግልጋሎት ብምጅማሩ÷ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመፁ ኣጋይሽ ከይተንገላትዑ ብቀጥታ ዝመፅሉ ብምዃኑ ብፍሉይ ድምቀት ክኽበር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ‘ውን ‘ዩ ዝግለፅ ዘሎ፡፡

ብመዝገበ ዘባዜን ከምዝተፃሕፈ፤ ዓይኒ ዋሪ ዝብል ቃል እማርያዊ ትርጒሙ “ናይ ዋሪ ዓይኒ “ ማለት እንትኸውን ዋሪ እትበሃል ዓይነት ዑፍ የመልኽት። ዋሪ ውቅብቲ ፥ መፃውቲ ቈልዑ “ብይ” ዝመስል ሰማያዊ ዕንቍ ሕብረ ቀለማት ዘለዋ ፥ ኵሉ ጊዜ ካብ 24 ነሓሰ ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ጥቕምቲ ኣብ ዘሎ እዋን ብፍሉይን ስሕት ኢላ እትርአ ካብ ካልኦት ዓሌታት ኣዕዋፍ ዝተፈለየት ዑፍ ‘ያ።

ናይ ዋሪ ዓይኒ ፃዕዳን ቀይሕን ሕብረ ቀለም ዘለዎ ፥ ብጣዕሚ ድሙቅን ሰሓባይን ኮይኑ ካብኣ ዝመፀ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ንፅላተ ሙሴን ዝተውሃበ ውዳሴ ‘ዩ/መዝገበ ፣ 2011)። ነዚ መረጋገፂ ‘ውን ጠቢቡ ሰለሙን ብመኅልየ መዝሙሩ “ርግብየ ይቤላ በእንተ የዋህታ ወሠናይት በእንተ ኣርምሞታ ፤ ስለ የዋህነታ ርግበይ ይብላ ፣ ስለ ስቕትኣ /ትዕግስትኣ/ ድማ ፅብቕተይ” ይብላ ዝብል መፅሓፍ ቅዱሳዊ ቃል ምርኣይ ይከኣል።

ብመሰረት ወሰነ ትርጒምን ኣምርን ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት መንግስታት /UNESCO፣ 1982 / ድማ ናይ ሓደ ነገር እንታይነት ዝንፀር እቶም ትእምርታዊ ውክልና ዘሎዎም ጉዳያት ብፍካረ እንትግለፁ ‘ዩ ስለ ዝብል ብዚ መመዘኒ ነጥቢ እንትርአ ዓይኒ ዋሪ ፍካሬያዊ ትርጒሙ ሽልምቲ ዒፍ ማለት እንትኸውን ተምሳሌታዊ ውክልንኡ ድማ ንታወተ ፅዮን፣ ንፅላተ ሙሴ፣ ንኣዋልደ ፅዮን ፣ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ ንፅባቐ ገፀ መሬት ወርሒ ነሓሰ ዝገልፅ ኰይኑ ንረኽቦ።

ዋሪ ዓይና ድሙቕ ‘ዩ ፤ ወርሒ ነሓሰ ድማ ካብ ካልኦት ኣዋርሕ ብፍሉይ ውቑብ ‘ዩ። ንኣብነት ድሕሪ 24 ነሓሰ ዘለው መዓልታት እንተርኢና ዝናብ እናቀነሰ ዝኸደሉ፣ ሓረስታይ ትግራይ ዝዘርኦም ዝራእቲ ከም ዕፉን ዝበሉ ዝበልዐሉ፣ ዝተፈላለዩ ዝራእቲ ከም ስገም ዝበሉ ዝሽውትሉ፣ ዕምበባታትን ካልኦት ተኽልታትን ለምሊሞም ፥ ንዓይኒ ሰሓብቲ ኰይኖም ፥ ደሚቆም ዝረኣይሉ ወርሒ ‘ዩ። ዒፍ ዋሪ ዘድልዩዋ ምግብታት ብምሽታት ኣቢላ እትእልሽ ዓይነት ዑፍ ስለዝኾነት መብዛሕቲኡ ጊዜ ገና ዘይዓደሉ ፥ ዘይባፅሑ ብሸዊቶም ዝብልዑ ምግብታት ከም እኒ ምሸላ ባሕሪ (ዕፉን) እናመረፀት ትበልዕ። ኣኽሱምን ከባቢኡን ከምዚ እናተብሃለ ንዒፍ ዋሪ ይድረፈላ።

ኦ…. ዋሪየ ዋሪ

ኦ… እንታይ ትድረሪ

ኦ… ፃዕዳ ምሸላ

ኦ… መን ዝሓረሶ

ኦ… ሓረስታይ ቆላ/ኣብርሃ ቆላ/።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ዩኒቨርሲታት፣ መርዓታት፣ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል “ካባ” ሕብረ ቀለማቱ ብቀጥታ ምስ ዓይኒ ዋሪ ከምዝተሓሓዝ ታሪኽ ድርሳናት ይሕብሩ/ሀብተማርያም ፣ 1986 ፤ ግርማ ፣ 1991፣ በላይ ፣ 1991)። ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ዒፍ ዋሪ ክንቲት ሕብሩ ክዳን (ልብሰ) ማርያም ከምዝዀነ ንመፅናዕቲ ዘዛራረብኹም ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ይሕብሩ።

ብፍላይ ዓይኒዋሪ ኣዋልድ ብባህላዊ ክዳንን መጋየፂታትን ወቂበን፣ ፀቢቀን ፣ተመላኪዐንን ፣ ንከባብአን ግርማ ኮይነን ኣብ ድሮ ብስራት መእተዊ ሓድሽ ዓመት ዘኽብርኦ ክብረ ብዓልን ባህላዊ ፀወታን ብምዃኑ ድማ ፍሉይ ከምዝገብሮ ይግለፅ። እዚ በዓል ኣዋልድ ብዘይምንም ፅዕንቶ ብነፃነት ሓቢረን ዘኽብርኦን ዝፃወትኦን ብምዃኑ ኣብ ምብቃዕን ምርግጋፅ ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣወንታዊ ተራ ይፃወት ።

መጋየፂታትን መፃባበቂታትን በዓል ማርያ/ዓይኒ ዋሪ / ኣሸንዳ ካብዝኾኑ፤ ፅሩራ፣ ኩትሻ/ጉባጉብ፣ ዝውጦ፣ ሕንቆ መስቀል ፣ደብሪ መስቀል፣ ኩሕሊ፣ ዙርያ ጥልፊ ቐምሽ መቀነትን፣ ሃሪ ማዕተብ፣ ዛዕጎል/መልጎም፣ ማርዳ፣ ሽቱ/ኣሽኩቲ/ጨና ኣዳም፣ ከበሮ፣ ባዕሉ ቆፅሊ/ ሳዕሪ ኣሸንዳ ብዝኣምሰሉ ደሚቁ ዝብዓል ኮይኑ፤ ኣብዚ ኣዋልድ ብመልክዕ ፀወታ ዝተፈላለዩ ቁምነገራት ብዋዛ ዘመሓላልፋ ኮይነን፤ ካብቶም ኣብዚ ዝቀርቡ መልእኽታት ብዛዕባ ነፃነትን ቁልዕነትን፣ መወድስ፣ ተግሳፅ፣ ማዕዳ፣ እምነትን ፍኩክርን ዝኣምሰሉ ይንፀባርቃ ‘የን።

ኣብ መወዳእታ ሓላፊ ቢሮ ቱሪዘምን ባህልን ትግራይ ኣይተ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገፆም ክምዝገለፅዎ፤ በዓል ኣሸንዳ 2016 ብሰላማዊ መንገዲ ክሓልፍ ዝደገፍኩም ኩልኹም ኣካላት ንኹልኹም ክብሪ ይግበአኩም። ብፍላይ ፀጥታ ሓይልታት ትግራይ ፀሓይ ቁርን ዝናብን ድኻምን ካልኦት ፀገማትን ተፃዊርኩም ብልዑል ምንባብን ምውዳድን በዓል ኣሸንዳ ብሰላማዊ መንገዲ ክሓልፍ ዝገበርክምዎ ዓቅሚ ፀጥታ ትግራይ ዘርኢ ውሕሉል ተግባር ‘ዩ ሞ ኣብ በዓል ዓይኒዋርን ካልኦት በዓላትን ‘ውን ተመሳሳሊ ሓልዮትን ግልጋሎትን ትፅቢት ይግበር፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 23 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You