‹‹ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ትግራይ ውድብ’ምበር ስርዓት ኣይተተኸለን ›› – ኣይተ ግርማይ ገዛሀኝ

ኣይተ ግርማይ ገዛሀኝ ይባሃሉ። ተወሊዶም ዝዓበይሉ ኣብ ከባቢ ኢሮብ ‘ዩ። ቀዳማይን ካልኣይን ትምህርቶም ኣብ ዓሊተናን ዓድግራትን ዝተኸታተሉ እንትኾኑ ኣብ ቢሾፍቱ ድማ ብሕርሻ ኮሌጅ ብዲፕሎማ ተመሪቖም ‘ዮም። ናብ ኣውሮፓ ብምኻድ ናይ መጀመርያ ድግሪኦም ብኤሌክትሮኒክስ ተኸታቲሎም ‘ዮም። ኣብዚ ኸዚ እዋን ድማ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ስራሕ ይርከቡ። ኣይተ ግርማይ ‹‹ ህወሓት ንዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ንህዝቢ ትግራይ ዘምፀአሉ ረብሓ ሰላም እንተይኾነስ እቲ ህዝቢ ዝኸፈሎ መስዋትነት ብምርሳዕ ንስልጣኑ ጥራሕ ‘ዩ ዝጭነቕ ነይሩ ይብሉ። መራሕቲ ህወሓት ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ስራሕ ንቅድሚት ዝመፅእ ወለዶ ብምሕሳብ ይጠቕም’ዶ ኣይጠቕምን? ህዝቢ ካባና እንታይ ይደሊ? ዝብል እንተይኾነስ ስልጣኖም ከመይ ገይሮም ከናውሑን ንሳቶም ጥራሕ ሓደግትን ገበርትን ዝኾንሉ መገዲ ‘ዮም እናሓንፀፁ መፂኦም ይብሉ። እዝን ካልኦትን ሓሳባት ምስ ዘልዐሉ ኣይተ ግርማይ ገዛሀኝ ዝገበርናዮ ፃንሒት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ኸዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታትን ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ፀገም ከመይ ይገልፅዎ ? ኣይተ ግርማይ ፡- እቲ ፀገማት እንትፍጠር ከሎ ብሓደ ግዜ ቦግ ኢሉ ዝወፀ ኣይኮነን። እናተደመረ እናተደመረ ኣብዚ ብርኪ ክሳብ ዝበፅሑ ብዙሕ እዋን ‘ዩ ዝወሰደሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ቃልሲ ዝነበረ ኩነታት ምግላፅ ኣየድልን ይመስለኒ፣ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ኣካል እቲ ኩነታት ስለዝነበረ። ንሳቶም ከምዝብልዎ ስልሳ ሽሕ መንእሰይ ከምዝሃለቀ ‘ዩ። እዚ ቁፅሪ ኣብቲ ግንባር ኸይዱ ዝሞተ ‘ዩ ፣ እቲ ካልእ ብጥምየት ብሕማም ብኣየር ዝሞተ ሰብን ዝዓነወ ንብረትን እዚታት ዘይሓወሰ ‘ዩ። ዝኾነ ኾይኑ ውፅኢት ህወሓት ክልካዕ ዝኽእል እቲ ስልጣን ካብ ዝሓዝዎ ጀሚሩ ‘ዩ። ስልጣን ካብ ዝሓዙ ጀሚሩ እቲ ሕገ መንግስቲ ንዓኣቶም ብዝምቹ መገዲ ንስልጣን ጥራሕ እንተይኾነስ ንሳቶም ‘ውን ዘለኣለማዊ ከምዝኾኑ ‘ዮም ቀሪፆምዎምን ሰሪዖምዎን።

 ብዙሕ ግዜ ኣብ ዓለም ካብ ንኡስ ማሕበረሰብ ወፂኻ ናብ ስልጣን ምምፃእ ዕድል ዉሑድ ‘ዩ። ግና እዚ ኣጋጣሚ ኣጋጢምዎም ነይሩ ፤ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ክጥቀምሉ ምኻኣሉ ነይሮም። ንሳቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩ ኣካይዳ ምስ ነባራዊ ኩነታት ዘይኸድ ስለዝነበረ ‘ዩ ‘ምበር እታ ዓዲ ዝበለፀት ሕጋዊትን ዲሞክራያዊትን ማንም ዘይደፍራ ሕጊ ‘ዮም ክምስርቱ ዝግበኦም ነይሩ። ኣይተዓደልናን እዚ ኣይተጠቐምሉን። እታ ናቶም ዘነበረት ድልየት ንድሕሪትን ቕድመትን ኢሎም ሕልሚ ወለዶታት ኣብ ክንዲ ምቕዳም ፣ ዓለም ኣበዚ ኸዚ እዋን ናብ ሓደ መንደር ኣብ ዝተቐየረትሉ ግዜ ንሳቶም ሃገር ናብ ሕድ ሕድ መንደር ከፋፊሎም ኣብዚ ናብዚ እንበላለዕሉ እዋን በፂሕና ኢና። ፈለማ ሰራዊት ምክልኻል እንትወቅዑ ከለዉ ናይ ሓንቲ ሃገር ሉኣላውነት ‘ዮም ደፊሮም፣ እዚ ድማ ባዕሎም ብቴሌቪዥን ኣዳዕዲዖም ዝተዛረብዎን ኣብ ዉሑዳት ደቓይቕ ውሽጢ ነገራት ዛዚምናዮ ዝበለዎ ነገር ‘ዩ ነይሩ።

 ከምዚ እንትገብሩ ዝመፅእ ሳዕቤናት እንታይ ከምዝኾነ ክግምቱ ትፅቢት ይግበር ነይሩ፣ እዚ ሓላፍነት ንክትወስድ ድማ ህዝቢ ንክመርሐካ እንተይኾነስ ህዝቢ ንክትመርሕ፣ጉዳይ ህዝቢ ንቕድሚት ትልሚ ብምግባር እንታይ ትሰርሕ ከምዘለካ እትኸደሉ መገዲ ስለዝኾነ እዚ ሳዕቤናት ክፈልጥዎ ይግባእ ነይሩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ። እዚ ኹሉ ንከይገብሩ ትዕቢትን ንዕቐትን ‘ዩ ናብዚ ኹሉ ዘብፀሖም ። ስለዚ ኣብዚ ኣብፂሕና ዘሎ ንሰላሳ ዓመታት እናተደማመረ ዝመፀ ‘ዩ ‘ምበር ናይ ኸዚ ኣይኮነን። ገና ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለዉ ኣብቲ ህዝቢ ፅልኢት እናተርኣ ነይሩ ‘ዩ፣ ‹‹ትግራይ ወርቂ ትኸውን ኣላ›› እናተብሃለ ኣብ ዝዝረበሉ እዋን ሓደ ብኣመራርሓ ብርኪ ኣብ መድረኽ ወፂኡ ብዛዕባ እዚ ንህዝቢ ከረድእ ዝፈተነ ኣይነበረን። እኳዳኣስ ንሳቶም ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ ‘ዮም እናበሉ ‘ዮም ዝሰብኹ ነይሮም። ብመጀመርያ ሓቅነት ዘይብሉ ህዝብን ውድብን ሓደ ኾይኖም ኣይፈልጡን። ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ማሕበር ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ናትና ገባር ማሕበረሰብ ብምንታይ ምኽንያት ‘ዩ ምስ ውድብ ሓደ ክኾን ዝኽእል ዝብል ንባዕሉ ሕቶ ዘልዕል ‘ዩ። ንህዝብና ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ሓሽከር ተኸታሊ ‘ዮም ገይሮምዎ ‘ምበር ባዕሉ ንባዕሉ ክውስን እቲ መሰል ኹሉ ከልኪሎምዎ ፀኒሖም ‘ዮም። እዚ ኹናት ተጀሚሩ እዚ ኹሉ ትምህርት ቤትን ሕክምናን ክዕፆ ከሎ ነፃ ዝኾነ ማሕበር፣ቤት ትምህርት ፣ ነፃ ዝኾኑ ናይ ሲቪል ማሕበራት፣ ነፃ ዝኾነ ፖሊስ ነፃነት ዘለዎ ህዝቢ ነይሩና ተዝኾን ነይሩ ፣ ሓኪም ፣ ፖሊስ ፣ መምህር ዝኣመሰሉ ህወሓት ናብ ተንቤን እንትሃድም ምስኣቶም ዝሃድመሉ ምንም ምኽንያት ኣይነበሮን። እዚ ዝኾነሉ ድማ ኣብ ሓደ ውድብ ተኣሲሮም ብምፅንሖም ዝተፈጠረ ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ዘምፅእሉ ሕማም ሞትን ኹናትን ‘ዩ።

ንባዕሎምን እንተዘይኾኑ ንህዝብን ንወለዶ ቅድሚት ብዘይምሕሳቡ እዙ ኹሉ እንሪኦ ዘለና መዓት ክበፅሕ ክኢሉ ‘ዩ። ዕቁባትን እድራትን እንከይተረፈ ከምይ ገይሮም ናብ ባዕሎም ጥቕሚ ይቅይርዎ ነይሮም ፣ ምርጫታት ከመይ ይካየዱ ነይሮም ፣ ኣብቲ ሰዓት ዝነበረ ልሂቅ ድማ መአረምታ ክህብ ኣይካኣለን ነይሩ። ማሕበራዊ ለውጢ ክመፅእ ኣይሰርሑን። ኣብ ትግራይ ፀገም ማይ ክፈትሑ ኣይካኣሉን። ህዝብና ካብ ሴፍትኔት ከውፅእዎ ኣይካአሉን።

 ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት እቲ ኹናት ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዘርኢ ምጥፋእ እናተፈፀመ ከምዝኾነ ይዛረቡ ነይሮም ፣ ብሓቂ ኣብ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ድዩ ዘሎ ? ኣይተ ግርማይ፡- ኣነ ብውልቀይ ዘርኢ ምፅናት ዝባሃል ናይ ባዕሉ ዝኾነ ትርጉም ኣለዎ። ኣብ ትግራይ ገበን ተፈፂሙ ዶ ኣይተፈፀመን ምንም ሕቶ ኣየድልን ዓበይቲ ገበናት ተፈፂሞም ‘ዮም። ናተይ ቤተሰብ ‘ውን ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም ‘ዮም።

ብዙሓት ሰባት ስለዝተጎድኡን ሰለ ዝሞቱን ናይ ዘርኢ ምፅናት ደፊንሽን ይገልፅ ድዩ ኣይገልፅን ምናልባት ናይ ባዕሉ ልሂቃን ዝህብዎ ደፊኒሽን ‘ዩ ዝኾን ። ብናተይ ኣመለኻኽታ ግና ዘርኢ ናይ ምፅናት ዘብል ኩነታት ኣየብፅሕን። ቅድም ኢለ ከምዝበልክዎ ብምኽንያት ኹናት ኣብ ትግራይ ዓበይቲ ገበንን ጉድኣትን በፂሑ ‘ዩ ግና ናብ ዘርኢ ምፅናት ዘብፅሕ ዝብል ሓሳብ የብለይን። ወጋሕታ ፡- ሓገዛት ረድኤት ናብ ህዝቢ ትግራይ እንትኸይድ ጉጅለ ህወሓት ንናይ ባዕሉ ሰራዊት እናቐለበ’ምበር ናብቲ ህዝቢ ከምዘይበፅሕ ሓበሬታታት ይወፁ ነይሮም ፤ ግና ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥምየት ከም መሳርሒ ኹናት እናተጠቐመሉ ‘ዩ ዝብል ኣቤቱታ እናቕረበ ነይሩ ‘ዩ ፣ ኣብዚ ዘለዎም ሓሳብ እንታይ ይመስል ? ኣይተ ግርማይ፡- ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ሓገዝ እቲ ኹናት ካብ ጠጠው ካብ ዝበለሉ እዋን ሓገዛት ብዝርዝር ክፈልጦ ኣይኽእልን። ሓደ ነገር ክምስክር ዝኽእል ግና ንኣብነት ንሽሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝፀንሐሉ ብግዝያዊ ምምሕዳር ንህዝቢ ንከይጠሚ ብዙሓት ሓገዝ ከምዝእተወ ይፈልጥ ‘የ።

 መንግስቲ ጥምየት ንኹናት እናጠቐመሉ ‘ዩ ዝብል ምኽንያት ክኸውን ኣይኽእልን። ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ እናቅረበ ነይሩ ‘ዩ። እንተ ብወገን ህወሓት ኣብ 1977ዓ.ም ዝነበረ ጥምየት ካብ ዝላኣኽ ሓገዝ ሓሙሽተ ሚኢታዊ ጥራሕ ንጥምየት ዝተጎደአ ህዝቢ ይበፅሕ ከምዝነበረ ምስኣቶም ኣብ ቃልሲ ዝነበሩ ሰባት ‘ውን ይምስክሩ ‘ዮም። ኸዚ ‘ውን ንህዝቢ ተባሂሉ ዝተልኣኸ ብስኩት ኣብ ኢድ ምሩኻት ከምዝተረኸበ ኣብ ቀረባ መንግስቲ ገሊፅዎ ‘ዩ። መንግስቲ ገለፆ ኣይገለፆ ግን ሓደ ናቹራል ዝኾነ ነገር ኣሎ። ኣብዚ ኸዚ እዋን ህወሓት ነቲ ዘለዎ ሰራዊት ክቕልብ ኣይኽእልን። ስለዚ ክቕልብ ዝኽእል ካብዚ ዝተልኣኸ ‘ዩ። እቶም ሓገዝ ዝህቡ ትካላት ‘ውን ዝርዝር ብምግባር ዕላዊ ክገብሮ ነይርዎም። ኣብ ቀረባ ዘይነበራ ናይ ውልቀ ፋርማስታት ከምዝተኸፈተ ካብ እንሰምዖ ሓበሬታ ተረዲእና ኢና፣ ግና ኣብ ሆስፒታል መድሓኒት የለን እናተብሃለ ከይዱ ካብቲ ፋርማሲ ንክገዝእ እናተገበረ ከምዝነበረ ንሰምዕ ኢና። ዝተጎድኡ ዕጡቓት ከይተረፉ ስድረኦም ካብዚአን ፋርማሲ እናገዝኡ ‘ዮም ዝሕክሙ ዝብል ሓበሬታ ‘ውን ይስማዕ ‘ዩ። ክንደየናይ ጭቡጥ ‘ዩ ኣብ ከረጋግፅ ኣይኽእልን ። ግና ኣብቲ ፋርማሲ ዘሎ መድሓኒት እንድሕር ደኣ ዝሽየጥ ኾይኑ እዚ ጌጋ ‘ዩ። ትካል ጥዕና ዓለም ነቲ ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ንክዕደልን ‘ዩ ዝሰዶ ዘሎ’ምበር ንክሽየጥ ‘ዩ ዝልእኾ ዘሎ ኢለ ኣይኣምንን። ኣብዚ እዋን ህዝቢ ኣብ ፀገም እናሃለወ ሕፅረት ናውትን መድሓኒትን ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ እናለወ እተን ፋርማሲ ከመይ ኢለን እየን ተኸፊተን ዝብል ንባዕሉ ሕቶ ዘልዕል ‘ዩ። ስለዚ ህወሓት ኣብ ስልጣን ናይ ምፅናሕ ኣከይዳ’ምበር ንህዝቢ ዝሓስብሉ ኣከይዳ ኣይነበረን። ንኣብነት ኣብ መቐለ እኽሊ ተኣኪቡ ቤንዚል ስለዘይብለይ ግና ከከፋፍል ኣይካኣልኩን ኢሉ ነይሩ ፤ እሺ ብቅንዕና ንውሰዶ እሞ ናብ ካልእ ቦታ ምክፍፋል ተሳኢንዎ ንበል ግና ኣብ መቐለ ‘ዮም እኽሊ ስኢኖም ሰባት እናተሓነቁ ዝነበሩ። ንምንታይ እቲ እኽሊ ኣብ ቀረባ ንዘነበረ ሰብ ዘይተኸፋፈለ ? ንደቆም ዘብልዕዎም ስኢኖም ባዕሎም ዘጥፍእሉ ዝነበረሉ ኩነታት ንምንታይ ክፍጠር ክኢሉ? ንህዝቡ እንድሕር ዝሓስብ እንተኾኑ ‹‹ መብፅሒ ነዳዲ ስለዘይብለይ እንተስ ተጓዒዝካ እንተስ ኣድገ በቕሊ ሒዝካ ካብ መቐለ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ ›› ተባሂሉ ክዝረብ ይካኣል ነይሩ ‘ዩ። እዚ ዘሪአና ግና ንህዝብኻ ምንም ሓልዮት ዘይብልካ ከምዝኾነ መርኣያ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝወስዶ።

ወጋሕታ ፡- ጉጅለ ህወሓት ኣብ ኹናት እናሰለፎም ዘሎ ህፃናትን ሽማግለታትን ‘ዩም። እዚ ዘርኤና እቲ ጉጅለ ንስልጣኑ ‘ምበር ንህዝቢ ግዲ ከመዘይብሉ ዶ ይኾን ? ኣይተ ግርማይ፡- እዚ ዘጠራጥር የብሉን። ንህዝቢ እንድሕር ደኣ ግደ ተዝህልዎ መንግስቲ እናሃለወ ገባርን ሓዳግን ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ገይርሉ ዝብል ጠቕልል ኣቢሉ ዝምለሶ ይመስለኒ ። ንትግራይ ዝተመደበ በጀት እኮ ንማኸላይ መንግስቲ ተመላሲ ዝኾነሉ እዋን እኮ ነይሩ ‘ዩ። ግና ኣብቲ ሰዓት ህዝቢ መቐለ ፅሩይ ማይ ዘይረኽበሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ ነዚ ከውዕልዎ ኣይምኻኣሉን ዶ ? ካብቲ በጀት እናሰረቑ እንትህፍትሙ ከለዉ ነውሪ ‘ዩ ኢሎም ንምንታይ ጠጠው ዘየበልወም ? ኣባል ኢህወዴግ እንድሕር ነይርካ ምስራቕ ልሙድ ‘ዩ ነይሩ ማለት ‘ዩ። ኣብ ዘመነ ህወሓት ብሙስና ተጠርጢሩ ዝተኣሰረ ሰብ የለን። ንህዝቢ ዝሓልዩ እንተኾይኖም ኣብ ስልጣን እናሃለዉ ተሓታትነት ክህሉ ነይርዎም። ተሓታትነት ዝመፅእ ካብ ህወሓት ኣባልነት ዝወፀላ መዓልቲ እዩ ነይሩ። ንህዝቢ ዝባሃል የለን ፣ ዝተወለደ ኹላ ንዓኣቶም ሰልጣን ንክነዋሕ ክመውት ኣለዎ።

 ናታቶም ደቆም እኮ ስልጣን ክመፀሎምን ክወርስኑ ኣብ ክፍልታት ዓለም ኾይኖም እናተፀበዩ ‘ዮም። እቲ ወዲ ድኻ ሓረስታይ ንክዋጋእ እናገበሩ ዘለዉ እኮ ንሳቶም ‘ዮም፣ ወዲ ሃፍታም እማ ደቁ ሓቢኡ ኣብ ሆቴል የቕምጦም ወይ ድማ ናብ ኹናት ዘይብሉ ይሰዶም። ግና ኸዚ ኣብዚ ኹናት እናተወድኡ ዘለዉ ደቂ ድኻታትን ብህወሓት ምንም ጥቕሚ ዘይረኸቡን ‘ዮም። ቅድሚ ኸዚ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ዝነበረ ኹናት ብዙሓት መናእሰይ ተሰዊኦም ‘ዮም። ግና ኸዚ እናሸከርከሩ ዘለዉ ኣብቲ ኹናት ዘይነበሩ ‘ዮም። ህወሓት ኣብ ትግራይ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ባዕሉ ናይቲ ውድብ ስራሕ ንክሰርሑ ብናይ መንግስቲ በጀት ‘ዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ ።

ናይ ውድቦም ስራሕ ንምስራሕ መንግስቲ ባጀት ንምንታይ ይጥቀም ነይሩ። እዚ ንባዕሉ ስርቂ ‘ዩ። ንክልል ዝምደብ በጀት ነቲ ህዝቢ ‘ዩ ክውዕል ዘለዎ ‘ምበር ኣብ ናይ ውድብ ስራሕቲ ክውዕል ኣይግባን። እዚ ኹሉ ዘርኤና ንህዝቢ ምሕሳብ ዝባሃል ነገር ከምዘየለ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ውድብ ‘ዩ ዝትከል ነይሩ’ምበር ስርዓት ኣይትከልን ነይሩ። ህዝቢ ትግራይ ዕድመ ምሉእ ኣብ ኹናት ‘ዩ ኣሕሊፍዎ። እዚኦም ምስ መፁ ድማ ነቲ ህዝቢ ዝሐሸ ህይወት ዝሐሸ ምዕባለ ክፈጥሩ ‘ዮም ተባሂሉ ‘ዩ ትፅቢት ዝግበር ነይሩ። ግና ብሕማቕ ስልጣን ሱስ ተዳሒዞም ‘ዮም ተረኺቦም ። ናብ መቐለ ከይዶም ክንዲ እቲ ኹሉ ዝገበርዎ ይቕርታ ግበርልና ዝብሉ ግና ንህዝብና ኹናት ተሸኪሞምሉ ‘ዮም ከይዶም። ኸዚ ዝውድእዎ ዘለዉ ቆልዓን መንእሰይን ኣበይ ከምዘሎ ‘ውን ኣይፈልጥዎን ነይሮም። ትግራይ እትጉዳእ ዘላ ብኹናት ጥራሕ ኣይኮነን ናይ መፃኢ ዕድላ ‘ውን ‘ዩ ዝጉዳእ ዘሎ። ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት ቤት ትምህርት ዝባሃል ነገር የለን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ኣብዝሓ ተወለድቲ ትግራይ ንጉጅለ ህወሓት ክድግፉ ‘ዮም ዝራኣዩ ፣ እዚ ካብ ምንታይ ምኽንያት ዝመፀ ‘ዩ ? እዚ ኣካይዳስ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኸዚ ኣቲዎ ዘሎ ፀገም ዘውፅኦን ዝረብሖን ድዩ? ኣይተ ግርማይ፡- እቲ መልሲ ብቀጥታ ኣይረብሖን ‘ዩ። መብዛሕትኡ ብስምዒት ዝጓዓዝ ‘ዩ። ሓንቲ ጎፍላ ተሸላሊማ ክትመፅእ ከላ ክሳብ ዘይተኸፈተት ፅቡቕ ምግቢ ኺዛ ከምዘላ ‘የ ክግምት ዝኽእል ። እቲ ኣብዝሓ ዳያስፖራ ድማ እቲ ጎፍላ ብሽፍኑ ‘ዩ ዝርኢ ዘሎ’ምበር ኣብቲ ውሽጢ ጎፍላ ዘሎ እንታይ ከምዘሎ ክርኢ ኣይደልን ። እቲ ኣብዝሓ ዜና ዓወት ይንገሮ ብዛዕባ ውድቀት ምንም ዝንገሮ ነገር የለን ፣ ጥልቕ ኢልካ ብዛዕባ ማሕበራዊ ህይወት እንታይ ክኾን ኣለዎ ፣ ዝጠቕመናን ዝጎድአናን እንታይ ‘ዩ ? ክንከስሮ እንኽእል እንታይ ‘ዩ ፣ክንከስቦ እንኽእል እንታይ ‘ዩ? ኢልካ ጥልቕ ኢልካ ናይ ምሕሳብ ዓቅሚ ብምንኣሱ ሱቕ ኢለካ ሰዓባይ እናኾነ’ዩ ኢለ ‘የ ኣነ ዝሓስቦ ።

 ነዚ ሰዓባይ ግና ሰዓባይ ዝገብርዎ ተጠቐምቲ ሓይልታት ኣለዉ። ናይቶም ሰበ ስልጣን ቤተሰቦም ገዛን ንብረትን ገዚኦም ዘቐመጥዎም ‘ዮም። እዚኦም ቤተሰብ ጥቕሚ ኣለዎም ‘ዩ ፣ እዚ ኸዚ ዝነብርዎ ዘለዉ ናብራ ኣብቲ ስልጣን ዘለዉ ሰባት እንድሕር ተላዒሎም ከም ሃገሮም ‘ዮም ዝነብሩ ማለት ‘ዩ። እዚኣ ድማ ኣይደልይዋን ። ስልጣን እናተፀበዩ ‘ዮም። ኣብ ትግራይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርቲ እንትዕፆ ንሳቶም እናተምሃሩ እናመረቑ ‘ዮም። ኣልጋ ወራሽ ‘ዮም። እዚኦም ኣብ ኣብዝሓ ዳያስፖራ ተጋሩ ዝነዝሕዎ ዘለዉ ጎስጓስ ብሶሻል ሚድያ ‘ዩ እናተሰበኹ ዝውዕሉ ። ሓደ ሓደ ለዋሃት ‘ውን ኣለዉ ናይ እከለ ሚድያ ኣይተዳምፁ እንትባሃሉ እሺ ዝብሉ። እዚ እኮ ዘይምግንዛብ ‘ዩ ‘ምበር ንምንታይ ‘ዩ ኣይተዳምፁ ዝተብሃለ ‘ውን ይባሃል ‘ዩ።

ንምምዝዛን ‘ውን እኮ ዘይምልከተካ ሚድያ ‘ውን ክድመፅ ኣለዎ። ስለዚ እዞም ብስጋን ጥቕምን ዝተኣሰሳሩ ነቲ ሰዓባይ ተወላዲ ትግራይ ኣንበድቢዶም ኣንበድቢዶም ስምዒታዊ ገይሮምዎ ሱቕ ኢሉ ብስምዒት ‘ዩ እናተመርሐ ዘሎ። እዚ ድማ ህወሓት ኣብ ስልጣኑ ካብ ምፅናሕ ሓሊፉ ንህዝቢ ትግራይ ጠብ እትብል ዘምፀኦ ነገር የብሉን። ስለዚ ካብ ከምዚ ምዃን ንመራሕቲ ህወሓት ‹‹ ኣቱም ሰባት ገዲም ይኣኽለኩም እዚ ዝኣክል ፀኒሕኹም ኢኹም ኸዚ ጎንፂ ተፈጢሩ ኣሎ ህዝቢ ትግራይ ምስ ኹሉ ኣፃሊእኽምዎ ዘለኹም ጎረባብቲ ተሳንዩ ከንብሮ ዝኽእል ጥበብ ዘለዎ ሓይሊ ናብ ስልጣን ዝመፀሉ መገዲ ክህሉ ኣለዎ። ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ክባሃል›› ተባሂሉ እንተስ ብምብርትታዕ እንተስ ብምልማን ንህዝቢ ዝሓስቡ ሓይልታት ንክምረፁ ብምግባር እቲ ህዝቢ ካብ ዝኣተዎ ፀገም ንከውፀእ ናይ ምግባር ስራሕ ‘ዩ ክስራሕ ዘለዎ። ተዘይኾይኑ ግና ታሪኻዊ ጌጋታት ‘ዩ ዝኾን ህዝብና እዚ ኣይግበኦን ነይሩ።

 ወጋሕታ፡- ሙሁራንን ፖለቲከኛታት ተጋሩ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኣተዎ ፀገም ንምውፃእ ዝኸድዎ መገዲ እኹል ድዩ? ንቕድሚት ኸ እንታይ ትፅቢት ይበረሎም? ኣይተ ግርማይ፡- ክሳብ ኸዚ እኹል ተሳትፎ ገይሮም ‘ዮም ዝብል እምነት የብለይን ። እዚ ንክኾን ዝተፈላለየ ምኽንያት ኣለዉዎ። እዚ ምኽንያት ብጣዕሚ ሰፊሕን ምስ መርሒነት ህወሓት ዝተድሓዘ ስለዝኾነ እዚ ይፅናሕ። ግና እቶም ፖለቲካ ዝሳተፉ ንወገኖም ‘ውን ዝሙግቱ ክኾኑ ይግባእ ። ሓደ ሓደ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዎ ተጋሩ ዝፍፀሙ ጀምላዊ ማእሰርቲ ብምፅራይ እቲ ገበነኛ ዝኾነ ጥራሕ ተሓታቲ ንክኾን ኣብ ምግባር ስራሕቲ ክሳተፉ ኣለዎም። ስራሕ ህወሓት ዘቃልዑ እንድሕር ደኣ ዝእሰሩ ኮይኖም ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን። እዚ ድማ ኣብቲ ፖለቲካ ውሽጢ ዘለዉ ተጋሩ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብምኻድ ፍታሕ ንክርኽቡ ክገብሩ ኣለዎም። እቲ ጥዑይን ክፍኡን ክእለ ይግባእ ። ዝምልከቶም ናይ ፀጥታ ኣካላት ንባዕሉ ክፍተሸ ኣለዎም። እቲ ፈታሺ ንባዕሉ ክፍተሸ ኣለዎ። ጥፍኣተኛ ዝኾነ ጥራሕ ብጥፍኣቱ መሰረት ክቕፃዕ ኣለዎ። ኣብዚ ምንም ሕቶ የብለይን። ግና ትግራዋይ ስለዝኾነ ብዘይተረጋገፀ ሓበሬታ ዝእሰር እንድሕር ኮይኑ ፅቡቕ ኣይመፅእን። ምኽንያቱ ምንም ነገር ብቕርሕትን ክፍኣትን ክፍታሕ ኣይኽእልን። ብዕርቅን ሰላም ጥራሕ ‘ዩ ክፍታሕ ዝኽእል። ስለዚ ፖለቲከኛታት ተጋሩን ምሁራንን እዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ናብ ሰላማዊ መገዲ ንክመፅእ ቃልሶም ከበርትዑ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ግርማይ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

Recommended For You