‹‹ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል ንህዝቢ ትግራይ ናብ ፀገም ኣእትዎ ‘ዩ››-ኢንስፔክተር ዓወት ኣብርሃ

ኢንስፔክተር ዓወት ኣብርሃ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝተወዱ እንትኾኑ ካብ ቐዳማይ ብርኪ ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ‘ውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ መቐለ ‘ዮም ተማሂሮም። ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ምስ ወድኡ ብኤሌክትሮ መካኒካል ኢንጅነሪንግ ቐዳማይ ዲግሪ ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ተመሪቖም። ድሕሪ ምምራቖም ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ፖሊስ ኦርኬስራን ፖሊስ ኮሙሽንን ዝሰርሑ ኮይኖም ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣባል ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ኮይኖም ኣብ ኣቓቂ ቃልቲ ክፍለ ከተማ ኣብ ሰላምን ፀጥታን ተወካሊ ብምዃን እናሰርሑ ይርከቡ። እንበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣድሂብና ምስ ኢንስፔክተር ዓወት ኣብርሃ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከም ዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ካብ ዘለዎ ፀገም ንክወፅ እንታይ ክግበር አለዎ ይብሉ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ረኺቡ ከይነብር ብሰንኪ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ዝርከብ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣትይዎ ዝኒሀ ፀገም እዚ ንምውፃእ ክገብሮ ዝግባእ ኣንፃር ጉጅለ ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ። ህወሓት ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝሽቕጥ ጉጅለ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ሓይሊ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ ከውግዶ እንተኺኢሉ፣ ትግራይ ካብዚ ሐዚ ገጢምዋ ዘሎ ፀገምን መከራን ሓራ ዘይትወፀሉ ኩነታት ኣይህሉን። መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ንምውፃእ ይፅዕር ኣሎ ‘ዩ፤ እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባል ዝከኣሎ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ። ብጉጅለ ህወሓት ክታለል የብሉን። ህዝቢ ትግራይ እታ እንኮ መማረፂቱ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ኣንፃር ህወሓት ብምቅላስ ሓራ ምውፃእ ‘ዩ። ጉጅለ ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ልምዓት፣ ፍትሒን ናፃነትን ክረክብ ኣይኽእልን፤ እዚ ጉጅለ እዚ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ዕረፍትን ረኺቡ ኣይፈልጥን። ኩሉ ግዜ ኣብ ኩናት ምስ ተፀመደ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት መገዲ ሰላም ተሓሲሙ ሳልሳይ ዙር ኹናት ንምንታይ ኸፊቱ ይብሉ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- ራዕዳዊ ህወሓት መገዲ ሰላም ተሓሲሙ ሳልሳይ ዙር ኹናት ዝኸፈተሉ ምኽንያት ሰላም ስለ ዘይደሊ፤ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ብምእታው አብ ስልጣን ክነብር ስለ ዝደሊ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ንስልጣኑ ጥራሕ ተዘይኮኑ ንህዝቢ ትግራይ ሓሲቡን ተጨኒቁን አይፈልጥን ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድኽነትን ጉስቁልናን ክነብር ገይርዎ ‘ዩ። ንስልጣኑን ረብሕኡን ጥራሕ ‘ዩ ዝሓስብ። ህዝቢ ትግራይ ይጥመ፤ ይሰደድ ይሙት ዘጭንቆ ጉዳይ ኣይኮነን። ዘጭንቆ ስልጣኑ ጥራሕ ‘ዩ። ነዚ ‘ውን ‘ዩ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ህፃናትን ሽማግለታትን ከይቀረዩ ኣብዚ ኹናት እዚ ክሳተፉ ብምግባር ሂወቶም ዘስእኖም ዘሎ። ስለዚ መንእሰይ ትግራይ ንረብሓ ውሱናት ሰበ ስልጣናት ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኢሉ ሂወቱ ክግብር የብሉን። ንልምዓትን ሰላምን ጥራሕ ክስለፍ ኣለዎ። ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ምስ ዝደሊ ሓይሊ ክስለፍ ኣለዎ፤ መንግስቲ ነዚ ጉጅለ እዚ ንምውጋድ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ብዝግባእ ተሓባባሪ ክኸውን ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት መገዲ ሰላም ተሓሲሙ ሳልሳይ ዙር ኹናት ንምንታይ ኸፊቱ ይብሉ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- ራዕዳዊ ህወሓት መገዲ ሰላም ተሓሲሙ ሳልሳይ ዙር ኹናት ዝኸፈተሉ ምኽንያት ሰላም ስለ ዘይደሊ፤ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ብምእታው አብ ስልጣን ክነብር ስለ ዝደሊ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ንስልጣኑ ጥራሕ ተዘይኮኑ ንህዝቢ ትግራይ ሓሲቡን ተጨኒቁን አይፈልጥን ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድኽነትን ጉስቁልናን ክነብር ገይርዎ ‘ዩ። ንስልጣኑን ረብሕኡን ጥራሕ ‘ዩ ዝሓስብ። ህዝቢ ትግራይ ይጥመ፤ ይሰደድ ይሙት ዘጭንቆ ጉዳይ ኣይኮነን። ዘጭንቆ ስልጣኑ ጥራሕ ‘ዩ። ነዚ ‘ውን ‘ዩ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ህፃናትን ሽማግለታትን ከይቀረዩ ኣብዚ ኹናት እዚ ክሳተፉ ብምግባር ሂወቶም ዘስእኖም ዘሎ። ስለዚ መንእሰይ ትግራይ ንረብሓ ውሱናት ሰበ ስልጣናት ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኢሉ ሂወቱ ክግብር የብሉን። ንልምዓትን ሰላምን ጥራሕ ክስለፍ ኣለዎ። ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ምስ ዝደሊ ሓይሊ ክስለፍ ኣለዎ፤ መንግስቲ ነዚ ጉጅለ እዚ ንምውጋድ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ብዝግባእ ተሓባባሪ ክኸውን ይግባእ።ባህሪ ኣለዎ ‘ዩ። ብኸምዚ ዓይነት ምጭብርባር ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥራሕ ‘ዩ ዝሓስብ። ስለዚ ጀኖሳይድ ትግራይ እናበለ ብተደጋጋሚ ዘልዕለሉ ዘሎ ምኽንያት ንፖለቲካዊ ከስቢ እንተዘይኮኑ ንህዝቢ ትግራይ ሓሲቡ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ጥሜት ከም መሳሪሒ ኹናት ተጠቂሙ ዝብም ፀብፃብ ኮምሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሑቡራት መንግስታት ከመይ ይሪእዎ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- መንግስቲ ጥሜት ከም መሳሪሒ ኹናት ተጠቂሙ ዝብል ፀብፃብ ኮምሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጌጋ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ሪፖርት ‘ዩ። ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዘለዎ ‘ዎ ዝብል ሓሳብን እምነትን ኣለኒ። እዚ ናይ ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ‘ዩ። ምዕራባውያን ንህወሓት እናሓገዙ መፂኦም ‘ዮም። ሕዚ ‘ውን ናይዚ መቀፀልታ ‘ዩ። እኽሊ ይኹን ካልኦት መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዛት ይኣትዉ ነይሮም ‘ዮም። መንግስቲ ነዚ ንምትግባር በይናዊ ኩናት ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ወሲዱ እናሰርሐሉ መፂኡ ‘ዩ።

ስለዚ እዚ ዘአምን ሪፖርት ኣይኮነን። እዚ ሪፖርት እዚ ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ‘ዩ፤ ናይ ምዕራባውያን ፖለቲካዊ ኣካይዳ ዝተኸተለ ኣካይዳ ‘ዩ ዝብል፤ ኮነ ተባሂሉ መንግስቲ ብምድኻም ንራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናብ ስልጣን ንምምላስ ዝግበር ፃዕሪ ‘ዩ። ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ዘንፀባርቅ ፀብፃብ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ሃገራት ምዕራባውያን ክሳብ ሐዚ ኣብ ጎኒ እዚ ራዕዳዊ ጉጅለ ብምዃን እናደገፈኦ መፂአን ‘የን፤ ሕዚ ‘ውን እናቐፀላሉ ‘የን ዝርከባ። ጉጅለ ህወሓት ‘ውን ናታተን ወኪል ‘ዩ። በዚ ጉጅለ እዚ ኣቢለን ‘የን ድሌተን ንምስኻዕ ዝሰርሓ ዘለዋ። እዚ ቅድሚ ሐዚ እናሰርሓሉ ዝመፃ ጉዳይ ‘ዩ፤ ሓዱሽ ኣይኮነን። ብጥቕሚ ዝተኣሳሰረ ስራሕ ‘የን ዝሰርሓ ዘለዋ። ሰብኣውነት ሓሲበን እንተይኮናስ ኢትዮጵያ ከይትረጋጋዕ ብምግባር ናይ ባዕልተን ጥቕሚን ረብሓን ንምሕላው ‘የን ዝሰርሓ ዘለዋ። ኢትዮጵያ እንተዓብያ ጥቕምና ክጎድለና ‘ዩ፤ ከምኡ’ውን ተለኣኣኺ መንግስቲ ንምቕማጥ ብዝብል ኣተሓሳስባ ሒዘን ‘የን ነዚ ጉጅለ እዚ እናሓገዛ ዝርከባ።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት መገዲ ሰላም ንክቅበል እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት መገዲ ሰላም ንክቅበል ክግበር ዘለዎ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባል ምእንተ ሰላም ዝከኣሎ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህወሓት ፀቕጢ ብምፍጣር ካብ ስልጣኑ ከውርዶ ኣለዎ፤ ከምኡ ‘ውን ደቁ ንኹናት ክልእኽ የብሉን። ክሳብ ሕዚ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ይኣኽሎ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌዴራልን ህዝቢታት ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ከውግዶ ኣለዎ። እዚ ጉጅለ እዚ እንተዘይተወጊዱ ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ሓድነት፣ ፍቕሪ፣ ልምዓት፣ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝባሃል ክረክብ ኣይኽእል።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ጉዳይ እዚ ግደ ተጋሩ ዲያስፖራ ኸ እንታይ ክኸውን ይግባእ ይብሉ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- ግደ ተጋሩ ዳያስፖራ ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ኩናት ካብ ምቕስቓስ ተቆጢቦም ኣብ ሰላም ፀቂጦም ክሰርሑ ኣለዎም። ኩናት ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅሞ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንሃገር ዝጠቕም ሰላም፣ ልምዓት፣ ፍትሒን ዲሞክራስን ‘ዩ፤ ንራዕዳዊ ህወሓት ድጋፍ ካብ ምግባር ክቑጠቡ ኣለዎም። ብሓፂሩ ግደ ዲያስፖራ ክኸውን ዘለዎ ንሰላም ጥራሕ ጠጠው ምባል ‘ዩ። ምሁራትን ፖለቲካዊ ፓርትታትን ትግራይ ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ተሰሊፎም ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ስራሕ ኣብ ምስራሕ ክነጥፉ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ተደጋጋሚ ድሌት ሰላም መንግስቲ ፌደራል ንክዕወት እንታይ ክገብር ኣለዎ ይብሉ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- ተደጋጋሚ ድሌት ሰላም መንግስቲ ፌደራል ንክዕወት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሓጋዚ ከኸውን ኣለዎ። ሰላም ብመንግስቲ ተሳትፎ ጥራሕ ክመፅእ ስለ ዘይኽእል ህዝቢ ተሓባባሪ ክኸውን ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ከም ማንም ህዝቢ ሰላም ዘድልዮ ህዝቢ ‘ዩ። ቕድሚ ሐዚ ብዙሕ ፀገም በፂሕዎ ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ናብ ሰላም ክምለስ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ምስ ፌዴራል መንግስትን ህዝቢታት ኢትዮጵያን ሓድነት፣ ሰላምን ፍቕሪን ብምጥንኻር ሰላም ንዘስእኖ ዘሎ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ተቃሊሱ ከውግዶ ይግባእ። ካብዚ ዓፋኒ ጉጅለ እዚ ሓራ ክወፅእ እንተኾይኑ መንግስቲ ፌዴራል ዝህቦ ጠቃሚ ሓሳብ ብምቕባል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ብምቕላስ ከም ‘ቶም ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሓራ ክወፅእ ኣለዎ። ኣብ ኹናት ዝሳተፍ ዘሎ ትግራዋይ ድማ ኣይንዋጋእን ብምባል ኢዱ ንመንግስቲ ክህብ ኣለዎ። ወይ ኣንፃር ህወሓት ብምቕላስ ሂወቱ ከድሕን ኣለዎ። በዚ ምኽንያት መንግስቲ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ሰላም ዕውት ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ዝብል ሓሳብን እምነትን ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ንህዝቢ ትግራይ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልይዎም፤ ኢንስፔክተር ዓወት፡- ንህዝቢ ትግራይ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ክሳብ መዓዘ ኢና እናተዋጋእና ከንነብር ክብል ኣለዎ፤ ኩናት ይኣኽለና ክብል ኣለዎ። ደቑ ንኹናት

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 10 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

Recommended For You