ክለባት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ንምምላስ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ

ኣብ ቐፃሊ 2014 ዓ.ም ንሕንሕ ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ክለባት ክልል ትግራይ ናብ መድረኽ ንክምለሱ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ኣብ 2013 ዓ.ም ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዘይተኻፈሉ ሰለስቲኦም ክለባት ክልል ትግራይ ማለት እውን መቐለ ሰብዓ እንደርታ ፣ወልዋሎ ዓዲ ግራት ዩኒቨርሲቲን ስሑል ሽረን ኣብ ቐፃሊ ዓመት ናብ ንሕንሕ ንክምለሱ ብምሕሳብ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስቶም ክለባት ርክብ ከምዝጀመረ ተገሊፁ ፡፡

ኣብ 2013 ዓ.ም ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሰለስተ ክለባት ብዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ምኽንያት ኣብቲ ሊግ ዘይተሳተፉ ብምቕራዮም እቲ ንሕንሕ ብ13 ክለባት ዝተገበረ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ፡፡ኣብ 2012 ዓ.ም ኣብቲ ሊግ ዝሳተፉ ዝነበሩ ኣብ ሎሚ ፕሪሚየር ሊግ ዘይተሳተፉ ዝተረፉ ክለባት ኣብ 2014 ናብቲ ሊግ ተመሊሶም ክፃወቱ ከምዝኽእሉ ቅድሚ ኸዚ ከምዝተገለፀ ዝዝከር እዩ፡ ፡ ፌዴሬሽን ድማ ምስቶም ክለባት ርክብ ከምዝጀመረ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ኣይተ ባህሩ ጥላሁን ንሶከር ኢትዮጵያ ተዛሪቦም እዮም፡፡

እቶም ሓላፊ ምስ ስራሕ ኣስፈፀምቲ ብምዃን ምስቶም ክለባት ርክብ ጀሚርና ኢና ፣ርክብና ኸዚ እውን ኣጠናኺርና ቀፂልና ኢና፣ክምለስሉ ዝኽእል መገዲ ሰፊሕ እዩ ብምባል ንሶከር ኢትዮጵያ ተዛሪቦም እዮም፡፡ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ሊግ ካምፓኒ ናይ ክልል ትግራይ ሰለስቲኦም ጋንታታት ኣብ 2014 ዘመን ንሕንሕ ብፕሪሚየር ሊግ ዝሳተፉ እንተኾይኖም ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ ሰለስቲኦም ምድብ ኻልኣይ ኾይኖም ዝወድኡን ካብ ፕሪሚየር ሊግ ዝወረዱ ሰለስተ ክለባት መፍለይ ፀወታ ንምግባር ከምዝተሓሰበ ዝፍለጥ እዩ፡፡

 ኾይኑ ግና እቲ ፌዴሬሽን ኸዚ ክልል ትግራይ ክለባት ንምዝርራብ ዝጀመሮ ምቕስቃስ ውፅኢታዊ ኾይኑ እቶም ጋንታታት እንተተመሊሶም እዚ ትልሚ ኣይሰርሕን፡ ፡ ቢሮ ክልል ትግራይ መናእሰይን ስፖርትን ሰለስቲኦም ክለባት ስፖርት ናብ ንሕንሕ ንክምለሱ በጀት ንክምደብ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ዘገባ ሶከር ኢትዮጵያ የመልክት፡፡

ሰለስቲአን ጋንታታት ትግራይ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ካብ ምስታፍ ንላዕሊ ጠንካራ ተናሓናሕቲ ከምዝኾኑ ዝፍለጥ እንትኾን ፣ብፍላይ መቐለ 70 እንደርታ ናይ 2012 ሊግ ቻምፒዮን ከምዝነበረ ኣይርሳዕን፡፡ ፌደሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ ምስ ትግራይ ክልል ክለባት ዝጀመርናዮ ዝርርብ ዕውት ተዘይኾይኑ እቶም ክለባት ናብ ንሕንሕ ተዘይተመሊሶም ኣብ ናይ ሎሚ ላዕለዎት ሊግ ኣብ ሰለስተ ምድብ ኻልኣይ ብርኪ ሒዞም ዝውድኡ ጋንታት ካብ ፕሪሚየር ሊግ ካብ ዝወርዱ ሰለስተ ጋንታታት ዝፍለይሉ ፀወታ ትፅቢት ይግበር፡፡

ላዕለዎት ሊግ ንሕንሕ ምድብ ሓደ መከላከያ ብዓሰርተ ሽድሽተ ፀወታ ዝኣከቦም ሰላሳን ሸሞንተን ነጥብታት ፕሪሚየር ሊግ ከምዝኣተወ ቅድም ክብል ከምዝተረጋገፀ ዝፍለጥ እዩ፡፡ በዚ ምድብ ኣብ ኢትዮጵያ ኩዑሶ እግሪ ዓብይ ታሪኽ ዘለዎ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ሰላሳን ኣርባዕተን ነጥቢ ሒዙ ኻልኣይ እንትኸውን መፍለይ ፀወታ ናይ ምፅዋት እድል ኣለዎ፡፡

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዒስራን ኽልተን ፀወታ ሓምሳን ሓደን ነጥብታት ሒዙ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ምሕላፉ ኣብ ዘረጋገፀሉ ኻልኣይ ምድብ ንሕንሕ ላዕለዎት ሊግ ሃምበሪቾ ዱራሜ ብኣርባዓን ኣርባዕተን ነጥቢ ኻልኣይ ብርኪ ዝሓዘ እንትኾን መፍለይ ፀወታ ናይ ምፅዋት ዕድል ክህልዎ ይኽእል እዩ፡፡ ሳልሳይ ምድብ ኣርባ ምንጭ ከተማ ብዒስራን ኽልተን ፀወታ ኣርባዓን ኽልተን ነጥቢ ሒዙ ፕሪሚየር ሊግ እንትኣቱ ኻልኣይ ብርኪ ዝርከብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ እዩ፡፡

ኣብ ላዕለዎት ሊግ ኻልኣይ ብርኪ ካብ ዘለዉ ጋንታታት ብመፍለይ ፀወታ ዝፃወቱ ፕሪሚየር ሊግ ኽልተ ወረድቲ ክለባት ቅድም ክብል ዝተፈለጡ እንትኾን ብመፍለይ ፀወታ ውፅኢት መሰረት ኣብቲ ሊግ ዝፀንሕሉ ዕድል ኣብ ኢዶም እዩ፡፡ ጅማ ኣባ ጅፋርን ኣዳማ ከተማ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ምውራዶም ቅድም ክብል ዘረጋገፁ ጋንታታት እንትኾኑ መበል ዒስራን ሓሙሽተን ሰሙን መርሃ ግብሪ ውፅኢት ተየካተተ ዒስራን ኽልተን፣ ዒስራን ሓሙሽተን ሒዞም ንዘይምውራድ እናፃዓሩ ዘለዉ ወልቂጤ ከተማን ሲዳማ ቡናን መፍለይ ፀወታ ብምፅዋት ኣብቲ ሊግ ንምፅናሕ ብሕታዊ ተስፈኦም እዩ፡፡ እዚ ኹሉ ዝኸውን ግና ናይ ክልል ትግራይ ክለባት ናብ ንሕንሕ ምምላስ ተዘይኽኢሎም ጥራሕ እዩ፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You