ትሕዝቶን ኸይድታትን ዕርቂ እንደርታ

70 እንደርታ ሓደ ጥንታዊ ዓብዪ ግዝኣት ኣካል ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገርና ኢትዮጵያ ዀይኑ፤ ክትነብረሉ ማቻ ልዀነ ኣየር ፀባይ ደጉዓ፣ ወይና ደጉዓይ ቖላይ ለለዎ ከባቢ እዩ፡፡ መነባብሮ እቲ ህዝቢ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ሕርሻ፣ ንግዲን ምርባሕ እንስሳን ዝተመስረተ፣ባህላዊ ዕርቂ እንደርታ ንኹሉ ዕርያ ከምዝኾነን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፅሑፍና ጠቒስና ነይርና፡፡ ኣብ ናይ ሎሚ ፅሑፍና ድማ ዝርዝር ኸይድታትን ትሕዝቶታትን ዕርቂ እንደርታ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣይተ መለስ ሰለሞን ክንርኢ ኢና፡፡

እንደርታ ጥንታዊት ምስ ምዃና ተተሓሒዙ ዓዲ ቅዱሳን፣ ዓዲ ሊቃውንቲ፣ ካብ ጥንቲ ስልጡን ማሕበረሰብ ዘለዋ ምዃና ቀወምቲ ቅርስታት፣ ብዙሓት ስርዓተ ክብርታት፣ ባህልይ ታሪኽይ ሃም መረዳእታ ኾይኖም ይሕብሩ፡፡ ካብቶም ልፍለጡ ብዙሓት ስርዓተ ክብርታት ድማ መግለፂ መንነት፣ስልጣነ፣ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባይ ተግባርይ ልዀኑ ብህዝቢ እንደርታ ብሰፊሑ ልፍለጡ ባህላዊ ስርዓት ዕርቕይ ፍትሕይ ዕርቂ እንደርታ እቲ ዋና እዩ፡፡ ጥንታዊ ኣሰራርሓ መንበሪ ሰብ ገዛውቲ ሂድሞ (ሃዳሙ)እንደርታ፣ስንቂ ኣርሆታይ ብርኩታ እንደርታ፣ስርዓት ንግዲ ኣርሆ ጨው ኣርሆ እንደርታ፣ተመራፅይ ተፈታውይ ዓይነት ምግቢ ጎጎ (ሕምባሻ) እንደርታ፣ቐሊልን ምዕቡልን ላዛ ቋንቋ ትግርኛ ላዛ እንደርታን ኻልኦትን ይርከብዎም፡፡

ካብቶም መግለፂ ስልጣነ፥ ዲሞክራሲያዊ ባህላዊ ስርዓት እንደርቶት ሓደ፥ ምሕደራ ፸ እንደርታ (ሰብኣ እንደርታ) እዩ፡፡ ፸ እንደርታ ማለት፥ ካበየ ገረቡ (ከባቢኡ) ብህዝቢ ልምረፁ፣ ፸ (ሰብዓ) ዓበይቲ ዓዲ (ተወከልቲ) ይሕዝ፡፡ ፸ እንደርታ (ሰብኣ እንደርታ) ካብቲ መጠን ቑፅሪ ብላዕሊ፣ ስርዓተ ክብሪ እንደርቶት፣መግለፂ ጥንታዊ ታሪካዊ መለለዩ መንነት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ፡፡ 70 እንደርታ ብምኽንያት ግዜ ምንዋሕ ምስ ግዝኣት (ምምሕዳር) ምፅባብይ ምስፋሕይ ለይልወጥ ቀዋሚ ፸ (ሰብዓ) መጠን ቑፅሪ ተወከልቲ፤ እዚ ቝፅሪ ታሪክ ነዊሕ ዘበንን ትርጉም ለለዎ እምበይ ብኣጋጣሚ ወይ ብግምት ልተውሃበ ሃምለይዀነ ክፍለጥ ይግባእ ይብለና መቕረቢ እዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣይተ መለስ ሰለሞን፡፡

ኣብ ዕርቂ እንደርታ እቲ ዕርቂ ንኸከናውኑ ዝምረፁ ተወከልቲ ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ልሳተፉ፣ ልመኽሩ፣ ልውስኑ ተሰማዕነትይ ተኣማንነትይ ለለዎም፣ ጠቓሚ ምኽሪ ሓሳብ ለቕርቡ፣ ሕጊ፣ ስሪት ለውፅኡ፣ ኣብ ፍትሒ ዕርቀ ሰላም ልሰርሑ፣ ሰብ ብልሓት፣ በሳላት ብምንባሮም ምስ ገዛኢ መደብ (ኣመሓደርቲ) ተሰማሚዖም ኣማኸርቲ ዀይኖም ለገልግሉ እዮም ይብለና ኣይተ መለስ፡፡

እዞም ለባማት፣ ዓበይቲ ዓዲ ብማሕበረሰብ እንደርታ ጥራሕ ለይዀነስ ብመላእ ትግራይ፤ ብበሳል ሓሳቦም፣ ኣንደበቶም፣ ፍትሓውነቶም፣ ተኸበርቲ፣ ተኣመንቲ ብምንባሮም ውሳነኦም፣ ምኽሮም ልምስማዕ ብሃንቀውታ ‘’ዓበይቲ እንደርታ እንታይ በሉ?’’ ላተብሃሉ ይፍለጡ ነይሮም፡፡ እቲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ብዛዕባ መንቀሊ ጎንፂ እንተብራህርህ፤ መንቀሊ ጐንፅታት ማሕበራዊ፣ ስነ- ቝጠባዊ (ኢኮኖምያዊ)፣ ስነ-ምምሕዳራዊ (ፖለቲካዊ) ኢልኻ ምዝርዛር ይከኣል ይብለና፡፡

ኣብዚ ካብ ዝርኣዩ ዓይነታት ጐንፂ፤ርሑስ ደም ብገርሂ (ኣጋጣሚ)ብዝፍጠር ስሕተት ዝርአ ጐንፂ እንትዀን ንቑፅ ደም ድማ ሕዱር ፅልኢ (ብቂም) ልፍጠር እዩ፡፡ ዕርቂ እዞም ጐንፅታት ልፍፀመሉ ግዜ ልምውሳን፤ ብኣፈፃፅማን ዓይነትን እቲ ጐንፂ ዝውሰን ዀይኑ፣ ኣብ ሓፂር ግዜ (ህፁፅ) ዕርቂ ለድልዮ፣ብሓደገኛነቱ ግዜ ብምውሳድን ብብልሓትን ህድእ ኢልኻ ልፍታሕ (ምፅራይ ለድልዮ) እናበልካ ይፍለ፡፡ ዕርቂ ልካየደሉ ዕለትይ ቦታይ፤ እንትንርኢ መብዛሕትኡ ካብ ህፁፅ ዕርቂ ወፃኢ ኣብ በዓላት፣ ፀበላት፣ ድሕሪ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክካየዱ ይኽእሉ፡ ፡ ዕርቂ ልፍፀመሎም ቦታታት ድማ፣ ኣብ ልሙድ እግሪ ፅላል ዳዕሮ ፣ኣብ ወሰን ፀገም ልተፈጠረሉ ቦታ ፣ጕድኣት (ጐንፂ) ኣብ ልበፅሓሉ ከባቢ፣ ኣብ ቤተ እምነታት (ቤተ ክርስትያን)፣ ኣብ መማእኸልቲ ገረባት፣ ኣብ ዓዲ ቤተሰብ ተበዳሊ፣ ይኸውን፡፡

ዓረቕቲ፣ ዓበይቲ ዓዲ (ሸምገልቲ)፤ ልምድይ ዓቕሚ ለለዎም ዓበይቲ ዓዲ፣ ብህዝቢ ልምረፁ እዮም፡፡ ኣቦ ገረባት ድማ ተወከልቲ ዓበይቲ ዓዲ እዮም፡፡ እዚኦም፣ ስሪት ለለዎም ኾይኑ መብዛሕትኡ ኣብ ዓበይቲ ጕዳያት፣ ኣብ ጐንፂ ብሄራት፣ ቕትለት፣ ብዓሌት፣ ብወሰን፣ መንግስታዊ ሃገራዊ ጕዳያት (ውዕላት፣ ስምምዓት) ይሳተፉ፡፡

ግዝያዊ (ኣጋጣሚ) ጎንፅታት ልብሃሉ ድማ፤ ብዙሕ ስሪት ለየድልዮም፣ ሓደጋ ለየምፅኡ፣ለየስግኡ ጕዳያት እንትዀኑ፣ ብቤተሰብ፣ ጐረቤት፣ ኣዕርኽቲ፣ መሓዙት፣ ኣጋጣሚ/ ኣብ ግዝያዊ ጐንፂ ልነበሩ፣ ኣብ ህዝባዊ ዕዳጋ (መስማዕማዕቲ) ይርከቡዎም፡፡ ዕርቂ እንደርታ ምስ ዘበናዊ ሕጊ ዘለዎ ምትእስሳር ከምዚ ዝስዕብ ንረኽቦ፤ስነ ስርዓት ባህላዊ ዕርቂ፣ ለይተፅሓፉ ስሪታት ለለዉዎ ኣብ ሕገ ልቦና ልምደብ ሕጊ እዩ፡፡ እቶም ብሕገ ልቦና ልትግበሩ ስሪታት፤ ድሕሪ ግዜ ላብ ፅሑፍ ተለዊጦም መሰረት ዘመናዊ ሕጊ ዀይኖም እዮም ይብለና መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣይተ መለስ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቂ ምስ ዘመናዊ ሕጊ ቀጥታዊ ዝምድና ኣለዎም፡፡ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ኣብ ስሪት ዕርቂ እንደርታ ለለዉ፤ ኣብ ዘመናዊ ሕጊ ብፅሑፍ ምስፋሮምን ኣብ ዘመናዊ ሕጊ ብፍትሃ ብሄር ኰነ ብገበን መቕፅዒ ሕጊ ብዕርቂ ክፍትሑ ልፈቕዱ ኣንቀፃት ብግልፂ ካብ ብዘመናዊ ሕጊ ፍርዲ ምሃብ ብዕርቂ እንደርታ ምፍፃም ልሓሸ ውፅኢታዊ ምዃኑ ለረድኡ ፅሑፋት ኣብ መንግስታዊ ትካላት ፍርዲ ብሰፊሑ ተዘርጊሖም ይረአዩ፡፡

ኣብ ቐረባ እዋን ብብርኪ መንግስቲ ባህላዊ ዕርቂ፤ ሓደ መማረፂ ትካል ፍትሒ ልምግባር ሰፊሕ ምንቅስቃስ ምጅማሩ መረዳእታታት ይሕብሩ፡፡ ኣብዚ ፅሑፍ ምርምር ሃም ልተገልፀ፤ መሰረት ኹሎም ዘመናዊ ሕጊ ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቂን ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ለለዎም ምዃኖም እዩ፡፡ ኣብነታት ዝምድናኦም ልምጥቃስ፤ ኣብ ባህላዊ ዕርቂ እንደርታ ለለዉ ስሪታት፡-

ብውሳነ ለይተሰማመዐ፣ ተበዲለ ልበለ ኣካል ክረኣየሉ ዳግም ልቐርበሉ ስሪት ምህላዉ (ይግበአኒ)፤ምስ ዘመናዊ ሕጊ ፍፁም ለይፃረር መማረፂ ፍትሒ ምዃኑ (ዕርቂ ኣብ ዘመናዊ ሕጊ ይድገፍ እዩ) ፣እዚ ድማ ልዅሉ ዓይነት ክፋል ሕብረተሰብ ብዕርያ ልዳኒ ምዃኑ (ኹሉ ሰብ ኣብ ቕድሚ ሕጊ ዕርያ እዩ)፡፡ ኣብ ዘመናዊ ሕጊ ብገበን ኰነ ብፍትሃብሄር ብዕርቂ ልውድኡ ኣንቀፃት ምህላዎም ዕርቂ እንደርታ መገዲ ውሳነ ምዃኑ መገላገሊ ፍርዲ ልበሃል ተመሳሳሊ ብሞንጎኛ (3ይ ወገን) ናይ መሰማምዒ አንቀፅ ምህላዉን ኸዚ ኣብ ቐረባ ኣብያተ ፍርዲታት ብትልሚ ባህላዊ ዕርቂ ይሰርሓሉ ምህላውን፤ዕርቂ ሓዳር መልዕሎ ልበሃል ተመሳሳሊ ኣንቀፅ ምህላዉ(ንብረት ቕድሚ ሓዳር) ወዘተ… ምስ ዘመናዊ ሕጊ ለለዎ ምትእስሳር/ዝምድና/ የርእየና፡፡

እቲ ኻሊእ ኣይነት ዕርቂ ድማ ቕድሚ ተኽኒ/ጐንፂ/ ወይ ድማ ጐይቒ ልፍፀሙ ብዓሌት፣ ጎረቤት፣ ብወሰን ወዘተ… እቶም ዋና ዋና እዮም፡፡ ዕርቂ ተለይመሸየ፣ ተለይፀልመተ፣ ቕድሚ ጕድኣት፣ በደል ቕድሚ ምብፅሑ ዕርቂ ምፍፃም ማለት እዩ፡፡ ኣብ ዕርቂ እንደርታ ልተፈለጠ ጐንፂ ተዀይኑ፣ ዕርቂ ልፍፀም ብፍቃድ፣ ድሌት ተጓነፅቲ (በዳልይ ተበዳልይ) ወይ ዓሌት እዩ፡፡ ትዅረት ካብ ልወሃቦም ሓደ ብኽትትል፣ ካብ ትዕዝብቲ ወይ ብጥቆማ/ ሓበሬታ ውልቀ ሰባት ለይቓሪ ሓደገኛ ቕድመ ጐንፂ ምልክታት ተሃልዮም ቐልጢፎም ክእረሙ ይገብር፡፡፡

እዚ ምናዳ እቲ ጐንፂ ምስ ጎረቤት፣ ጕጅለታት ወይ ዓሌት እንተዀይኑ፤ ብትኹረት ተራእዩ ምልክት ወይ ሓበሬታ ምስ በፅሖም፤ ቀልጢፉ ብዕርቂ ክውዳእ ብምግባር፤ ክፍጠር ልኽእል ኸቢድ ጕድኣት አቐዲሞም ብምትንባይ፤ ክመክን ልገብሩሉ መገዲ እዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ ጕጅለ ወይ ዓሌት ውጥረት ጐንፂ ተሃልዩ፣ ‹‹ናይ ደገ ፀላኢ ብቐሊሉ ንኸጥቅዕ ምቹው ክኸውን ስለልኽእል፤ ቐልጢፍኹም ዕፀዉ/ዕረቑ›› ይበሃል፡፡ ኣብ መዋስንቲ፣ ሕዛእቲ ምስ ብሄር ወይ ከባቢ ተዀይኑለ፤ተመሳሳሊ ምልክታት ሓበሬታ እንተበፂሑ፤ ብገንኡ ብምርኣይ ምንም ቕርሕንቲ ተለይተፈጠረ ክእረም ይግበር ክብል ብዝርዝር የረድአና እቲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ፡፡ ንኣብነት’ውን ኣብ ገረብ ደልገና በዕርቂ እንደርታ ልተገበረ ዕርቂ ቐፂ ዘሎ እዩ፡፡

ኣብ ገረብ ደልገና ዝተገበረ ዕርቂ ናይ ቐረባ ታሪክ እዩ፡ ፡ ኣብ ዋዕላ 1ይ ወያነ፣ ወራር ጋዝ ልሓዋሩ ልተወገደሉ እንትኾን ኣብ 1933 ዓ.ም. ወራሪ ጣልያን ብሓርበኛታት ወለድና ድሕሪ ምብራሩ፣ ስርዓት ሃይለስላሴ ተመሊሱ፡ ፡ በቲ ልፀነሐ በዝባዚ ስርዓት ክቕፅል ተጀሚሩ፡፡ በዚ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ናይ ኣይግዛእይ መንፈስ ወያነ ኣንፃር እቲ ስርዓት ምልዓሉ ይፍለጥ፡፡ ቕድሚ ዅሉ ኣብ መላእ ፸ እንደርታይ ራያይ ልተጀመረ ምንቅስቃስ ወያነ (1ይ ወያነ) ላሰፈሐ፣ ገርዓልታ፣ ኽልተ ኣውላዕሎ፣

 ተምቤን ላተስፋሕፍሐ ልመፀ ገባር ወየንቲ ትግራይ ብሓደ ዀይኖም ብስሩዕ ኣዋጅ ዓረና ኢሎም፡፡ ገረባት መሪፆም ተላዒሎም፡፡ ኣቦ ገረባት፣ አቦ ጋዛት እንደርታ ሓይሊ ልምትእኽኻብ ሓዱሽ ብልሓት ብምፍጣር፣ ‹‹እቲ ቃልሲ ወያነ ምሉእ ልክዀን፣ ልክንዕወት እዞም ናይ ቖላ ዓፋር ኣሕዋትና ክድምበሩና ኣለዎም›› ኢሎም መኸሩ፡፡

መራሒ ቐዳማይ ወያነ፣ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ ብልነበሮም ብቕዓት ምእማን ተጠቒሞም ልዓፋር ሐዊሶም ልዕለት ሕዳር 12/03/1934 ዓ.ም. ዓብይ ኣዋጅ ገነያ (ዋዕላ) ላብ ገረብ ደልገና ተኣወጀ፡፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኽልተ ኸበድቲ ጕዳያት ክፍተሓ ነይሩወን፡፡ ቐዳማይ፤ ወጀራት፣ ኣብ ልዕሊ ዓፋር ወራር ጋዝ ለካየዱሉ ወቕቲ ስለልነበረ ፈታኒ ነይሩ፤ ኻልኣይ፥ ዓፋር፣ ብወያናይ ገብረ ሓጎስ ወሰን ደርገዓጀን ዕርቂ ክተኣማመኑን ቀልጢፎም ክቕበሉን ብጣዕሚ ኸበዶም፡፡

ዓፋር ኣብ ወያናይ ገብረ ሓጎስ ወሰን ልነበሮም ጥርጣረ ልምእማን ብላታ ሃይለማርያም ረዳ ምእንተ ዕርቀ ሰላም፣ ምእንተ ሓድነት፣ ምእንተ ዕላማ፣ክብርቲ በዓልቲ ገዘኦም ምስ ልፎትዉዎም ደቆም መተኣማመኒ ኢሎም ለትሐዙሉ ታሪክ ለይርስዖ ዓብይ ፍፃመ ነይሩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ዓፋር ምስ ወየንቲ ተጋሩ ኣብ ገረብ ደልገና ተሰማሚዖም፣ ሓደ ዀይኖም ዓረና ኢሎም፥ ምስ ዓፋር ልነበረ ጕዳይ ቘፀሮ ሒዞም ፡፡ ልኻልኣይ ግዜ ድሕሪ ወርሒ ታሕሳስ 16/04/1934 ዓ.ም. ዅሉ ክግነ ተፀወዐ፡፡ ኣብዚ ግዜ ባህላዊ ወራር ጋዝ ልሓዋሩ ልክቐሪ፣ ከይወሩለ ከይውረሩለ ናይ መወዳእታ ዋዕላ ስምምዕነት ዕርቂ ብሙሉእ ልቢ ተቐባልነት ረኺቡ ተፈፂሙ፡፡ ኣቦ ጋዛት ገዲም፣ ‹‹ብሳላ ዕርቂ እንደርታ፣ ብሰብ የለይ ሓንታ›› ተባሂሉ ክሻዕ ኸዚ ሓድነት፣ ፍቕሪ፣ ዘላቒ ሰላም ቐፂሉ፡፡

ከምዚኦም ዝበሉ ኣዝዮም ኣድለይትን ረብሐኦም ልዑል ዝኾኑ መፅናዕታዊ ፅሑፋት፤ብዕምቆት ኣፅኒዖም ንዘቕርቡ ሙሁራት ከም ኣይተ መለስ ንዝበሉ ፍሉይ ምስጋና ይግበኦም፡፡ ምኽንያቱ ከምዚ ዝበለ ዓብዪን ቑልፊ መፍትሒ ፀገም ከምዘለና ስለ ዘፍለጡና፤መንግስቲ ድማ ነዞም ጭቡጣትን ግልፂ መረዳእታታትን ትኹረት ገይሩ ብምርኣይን ብቕልጡፍ ናብ ተግባር ዝልወጡሉ መገዲ ከመዓራርይ ይግባእ እናበልና ብኣውርኡ ድማ ኹላትና ኢትዮጵያውያን ንሰላምናን ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ግደና ክነበርክት ኣለና እናበልኩ ፀፅቡቑ ይምነ፡፡

ዕርቂ ሰላምን ፍቕርን ንህዝብና!

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You