‹‹ ከም ኣቦታትና እንተተሓባቢርና ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይደፍረናን ›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፡- ‹‹ከም ኣቦታትና እንተተሓባቢርና ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይደፍረናን›› ክብሉ ቐዳማይ ሚነስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ንምድኻምን ሓድነታ ንምንጋዕን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝህቀን ትንኮሳን ፅዕንቶን ብሓባር ክንምክት ይግባእ ክብሉ ኣምባሳደር ታዬ አጽቀስላሴ ተዛሪቦም፡፡ ቐዳማይ ሚነስትር ዶክተር ኣብይ ፣ ኣብ ፓርክ ሓድነት ኣብተኻየደ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ህንፀት ማእኸል ባህሊ ኣምሓራ ተረኺቦም መልእኽቲ እንተመሓላልፉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘደንቑ ክዙናት መዓድናት ይሃልዉ’ምበር ካብ ምርእኣይ ሓሊፉ ኣብ ረብሓ ምውዓል ከምዘይተኸኣለ ገሊፆም።

‹‹እዚ ከይኸውን ካብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ወፃኢ’ውን ክፋእ ዝሰርሑልና ሓይሊታት ኣለዉ›› ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ ኢትዮጵያ ሃፍታም ቆልዓ ዝሓዘለት ድኻ ኣዶ ብምባል ገሊፆምዋ። ሕቶ ኢትዮጵያ ብሓባር ምልማዕን ምምዕባልን ከምዝኾነ ብምግላፅ፣ ኢትዮጵያውያን ደቂ ሃፋትም እናሓዘልሉ ምዕባይ ዘይኮነስ ነኒሕድሕዶም እናተኾላለሱ ብሕብረት ምምዕባል፣ ምልዋጥን እንትተርፎም ምድጋፍን ዝኽእሉሉ ዓቕሚ ምፍጣር ከምዝከኣል ኣብሪሆም።

ከም ኣቦታትና እንተተሓባቢርና ዝኾነ ይኹን ኣካል ክደፍረና ኣይኽእልን ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ‹‹ናፅነትናን ክብርናን ሓሊና ንኢትዮጵያ ናብ ብራኸ ምዕባለ ንምውሳድ ብፍቕሪ፣ ብይቕሬታ፣ ብምትሕስሳብን ምድማርን ሓደ ብምዃን ተምሳሌት ኣፍሪካ ክንገብራ ይግባእ ክብሉ›› ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ንመህነፂ ማእኸል ባህሊ ኣምሓራ ዝኸውን 42 ሺሕን 200 ካሬ ሜትሮ ቦታ ንርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣህምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ስነ-ስርዓት ምጅማር ማእኸል ባህሊ ኣምሓራ ኣብ ፓርክ ሓድነት ኣረኪበን። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝስርሑ ትካላት ልምዓት፣ ሰባት ተቐራሪቦም ንኽሰርሑ፣ ህዝቢታት ንኽቀራረቡን ኣብ ሓበራዊ ህንፀት ሃገር ጉልበት ከምዝኾኑን እተን ምክትል ከንቲባ ገሊፀን፡፡

‹‹ካብ ዝፈላለዩና ኣናእሽተይ ጉዳያት ንላዕሊ ሓደ ኣብ ዝገብሩና ኣእላፍ ጉዳያት ብሓባር ክንሰርሕ ኢና›› ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ነዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ልምዓትን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ንምግባር ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ብግደኦም፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ማእኸል ባህሊ ጋህዲ ንኽኸውን መህነፂ ቦታ ብምሃቡ ከምዘመስገኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተገሊ ጹ፡፡

ኢትዮጵያ ንምድኻምን ሓድነታ ንምንጋዕን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝህቀን ትንኮሳን ፅዕንቶን ብሓባር ክንምክት ይግባእ ክብሉ ኣምባሳደር ታዬ አጽቀስላሴ ተዛሪቦም። ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ኣብ ኣሜሪካ ኒውዮርክ፣ ኮኔክትከት ከምኡ’ውን ካልኦት ስቴታት ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ብዌብናር ተዛቲዮም።

ዕላማ እቲ መድረኽ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታትን ምዕራባዊያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘርእይዎ ዘለዉ ዘይግቡእ ኢድ ኣታዉነትን ማእኸል ዝገበረ ኢዩ። ኣብቲ ዘተ ህዳሰ ግድብን መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫን ተዳህሲሱ። ብፍላይ ሴኔት ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዘውፀኦ ውሳነ እንታይነት፣ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝቀርቡ ዝነበሩ ዛዕባታት ብዝርዝር ዘረድኡ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ኢትዮጵያ ንምድኻምን ሓድነታ ንምንጋዕን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝህቀን ትንኮሳን ፅዕንቶን ብሓባር ክንምክት ይግባእ ኢሎም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You