ባዓል ቤት ስልጣንን ሉኣላዊት ሃገር ህዝቢ እዩ

ስርዓት ኣመሓድራ ዲሞክራሲ ኣብ ዝኽተላ ሃገራት ዜጋታት ሓሳቦም ብናፅነት ዝገልፁሉን ዘመሓድሮም ኣካል ናብ ስልጣን ንኽመፅእ ካብ ዝገብረዎ ሓደ መገዲ መረፃ እዩ።መረፃ ናይ ሓደ ሃገር ፅንሰ ሓሳብ ኣመሓድራ ዲሞክራሲ እናዳበረ ዝኸደሉን ዜጋታት ወነንቲ ስልጣን ዘረጋግፅሉ ኸይዲ እዩ።ዜጋታት ብምኽንያት መረፃ ኣመሓድራ መንግስቲ በቢብርኩ የጣይሹ፤በዚ ድማ ስርዓት ሓላፍነትን ተሓታትነትን ንኽሰፍን ይገብሩ። መሰረታዊ መምርሕታት መንግስቲ ፌዴሪኢ ተባሂሎም ካብ መንጎ ዝተገለፁ እቲ ሓደ ልዕልነት ህዝቢ እዩ። ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 8 ‹‹ብሄር ብሄረሳባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፤ወነንቲ ሉኣላዊ ስልጣን ኢትዮጵያ እዮም። ልዕልነቶም ዝግለፅ ድማ ብመሰረት ሕገ መንግስቲን ብዝመርፅዎም ተወከልቶምን ከምኡ’ውን ብቐጥታ ብዝገብርዎ ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎን ይኸውን›› ብምባል ይድንግግ። በዚ መሰረት ድማ በብሓሙሽተ ዓመት እቲ ህዝቢ ይጠቕመኒ፣የመሓድረኒ፣ንዝብሎ ኣካል ብዝቐረበሉ መማረፂ ይመርፅ።

ባዓል ቤት ስልጣን ህዝቢ ከም ምዃኑ መጠን ኸይዲ ናይቲ መረፃ ብዝምልከት ናፃ፣ዲሞክራሲያውን ተኣማንነት ዘለዎ ይኹን ኣይኹን መረጋገፂ ይህብ ማለት እዩ። ሎሚ ዘበን ኣብ ወርሒ ሰነ ን6ይ እዋን ብብርኪ ሃገርለኸ መረፃ ንምክያድ ኣብ ምድላው ይርከብ።እዚ መረፃ ኣብዛ ሃገር ቕድሚ ሰለስተ ዓመት ንዝተኻየደ ለውጢ ዝግበር ፈላማይ መረፃ ብምዃኑ ብዝተሳኸዐ መልክዑ ምፍፃም እንተተኻኢሉ ንዲሞክራሲያዊ ስግግር መሰረት ዝገብር ስለዝኾነ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን እናተነገረሉ ይርከብ።

ብፍላይ ቕድም ክብል ፀገም ተኣማንነት እናተልዓለሉ ዝነበረ ቦርዲ መረፃ ዲሞክራሲያዊ ኸይዱ ንኽጠናኸር ብምግባር ዓብዪ ግደ ከምዝህልዎ ዝተፈላለዩ ሪኢቶ ወሃብቲ እንትዛረቡ ይስማዕ፤ብኻልእ ወገን ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ደገ ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ኸይዲ ናይቲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ወፍሪ ኸፊቶም እዮም።እዞም ተዋሳእቲ እቲ መረፃ ዝካየደሉ እዋን እናተቓረበ እንትመፅእ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እዛ ሃገር ፀገም ፀጥታ ንኽፍጠርን ዜጋታት ብምኽንያት መንነቶም ንጥቕዓት ንኽቃልዑን ክሰግኡን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተሳትፎ እናገበሩ ይርከቡ። እዚ ስግኣት ፀጥታ መበገሲ ብምግባር ‹‹ኣብዚ እዋን እዚ መረፃ ምግባር ጋዶ እዩ››ክብሉ ይድመፁ።

ሓይልታት ደገ ድማ እቲ መረፃ ካብ ብገንኡ ፍትሓውነትን ተኣማንነትን የብሉን እናበሉ ምፍራድ ጀሚሮም ኣለዉ፤ኣብ ቐረባ እዋን ሓሙሽተ ናይ ኣሜሪካ ሴናተራት፤ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ እተካይዶ መረፃ ሐዚ ብዘሎ ኹነታት ዓለምለኸ መመዘንታት ኣየማልእን ክብሉ መግለፂ ኣውፂኦም።እቶም ሴናተራት ቤንጃሚን ኤልካርዳን፣ቲምኬይን፣ጀኪሮስን፣ኮርይ ኤ ቡከርን ኤድዋርድ ጄ ማርኬይ እንትኾኑ እዚ ዘቕረቡ ድማ ንፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ንፍሉይ መልእኽተኛ ኣማሓዳሪ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጆፍሪ ፊልትማን ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ እዩ።ኣፍቲ ደብዳበ ካብ መንጎ ዝተጠቐሱ ‹‹እቲ ዝተተለመ መረፃ ዓለምለኸ ስታንዳርድ ዘማልእ ኣይኮነን ዝብል እዩ።

‹‹…ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ ፓርትታት ካፍቲ መረፃ ንምውፃእ እናተለሙ እዮም፡፤መንግስቲ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መራሕቲ ተቓወምቲ እናኣሰረ እዩ። መንግስቲ ኣመኔታ ከትርፍ እንተደልዩ ቕድሚ መረፃ ንኹሉ ዘሳተፈ ዘተ (National Dialogue) ክገብር ኣለዎ። እዚ ከይገበረ ሐዚ ብዘለዎ ኹነታት እንተቐፂሉ ኣብ መላእ እዛ ሃገር እናወሰኸ ንዘሎ ምስሕሓብ ዓሌታዊ ፖለቲካ ናብ ልዑል ምብፅባፅ ክቕየር እዩ ዝብል ስግኣት ኣለና››ዝብል እዩ እቲ ቀንዲ ምኽንያቶም።

ብመሰረቱ ደብዳበ ሴናተራት ኣሜሪካ ዘመላኽቶ ዜጋታት ሓደ ሉኣላዊ ሃገር፤ ስልጣኖም ብምምንጣል ገበርትን ሓደግትን ምዃን እዩ። እቲ መረፃ ናፃ፣ፍትሓዊ፣ዲሞክራሲያውን ከምዝኾነ ናይ ምርግጋፅ መሰል ናይቲ ብዓል ቤት ስልጣን ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ‘ምበር ናይ ኻልእ ኣካል ክኸውን ኣይኽእልን።ተንታኒ ፖለቲካን ኢኮኖምን ጉዳያት ኣፍሪካ ሎረንስ ፍሪማን እቶም ሴናተራት ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ኣዝዩ ሓደገኛ ከምዝኾነን “US Senators’ Call for Postponing Ethiopian Election is Foolish and Very dangerous” ኣብ ዝብል ርእሲ ብዝፅሓፍዎ ፅሑፍ ተቺዮም፡፤

ሙሁር ፖለቲካል ኢኮኖሚ ሎረንስ ፍሪማን ኣብ ትንታነኦም፤እቶም ሴናተራት ኣብ ኢትዮጵያ ጎንፂ ንክጉሃሃር ድሌት ከምዘለዎም ብምጥቋም ሃገራዊ መረፃ ክካየድ የብሉን ብምባል ዘቕረብዎ ሓሳብ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ክብሉ ኣብሪሆም። ብተወሳኺ ድማ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር መረፃ ንምክያድ ምድላው ኣብ እትገብረሉ እዋን፤ድጋፍ ምግባር እንትግባእ ናይ ምዕራባውያን መን ከማይ በሃላይነት ሓላፍነት ዝጎደሎ እዩ ኢሎም።እቶም ሴናተራት ፈፂሞም ብዛዕባ መንነት ህዝቢ ኢትዮጵያውያ ዋላ ሓንቲ ግንዛበ የብሎምን ክብሉ ዝገለፁ እቶም ተንታኒ፤ ቕድሚ 125 ዓመት ታሪኽ ዓድዋ ጀሚሩ እስካብ ሐዚ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሓድነት ናይቲ ህዝቢ ንኽጠናኸር ዝጀመርዎ ኸይዲ ግንዛበ የብሎምን ክብሉ ገሊፆም።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፤ሴናተራት ኣሜሪካ ዝጠቐስዎም ጉዳያት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ቦርድ ገለልተኛ ትካል ብምዃኑ ቐፃሊ መረፃ ዓለምለኸ ሕግጋት ዝተኸተለ ንክኸ’ውን ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣፍቲ ቦርዲ ካብ ዝተመዝገቡ 49 ፓርትታት ፖለቲካ እቶም 46 ሕፁያቶም ከምዘፍለጡን ገሊፆም።ብብርኪ ፌደራልን ክልልን 9 ሽሕ ሕፁያት ከምዝሳተፉ ዝጠቆመ መግለፂ እቲ ቦርድ ፤ኣብ ታሪኽ መረፃ ኢትዮጵያ እስካብ ሐዚ ካብ ዝተመዝገበ እቲ ዝለዓለ ከምዝኾነ ተጠቒሱ።

ብተወሳኺ ድማ ልዕሊ 190 ሽሕ ሃገር በቆል ሲቪክ ማሕበራት ግንዛበ ንኸጨብጡ ፍቓድ ከምዝተውሃቦም፣34 ሃገር በቆል ትካላት ድማ እቲ መረፃ ንኽዕዘቡ ፍቓድ ከምዝረኸቡ ተገሊፁ።ፓርትታት ፖለቲካን ሕፁያትን ኣብ ኸይዲ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ እናገበሩ ከምዘለዉ ኣብቲ መግለፂ ተመልኪቱ። ኸይዲ እቲ መረፃ ካብ ብገንኡ ብይን ናይ ምሃብ ነገር ንሕብረት ኣውሮፓ ዝምልከት እዩ ።እቲ ሕብረት ብተደጋጋሚ እናውፀኦም ብዝነበሩ መግለፅታት ኣብ ኢትዮጵያ ቕድሚ መረፃ ኹሉ ዘሳትፍ ድርድር ክካየድ ከምዘለዎ እናተሓሳሰበ ፀኒሑ እዩ።

ቕድሚ እቲ መረፃ ድርድር ተዘይተገይሩን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ተዘይቐኒሱ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ከምዘይልእኽ እናፈራረሐ ቐኒዩ እዩ።ኣብ ቐረባ እዋን ዝሃቦ መግለፂ ‹‹ኹነታት ስለዘይተማልኡ ልኡኽ ተዓዛቢ መረፃ ናይ ምልኣኽ ትልሚ ተሰሪዙ እዩ››ከምዝበለ ይዝከር። ወሃቢ ቃል ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ነዚ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ‹‹ከምዚ ዝበሉ ሕቶታት ምቕራቦም ብተዘዋዋሪ ዳርጋ ኣነ ከመሓድረኩም ማለት እዩ›› ክብሉ እዮም ገሊፆሞ።እቲ ሕብረት ተጣዒሱ ምዃኑ ተዘይተፈለጠ’ውን ፀኒሑ ድማ ነቲ መረፃ ዝዕዘቡ ኤክስፐርታት ክልእኽ እየ ከምዝበለን ኣምባሳደር ዲና ተዛሪቦም።

ሕብረት ኣውሮፓ ተዓዘብቲ መረፃ ምምፃእ ዘይምምፃእ ብዝምልከት ኣብ ሃገራዊ ኸይዲ መረፃ ነዊሕ እዋን ተሳትፎ ብምግባር ዝፍለጡ ፓርቲ ሶሻል ዲሞክራቲክ ኢትዮጵያ (ኢሶዴፓ) ፕሬዚዳንት ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ እንትገልፁ ‹‹እቶም ተዓዘብቲ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት መረፃ ምድንጋራት ተዘይኾይኑ ተወሳኺ ዝረኸብናዮ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን››ክብሉ ገሊፆም።

ፕሮፌሰር በየነ ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ከም ዘዘኻኸርዎ ብፍላይ ኣብ እዋን መረፃ 1997 ሕብረት ኣውሮፓ ዘውፀኦ መረዳእታ ከም ሃገር ብዙሕ ዕግርግር ዝፈጠረን ዋጋ ዝተኸፈለሉን እዩ ነይሩ አሎም። በዚ መንፅር ሐዚ ኣይንመፅእን ምባሎም ዝውስኽዎ ዋላ ሓደ ነገር የለን።ኣንሕና’ውን ኣይንፅበዮምን ክብሉ ተዛሪቦም።ናይ ደገ ተዓዘብቲ ምትራፎም፤ዝያዳ ውሽጣዊ ዓቕምና ተጠቒምና እቲ መረፃ ተኣማኒ ንኽንገብሮ ዕድል ዝፈጥር ይመስለኒ ብምባል እዮም ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት እዚ እተካይዶ ሃገርለኸ መረፃ ምስ ኻልኣይ ዙር ምልኢት ግድብ ህዳሰ ተደሚሩ ፅዕንቶ ሓይልታት ወፃኢ ኣዝዩ እናበርተዐ ዝመፀሉ ኹነታት እናተስተውዓለ እዩ።

ኢትዮጵያ ንምድኻም ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ብምቅንጃው ኽልቲኦም ዓበይቲ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ንምትዕንቓፍ ልዕሊ ኹሉ እናተረባረቡ እዮም።ካብ ኣሜሪካ እስካብ ሕብረት ኣውሮፓ ኢሉ’ውን ግብፅን ሱዳንን እቲ መረፃ ንኸይካየድን ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ንኽትዓናቐፍ በጀት መዲቦም ኣብ ዓብዪ ጉያ ይርከቡ።ሐዚ ኣብ በቢከባቢኡ ዝርኣይ ቕትለትን ምፍንቓልን ዜጋታት ተልእኾ ናይዚ ኣካል ከምዝኾነ ጥርጥር የብሉን። ቐንዲ ዕላማ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኹሉ ነገር ብናታቶም መዐቀኒ ንኽዕቀንን ብዝደለይዎ መገዲ ንኽካየድ ድፍኢት ምግባር እዩ።እዚ ንምስኻዕ ድማ ብውልቀ ይኹን ብሓባር መጠንቀቕታ ዝሓዘሉ መግለፅታት እናውፅኡ እዮም።ንቐፃሊ’ውን እቲ ኸይዲ እሳቶም ብዝደልይዎ መገዲ ንኽኸደሎም እቲ መረፃ እስካዕ ዝውዳእ እዚ ፅዕንቶ ምናልባት ክውስኽ ይኸውን ‘ምበር ይንክይ ተባሂሉ ኣይግመትን።

ኣፍቲ መረፃ ዝኾነ ይስዓር፤ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ እዋን ምክያዱን ባዕሉ ሐዚ ዘሎ ኹነታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝቕይሮ ይእመን።እቲ ህዝቢ ወፂኡ መራሕቱ ንምምራፅ፤ካርዲ ካብ ምውሳድ ጀሚሩ ኣድላዪ ምድላዋት ንኽገብር ትፅቢት ይግበረሉ። እዚ መረፃ ካብ መሰረት ስርዓት ፖለቲካ ሓሊፉ ህልውና ሃገር ዘቐፅል ታሪኻዊ ምዕራፍ እዩ።እቲ ህዝቢ ባዓል ቤት ስልጣን ሉኣላዊት ሃገር ስለዝኾነ ኣፍቲ መረፃ ንቑሕ ተሳታፊ ብምዃን ኣብ ኢዱ ዘሎ መሰል ሙሉእ ንሙሉእ ክጥቀም ኣለዎ። እቲ መረፃ ናፃ፣ ፍትሓዊ፣ዲሞክራሲያውን ተኣማንነት ዘለዎ ከምዝኾነ ፍርዲ ዝህብ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ‘ምበር ኻልእ ወገን ኣይነን፤ክኸውን ድማ ኣይኽእልን።(ፍልፍል፣ግዜኢ)

 ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You