‹‹ራዕዳዊ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምዝራግ ኣሎ ዝተብሃለ ፀላኢ ፈታዊ ዝገብርን ከም ነፋሒቶ ተለዋዋጢ ፀባይ ዘለዎን ‘ዩ›› -መምህር ሃይለኪሮስ ረዳኢ

ናይ ሎሚመዓልቲ ጋሻና መምህር ሃይለኪሮስ ረዳኢ ይበሃል ፤ኣብ ትግራይ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ዝተወደሉ እንትኾን ካብ ቐዳማይ እስካዕ ሻምናይ ክፍሊ ኣብ ወረዳ ወጀራት ተማሂሮም፤ካብ ታሽዓይ እስካዕ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ድማ ኣርብዓን ሓሙሽተን ኪሎ ሜትር ዝኸውን ራሕቒ ኣብ ዘለዋ ወረዳ ዓዲጉደም ተማሂሮም፤ብምቕፃል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ ብኣፕላይድ ፊዚክስ ምስ ተመረቑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ንኽልተ ዓመት ፔዳጎጂ ሳይንስ ተማሂሮም ናብ ሞያ መምህርነት ኣትዮም’ዮም፡፡ንሓደ ዓመት ኣብ መቐለ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ዘምሀሩ እንትኾን ድሕሪኡ ኣብ ወጀራት ንኣርባዕተ ዓመት ብመምህርነት ሰርሖም፡፡ጎናጎኒ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ማስተርስ እናተምሃሩ እናሃለው ፖለቲካዊ ጎንፂ ከምተፈጠረ፤ቕድሚኡ ግና ብፍላይ ካብ ራያ ራዩማ ጀሚሩ እቲ ንሶም ዝነብረሉ ወረዳ ከም መናእሰይ ብጉዳይ መሰረተ ልምዓትን ምሕደራን ብፍላይ ወጀራት ‹‹ዋላ ሓንቲ መሰረተ ልምዓት የለን፣ ኻሊእ ይትረፍ ቐደም ብሃፀይ ሃይለስላሴ ዝተሰርሐ መንገዲ ምዕራይ ኣይኸኣሉን፣ በዚ ምኽንያት ንነዊሕ እዋን ዋላኳ ምላሽ ተዘይረኸብና እናተቓለስና ፀኒሕና ኢና›› ይብሉ፡፡ ሃገርና ኢትዮጵያ ብሕርሲ ዝወለደቶ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ጉጅለ ህወሓት ጉዕዝኡ ጠቕሊሉ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ምምሻግ ዘሕፍር ተግባር ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገርና ኣብፂሑ ‘ዩ ይብሉ፡፡ ድሕሪ እቲ ዝተገበረ ኲናትን ዝበፅሐ ኽሳራታትን ንሶምን መሓዛኦምን ብዕሊ ናብ ቃልሲ ኣቲዮም ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ወረዳ ወጀራት ሓላፊ ስቪል ሰርቪስ ኮይኖም እናሰርሑ እናሃለው መንግስቲ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ምስ ወሰነ ብሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ተዓጂቦም ካብ ትግራይ ወፂኦም’ዮም፤ሐዚ ኣብ ኣዲስ አበባ ይነብሩ፡፡ምስ ጋሻና ዝገበርናዮ ፃንሒት ከም ዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና፤ ሰናይ ንባብ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ዘሎ ባህረት ህወሓት ብሓፂሩ ከመይ ይገልፅዎ ብዝብል ሕቶ ክንጅምር? መምህር ሃይለኪሮስ፡- ጉጅለ ህወሓት ብዘይ ጎንፅን ኲናትን ክነብር ዘይኽእል ሓይሊ ‘ዩ፤ንምንታይ እንተይልክኒ ቐንዲ ዕላምኡ ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ጥራሕ ‘ዩ፤ኣብ ትግራይ ሓምሳን ክልተን ወረዳታት ነይረን እዘን ወረዳታት ብሓደ ዓሌት ‘የን እናተመሓደራ ነይረን ፤ብናይ ስብሓት ዳይናስቲ እዚ ማለት ግና ህዝቢ ዓድዋ ኣይውክልን ፤ ባህረቱን ቐንዲ ዕላምኡን ድማ በዚ ዓሌት እናተጠቐመ ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ‘ዩ ነይሩ። እንትገዝእ ድማ ህዝቢ እናጨፍጨፈ፣ እናኣሰረ፣ እናሳቐየ፣ እናዓፈነን እናቐተለን ሃገርና ኢትዮጵያ ናብ ኣዝዩ መሰከፊ ብርኪ ዘብፀሐን ዕድመ ልክዑ ብድኽነት ንኽነብር ምኽንያት ዝኾነን ዘይረብሕን ውዳበ ‘ዩ። እቲ ቕድም ክብል ዝፈፀሞ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ከም ዘሎ ኮይኑ ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብዙሕ ናይ ምድንጋር ስራሕቲ እናተሰርሐ ‘ዩ ነይሩ፤ከም ህዝቢ ኹሉ ናብ ሞት ንኽስለፍ ‹‹ወራሪ ክመፀካ ‘ዩ ክትጠፍእ ኢኻ›› እናበሉ ኣዝዩ ብዙሕ ወፍሪ ፕሮፖጋንዳ እናተኻየደ ነይሩ፤ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገርና ኣብ ሰለስተ ሰሙን እቶም ዝነበሩ ነገራት ፈፂሙ ‘ዩ። እሳቶም ግና ኣብ ደደቢት ማይክሮፋይናንስን ኣብ ንግዲ ባንክ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ገንዘብ ኹሉ ሓንቲ ከየትረፉ ፀራሪጎም ድሕሪ ምውሳድ ከም ሽፍታ ናብ በረኻ ኣትዮም።እዚ ንባዕሉ ብሰላም ምንባር ከምዘይደልዩን ኣመሎም ወትሩ ሽፍትነትን ኲናን ከምዝኾነ ዘመላኽት ‘ዩ። ብሓፈሻ ባህረት ጉጅለ ህወሓት ሱሱዕን ንህዝቢ ሓንቲ ረብሓ ዘይብሉን ውዳበ ምዃኑ ‘የ ዝርዳእ። በዚ ምኽንያት ንሕና ምስ ሕብረተሰብና ናብ ኸቢድ ፀገም ኢና ኣቲና። ድሕሪኡ ምስ መናእሰይ መማህራን ምስ መሓዙትና ብምዃን እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ምዝታይ ጀሚርና።ናብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኸይድና ድማ ብዓቕምና ሓገዝ ንግበር ኢልና። ኣፍቲ እዋን ንሕና ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ብዙሕ ተሳተፍቲ ኣይነበርና።ይኹን ‘ምበር ብፃዕርና ነንርእስና ንምትሕግጋዝ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ነይሩ።ብርግፅ ድማ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ምስ ህወሓት ርክብ ዝነበሮም ኣካላት ከም ዝነበሩ ይፍለጥ ነይሩ፤እዚ ድማ ኣብ ኸይዲ ብመንግስቲ ዝፃረይ ከም ዝኸውን ይሓስብ።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ራዕዲ ናብ ሳልሳይ ዙር ኲናት ምእታዉ ከይኣክል ተወሳኺ ኣዋጅ ኽተት ከምዝኣወጀ ይፍለጥ፤ድሕሪ እዚ እንታይ ክፍጠር ይኽውን ትብል?መምህር ሃይለኪሮስ፡- ሃገርና ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ዓዘቕቲ ኹላትና እንፈልጦ ‘ዩ፤ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝርከበሉ ኹነታት ኣዝዩ ዘሕዝን ‘ዩ።ከም ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኹነታት ‘ዩ ዝርከብ።ስለዝኾነ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ብሕብረት ኮይኑ እዚ ጉጅለ ኣብ ቐረባ እዋን ዝእለየሉ ኹነታት እንተዘይተፈጢሩ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ኢትዮጵያ ናብ ዘየድልይ ሓደገኛ ኣንፈት ከእትወና ዝኽእል ‘ዩ። ብፍላይ ድማ እዚ ጉጅለ ብቐዳምነት ናይ ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ተለኣኣኺ ስለዝኾነ እዚ ኲናት በዚ እንተቐፂሉ ከም ሃገር ናብ ሓደጋ ዘእትው ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። መራሕቲ ህወሓት ንፈለማ እዋን ኣይኮኑን ኽተት ዝእውጁን ዝዳለዉን 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ጀሚሮም ካብ ቖልዓ እስካዕ ዓብዪ ክወፍር ከም ዘለዎን ህዝባዊ ኲናት ከም ዝኾነን ኣውጆም ‘ዮም፤ስለዝኾነ እዚ ኣዋጅ ወፍሪ ሓዱሽ ኣይኮነን። እቲ ናይ ሐዚ ድማ ዝገደደን ኹላትና ከም ዝሰማዕናዮ ብሙርኩስ ዝኸይድ ሽማግለ ተዘይኮይኑ ኹሉ ወፂኡ ‘ዩ መንእሰይ ዝበሃል የለን። መራሕቲ ህወሓት ኣዝዮም ሓደገኛታትን ንህዝቢ ሓንቲ ርህራሀ ዘይብሎምን ስለዝኾኑ መንእሰይ ናፍቲ ናታቶም ዕላማ ተዘይወፊሩ ብዘይ ሓንቲ ምሕረት ከጥፍእዎ ከም ዝኽእሉ በቐደማይ ዝተጠለፈ ድምፂ መራሕቲ ኲናት ምስክር ‘ዩ። ኣብ ኹናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣነ ቖልዓ ‘የ ነይረ፤መናእሰይ ጎራብትና ናብ ኲናት እንድሕር ዘይወፍሩ መሬቶም ለቒቖም ንክወፁ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ይዝክር ‘የ፤ ሐዚ ‘ውን እናገደደ ተመሳሳሊ ተግባር ይገብር ከም ዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ።ምኽንያቱ ድማ እዚ ጉጅለ ባህሊ ኣይፈልጥን፣ሃይማኖት የብሉን፣ኻሊእ ይትረፍ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ኾይኑ ‘ዩ ፖለቲካዊ ኣኼባ ዝገብር።እዚ ኲናት እንትሓስቡ ፈለማ ዘፃወድዎ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ፣ብኢኮኖሚ ኣዳኺሞሞ፣ቐፂሎም ኣብ ክባ ኣእትዮሞ መብራህቲ የለን ፣ሚዲያ የለን በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ሕብረተሰብ ተራኺቡ ፍታሕ ናብ ዘየምፀአሉ ብርኪ ምስ በፅሐ ኾነ ኢሎም ኲናት ፃሕቲሮም።

ወጋሕታ፡- እዚ ጎስጓስ ኩናት ኣብ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ፅልዋ ከመይ ትገልፆ? መምህር ሃይለኪሮስ፡- ከም ህዝቢ ትግራይ እንተርኢና ሐዚ ኣብ ክልል ትግራይ ኹሉ መሰረተ ልምዓት የለን፣ሕጊ ዝበሃል የለን።ብሓፈሻ ከም ማሕበረሰብ ሪእዎ ናብ ዘይፈልጥ ዓዘቕቲ ኣትዩ ‘ዩ።እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ፅልዋ ‘ዩ። ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ዕሸላት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ምቡካሮም ክንደየናይ እቲ ሓዱሽ ወለዶ እናተጎድአ ከም ዝኾነ ዘርእየና ‘ዩ። ስለዝኾነ ብፍላይ ከም ህዝቢ፤ ህዝቢ ትግራይ ናብ ኣዝዩ ዝኸበደ ኹነታት እናኣተወ ‘ዩ። ብሓፈሻ ከም ሃገር ክንሪኦ ከለና ድማ እዚ ሓዱሽ ናይ ለውጢ መንግስቲ ብኽልተ እግሩ ጠጠው ኢሉ ንምስጓም እንትዳለው ናብ ኲናት ንኽኣትው ተገዲዱ ፤ ብምዃኑ ድማ ሃገርና ኣብ ክንዲ ልምዓት ናብ ዘየድልይ ኲናት ንኽትኣትው ተገዲዳ ‘ያ። እቲ ኣብ ኲናት ዝፈሰሰ ኣዝዩ ብዙሕ ሃፍቲ ሃገር ኣብ ልምዓት ተዝውዕል ነይሩ ፤ልዕሊ ኹሉ ድማ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብኽልቲኡ መዳይ ህይወቶም ስኢኖምን ኣካሎም ጎዲሎምን ‘ዮም።ብምዃኑ ድማ ከም ሃገር ኣብ ቕድሚ ዓለም ትሒትና ንኽንርኣይ ብዙሓት ፀላእቲ ንኽፍጠሩን ህወሓት ከም ኣርዑት እናተጠቐሙ ሃገር ንኽትበታተኽ ኾነ ኢሎም ዝተልዓሉ ሓይልታት ኣለዉ፤እዚ ኹሉ ውፅኢት ጉጅለ ህወሓት ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ራዕዲ ሸኔ ሓዊሱ ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ጉጅለታት ምስርሑ ጠጠው ከብል ዝኽእል ብኸመይ ‘ዩ? እዚ ብኸመይ ከብቅዕ ይኽእል? መምህር ሃይለኪሮስ፡- እዞም ዝተገለፁ ጉጅለታት ተመሳሳሊ ባህረትን ዕላማን ‘ዩ ዘለዎም።ከምቲ ዝፍለጥ ቕድሚ እዚ መንግስቲ ምፍጣሩ ኽልቲኦም ጉጅለታት ህወሓትን ሸኔን ዓይንን ሓመድን ‘ዮም ነይሮም።ድሕሪ እዚ ሓዱሽ ናይ ለውጢ መንግስቲ ግና ከም ሓዱሽ ተሳንዮም ዓዲ ንምፍራስ ማይን ፀባን ኮይኖም ‘ዮም። ራዕዳዊ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምዝራግ ኣሎ ዝተብሃለ ፀላኢ ፈታዊ ዝገብርን ከም ነፋሒቶ ተለዋዋጢ ፀባይ ዘለዎን ‘ዩ።እዚ ጠጠው ንኽብል ግና ኹሉ ኢትዮጵያዊ ንሰላም ክሓብር እንተሎን እቶም ኣብ መበል ኻልኣይ ዝስርዑ ሕቶታት ልምዓት፣ ምሕደራን ኻልኦትን ኣፅኒሕና ፈለማ ሃገር ብኽልተ እግራ ጠጠው እትብለሉ ፅኑዕ መሰረት ኣብ ምትካል ኣድሂብና ሃገር ከይትፈርስ ጠንኪርና ክንሰርሕ ይግበአና።ምኽንያቱ ሃገር ተዘይሃልያ ኹሉ ነበርያነበረ ‘ዩ ዝኸውን። እዞም ሓይልታት ኢትዮጵያዊ ወነ ከምዘይብሎም እናርአዩና ‘ዮም፤ሰላማውያን ዜጋታት ምቕታል ንምንታይ ኣድለየ? ሸኔ ይኹን ህወሓት ብባህሪኦም ሰላማውያን ሰባት ‘ዮም ዝቐትሉ።ንኣብነት ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣትዩ ሰላማዊ ህዝቢ ድሕሪ ምቕታሉ ናብ እንስሳታት ‘ዩ ተሰጋጊሩ፤ጉጅለ ሸኔ ‘ውን ተመሳሳሊ ‘ዩ።ምኽንያቱ ካብ ወፃኢ ሃገር ዝሕግዝዎምን ኣጆኹም ዝብልዎምን ከም ዘለዉ ድማ ዝፍለጥ ‘ዩ። ስለዝኾነ እቲ ዋና ፍታሕ ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ምዃንን መንግስቲ ድማ ንድሌት ህዝቢ ኣድህቦ ምግባርን ‘ዮም፤ምኽንያቱ መንግስትን ህዝብን እንተተናቢቦም ፀላኢ መእተዊ የብሉን።

ብፍላይ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር እናሰርሐ ዝነበረ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሕጋዊ መገዲ ካብ ትግራይ ዝመፃእና ከባቢ 300 ዝፅጋዕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብዚ ንርከብ፤መብዛሕትና ካብ ወረዳ እስካዕ ዞባ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ብህዝቢ ተመሪፁ እናገልገለ ዝነበረ ሓይሊ ንኸምዚ ዝበለ ፀገም ዝፈትሕ ብርቱዕ ዕላማ ስለ ዘለዎ ፤ እዚ ናይ ለውጢ ሓይሊ መንግስቲ ክጥቀመሉ ይግባእ።ንኣብነት እዞም ሰላም ዘፍርሱ ሓይልታት ብምክልኻልን ፤ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተጋሩ ምጉስጓስን ዝተፈላለዩ ሰላማዊ ስራሕቲ ምስራሕን ንኽእል ኢና።ምኽንያቱ ንሕና ኣፍቲ ቦታ ዝነበርናን ኹነታት ህዝቢ ትግራይን ጉጅለ ህወሓትን ኣንዳዕዲዕና ንፈልጥ ስለዝኾና ውፅኢት ዘለዎም ስራሕቲ ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ዘለና ኢና። ስለዝኾነ መንግስቲ ኣድህቦ ገይሩ ክእክበናን ክጥቀመልናን ይግባእ።እቶም ብዕድመ ዝደፍኡን ሓላፍነት ዘይስምዖምን ውልቀ ሰባት ዝዛረብዎ ሓዊ ዝኾነ ዘረባ ክንሰምዕ የብልናን፤እቲ ቐንዲ ዕላማና ሃገር ዝብል ክኸውን ኣለዎ መንግስታት ይኸዱን ይመፁን ‘ዮም። ሃገር ግና ነባሪት ‘ያ፤እቲ ሓዱሽ ወለዶ ፍቕሪ ስምዒት ሃገር ሃልይዎ ንኽዓብይ ብፍላይ ኣብ ቤት ትምህርታት ክስራሕ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ምስ ጉጅለ ህወሓት ዝሰርሑ ሓደ ሓደ ኣካላት ፀላእቲ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ትግራይን ‘ዮም፤ራዕዳዊ ህወሓት ምስ እዚኦም ብምዃን ንህዝቢ ትግራይ እስካዕ መዓዝ ‘ዩ ዝብድሎ? መምህር ሃይለኪሮስ፡- ብቐዳምነት ክስመረሉ ዝግባእ ዋና ነገር ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ‘ዩ።ብዝኾነ መመዘኒ ልዕሊ ኹሉ ዝተጎድአ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ።ድሕሪኡ ህዝቢ ኣምሓራ ዓፋርን ኢሉ ‘ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ተጎዲኡ ‘ዩ።ህወሓት ምስ ሓዳ ሓደ ምዕራባውያን ሓዳ ሓደ ምዕራባውያን ድማ ምስ ህወሓት ምትእስሳር ክፈጥሩ ዝደልዩሉ ነገር ኣሎ። ኢትዮጵያ ኣዝያ ወሳኒት ሃገር ሓዳ ሓደ ‘ያ።ኣብ ኣፍሪካ ፅዕንቶ ፈጣሪት ሃገር ‘ያ። ብምዃኑ ድማ ንሕና ኢትዮጵያውያን ኢትዮጵያዊ ዝብል ሽም ይንእሰና ‘ዩ፤ፓን ኣፍሪካኒስት ክንበሃል ‘ዩ ዝግበአና።እሳቶም ድማ ነዚ ክልዓል ኣይደልይዎን።ሃገርና ዘይተተንከፈ ሃፍቲ መዓድንን ህዝብን ዘለዋ ከምኡ ‘ውን ምቹው ፀባይ ኣየር ዘለዋ ሃገር ‘ያ።ስለዝኾነ ምዕራባውያን ሃፍቲ ኢትዮጵያ ክጥቀሙ ስለ ዝደልዩን ብቀጥታ ምጥቃም ስለዘይኽእሉን ቕድም ክብል ብጣልያን ፈቲኖም ስለዘይተሳኸዐሎም ብራዕዳዊ ህወሓትን ሸኔን ገይሮም ንምስኻዕ ‘ዩ ድሌቶም።ኾይኑ ግና ንሕና ኢትዮጵያውያን ሓድነትና እንተጠናኺርና ዝኾነ ሓይሊ ፅዕንቶ ክገብረልና ኣይኽእልን።

ወጋሕታ ፡- ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ተለኣኣኽነቱን ባንዳነቱን ጠጠው ተዘይኣቢሉ እንታይ ክፍጠር ይኽእል?መፍትሒኡኸ እንታይ ‘ዩ? መምህር ሃይለኪሮስ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ተለኣኣኽነቱ ጠጠው ተዘይኣቢሉ ከም ሃገር ናይ ምቕፃል ኹነታት ናብ ፈተና ዘእትው ‘ዩ። ስለዝኾነ ድማ ቐዳማይ ፍታሕ ዝኸውን ነዚ ተለኣኣኺ ጉጅለ ምውጋድ ‘ዩ።ምውጋድ ክንብል ከለና እዚ ጉጅላ ኣብ ዝባን ህዝቢ ትግራይ ተንጠልጢሉ ስለዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ብዘይትንክፍ መልክዑ ልዑል ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ኹነታት ክውገድ ኣለዎ። እዚ ጉጅለ ተዘይተወጊዱ ኢትዮጵያ ደቂሳ ንምሕዳር ክትፅገም ‘ያ።ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ድማ ብዝስደደሉ ተረፋተረፍ ኣንሰራርዩ ኲናት ተዘይገበርኩ ክብል ይኽእል ‘ዩ።እዚ ጉጅለ እናተለኣኣኸ፣ኢትዮጵያ እናጨፍጨፈ፣ ኣብ ቕድሚ ዓለም እንተዋርዳን ኽሳዳ ኣድኒና ንክትኸይድ እናገበረ ርኢናዮ ኢና።ስለዝኾነ ልዕሊ እዚ እንምሃሮ የለን ፤ነዚ ጉጅለ ራዕዲ ምውጋድ ወሳኒ ‘ዩ።

 ወጋሕታ፡- ንህዝቢ ትግራይ ተሕልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩካ? መምህር ሃይለኪሮስ፡- ኣነ ከሕልፎ ዝደልዮ መልእኽቲ ፤ ብፍላይ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ተወላዲ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ፤እቲ ገጢሙና ዘሎ ጉዳይ ቐሊል ኣይኮነን ፀግዒ ሒዝካ ምርኣይ ዘዋፅእ ጉዳይ ከም ዘይኮነ ተገንዚቡ ውግዘት ንዝግበኦ ጉጅለ ራዕዲ ናብ ኣደባባይ ወፂኡ ከውግዝ ይግበኦ።ዝተወሰኑ ጅማሮታት ኣለዉ ‘ዮም፤ኾይኑ ግና እኹል ኣይኮነን ፤ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ‘ውን ከውግዙ ይግበኦም ምኽንያቱ እናዓነወን እናተወደአን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ንህዝቢ ዝተልኣኸ ረድኤት ስለዘይበፅሕ ህዝቢ ትግራይ ቖፅሊ ቐጥቒጡ እናበልዐ ይርከብ።ካብዚ ንላዕሊ እንታይ እስካዕ ዝኽወን ‘ዩ? ህዝቢ እንተተወዲኡ ንመን ‘ዩ ክቃለስ እቲ ጉጅለ ? ጉጅለ ህወሓት ህዝባውነት ተዝህልዎን ንህዝቢ ተዝጠቅምን ኣነ ‘ውን ምደገፍክዎ ነይረ፤ህዝባውነት ስለዘይብሉ ግና ወዲቑ ‘ዩ።

ስለዝኾነ ኣተሓሳስባ ህወሓት ንኽስበር ኹሉ ተወላዲ ትግራይ ክሰርሕ ኣለዎ፤ብፍላይ ድማ እቲ ተደናጊሩ ናብ ኲናት ዝኣተወ መንእሰይ ዕድል እንተረኺቡ ንሰራዊት ምክልኻል ኢዱ ክህብ ኣለዎ፤ከም ህዝቢ ድማ መንግስቲ እስካዕ ዝመፀሉ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ፤ናብ ጎራብቲ ክልላት ምኻድ ሓደ ፍታሕ ‘ዩ፤ህይወቱ ሒዙ እንተፀኒሑ እቲ ኻሊእ ነገር ፅባሕ ዝትካእ ‘ዩ፤ ህይወቱ እንተስኢኑ ግና ዘይትካእ ነገር ‘ዩ።ዓርሱ ተደራጅዩ ካፍቶም ሸፋቱን ለያቡን ክሕልው ይግባእ። ብኢኮኖሚ ኣብ ኣዝዩ ዝወደቐ መነባብሮ ‘ዩ ዝርከብ በዚ ድማ ነንርእሱ ክደጋገፍን ክተሓጋገዝን ኣለዎ፤ልዕሊ ኹሉ ድማ ካፍቲ ዘጋጠሞ ፀገማት ክመሃርን ክነቅሕን ይግበኦ፤ነዚ ድማ ሰላም ብኸመይ ይመፅእ ዝብል ሓሳብ ከስተንትንን ምስ መንግስቲ ፌደራል ክሰርሕን ተዘይኽኢሉ ‹‹ብቕልፅምና›› እናበልካን ብሓደ ኣንፈት ጥራሕ ምጉዓዝን ከም ህዝቢ ከጥፍአና ተዘይኮይኑ ዝረብሕ ውፅኢት ኣየምፅእን።ስለዝኾነ መንግስቲ ጠንኪሩ ክሰርሕን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህወሓት ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስድን ይግባእ ይብል።

ወጋሕታ፡-ንዝሃቡና ሓበሬታ የመስግን።

 መምህር ሃይለኪሮስ፡-ኣነ’ውን ዕድል ስለዝሃብክሙኒ የመስግን።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 3 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

Recommended For You