‹‹ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣሜሪካ ተዝፍፀም ነይሩ ኣሜሪካውያን ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ምገበሩ ነይሮም›› ፕሮፌሰር ብሩክ ሃይሉ

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መከላኸሊ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ሰራዊት ኣሜሪካ ተዝፍፀም ነይሩ፤ ኣሜሪካውያን ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ምገበሩ ነይሮም ክብሉ ኣብ ሰሜን ካሎራይን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤኤንቲ ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስን ጋዜጠኛን ፕሮፌሰር ብሩክ ሃይሉ ተዛሪቦም።

ኣመራርሓ ፓርቲ ዲሞክራት ኣሜሪካ ብብቕዓቶምን ብኣፈፃፅመኦምን ፀረ ኢትዮጵያ እንተኾይኖም ከምእንቐፅዖም፤ድምፅና ንሪፐብሊካን ከም እንህብ ብዕሊ ነጊረናዮም ኢና፤ብጭቡጥ ድማ ኣፈላላይ ከም እንፈጥር ኣርኢናዮም ኢና ኢሎም። ፕሮፌሰር ብሩክ ‹‹ሃሽታግ ብዛዕባ ኢትዮጵያ የገድሰኒ››ብዝብል ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቕርቦ መድረኽ ዘተ ኦንላይን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝተዛረብዎ፤ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ዝፈፀሞ ዓይነት ክሕደት ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ሰራዊት ኣሜሪካ ተዝፍፀም ነይሩ ኣሜሪካውያን ብዘይ ሰጋእ መጋእ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዓይነት ስጉምቲ ምወሰዱ ነይሮም።››

ኢትዮጵያውያን ሉኣላውነት ሃገሮም ንምኽባር ዝገብርዎ ፃዕሪ ብሕብረት ብምጥንኻር፤ናይ ወፃኢ ፅዕንቶ ክፀርዎ ይግባእ ዝበሉ ፕሮፌሰር ብሩክ፤ኣብ ኣሜሪካ ብኢትዮጵያን ዝግበሩ ሰልፍታት ሃገርና ናፃ ግበሩልና ዝብሉ መልእኽትታት ዘመሓላልፉ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሉኣላውነት ሃገሩ ዘይደራደርን ሓድነት ዘለዎ ብምዃኑ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ሃገራ መጥቃዕቲ ተዝበፅሕ ዘይትሓልፎ ኢትዮጵያ ንኽትሓልፎ ድፍኢት እናገበረት ትርከብ ኢሎም።

ኣምሓራን ትግራይን ብመልክዓ ምድሪ ዝተቐራረቡን ናይ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ቦታታት እዮም።‹‹ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ንምንታይ ናብ ትግራይ ኣትዩ?ዝብል ናይ ኣሜሪካ መተሓሳሰቢ ሉኣላውነት ዝጠሓሰ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።ዕላምኡ ድማ እቲ ናይ ቐደም ስርዓት ንምምላስ እዩ ክብሉ ኣመልኪቶም።ኣብ ኣዋርሕ ሕዳርን ታሕሳስን ከባቢ ኢትዮጵያ ጥንኩር ርክብ ህዝብን ሎቢስትን ብዘይምድላዋ ተበሊፃ እያ ኢሎም። ሐዚ ግና እቲ ዳያስፖራ ነቒሑ ኲናት ፕሮፖጋንዳ ጀሚሩ እዮ፤ደገፍቲ ሕሉፍ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ንኽግበር ፃዕሪ እናገበሩ ፀኒሖም እዮም ዝበሉ እቶም ፕሮፌሰር፤ሐዚ ድማ ንኢትዮጵያ ከም ድሌቱ ዝገብራ ከምዘየለ ተረዲኦም እዮም ፤ብምፍርራሕ ዕላምኦም ከምዘየሳኽዑ እናተረድኡ እዮም ኢሎም።

እቲ ዝመፅእ ዝተመረፀ መንግስቲ ኣፍቲ ቐጠና ሰላምን ምርግጋዕን ከምፅእ እዩ።ኣመራርሓ ፓርቲ ዲሞክራት ኣሜሪካ ብብቕዓቶምን ብኣፈፃፅመኦምን ፀረ ኢትዮጵያ እንተኾይኖም፤ድምፅና ንሪፐብሊካን ከምእንህብ ብግልፂ ነጊርናዮም ኢና፤ኣፈላላይ ክንፈጥር ከምእንኽእል ‘ውን ኣርኢናዮም ኢና ኢሎም።

‹‹ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ዲያስፖራ እናተወደበ እዩ፤ክንቐፅኩም ኢና እናበልናዮም ኢና፤ኣብ ዝቕፅል ዓመት ድምፅና ኣይትረኽቡን እናበልናዮም ኢና››ዝበሉ ፕሮፌሰር ብሩክ፤ንኢትዮጵያውያን ሓዊሱ መብዛሕትኡ ዲያስፖራ ንፓርቲ ዲሞክራት ከምዝድግፍን እዚ ካርዲ ኣብ ጥቕሚ ኢትዮጵያ ንኽውዕል ድሉዋት ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You