‹‹ንኢትዮጵያውያን ዘተኣሳስሩ እሴታት ፍረ ብዘይብሉ ምቁሩቛሳትን ግጉያት ታሪኻትን ተሓሊኾም እዮም›› ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፡- ንኢትዮጵያውያን ዘተኣሳስሩ እሴታትን ዝዳበረ ሓበራዊ ታሪኾምን‹‹ብኣነ ይበልፅ፣ኣነባ››፣ፍረ ብዘይብሉ ምቁሩቓሳትን ብጉጉያት ታሪኽን ስለዝተሓለኸ ንብሄራዊ ምርድዳእን ንስግግር ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ፖለቲካ ፤ፈተና ከምዝኾነ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ኣፍሊጠን። ወይዘሮ ሙፈሪሃት ኣብ መድረኽ ሃገራዊ ምኽክር ከምዝገለፀኦ ኢትዮጵያውያን ዘተኣሳስሮም እሴታትን ዝዳበረ ሓበራዊ ታሪኽን፤ ብምትህልላኽን ፍረ ብዘይብሎም ምቁርቋሳትን ከምኡ ‘ውን ብጉጉያት ታሪኻትን ተሓላሊኹ እዩ ኢለን።

ኣብ ጉዳይ መንነት ኢትዮጵያንን ብሄራዊ ምርድዳእን ከይተሰርሐሉ ብምፅንሑ ህልውና ሃገር እስካዕ ምፍትታን ከምዝበፅሐ ተዛሪበን፡፤እተን ሚኒስትር እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝተውሃበ ሃገራዊ ተልእኾ ንምውፃእ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተወፃፅኡ 20 ሚሊየን ሰባት ምኽክር ከምዝተገበረ ተዛሪበን። ከም ገለፃ ወይዘሮ ሙፈሪሃት፤ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ምውቕቓስ ተቐራሪቦም ክዘራረቡ ይግባእ። ኣብ ዝስማምዑሎም ይኹን ኣብ ዘይሰማምዑሎም ጉዳያት ምዝርራብን ምምኽኻርን ናይ ምዝታይ ባህሊ ንምድባር ብሚኒስቴር ሰላም ዝተዳለወ መድረኽ ዓብዪ ግደ ኣለዎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ስግግር ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ፖለቲካ ተስፋ ወሃቢ ከምዝኾነ ብምምልካት፤ዘላቕን ዘተኣማምንን ሰላም ንምምፃእ ሓበራዊ ራእይን ሓድነትን ህዝብታት ናይዛ ሃገር ብምህናፅ ናብ ብሄራዊ ምርድዳእ እንትበፅሕ እዩ ኢለን።

‹‹ንፅፅራዊ ትንታነ ተሞክሮታት ስግግር›› ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ መዛተዪ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣብ ጉዳያት ስትራተጂ ተመራማሪ ዶክተር ሄኖክ ጌታቸው ብወገኖም፤ስግግር ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ፖለቲካ ስዒቡ ሕቶታት ህዝብን ድሌታትን ከም ዝተኸሰቱ ኣልዒሎም።ንስግግር ስርዓት ዲሞክራሲ ኣብ ሃገራዊ ምርድዳእ ፀገማት ክኾኑ ስለዝኽእሉ ትኹረት ክወሃቦም ከምዝግባእ ኣመልኪቶም። ከም ገለፃ ዶክተር ሄኖክ፤ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ስግግር ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ፖለቲካ ብዝተሳኸዐ መገዲ ክቕፅል ንምግባር፤ ሲቪክ ማሕበራት፣ሓይልታት ፖለቲካን ትካላት ደሕንነትን ተጠናኺሮም ክሰርሑ ይግበኦም።ትካላት ሃይማኖትን ዲሞክራስን ‘ውን ተጠናኺሮም እቲ ትፅቢት ዝግበረሎም ከበርክቱ ኣለዎም።

እቲ ስግግር ብህዝቢ ምምርሑ፣ማሕበራዊ ምትእስሳር ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው፣ባህሪያት ናይቲ ስግግር ምርዳእ፣ታሪኻዊ ኹነታት ምርኣይን ናይ ደገ ሓይልታት ፅዕንቶ ኣብ ግምት ምእታው ከምዝግባእ ገሊፆም።  ህንፀት ትካላት ዲሞክራሲ፣ ተሓባበርቲ ትካላት፣ ሕማቕ ኣረኣእያታት ብምውጋድ ሂብካ ምቕባል፣ኣብ ዝሓለፈ መጥቓዕትታት ትኹረት ዘይምግባርን ሕግን ስርዓትን ምኽባር ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ትካላት ደሕንነት ብብቕዓት ግድኦም ንኽዋፅኡ ዜጋታት ዓቕሚ ምክልኻል ክህልዎም ክገብሩ ከምዝግባእ ጠቍሞም።ናይ ደገ ኢድ ኣእታውነት ብምቕናስን ምህናፅ ጥንኩር ሲቪክ ማሕበረሰብ ንዲሞክራሲያዊ ስግግር ከም ተሞክሮ ክውሰዱ ዝግበኦም እዮም ኢሎም – ዶክተር ሄኖክ።

ምትሕውዋስ መንግስትን ፓርትን፣ምስፍሕፋሕ ግዕዝይና ምንኣስ ቖራፅነት መንግስቲ፣ ንስግግር እቲ ዲሞክራሲ ከተዓናቕፉ ዝኽእሉ እዮም ክብሉ ስግኣቶም ገሊፆም።ንኢትዮጵያ ዝምጥኑ ፓርትታት ፖለቲካ ቑመና ዘይምልባስ፣ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ፖለቲካን ብርኪ ንቕሓተ ሕልና ነቲ ኸይዲ ከሰናኽሉ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቶም።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You