‹‹ህዝቢ ትግራይ ተዓፊኑ ኣማራፂ ብምስኣኑ መጥቀሚ እቲ ጉጅለ እናኾነ ‘ዩ››- መምህር መኮነን ዘለለው

መምህር መኮነን ዘለለው ነባር ተጋዳላይ ህወሓትን መስራቲ ትግራይ ዴሞክራስያዊ ፓርቲን (ትዴፓ)’ዮም። ኣብ ወረዳ ወልቃይት ዝተወለዱ እንትኾኑ ዝዓበዩን ዝተማሃሩን ግና ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ‘ዩ። ካልኣይ ብርኪ ምስ ወድኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መሰልጠኒ ምምህራን ኮለጅ ኮተቤ ተመሪቖም ተመሊሶም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብመምህርነት እናምሀሩ እናሃለዉ ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ዓፋኒ ስርዓት ንምቅላስ ናብ ገድሊ ህወሓት ብምፅምባር ዝተወሰነ ዕድመኦም ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ኣሕሊፎሞ ‘ዮም። ይኹን’ምበር ኣብ ከይዲ ናይ ዕላማ ፍልልይ ስለዘጋጠሞም ካብቲ ውድብ ብምውፃእ ኣብ ኣሜሪካ ከይዶም ምስ ከምኦም ዝበሉ ብፆቶም ብምዃን ‹‹ትግራይ ዲሞክራስያዊ ምትሕብባር›› ዝብል ውድብ ብምምስራት ሰላማዊ ቓልሲ ከካይዱ ፀኒሖም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ምስመፀ ናብ ሃገሮም ብምምላስ ምስ ከምኦም ዝበሉ መቓልስቶም ‹‹ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ/ትዴፓ›› ዝብል ውድብ መስሪቶም’ዮም።ሐዚ ድማ ኣማኻሪ ትዴፓ ኮይኖም ይሰርሑ ኣለው።እምባኣርከስ መምህር/ተጋዳላይ መኮነን ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣድሂብና ናይ ሎምዓንቲ ሕታምና ዕዱም ጋሻ ገይርናዮም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘብፀሖ ፀገምን ዕላማ ናይቲ ራዕዳዊ ጉጅለ እንታይ ከምዝኾነ ተዝገልፁና ? ኣይተ መኮነን፡- ጉዳይ ትግራይ ተደጋጋሙ ዝተዘረበ ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ብመራሕቲ ህወሓት እናተምርሐ ኣብ ውሽጢ ፀገም ‘ዩ ዘሎ። ጥምየት ኣሎ ፣ ሕማም ኣሎ፣ደቁ ኣብ ትምህርቲ የለዉን ፣ መብራህቲ ስልኪ የለን ኹሉ ነገር ተቋሪፁ ‘ዩ ዘሎ። ምስ ጎረባብቲ ክራኸብ ዘይኽእል ተዓጊቱ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኢልና ክነቕምጦ ንኽእል ‘ዩ። እዚ ዝመፀ ድማ ኸዚ እናመራሕና ኢና ዝብሉ ዘለዉ ናይቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት መራሕቲ ምኽንያት ‘ዩ። እዞም መራሕቲ ክልተ ዕለማ ሒዞም ‘ዮም እናተጉዓዙ ዘለዉ።

እቲ ሓደ ንሕና ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ዒስራን ሰላሳን ዓመታት ክንመርሕ ዘብፃሕናዮ ጉድኣት ብዙሕ ‘ዩ፣ እዚ ድማ ህዝቢ ቅሬታ ከምዘለዎ ይፈልጡ ‘ዮም። እዚ ህዝቢ እንድሕር ባዕሉ ዝመረፆ መራሒ ዝምራሕ እንተኾይኑ እቲ ተሓታትነት ግልፅነት ዘይነበረ ኣመራርሓ ሕቶ ኾይኑ ስለ ዝቐርብ መቸም ነቲ ህዝቢ ብጣዕሚ ስለዝንዕቕዎ ማንም ኢዱ እናውፀአ ኣብ ልዕሌና ክጥቑም ኣይኽልን ክልተ ግዘ ክንረአ ኣይንደልን ፣ ከምዝደለና ኾይና እንነብር ዝነበርና ተመሊስና ብናይ ህዝቢ ሕቶ ክንጭነቕን ክንዋረድን ኣይንደል ዝብል እንትኾን እቲ ካሊእ ድማ ኣብ እዚ ሰሜን ዝነበረ ሙሉእ ሰራዊት ናብ ኢድና ገይርና ብቀሊሉ ናብ ዝነበርናዮ ስልጣን ክንምለስ ንኽእል ኢና፤ ወይ ድማ ኣብታ ዉግእ ናይ መጨረሻና ክትኾን ኣለዎ። በቲ ናታቶም ኣዘራርባ ብኽብሪ ክንመውት ‘ዮም ዝብሉ። እዘን ክልተ ዕላማ ሒዞም ‘ዮም ተጓዒዞም። በዚ ድማ ይኸዱ አለዉ። እኒ ስዩም፣ እኒ ኣባይ ፀሃየ በዚ ምኽንያት ‘ዩ ህይወቶም ዝሓለፈ።እቶም ተኸተልቶም ‘ውን እዚ ‘ዩ እቲ ዕላማኦም ፣ ስለዚ ከምዚ እንተገበሩ ሓቆም ‘ዮም። ምኽንያቱ ስልጣን ክለቁ ኣይደለዩን፤ ከም ደስ ዝበሎም ሃፍቲ ትግራይን ኢትዮጵያን እናዘረፉ ክነብሩ ስለዝደልዩ በዚ መንገዲ ክኸዱ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብ ጉጅለ ህወሓት እንታይ ‘ዩ ተጠቒሙ ? ብምንታይ መገዲ ‘ዩ ካብዚ ራዕዳዊ ጉጅለ ሓራ ክወፅእ ዝኽእል ? ኣይተ መኮነን፡- ምንም ኣይተጠቐመን ። እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ቅድሚ ኸዚ ኣብ ፅቡቕ መነባብሮ ዘይነበረ ኣብ ፀገም ፣ ስደት ዝነበረ ህዝቢ ነዚ ሓይሊ መጥቀሚ ምዃኑ ፣ ናብ ኹናት እናእተወ ደቁን ንብረቱን እናጥፈአ ምዃኑ ብጣዕሚ ‘ዩ ዘሕዝን። ነዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኣልዮ ይፅዕር ኣሎ ፣ ይንቀሳቐስ ኣሎ ንሕና ባዕልና ከም ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ እቲ መንግስቲ ከም ፅላል ኢና ንሪኦ ዋላ ስሕተታት እንተተርኣዮ ሰላም ንምምፃእ ዝገብሮ ምንቅስቓስ እናደገፍና ኢና ንርከብ። ጌጋታት እተተራኣዩ ድማ እናነቐፍና ክንቕፅል ኣለና ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለና። ንኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዒስራ ሰላስ ዓመት ዝገዝአ ሓይሊ ብጉሬላ ዝመፀ ‘ዩ። ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ሓይሉ ኣጠናኺሩ ዝነበረ ሓይሊ በቲኑ ናይ ባዕሉ መንግስቲ መስሪቱ ዒስራን ሰላሳን ዓመት ዘመሓደረ ሓይሊ ‘ዩ። እዚ ሓይሊ ብዉግእ ጥራሕ ክጥፍኦ ኣይትኽእልን ፣ ኹናት ግደ ኣለዎ ‘ዩ። ግና ፖለቲካ ብኢኮኖሚ ክድገፍ ኣለዎ። እቲ ህዝቢ ንህወሓት ደርቢዩ ናባኻ ክድገፍ ንምግባር ዓብይ ቃልሲ ክግበር ኣለዎ። ካብቲ ሓይሊ ሃዲሙ ዝመፅእ ድማ ተቐቢልካ ንክቃለስ ምግባር ይግባእ። ካብ ህወሓት ዘሕደረሉ ፅዕንቶ ንምእለይ ምንቅስቓስ ኣድላይ ‘ዩ። ብፍላይ ንሕና ሰላማዊ ቃልሲ ስለእንኣምን እዚ ኣድላይ ‘ዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለና። ብሰላማዊ መንገዲ ቃልሲ የድሊ ‘ዩ።

 ህወሓት ካብ ተፈጥሮኡ ብሰላም ዘይኣምን፣ብሓይሊ ጥራሕ እናሰርሐ ዝመፀ ‘ዩ። ኸዚ ‘ውን ምስ ማንም ዘጋጥሞ ፀገም ብኹናትን ጎንፅን ‘ዩ ዝኣልይ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ቅድሚ ኸዚ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ብዉግእ ኣሕሊፉ ‘ዩ። ሽዑስ ምኽንያት ነይርዎ፣ ምኽንያቱ እንታይ ‘ዩ፤ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክረክብ፣ ምዕባለ ኢኮኖሚ ክረክብ፣ ካብ ድኽነት ክወፅእ፣ ደቁ ተማሂሮም ክሰርሑን ፍረኦም ክርኢን እዚ ኣሚነምሉ ዝወፁ ‘ዮም። እዚ ፍረ ድማ ብዝተቓለሶ መጠን ክረኽቦ ኣይካኣለን። ተኻሒዱ ‘ዩ። ንብረቱ ህይወቱን ደቑን ኣወዲኡ ክከሓስ ኣይካኣለን። ህዝቢ ትግራይ ብደቁ ‘ዩ ተካሒዱ። እዚ ብደቁ እናተሰደደን እናተጨቆነን ዝነበረ ህዝቢ ካብ ውልድካ ንላዕሊ ንመን ትኣምን ። ስለዚ ኣብዚ ሰዓት እዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ‘ዩ ዘሎ ፤ኹሉ ፀልሚትዎ ንመን ከምዝኣምን ግራ ኣትይዎ መዋፅኢ ኾነ መማረፂ ስኢኑ መፃወቲ እቶም ጉጅለ ኾይኑ ንጥቕሚ እቶም ጉጅለ ጥራሕ ህይወቱ ንክህብ እናገበርዎ ይርከቡ።

እዚ ንምእላይ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓብይ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ንምምፃእ ድማ ስጡም ዝኾነ ነቲ ህዝቢ ዝፈልጡ ንቕድሚት እናምረሐ ፣ ፖለቲካታት ብኢኮኖሚን እናተሓባበረ እናተሓጋገዘ ነዚ ሓይሊ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ክገብርዎም ኣለዎም። ህዝቢ ካብዚ ሓይሊ ነፃ እንድሕር ወፂኡ ምስ መንግስቲ ክስለፉ ሰላም ክረኽቡ ምስ ሓዎም ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾነሉ ኩነታት ንምፍጣር ክስራሕ ኣለዎ ይብል። በዚን በዚን ‘ውን ‘ዩ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክእለ ዝኽእል ኢልና ‘ውን ንኣምን።

ወጋሕታ፡- ሓደ ሓደ ኣካላት ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ኹናት ወፃኢ ክነብር ኣይኽእልን፣ ነዚ ‘ውን ‘ዩ ‹‹መኸተ›› እናበለ መሊሱ ናብ ኹናት እናተመለሰ ዘሎ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል ? ኣይተ መኮነን፡- እዚ ሓይሊ እኮ ቅድሚ ሐዚ’ውን ህዝቢ ናብ ኩናት ብምእታው ብተስፋ ፤ እዚ ከምፅእ ‘የ ፍትሒ ከምፅእ ‘የ ሓድነት ኢትዮጵያ ክጠንኸር ክገብር ‘የ ፣ ቃል ዝኣተወ ሓይሊ ዝነበረን ንስልጣኑ ጥራሕ ክብል ህዝቢ ዝኻሓደ ‘ዩ። እናጭበርበረ ንባዕሉ ስልጣን ክብል ክሳብ ኸዚ ፀኒሑ ‘ዩ።

ኸዚ ‘ውን ብክሕደት ‘ዩ ዝኸድ ዘሎ ፤ እዚ ሓይሊ እዚ ዝረኸቦ እናቐተለ ሓይሉ እናጠናኸረ መፂኡ ግና ክቕፅል ኣብ ዘይበፅሓሉ ብርኪ ‘ውን በፂሑ ‘ዩ። ውፁዕ ህዝቢ ሱቕ ኢሉ ንዘላኣለም ክጭቆን ኣይኽእልን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣኑ ክባረር ገይርዎ ‘ዩ። ተባሪሩ ናብ ትግራይ ምስ ከደ ግና ብቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰደሉ እናተገበኦ ግዜ ስለዝተውሃበ ከም እንደገና ተጠናኺሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጎዲኡ ብዙሕ ኪሳራ ኣብፂሑ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ሓይሊ ብምትሕብባር ካብ ደገፍቲ ኢና ዝብልዎም ብምንፃል ተኒፂሉ ድማ ንክወድቕ ታሪኽ ክኾን እቲ መንግስቲ ዓብይ ምንቅስቓስ ክገብር ኣለዎ። እንተ ህወሓት ግና ጨና ዲሞክራሲ ዝባሃል የብሉን፣ ንዘለኣለም ኣብ ስልጣን ክነብር ‘ዩ ዝደሊ፤እዚ ንምግባር ድማ ክሳብ ዝተዓጠቕኩ ብሓይሊ ክፍትን እንተዘይኾኑ ድማ ክጠፈእ ‘የ ኢሉ ‘ዩ እናተጉዓዘ ዘሎ። ጠቕሊሉ ንክጠፍእ ናይ ምግባር መንግስቲ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ሓይሊ ይትረፍ’ዶ ንህዝቢ ትግራይ ንኢትዮጵያ ከምኡ ‘ውን ንቀርኒ ኣፍሪካ ጠንቂ ዝኾነ ሓይሊ ‘ዩ። ምስ መራሕቲ ህወሓትን ጎረቤት ኾይንካ ክትነብር ኣይትኽእልን እንኳን እናመርሑኻ። ስለዚ ዘለዎ መማራፂ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ህዝቢ ካብኡ ነፃ ገይርካ ደጋፊ ስኢኑ ተነፂሉ በይኑ ንክተርፍ ምግባር ‘ዩ እቲ ፍታሕ።

ወጋሕታ ፡- ረድኤት ንከይኣቱ ዕንቅፋት ዝኾነ ባዕሉ ጉጅለ ህወሓት ‘ዩ፤መሊሱ ድማ መንግስቲ ጥምየት ከም መሳርሒ ኹናት ተጠቒሙ እናበለ ይብል፤ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ‘ዩ? ኣይተ መኮነን፡- ፕሮፖጋንዳ ህወሓት እኮ ሰፊሕ ‘ዩ። ዕላማኡ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ትግራይ እዝኒ ንከይረክብ ፣ ህዝቢ ትግራይ ኹሉ ከም ፀላኢ ንክሪኦ ‘ዩ እቲ ፕሮፖጋንድኡ። ንኣብነት ንዶክተር ኣብይ ‹‹ፋሽስት›› ኢሉ ‘ዩ ዝፅውዕ። ብሓቂ ካብ ህወሓት ዝባኣሰ ናይ ፋሽስት ኣሰራርሓ ኣሎ ዶ ? ሓደ መንግስቲ ፋሽስት ኣይባሃልን ሓቂ ብዘይኾነ ሽም ብምሃብ ቀለም ብምቕባእ እቲ ህዝቢ ነክጠራጠረካ እቲ ህዝቢ እዝኑ ንከይህበካ ፈፂሙ ንከይሰምዐካ ምግባር ‘ዩ እቲ ፕሮፖጋንደኦም። ዝመፀ ሓጋዝ ባዕሎም እናበልዑ፣እናወሰዱን እናዓፀው እናሃለዉ ነቲ ህዝቢ ብኢኮኖሚ ፣ ኣድላይ ግልጋሎት ብምዕፃው ፣ ምስ ጎራባብቱ ‘ውን ንከይራኸብ ብምግባር ኣብ ጥምየት ንክኣትው ዝገበርዎ ባዕሎም እናሃለዉ፤የለን ››መንግስቲ ኢትዮጵያ›› ‘ዩ ሓገዝ ንከይኣቱ ዝገብር ዘሎ እናበሉ ይርከቡ። ስለዚ እዚ ሓይሊ እናደብደበ ህዝቢ እናሳቐየ ስልጣኑ ክቕፅል ዝደሊ ሓይሊ ስለዝኾነ እዚ ኹሉ ዘቕርቦ ዘሎ ፕሮፖጋንዳ መሰረት ዘይብሉ ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት እቲ ኹናት ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ዘርኢ ምፅናት (ጆኖሳይድ) ይፍፀም ኣሎ እናበለ ‘ዩ መፂኡ ፣ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለኩም? ኣይተ መኮነን፡- ዘርኢ ምፅናት (ጆኖሳይድ)’ዩ ክትብል እኮ መጀመርያ ኣብቲ ቦታ ብምኻድ ክፃረ ኣለዎ። መን ብዘፃረዮ ‘ዩ ንሱ ጆኖሳይድ ኢሉ ዘጋውሕ ዘሎ። ባዕሉ ኾነ ኢሉ ሽም ንምጥፋእ ሓይሊ መንግስቲ ንምድኻም ዘምፀኦ ዘሎ ቃላት ‘ዩ። ህወሓት ካብ ኹናትን ጎንፂን ወፃኢ ዘይነብር ስለዝኾነ ኣይኽተልን ንዝበሎ ህዝቢ እናተኸተለ እናቐተለ ዘሎ ባዕሉ ‘ዩ። ንመንግስቲ ኣይፈልጠካን ዝበለ ‘ዩ፤ ኣይፈልጠካን ንዝበሎ መንግስቲ ድማ በጀት ክምድብ ኣለዎ ኢሉ ዝሓትት ዘይሓፍር ጉጅለ ‘ዩ። እቲ ህዝቢ እንድሕር መንግስቲ ኣይንፈልጥን ኢልካ እቲ ህዝቢ ብምንታይ ‘ዩ ክማሓደር ? መብራህቲ ክህልዎ ኣለዎ ፣ ስልኪ ባንኪ ክኸፍት ኣለዎ መሰረታዊ ግልጋሎት ክማልእ ኣለዎ ፣ ከንጥቀም ኣለና ኢሉ ንከይከላኸል ዓፊኑ ከም ባርያ እናገዝአ ዘሎ ሓይሊ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ሓይሊ ዝዛረቦ ነገር ዝእመንን ሓቂ ዘይቡሉን ሓሳብ ‘ዩ። ጨቋንን ተጨቋንን ተፈላሊዩ ዘይነብረሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። እዞም መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከይጨቆኑ ክነብሩ ኣይኽእሉን። ህዝቢ ትግራይ ድማ እሺ ኢሉ እናተለማመጠ ዝነብረሉ ስርዓት ‘ዩ ዘሎ ‘ምበር ሓራ ክነውፅኦ ንደሊ ኢና ኣብ ዝብለሉ ብርኪ ኣይኮነን ዘሎ ተዓፊኑ ‘ዩ።

ካብዚ ጭንቂ ንከውፀኦ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናተፀበየ ‘ዩ ዘሎ። መንግስቲ ጥራሕ ኣይኮነን ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን እዚ ህዝቢ ኣብ ስቓይ ዘሎ ምዃኑ ፈሊጡ ‹‹ተልዓል ኣጆኻ እቲ ፀገምካ ንፈልጦ ኢና ፣ ህወሓት ናትካን ናትናን ጠንቂ ፀላኢ ‘ዩ ፣ ኣይንቀበለካን በሎ ናባና ምፃእ›› ብምባል ሓገዙ ክህብ ኣለዎ። እዚ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ትግራይ ጉዳይ ጥራሕ ኣይኮነን። ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጉዳይ ‘ውን ‘ዩ። እዚ ሓይሊ ካብ ዘለዎ ቦታ ናይ ምዉጋድ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓላፍነት ‘ዩ። ስለዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘሎን ተወለድቲ ትግራይ ናይ ምእማን ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ። ንሕና ‘ውን ከም ፓርቲ ካብቲ ጉጅለ ንምላቐቅ ስራሕ እንድሕር ሰሪሕና ኽልተ ስጉምቲ ንቕድሚት ክንኸድ ኣለና ማለት ‘ዩ። እዚ ንምምፃእ እቲ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ኣእሚናዮ ዲና ምሳና ድዩ ተሰሊፉ ዘሎ ? ናይዞም ፀላእቲ ተኸተልቲ ኣለዉዶ የለዉን ? ብኸመይ ከ ነቲ ህዝቢ የወናብድዎ ኣለዉ ? እዚ ክረአ ኣለዎ። ብፍላይ ድማ ትግራይ ወኪልና እናተንቀሳቐስና ዘለና ውዱባት ትግራይ ሓቢርና ክንሰርሕ መንገዲ ክኽፈት ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለና። ወጋሕታ፡- ሚድያታት ወፃኢ ይኹን ኮምሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘውፅኦ ሪፖርት ንጉጅለ ህወሓት ዝውግኑ ኾይኖም ‘ዮም ዝርከቡ ምኽንያቶም እንታይ ይኸውን? ኣይተ መኮነን ፡- ንዚኦም ንምስማዕ ኣብ ትግራይ ነፃ ዝኾነ ምንቅስቃስ ክህሉ ኣለዎ። ነፃ ዝኾኑ ኣካላት ከይዶም ክንቀሳቐሱ ኣለዎም።

ድሕሪ እዚ ‘ዩ ሓሳብ ክህቡ ዝኽእሉ። ብርሑቕ ኾይንካ ዝግበርን ዝፍረድን መሰረት ዘይብሉ ‘ዩ። ናይ ወፃኢ ሚድያታት ‘ውን ብናይ ባዕላቶም መራሕቲ ዝሽክርከሩ ‘ዮም። ነፃ ‘ዮም ክባሃል ኣይካኣልን። ናይ መንግስቶም ቅዋም ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ስለዝኾኑ ኣብዚ ኸዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህብዎ ሓሳብ ናይቲ ህወሓት ተግባር ብትኽክል ዘይምፍላጥ ‘ዩ። ወገናውነት ‘ውን እንተፀባረቑ ጥቕሚ ክረኽቡ ስለዝደልዩ ዝድነቕ ኣይኮነን። እዚ መንግስቲ ግና ጥቕሚ ሃገር ንቕድሚት ስለዝገብር ነዚ መንግስቲ ንከይውግኑ ይኽእሉ።

ወጋሕታ ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ኣይተ መኮነን፡- ኣነ ንህዝቢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይን ዘመሓላልፎ ሓሳብ ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ኸዚ ብህወሓት ‘ዩ እናተማሓደረ ዘሎ። እዚ ድማ ቅድም ኢለ ገሊፀዮ ‘የ። ተመሊሱ ብሓይሊ ስልጣን ክድሕዝ ኣለኒ ፣ ተዘይኾይኑ ኣብቲ ኹናት ክጠፍእ ኣለኒ ኢሉ ዝተልዓለ ሓይሊ ‘ዩ። ህወሓት ምስ ካልእ ህዝቢ ተስማዕሚዑ ክነብር ዘይኽእል ‘ዩ።ህዝቢ ትግራይ ድማ ምስ ካልኦት ኣሕዋቱ ብሰላም ክነብር ዝደሊ ህዝቢ ‘ዩ።

ኢትዮጰያ ኢትዮጵያ ኾይና ንክትፀንሕ ዝገበረ ህዝቢ ሓደ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ቅድሚ ኸዚ ንፍትሒ ኢና ንቃለስ ኢሉ ነቲ ህዝቢ ንክኽተሎ ገይሩ ዋርድያ ህዝቢ ክንኾን ኢና ዝብል ጭርሖ ሒዙ ‘ዩ ነይሩ። ግና እቲ ዋርድያ ንባዕሉ ገይሩ ህዝቢ ትግራይ ረሲዑ መንእሰይ ትግራይ ጥራሕ ንውግእ እናጠቐመ ዕድሚኡ እናናወሐ ዝመፀ ‘ዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ብደንቢ ዝራኣዮን ስልጡንን ስለዝኾነ ንዴሞክራሲን ንነፃነቱን ዝተቓለሰ ህዝቢ ‘ዩ ፣ ኣብዚ ሰዓት ህወሓት እናገበሮ ዘሎ ኹናት ምንም ከምዘይጠቕሞ ሪኢና ኢና ። ህዝቢ ይሃልቅ ኣሎ ፣ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ይውዳ ኣሎ። ንስልሳን ሰብዓን ዕድመ ዘለዎም ክባሃሉ ‘ዩ ደቂ ዓሰርተ ሓሙሽተን ዒስራን ዓመት ሰገናትን እናተወድኡ ዘለዉ።

ናይቲ ዓዲ ኢኮኖሚ ደቒቑ ‘ዩ ። ትምህርቲ የለን ሕክምና የለን ፣ ፍትሒ የለን እዚ ኹሉ ዝገበረ ስርዓት ‘ዩ። ኣብዚ ሰዓት እዚ እኮ ኣብ ትግራይ መንግስቲ የለን። ብወታደር እኮ’ዩ ዝመሓደር ዘሎ። ምስ ዝካሓድዎን ዝጨቆንዎን እኮ’ዩ ዝነብር ዘሎ። ስለዚ መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ናይ ምውፃእ ሓላፍነት ኣለዎ። ብፍላይ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ደው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ። ናታቶም ደገፍቲ ኣለዉ ‘ዮም ንህወሓት አድሒኖም ናይ ኢትዮጵያ መራሒ ንክኾኑ ዝፅዕሩ ኣለዉ። እዚኦም በቶም ጉጅለ ህወሓት ጥቕሚ ዝረኸቡን ህይወቶም ዝተቐየሩን ‘ዮም። እዚኣቶም እንተደገፉ ሓቆም ‘ዮም። ኣይፍረደሎምን ውዕለታ ‘ዮም ዝኸፍሉ ዘለዉ።

ኣብዚ ውሽጢ ዘይነበርካ ትግራዋይ ፣ ኣብ ፀገም ፣ ፍርዲ ምስኣን ኣብ ስደት ዝነበርካ ትግራዋይ ግን ጠጠው ኢልካ ክትሓስብ ኣለካ። ባዕልካ ንባዓልካ ሓራ ክተውፅእ ቀልጢፍካ ፀገምካ ክትኣልይ ኣለካ። ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ህዝቢ ትግራይ ወገንካ ‘ዩ። ኣፍንጫ እንትውቃዕ ዓይኒ ይነብዕ ከም ዝባሃል ምስላ ህዝቢ ትግራይ እንትጉዳእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምጉድኡ ኣይተርፍን ። ኣብ ትግራይ ቀታሊ ሓይሊ እናሃለወ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነፃ ክኸውን ኣይኽእልን። ስለዚ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክብል ይግባእ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ውድባት ፖለቲካ ንሓድነት ኢትዮጵያን ፍትሕን ንምምፃእ ኩሉ ክሳተፍ ኣለዎ። ወጋሕታ ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን። ኣይተ መኮነን፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

26 መስከረም 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You