ብወፍሪ ሓምለዋይ ሓድጊ ንኢትዮጵያ ንኽደና

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ሓድጊ 2013 ዓ.ም ‹‹ንኢትዮጵያ ንኽደና›› በዝብል ዕላዊ ኮይኑ እዩ።ኣብዚ ዓመት ብብርኪ ሃገር 6 ቢሊየን ፈልሲ ክትከል ኢዩ ተባሂሉ።ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ 1 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተዳለዉ እውን ተገሊፁ እዩ።ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ‹‹ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተደሚርና ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከምዘዐወትናዮ፤ ኣብዚ ዓመት’ውን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክነዕውቶ ኢና” ኢሎም እዮም። ስለዚ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ መናእሰይ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ተምሃሮን ፈተውቲ ሃገሮምን ዜጋታት ኩሎም ኣብቲ ወፍሪ ብንቕሓት ንኽትፉ ፀዊዖም እዮም።እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ መድረኽ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝስዕብ ኣቕሪቢናዮ ኣለና።ሰናይ ንባብ።

ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት መላእ ህዝብና ንክሳተፍ ብምግባር ልዕሊ 9ቢሊየን ፈልሲ ክትከል ተኻኢሉ እዩ፣ኣብዚ ዓመት ተወሳኺ 6ቢልየን ንሃገረናን 1ቢልየን ፈልሲ ድማ ንጎረቤት ሃገር በምዕዳል ሓሳብናን ሕልምናን ካባና ሓሊፉ ንጎረቤት ሃገራት ናይ ምንቃሕ ስራሕቲ ተዓሊሙ ዝተጀመረ ፕሮግራም እዩ፣ሓምለዋይ ሓድጊ ዕላማ ፣ድልየትን ሓሳብ ብተደጋጋሚ ብቃል ዝገለፅና እንትንኾን ሎሚ ድማ ብተግባር ንምርኣይ ሞኪርና ኢና።ሓምላዋይ ሓድጊ ንኢትዮጵያ ክንብል ከለና ገዛና፣ቢሮና ፣ኸባቢና ፣ከተማታትና ከምኡ’ውን ሃገርና ሓምለዋይ ክመስሉ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለና።ቢሮታትና ከተማታትናን በዚ ልክዕ ንምቕያር ኣብዚ ዋላ ሓደ ካብ ወፃኢ ዘእተናዮ ሓደ ፈልሲ የለን፣ዝተፈላየ ፍልጠት ኾነ ገንዘብ ኣታዊ ኣይገበረናን ።ካብ ወፃኢ ዝፀወዓናዮ ሰብ የለን፤ ምሉእ ብምሉእ ብውሽጢ ዓቕሚ እዩ።

እዚ ኣብ ሓፂር እዋን ምድላው እንተኽኢልና ሃገርና ሓምለዋይ ምግባር ከምዝካኣል መርኣያ ተገይሩ ንክውሰድ ፣ምናልባት ኢትዮጵያውያን ሓሲቦም ንወለዶ ዝሰጋገር ከምዝከኣል ዝጠራጠሩ ሓይልታት እንተሃለዉ ትምህርቲ ክወስዱ ይግባእ። ንሕና እናሓስብ ፣ዝሓሰብናዮ ናብ ተግባር ንምቕያር እንኽል ብልፅግና ኢትዮጵያ ፣ ኢትዮጵያውያን ፈተውትን ሕልሚ ከምዝኾነ እዚ ንምስኻዕ ድማ ካብ ማንም ንላዕሊ ዘድልየና ኹሉ ኢትዮጵያውያን ኢድ ንኢድ ተዳሓሒዞም ጠንኪሮም እንተሰሪሖም ምርግጋፅን ምስኻዕ ዝካኣል ሕልሚ ከምዝኾነ ፣እዚ ንምስኻዕ ሕልሚ ናብ ተግባር ዝኾነሉ ትልሚ ምድላው እዚ ንምስኻዕ ድማ ቁርፀኝነትን ድልየትን ንክህልወና ምግባር ስለዝኾነ ናይ ሎሚ ጅማሮ ምሉእ ብሙሉእ ኣብ ቐፃሊ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ እንሰርሖም ሓምላዋይ ሓድጊ ፕሮጀክት ዓይንና ሪኦም ዝረኽዕሉ እዩ ፣ሰብ ብዝሰምዖን ብዝርኦዮን ልክዕ ሓሳብ ዕለታዊ ምንቕስቃሱ ይወሰን እዩ፣ሰብ ኣብ ዝሰምዖን ዝሪኦን ወፃኢ መምንነት ምቕራፅ ኣይካኣልን፣ዝሪኦን ዝሰምዖን ሰናይ ነገር እንተኾይኑ ኣብ ሓንጎልና ዘሎ ሶፍትዌር ፕሮሰስ ዝገብር ዝወሰዶ ጥራሕ እዩ።ዝወሰዶ ነገር ሰናይ እንተኾይኑ ፅቡቕ ምሕሳብን ምስራሕን ይፈጥር እዩ።

 እዚ ፕሮጀክት ምስ መረፃ ዝተኣሳሳር ነገር የብሉን። ኽዚ እንኽተሎ ተኽሊ ንቀፃሊ መረፃ ተዘይኾይኑ ነዚ መረፃ ኣይበፅሐልናን፣ሃገር ብምሕሳብ’ምበር መረፃ ምሕሳብ ከምዘይኾነ .ኹሉ ፖለቲካ ፓርትታት ፣ኣቦታት ሃይማኖት ፣መምህራን ፣ተምሃሮ ኣብ ዝተፈለላየ ስራሕ ዘፈር ዘለዉ ዜጋታትን ፈተውቲ ሃገር ዝኾኑ ኹሉ ተወሳኺ ፃዕሪ ምግባር እዚ ሕልሚ ንከሳኽዑ ኢትዮጵያ ናይ ትማሊ መልከዓ ንክቕፅል ምግባር እዩ።

ኹላትና ከምንግንዘቦ ንሕናን ተኽልን ዘለና ምትእስሳር ብዓል ብዙሕ ገፅ እዩ፣ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ምስ ተኽሊ ዘሎዎም ምትእስሳር ብብዙሕ መገዲ ክግለፅ ይካኣል እዩ።ክንፃላእ ከም ክላሽ እንጠቀመሉ በትር እዩ፣እንትንሓርስ ዕንጨይቲ የድሊ እዩ፣ክንሓምም ኣብ ገጠር ኣንቡላስና ዕንጨይቲ እዩ፣ ክንድቅስ ኣልጋና እዩ፣ገዛ እንሰርሐሉ እዩ እዚኦምን ካልኦትን ኢትዮጵያውያንን ተኽልን ዓብይ ምትእስሳር ኣለዎም።ሓምለዋይ ሓድጊ ክንሓስብ ዘለና እዚኦም ንብዙሕ ነገር እንጥቀመሉ እታዎት ብምትካል ተዘይበርቲዕና ብጊዜ ብዝሓት ዕድመና እናደፍአና ትንኸይድ ምርኩዝ እንተድልይና ከይንችገር ፣መንበርን መቐመጥን እናናኣሰ እንተኸይዱ ናይ ምንባር ዋሕስ ክንስእን ኢና ።

ካብ ጎንፂ ኣንፃር እንትረአ ኣብ ዓለም ዘለዉ ጎንፅታት ኣብዝሓ ብዝባሃል ብርኪ ምስ ተፈጥሮ ሃፍቲ ዝደሓሓዝ እዩ።ማዕድን፣ማይ ፣ቦታ ዝኣመሰሉ ፣ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፅን ምምዝባል ኣብዝሓ ምስ ተፈጥሮ ሃፍቲ ዝደሓሓዝ እዩ፣ሕርሻ መሬት ፣ዝሓሸ መለክኣ መሬት ንምሓዝ ብብርኪ ዓለም ‘ውን ኣብዝሓ ጎንፂ መልዓሊ እዩ።ኣብዝሓ ቦታ ምቕያር እንተኽኢልና ጎንፂ ንምክልኻል ብሓደ ወገን ጥቕሚ ኣለዎ፣ብኻልእ ወገን ድማ ከም ሃገር ንምክልኻል ብዙሓት ዘሊሎም ከይደፍሩና ይሕግዝ እዩ።ንመፃኢ ወለዶ ውሕስነትና ናብራ እዩ፣ንሕና ተኽሊ ተዘይተኺልና ሕርሻ ፣መስተ ማይ ብዙሕ ጉዳይ ስለዝበላሸ ንምንባር ዋሕስ ስለእንስእን ክንስደድ ንግደድ ኢና፤ንወለዶ እዚ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ።

ኢትዮጵያ ኸዚ ብዝጀመረቶ መገዲ ተኽሊ እናቖረፅት ጥርሓ እናኾነት ፣በረኻ እናኾነት እትኸይድ እንተኾይና ደቅና ዝነበሩላ ሃገር ኣይትኸውንን፣ምንባር ዘይምንባር ህልውና ስለዝኾነ ንዓናን ንደቅናን ክንብል እንገብሮ ስራሕ እዩ ዝኸውን።ብተወሳኺ ናይ ሓዋሩ ዕድል ኢትዮጵያ ናይ ደቅና መነባባሮ ኩነታት እንታይ ክመስል ከምዘለዎ እንውስነሉ እዩ።ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ወይ ብብርኪ ዓለም ኩነታት ከባቢ ምቕያር ዘይግንዘብ ሰብ እንተሃልዩ ኣስተውዒሉ ምርኣይ ዝፅገም ጥራሕ እዩ።

ኣብ ብዙሕ ከባብታት ዓለም ዘሎ ፀገም ከባቢ ይሓምም ከምዘሎ ንምዝራብ ብዙሕ ገንዘብ ወፃኢ ይግበር፣እዚ ዝምልከት ብዙሓት ኮንፈረንስ ይዳሎ ግና ኣብ ተግባር ተኽሊ ኣምፅእኻ ምትካል ግና ትሑት እዩ።ካብ ዓለም ብዙሕ ሓሳባት ከምዝተዋሓስና ዝፍለጥ እዩ፣ኢትዮጵያ ተኽሊ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ምትኻል ምስ ጀመረት ፣ብርክት ዝበሉ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ፕሮጀክት ቀሪፆም ተኽሊ ንትኸል ማለት ጀሚሮም እዮም።እዚ ሰናይ ፅዕንቶ ኣድላይ እዩ፤ኾይኑ ግና እዚ ሰናይ ፅዕንቶ መሰረት ዝሓዘ እንትኾን ኣብ ሃገርና ለዉጢ ብምግባር ክረአ ይግባእ።ብተግባር ንምርኣይ ምጅማር ጥራሕ እንተይኾነ ምውዳእ፣ኣብ ማእኸል ዘሎ ድኻም ምኽኣል ክህልወና ኣለዎ።ተኽሊ ብቐሊሉ ኣይበቅልን፣ምቑፋር ምንክብካብ ይደሊ እዩ።መልክዑን ጥቕሙን እንግንዘቦ ድሕሪ ዓመታት እዩ።እዚ ንምርካብ ንውሕ ዝበለ ፃዕሪ የድሊ እዩ።

ቅድም ክብል ከምተገለፀ ተኽሊ ፖለቲካ ኣይኮነን፣ካብ ሓደ ወርሒ ዘይነኣሰ መረፃ ዝገብር ሃገር ንሓደ ወርሒ ዝጠቅም ጎስጓስ እዩ ዝገብር፣ሎሚ እንጅምሮ ሓምላዋይ ሓድጊ ፕሮጀክት ሎሚ ጀሚሩ ሓደ ሓደ ቦታ ክሳብ መስከረም ክሳብ ጥቅምቲ እዩ ዝኸይድ።ድሕሪ መረፃ ‘ውን እንተኾነ ከም መንግስቲ ጥራሕ ተዘይኾነ ከም ዜጋ ‘ውን ክንቕፅል ኢና።ስለዝተመረፅና ጥራሕ አንተይኾነስ ተዘይተመሪፅና ‘ውን እንትግበሮ ተግባር እዩ።በዚ ምኽንያት ኹላትና ንወለዶ ብምሕሳብ ንምንባር ምችው ዝኾነት ሃገር ንክነረክብ ምስራሕ ኣድላይ እዩ።

ኹላትና ከምንፈልጦ ንወለዶ ዓሻራ ንምቕማጥ ዘላቒ ዝኾነ ነገር ይሓትት እዩ ፣ እዚ ንምግባር ርብርብ ካብ ኹላትና ትፅቢት ዝግበር እዩ።ናይ ሎሚ መሪሕ ቃል በዝምልከት ‹‹ኢትዮጵያ ንኽደና››ዝብል እዩ።ኢትዮጵያ ጥርሓ ኾይና ኣላ፣ኣንሶላኣ ዝነበረ ንፋሳማ ኣየር ጠፊኡ እዩ፣ኮበርትኣ ዝነበረ ዝናብ ብቴክኖሎጂ ሓገዝ ክግበር እናተሞከረ እንተኾነ ‘ውን ፀገም ኣሎ እዩ፣ኣንሶላን ኮበርታ እንድሕር ዘየለ ድማ ዛሕሊ ኣሎ ማለት እዩ።ሓምለዋይ ጎቦ ምርኣይ ብርቅ እናኾነ መፂኡ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ምኽዳን ጉዳይ ኹሉ ኢትዮጵያውያን ብሓደ መንፈስን ልብን ብምዃን ብዙሓት ዝፅዕሩላኢትዮጵያ ብምኽዳን ብምኽባርን ግርምኣ ምምላስ ንክንኽእል ኢና፤ ኣብዚ ውሽጢ ኢኮኖሚ ጥቅሚ ምሕላው፣ጎንፂ ምቕናስ ፣ንምብልፃግ ንምልማዕ ምትላም ምሕሳብ ጥራሕ እንይኾነስ ኣብ ተግባር ‘ውን እትኽእል ሃገር ምዃና ፣ሰናይ ነገር እተምፅእ ሃገር ከምዝኾነት ንምርኣይ ካብ ኹላትና ዝፅበ ነገር እዩ ዝኸውን ፣ ንጎረቤት ሃገር እንገብሮ ተወሳኺ ሙከራ ኢትዮጵያ በይና ሓምለዋይ ክትኾን ኣይትኽልን፣ኢትዮጵያ በይና ክትብልፅግ ኣይትኽእልን፣ንሕና ምትሕብባር ሓሳብ ኢና እንኽተል፣ብሓባር ምዕባይን ሰላምን ንምምፃእ እንሰርሕ ህዝብታት ኢና።ክንሓስቦ ኢትዮጵያ ዓብያን በልፂጋን ጎረባብትና ምዕባይ ተዘይኺኢሎም ፀገም ስለዝኸውን ሓቢርካ ምዕባይ የድሊ እዩ።

በጀት ብዝምልከተ እቲ ቀንዲ ሓምለዋይ ኣሻራ ሓድጊ በጀት ሕድ ሕድ ዜጋ ጉልበትን ድልየትን ዝወፅእ እዩ።ሕድ ሕድ ዜጋ ገንዘቡ ግዚኡ ሰዊኡ ተዘይኾይኑ 6 ቢልየን ፈልሲ ኣብ ውሑዳት ኣዋርሕ ምትካል ኣይካኣልን።ሓደ ተኽሊ ንምድላው ኣዋርሕ ይደሊ እዩ፣ካብ ዝተዳለወሉ ናብ ዝትከለሉ ንምኻድ ዋጋ ይደሊ እዩ፣ሕድሕድ ፈልሲ ጀሚርና ክሳብ እንውድእ ሓደ ዶላር ኣውፂእና ኢልና እንተሓሲብና ነቲ ተኽሊ ዝግበር ክንክን ይበዝሕ’ምበር ኣይንእስን።ስለዚ በጀት ብዝምልከት ዘሎ ወፃኢ ህዝብና እዩ፣ዝሕግዙና ሃገራት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፣ስለ ሃገርና ኹናት ሚድያ ተዛሪቡ እዩ፣ዓበይቲ መራኸቢ ሓፋሽ ስለ ሃገርና ኹናት፣ጎንፅን ድኽነትን ሰቢኾም እዮም፣ካብዚ ንላዕሊ ድማ ስለ ሃገርና መረፃ ይካየድ ኣይካየድ ብዙሕ ኢሎም እዮም።እዚኦም መራኸቢ ሓፋሽ ሓቀኛ ኢትዮጵያ ፈተውቲ እንተኾይኖም ኸዚ ክራኣዩ እዮም፤ስለ ሓምለዋይ ሓድጊ ክዝገብ ኣለዎ፣ተዘይኾይኑ ስለናትና ኹናትን ምቅታልን ጥራሕ ዝዝግብ እንተኾይኖም ግና መንነቶም ነፂሩ ክረአ እዩ።

ብሓፈሻ ሎሚ ዘመን ሓምለዋይ ሓድጊ ካብ እንሰርሖም ቀንዲ ስራሕቲ ከም ሓደ ዝውሰድ ብኻልኦት ዘይልካዕ ባዕሉ ክኢሉ በበዓመቱ ክስራሕ ጥራሕ ሙሉእ ከምዝኸውን በምግንዛብ ከም ዝሓለፈ ዓመት ኹሉ ኣመራርሓ ናይቲ ስራሕ ኣካል ዕለታዊ ትልሚ ስርሑ ገይሩ ንክፍፅም ንቐፃሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ንክስራሕ ሓደራ ክብል ይፈቱ።ንመረፃ ብዙሕ ፎቶን ማስታወቕያን ርኢና ኢና ፣ካብዚ መረፃ ዘይንእስ ዋጋ ዘለዎ ሓምለዋይ ሓድጊ ክንደይ ዝኣኽሉ ፎቶ ከምዝልጠፉ ክንርኢ ኢና፤ እዚ ብምግባር ንልምዓትን መረፃን ማዕረ ግምት እንህብ ምዃና ክነረጋግፅ ኣለና።

ሕድሕድ ክልል ናይ ባዕሉ ናይ ምትኻል መዓልቲ ኣለዎ፣ዓሰርተ ክልል ኽልተ ከተማ ምምሕዳር ዓሰርተ ኽልተ ማዓልቲ ማለት እዩ።እዚ ምስ ተዛዘመ ኣብ ወርሒ ሓምለ ፍርቂ ብሃገርለኸ ሓደ ናይ ተኸላ መዓልቲ ክንገብር ኢና።ቃልና ክነኽብር ኣለና፣ቃልና እናፈፀምና ዝተለምናዮ እናሳኻዕና ሪቫን እናቖረፅና ንወለዶ ተስፋ እናሃብና ፀላእትና ንሕና ናብ ድኽነት ንምእታው ዘለዎም ተስፋ እናቖረፅና እንቕፅለሉ እዋን እዩ ዝኸውን።ንኹላትና መፅለሊትናን መዕረፊት ዝኾነት ሃገርና ኢትዮጵያ ክብራን ሞገሳን ሓድነታ ብሓባር ንኽደና እዚ ንምግባር ብሓባር ጠጠው ንክንብል ሓደራ ይብል።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You