‹‹ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ንናይ በዓሉ ኣጀንዳ ክብል ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም አእትይዎ ‘ዩ››ኮማንደር ገ/መስቀል ወልደሚካኤል

ኮማንደር ገብረመስቀል ወልደሚካኤል ኣብ 1956 ዓ.ም ኣብ ራያ ኣላማጣ ተወሊዶም ክሳብ 12 ክፍሊ ‘ውን ኣብ በዓሉ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ‘ዮም ተማሂሮም:: ድሕሪ 12 ክፍሊ ምውደኦም ኣብ 1974 ዓ.ም ናብ ፖሊስ ሰራዊት ዝተፀመሩ እንትኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ፖሊስ ብፍላይ ኣብ ድሕንነት ትራፊክ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ሰሪሖም ‘ዮም። ኣብ 2012 ዓ.ም ጡረታ ወፂኦም ዝነበሩ እንትኾኑ ቕድሚ ለውጢ ዝነበረ ኣካይዳ ስርዓት ህወሓት ይቓወምዎ ስለ ዝነበሩ እቲ ለውጢ ምስ መፀ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ደጉዓ ተምቤን ከተማ ሃገረሰላም ብናይ ፀጥታን ምልሻ ሓላፍነት እናሰርሑ ድሕሪ ምፅናሖም መንግስቲ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ምስ ምውፃእ ተተሓሒዙ ጉጅለ ህወሓት ጉድኣት ከየብፀሐሎም ብምስጋእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመፁ ክኢሎም ‘ዮም:: ኮማንደር ገብረመስቀል ሕዚ ‘ውን ኣባል ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ብምዃን እናተቓለሱ ‘ዮም ዝርከቡ:: እምበኣርከስ ክቡራት ተኸታተልቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ሃገርናን ኣድሂብና ምስ ኮማንደር ገብረመስቀል ኣብ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ኣሳናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ዘጋጠመ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ እናፈተነ ኣብ ዘለወሉ እዋን ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ግና ብሓይሊ ከፈትሖ ‘የ ብዝብል ሳልሳይ ኩናት ብምኽፋት ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቐሊል ዘይበሃል ፀገም እናስዐበ ‘ዩ ዝርከብ። ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ከም ዝፍለጥ መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ዘጋጠመ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ ብዙሕ ፈቲኑ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን እናፈተነ ‘ዩ ዝርከብ:: ይኹን ‘ምበር ራዕዳዊ ህወሓት ነቲ ፀገም ብሓይለይ ክፈትሖ ‘የ ብዝብል ብዝጀመሮ ኩናት መንግስቲ ተገዲዱ ናብዚ ኩናት እዚ ኣትዩ ‘ዩ:: ራዕዳዊእቲ ጉጅለ ‘ምበር መንግስቲ ናይ ኩናት ዕላማ ኣይነበሮን:: ኣነ ንኢትዮጵያ እንድሕር ዘየማሕዳራ ዋላ ትፍረስ ብዝብል ሓሳብ ተኸታታሊ ኩናት እናኸፈተ መፂኡ ‘ዩ:: ንናይ በዓሉ ኣጀንዳ ክብል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ፀገም እናፈጠረ ‘ዩ ዝርከብ:: ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙ ናይ ኩናት ድሌት የብሉን:: ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ልምዓትን ዕቤትን ‘ዩ ዝደሊ::

ይኹን ‘ምበር እቲ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ ‘ዩ ብምባል ናይ መደናገርቲ ሓሳባት ብምጥቓም እቲ ኩናት ክሳብ ሕዚ ከም ድሌቱ እናጋለቦ ይርከብ:: ናይ በዓሉ ስልጣንን ረብሓን ንምሕላው ክብል ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ፀገም አእትዎ ይርከብ:: መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ንምጉዳእ ዕላማ የብሉን፤ ዕላምኡ ሕጊ ምኽባር ‘ዩ:: ንውሱናት ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቅራብ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ::

ብሓፈሻ እንተሪእና ብኹናት ዝፍታሕ ፀገም የለን፤ ክፍታሕ ዝኽእል ሕጊ ተኸቲልካ ብልዝብ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ:: እዚ ጉጅል እዚ ግና ኩሉ ነገር ብሓይሊ ክፈትሖ ‘የ ምባሉ ናይ ኩናት ኣመል ዘለዎ ምዃኑ ‘ዩ ዘርእየካ:: ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ‘ዩ ኩናት ብተደጋጋሚ ዝኸፍት ዘሎ ‘ምበር ብኹናት ዝፍታሕ ፀገም የለን:: ንህዝቢ ትግራይ ዘይሓሊ ስለ ዝኾነ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ዝጀመሮ ሳልሳይ ኩናት ኣቛሪፁ ናብ መኣዲ ሰላም ንኽምለስ ካብ ህዝቢ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ብመሰረቱ እዚ ጉጅለ እዚ ድሌቱ ኩናት ‘ዩ፤ ብልዝብ ዝኣምን ሓይሊ ኣይኮነን፤ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኩናት ከቛርፅ ዝኽእል ኣይኮነን:: ብሓይሊ ጀሚረ ብሓይሊ ክውደኦ ‘የ ዝብል ኣታሓሳስባ ‘ዩ ዘለዎ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ክገብሮ ዘለዎ ነዚ ጉጅለ እዚ ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ:: ኣንፃሩ ክለዓል ኣለዎ:: ካብ ስልጣኑ ከይወረደ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ክረክብ ኣይኽእልን ‘ዩ::

ማሕበረሰብ ዓለም ባህርያት ህወሓት ክርዳእ ክኽእል ኣለዎ:: ናይ ኩናት ድሌት ከምዘለዎ ክፈልጥ ኣለዎ:: ናይ ጥፍኣት ተልእኾ ሒዙ ሃገር ንምብታን ይንቐሳቐስ ከምዘሎ ምርዳእ የድሊ:: ህዝቢ ትግራይ ከይቐረየ ንምጥፋእ ይሰርሕ ከምዘሎ ክርዳእ ኣለዎ:: ማሕበረሰብ ዓለም ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ናይቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣመል ብዝግባእ ክርዳእ ኣለዎ:: ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንምብራቕ ኣፍሪካ ከይተረፈ ንምሕማስ ዝንቐሳቐስ ዘሎ ከምዘሎ ክፈልጥ ይግባእ:: ስግኣት ናይቲ ዞባ ‘ዩ::

ማሕበረሰብ ዓለም እዚ ጉጅለ እዚ ቀጥተኛ ልኡኽ ምዕራባውን ምዃኑ፤ ናይ ምልዛብ ዓቅሚ ዘይብሉ ምዃኑ፤ ደላዪ ሰላም ዘይምዃኑ፤ ኣማፃፅእኡ ብሓይሊ ምዃኑ፤ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኢትዮጵያ እናበደላ ከምዝነበረ ብምፍላጥ ክኹንኖ ኣለዎ:: ብውነ ክርደኦ ክኽእል ኣለዎ:: ነዚ ተረዲኡ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክስለፍ ኣለዎ:: መንግስቲ ‘ውን ሒዝዎ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ኣጣናኺሩ ክቕፅለሉ ኣለዎ:: ማሕበረሰብ ዓለም ተግባር ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ብዝግባእ ብምርዳእ ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ:: ምዕራባውያን ‘ውን እንተኾነ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባል ሰላም ዝኾነሉ ሃዋህው ክፈጥሩ ኣለዎም::

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ቖልዓ እስካብ ዓብዪ ናብ ዓውደ ኲናት ብምውፋር ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዴታት፣ ህፃናት፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኣረጋውያንን ከቢድ ፀገም እናብፀሐ ከምዝርከብ ይፍለጥ ‘ዩ:: ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ራዕዳዊ ህወሓት ህፃናት እንተይቐረዩ ንምፅናት ዝገብር ዘሎ ምኽንያት ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ዘጨንቕ ነገር ስለ ዘይብሉ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ይፅነት ኣይፅነት ዘጭንቖ ነገር ኣይኮነን:: ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ሰብኣዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ቚልውላው ቐሊል ኣይኮነን:: ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት እናጠሓሰ ‘ዩ ዘሎ፤ እዚ ድማ ብሕጊ ዘጥይቖ ጉዳይ ‘ዩ::

እዚ ግጅለ እዚ ብዓለም ለኸ ሕጊ ዘጥይቕ ገበን እናሰርሐ ምዃኑ ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጥ ኣለዎ:: ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ብምፍላጥ ናይ በዓሉ እጃም ክፃወት ክኽእል ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ በዚ ሓይሊ እዚ ይፀንት ምህላዉ ነቒሑ ክቓለስ ኣለዎ:: ኣብ ርእሲኡ ዓሌት ምፅናት ‘ዩ ዝፍፅም ዘሎ:: ብዙሕ ገበን ፈፂምሉ ‘ዩ:: ኣብ ኣብያተ እምነት፣ ህዝቢ ማሕበራዊ ስራሕቲ ኣብዘሳልጠሎም ቦታታት እንተይቐረየ ኮይኑ ኩናት ይኸፍት ነይሩ ‘ዩ:: እዚ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ‘ዩ:: ህፃናት ይኹኑ ሽማግለታት ናብ ኩናት ብምስላፍ ከቢድ ክሳራ ክስዕብ ገይሩ ‘ዩ:: ህዝቢ ኢትዮጵያ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ምፅናት ምፍፃሙ ክፈልጥ ኣለዎ:: ከምኡ ‘ውን ተልእኾ ምዕራባውያን ይፍፅም ምህላዉ ክርዳእ ይግባእ::

ኣብ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ናይ ምዕራባውያን ኢድ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ፤ መገዛ በዓሎም ምስ ራዕዳዊ ህወሓት ተሓባቢሮም ዝፈፀምዎ ገበን ‘ዩ ናብ መንግስቲ ከጣብቑ ዝፅዕሩ ዘለዉ:: ጉጅለ ህወሓት ልኡኽ ምዕራባውያን ምዃኑ ይፍለጥ ‘ዩ፤ ምዕራባውያን እዚ ሓይሊ እዚ ራዕዳዊ ሓይሊ ምዃኑ እናፈለጡ እናሃለዉ ‘ዮም ዝሕግዝዎ ዘለዉ:: ኢትዮጵያ ነንርእሳ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣትያ ከትብተን ተልእኾ ዝሃብዎ ምዕራባውን ‘ዮም:: ነዚ ‘ውን ‘ዮም መንግስቲ ገበነኛ ንምምሳል ዝፍትኑ ዘለዉ:: መገዛ በዓሎም ዝሃብዎ ተልእኾ ‘ዩ ዝፍፅም ዘሎ:: እዚ ትልሚ ምዕራባውያን ‘ዩ፤ ብዝግባእ ተሓሲብሉ ዝስራሕ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ::

ምዕራባውያን ዝገብርዎ ዘለዉ ምርመራ ገበን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ወፃኢ ‘ዩ፤ መርምሩልና ኣይተባህሉን፤ መንግስቲ ንምውንጃል ዝገብርዎ ዘለዉ ተንኮል ‘ዩ:: ኣብ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ገበን ብናይ ምዕራባውን ተንኮል ‘ዩ:: ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዝፍፅሞ ዘሎ ኩሉ ገበን ካብ ድሌት ምዕውራባውን ‘ዩ ዝብገስ:: ከምዚ ዝገብርሉ ዘለዉ ምኽንያት ንዐኦም ዝለኣኾም መንግስቲ ንምቕማጥ ‘ዩ:: መንግስቲ ፌዴራል ስለ ዘይለኣኾም፤ ጠንካራ መንግስቲ ስለ ዝኾነ፤ ነዚ ክወድቕ ብምግባር ተለኣኣኺ መንግስቲ ንምቕማጥ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ኮሙሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ኣብዘውፀኦ ሪፖርት ዘለዎም ሓፈሻዊ ርኢቶ ከመይ ይገልፅዎ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- እቲ ትካል ዝተመስረተሉ ዕላማ እናሰሓተ ‘ዩ ዘሎ:: ብዓለም ለኸ ሕጊ ክምራሕ ዝተጣየሸ ትካል እናሃለወ ኮይኑ ግና ናይ ምዕራባውያን ድሌት ጥራሕ ‘ዩ ዘፍፅም ዘሎ:: ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ዝግበኦ ካብዚ ወፃኢ ናይ ፖለቲካ ስራሕ ‘ዩ ዝስርሕ ዘሎ:: ናይዚ ራዕዳዊ ጉጅለ ተሓባባሪ ኮይኑ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ:: ንኢትዮጵያ ከጥፍእ ምስ ዝተላዕለ ሓይሊ ምትሕብባር ማለት ፀገም ከምዘለዎ ‘ዩ ዘመላኽት:: ብተግባር ንሪኦ ከምዘለና ግብረ ራዕዳውያን ‘ዩ ዝድግፍ ዘሎ::

እዚ ትካል እዚ ትኽክለኛ ተዝኾን ነይሩ ህወሓት ብዓለም ለኸ ዝተኸልከለ ትሕቲ ዕድመ ህፃናት ናብ ኩናት ከስልፍ፤ ሓሸሽ እናተጠቐመ ህፃናት ብዘይ ውኒኦም ናብ ኩናት ክኣትዉ እናገበረ፤ ሰብኣዊ ረዲኤት እናመንጠለ ንዕጡቓት ከውዕል፤ ካብ ትግራይ ክልል ሓሊፉ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ግፍዒ ክፍፅም እንተሎ ስኽ ኢሉ ኣይንረአየን ነይሩ:: እዚ ዘሪአካ ናይ ምዕራባውያን ዕላማ ተሓንጊጡ ንህወሓት ወጊኑ እናሰርሐ ምህላዉ ‘ዩ::

ብሓፈሻ እቲ ፀብፃብ ካብ ሓቒ ዝረሓቐን ኮነ ኢልካ መንግስቲ ፌዴራል ንምውንጃል ወይ ንምፅላም ዝተግብረ ኣካይዳ ‘ዩ:: ዓለም ለኸ ሕግታት ዘኽበረ ኣካይዳ እናተኸተለ ኣይኮነን ዘሎ:: ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ውን ፍቓድ ኣይረኸበን:: ናይ ፖለቲካ ስራሕ ካብ ምስራሕ ሓሊፉ ብሓቒ ንመሰል ደቒ ሰባት ተሓላቒ ኮይኑ ኣይኮነን ዝሰርሕ ዘሎ:: ፖለቲካዊ ተልእኾ ተሓንጊጡ ‘ዩ ዝንቐሳቐስ ዘሎ:: በዚ ምኽንያት ዓለም ለኸ ሕግን ደንብን ዝተኸተለ ስለ ዘይኮነ ኣፍልጦ ክረክብ የብሉን:: ሉኣላውነት ዝተዳፈረ ኣካይዳ ‘ዩ ዝኽተል ዘሎ:: ስለዚ ዝኾነ ኣፍልጦ ክወሃቦ የብሉን:: እዚ ንበዓርሱ ዓለም ለኸ ገበን ‘ዩ ዝፍፅም ዘሎ፤ ምኽንያቱ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ተኸቲሉ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ ኣይኮነን:: ተግባር ግብረ ራዕዲ ‘ዩ ዝሕግዝ ዘሎ::

ህወሓት ግብረ ራዕዳዊ ሓይሊ ምዃኑ እናተፈለጠ ነዚ ምሕጋዝ ማለት ገበን ‘ዩ:: ሉኣላውነት ሃገር ብምጥሓስ ሃገር ንምብታን ዝተላዕለ ትካል ‘ዩ፤ እቲ ሪፖርት ነዚ ‘ዩ ዘማላኽት:: ስለዚ እቲ ምርመራ ብግልፂ ነቲ ጉጅለ ወጊኑ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ:: እዚ ናይ ምዕራባውያን ስራሕ ‘ዩ:: ቕድሚ ሕዚ ብስውር ይሰርሑ ነይሮም፤ ሕዚ ድማ ብግልፂ ይሰርሑ ኣለዉ:: ሉዓላውነት ሃገር ብምጥሓስ ንህወሓት ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ስራሕ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካሊእ ትርጉም የብሉን:: እዚ ተቐባልነት ከይረክብ ማሕበረሰብ ዓለም ብትሪ ክቓወሞ ኣለዎ:: ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ክኹንኖ ኣለዎ:: ብዲፕሎማሲ መዳይ ‘ውን ብዝግባእ ክስረሐሉ ኣለዎ::

 ወጋሕታ፡- ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ኩናት ብምኽፋት ዝኽልክል ዝነበረ ጉጅለ ህወሓት እናሃለወ እቲ ኮምሽን ግና መንግስቲ ፌዴራል ጥሜት ከም መሳርሒ ኩናት ተጠቒሙ ‘ዩ ዝብል ሪፖርት ኣውፂኡ ኣሎ፤ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ኩናት ብምኽፋት ይኽልክል ነይሩ ‘ዩ:: ይኹን ‘ምበር ብኣፉ ክኣቱ ኣለዎ፤ መንግስቲ ዕንቕፋት እናፈጠረ ‘ዩ እናበለ ይልፍልፍ ነይሩ ‘ዩ:: ብተግባር እኽሊ ከይኣቱ መንገዲ እናዓፀወ ይኽልክል ነይሩ ‘ዩ:: በዚ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ፀገም ክበፅሖ ገይሩ ‘ዩ::መንግስቲ ፌዴራል ግና ህዝቢ ከይጠሚ ብምሕሳብ ዝከኣሎ ኩሉ ዋጋ እናኸፈለ ክኣቱ ይገብር ነይሩ ‘ዩ:: እዚ ምዕራባውያን ይፈልጡ ‘ዮም:: ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ይፈልጥ ‘ዩ:: ብግልባጡ ከይኣቱ ዝገብር ዝነበረ በዓሉ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ‘ዩ:: እዚ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቒ ‘ዩ::

ይኹን ‘ምበር ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ኩናት ብምኽፋት ዝኽልክል ዝነበረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት እናሃለወ እቲ ኮምሽን መንግስቲ ፌዴራል ጥሜት ከም መሳርሒ ኩናት ተጠቒሙ ‘ዩ ምባሉ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ጥራሕ እንተይኮነስ ንመንግስቲ ንምውንጃል ‘ዩ:: እዚ ናይ ምዕራባውን ስራሕ ‘ዩ:: እቲ ትካል ናይ ምዕራባውያን ኣጀንዳ ‘ዩ ዘሰጉም ዘሎ:: ኮነ ኢሉ ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝገብርዎ ዘለዉ ስራሕ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፅልኢት ከሕድር ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ‘ዩ:: ኮነ ተባሂሉ ማሕበረሰብ ዓለም ብምድንጋር ፖለቲካዊ ዕላማ ንምስኻዕ ተዘይኮይኑ መንግስቲ ፌዴራል ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ንምእታው ንደሓር ዝበለሉ ግዜ የለን:: መንግስቲ ጥሜት ከም መሳርሒ ኩናት ተጠቒምሉ ‘ዩ ማለት ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ‘ዩ፤ መረዳእታ ስለ ዘሎ ምርግጋፅ ዝከኣል ጉዳይ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ካብ መፈለምታ ኣትሒዙ ‹‹ጆኖሳይድ›› ኢሉ ዝፅወዖ ዘሎ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ ይብሉ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ዘርኢ ምፅናት‹‹ጆናሳይድ›› ኢሉ ዝፅውዖ ዘሎ ምኽንያት ማሕበረሰብ ዓለም ብምድንጋር ፖለቲካዊ ከስቢ ንምርካብ ‘ዩ:: ኩናት ኢትዮጵያ ወይ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምንዋሕ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ኣብ መንግስቲ ፅልኢት ከሕድር፤ በዚ ምኽንያት ህዝቢን መንግስትን ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምፅላእ ንምፍልላይ ‘ዩ:: ናይ ምድንጋር ፖለቲካ ብምጥቓም ማህበረሰብ ዓለም ኣብ ጎኑ ንምስላፍ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ብምጭብርባር ንመንግስቲ ፌዴራል ንምውንጃል ‘ዩ:: በዚ መሰረት ንኢትዮጵያ ብምብታን ፖለቲካዊ ዕላምኡ ንምስኻዕ ‘ዩ:: እዚ ሓይሊ እዚ ፖለቲካዊ ምድንጋር ከምዝቕፅል ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ክርዳእ ክኽእል ኣለዎ::

ኣብዚ ማሕበረሰብ ዓለም ርድኢት ክህልዎ ዲፕሎማሲ ብዝግባእ ክስራሕ ኣለዎ:: በርግፅ እቲ ሓቒ እናተነገሮ መፂኡ ‘ዩ፤ እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ:: ክፍለጥ ዝግበኦ እዚ ጉጅለ እዚ ንኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነስ ንምብራቕ ኣፍሪካ ‘ውን ንምሕማስ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ:: ስለዚ ኣብዚ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝግባእ ተረዲኡ ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ፤ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብል ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ንህዝቢ ትግራይ ከሕልፍዎ ዝደልዩዎ መልእኽቲ እንትሃልዩ ዕድል ክህቦም::

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም እዚ ክወፅእ አንተኾይኑ ኣንፃር ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ፤ ተቓሊሱ ናፃ ክወፅእ እንድሕር ዘይክኢሉ ካብቲ ፀገም ክወፅእ ኣይኽእልን:: ሰላም ዘይደሊ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ከጥፈኦ ኣለዎ:: እዚ ጉጅለ እዚ ብሓይሊ ‘ዩ ክጠፍእ ዘለዎ:: ንህዝቢ ትግራይ ክበሃል ብዙሕ ግዜ ዕድል ተዋሂብዎ ክጥቐመሉ ኣይከኣለን:: ስለዚ ኢዱ ጠምዚዝካ ኣብ ቑፅፅር ክውዕል ኣለዎ:: ግቡእ ስጉምቲ ክውሰዶ ኣለዎ፤ ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ክተሓባበር ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ካሊእ ዕድል የብሉን፤ ተደጋጋሚ ዋጋ ‘ዩ ዘኽፍሎ ዘሎ:: ከምዚ እንድሕር ዘይኮኑ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስቓይ ክነብር ‘ዩ::

ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ በዚ ጉጅለ እዚ ክደናገር የብሉን፤ ፀላኢ ዘይብሉ ፀላኢ ኣለካ እናበለ ከደናግሮ ፀኒሑ ‘ዩ፤ ሕዚ ‘ውን ይቕፅለሉ ኣሎ ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ፀላኢኡ በዓሉ ህወሓት ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ:: ብጀካ እዚ ሓይሊ እዚ ህዝቢ ትግራይ ካሊእ ፀላኢ የብሉን:: ህዝቢ ትግራይ ብኹናት ክውዳእ ዝገብር ዘሎ ህወሓት ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ክነቕሐሉ ኣለዎ፤ ክታለል የብሉን:: ብኹናት ጥቕሚ ከምዘየለ ምርዳእ የድሊ:: ህዝቢ ትግራይ በዚ ኩናት እዚ ከቢድ ዋጋ እናኸፈለ ‘ዩ ዘሎ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ፀላኢኡ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ምዃኑ ብምርዳእ ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ:: ብዝኾነ ኣጋጣሚ ክቓለሶ ኣለዎ፤ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ጠጠው ክብል ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ጅግና ኢኻ እናበለ የጥፈኦ ስለ ዘሎ ነዚ ተረዲኡ ተቓሊሱ ሓራ ክወፅእ ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

 መኣርግ ገ/ሄር

 ወጋሕታ 19 መስከረም 2015

Recommended For You