ብሓድነት ፅዕንቶታት ንመክት

ኢትዮጵያ ህንፀት ግድብ ህዳሴ ካብ ዝጀመረትሉ እዋን ጀሚሩ ትኹረት ዓለም እናሳሓበት ትርከብ። ናይቲ ግድብ እምነ ኹርናዕ ካብ ዝተቐመጠ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ኸዚ ዓሰርተ ዓመት ዘቑፀረ እንተኾነ’ውን ፣ እቲ ግድብ ብፍላይ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት እናወዛገበ ፀኒሑ እዩ። ኢትዮጵያ ናይቲ ግድብ ህንፀት ሃገራት ብዘይጎድእ መልክዑ ኹሉ ብሓባር ተጠቀምቲ ዝገብር ምዃኑ ብምግላፅ ኣብቲ ግድብ ዘለዋ ቅዋም በቢግዚኡ ንኹሉ እናፍለጠት ትርከብ። ኾይኑ ግና ግብፅን ሱዳንን በቢግዚኡ ዝተፈላለዩ ቅዋም እናንፀባረቑ ኣብ ዝነበርዎ ምፅናሕ እናኸበዶም ሓሳባቶም እናቀየሩ ይርከቡ። ኢትዮጵያ ግድብ ናይ መጀመርያ ምምላእ ማይ ኣብ ዝሰርሐትሉ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብዝተፈለየ መልክዑ ዝተዘበራረቐ ቅዋም እናንፀባረቑ ይርከቡ።

ኣብዚ ኸዚ እዞም ኽልተ ሃገራት በቲ ግድብ ምኽንያት ሕውነቶም ጠንኪሩ እናተርኣየ እዩ ‹‹ናይቲ ግድብ ከይዲ ህንፀት ንምዕንቃፍ ብዙሕ ፃዕሪ እናገበሩ እዮም። ዝመኸሩሉ ሓሳብ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ቅቡልነት ንምርካብ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝገብርዎ ምሽቕድዳም ጉድ ዘብል እዩ። ናይቲ ህዳሰ ግድብ ንደቂቃ’ውን እንተኾነ ጠጠው ከምዘይብል ብተደጋጋሚ ዘለዋ ቅዋም ዘፍለጠት ኢትዮጵያ ፣ሉኣላውነት ሃገር ብምቕዳም ናይቲ ግድብ መጀመርያ ዙር ብምስራሕ ፣ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ስራሕ ምድላዋ ወዲኣ እያ። እዚ ዘይልወጥ ቅዋም ከምዝኾነ ቀዲሞም ዝፈለጡ እዚኦም ሃገራት ‹‹ኣነ እንተሞይተ ደንዴር ኣይትቡቀል ››ከምዝባሃል ኾይንዎም ናታቶም ድልየትን ሓሳብን ጥራሕ ንክስማዕ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንክፈጥር እናገበሩ ፀኒሖም እዮም። ኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ከይተጀመረ ዘሎን ዘየሎን ሓይሎምን ዓቐሞምን ተጠቒሞም ምምላእ ማይ ንክካየድ ንምግባር ፃዕሪ ገይሮም እዮም። ኣብ ቀረባ ድማ ግብፂ ግድብ ህዳሰ ኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ ድልየታ ፅዕንቶ ከምዘይብሉ ተዛሪባ እያ። በዚ ቅዋማ ዘይትፀንዕ ግብፂ ፅባሕ ካልእ ቅዋም ሒዛ ቅልቅል ምባላ ኣይተርፍን።

እዚኦም ሃገራት ኣብዚ ኸዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይምርግጋዕ ንስውር ዕላማ መጥቀሚ ንምግባር ክሰርሑ ተስተውዒሉ እዩ። ሓድነት ኢትዮጵያውያን መግዛእቲ ተፀይፉ ሉኣላውነት ሃገር ብምሕላው ተምሳሌት ነፃነት ኣፍሪካ ከምዝኾነት ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ እውን ስለዝፈልጡ እዩ ዝነበረና ሓድነት ብምፍራስ ኣጋጣሚ ንምጥቃም ዘለዎም ሕቡእ ድልየት ንምስኻዕ ዝተጓየዩ።

ኣብዚ ኸዚ ኣብ ሃገርና ካብዚን ካብትን ዝፍጠሩ ጎንፅታትን መጥቃዕትን ክንርኢ ከለና እዚኦም ሓይልታት ወፃኢ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምፍርራስ ዝዓለመ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ፣ብሄር ምስ ብሄር ጎንፂ ብምፍጣር ዝፍጠሩ ዘለዉ ሕማቕ ተግባራት ሉኣላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ሓሲቦም እናሰርሑ እዮም። ኾይኑ ግና ዕላምኦም ዝኾነ ይኹን ድልየቶም ከምዘይሳኸዐሎም እንተፈለጡ’ውን ፣ዝሓለምዎ ክሳብ ዝሳኸዐሎም ዘይፍንቅልዎ እምኒ ከምዘይህሉ ብርግፅ ምዝራብ ይካኣል እዩ።

ሃገር ንምፍራስ ተሊሞም ተንኮል ክሓስቡ ካብ ዝነበሩ ውሽጣዊ ሓይሊ ብምሕባር ብብሄርን ሃይማኖትን ብምክፍፋል ሓድነትና ብምፍራስ ጠንካራ ኢዶም እናዕረፍና ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ። ዕላምኦም ዝጀመርዎ ጅማሮ እቲ ሓደ ተዘይሳኸዐሎም እንተቐረየ ኻሊእ ኣማራፂ እናተጠቐሙ ብኸንቱ እናደኸሙ እዮም። ሕድሕድ ጎንፂ ንምፍጣር ካብ ዝጥቀምሉ እቲ ሓደ ማሕበራዊ ሚድያ ፕሮፖጋንዳ እዩ። ብፍላይ ግብፂ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ኣብ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ቅዋም ‹‹ንዓይ ጥራሕ ››ዝብል ዓይነት እዩ ነይሩ። ግድብ ህዳሰ ጉዳይ እንትልዓል ስለዝጨንቃ በቢግዚኡ ኣብቲ ግድብ ዘነፃፅሩ ወፍሪ እናቐፀለት ትርከብ። ነዚ ተግባር ኢላ ዝመረፀቶም ብምውፋር ኣካላት ማሕበራዊ ሚድያ ወፍሪ እናካየደት ትርከብ።

ኣብ ቀረባ ኩባንያ ፌስቡክ መቕመጢኦም ኣብ ግብፂ ዝገበሩ ኣብ ግድብ ህዳሴ ዘነፃፅሩ መልእኽቲ እናሰራጨዉ ከምዝነበሩ ኣፍሊጦም እዮም። በዚ ዝተልዓለ እቲ ኩባንያ 17ኣካውንት ፌስቡክ ፣6 ገፃትን ፣3 ኢንስታግራም ኣካውንት ከምዝዓፀወ ዝዝከር እዩ። እዚኦም ኣካውንት ልዕሊ 300ሽሕ ተኸተልቲ ነይሮምዎ እዮም። ዝገርም ድማ እቲ መልእኽቲ ዝሰራጮ ዝነበረ ብቋንቋ ኣምሓርኛ እዩ። በዚ ኣካውንት ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝሰራጮ ዝነበረ መልእኽቲ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘነፃፀሩ ከምዝነበሩ ኹሉ ክፈልጦ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ግብፂ ተቖፀርቲ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብምጥቃም ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዝሰራጮ ሓቂ ዘይኾነ ሓበሬታ ንዓና መሲሎም ብምቕራብ ከከፋፍሉና ከምዝኽእሉ መርኣያ እዩ።‹‹ባዓል ገዝኡ ተዘይንዒቖም ሓፅሩ ኣይንቕንቑ››ማለት እዚ እዩ። ንዓና መሲሎም ንሃገርና ብርሃን ተስፋ ዝፈጠረ ሕድሕድ ዓሻራ ዝዓረፈሉ፣መሰረት ሓድነትና ዝኾነ ግድብና ዘነፃፀረ ወፍሪ እናገበረ ከምዝኾነ ምግንዛብ የድሊ እዩ።

ኣብቲ ግድብ ዝተኸፈተ ወፍሪ ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኾነን። ኣብ መንጎና ምቅሕሓር ፈጢሮም ከረሓሕቁና እንተደለዩ ፣ብሩባ ኣባይ ግና ሓደ ከምዝኾና ንምርኣይ ግዚኡ ኸዚ እዩ። ሎሚ’ውን ኣይረፈደናን፣እዋኑ ሕዚ እዩ። ኣብ ሓቂ ዝተመርኮዘ ንምሙጋት መንቅሒ ደወል እናተደወለ እዩ እሞ ንንቃሕ።ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ሚድያ ብእዋኑ እናወሰኸ እንተኸደ’ውን ምስ ካልኦት ሃገራት ክነፃፀር ከሎ ድሑር ከምዝኾነ ይዝረብ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኣጠቓቕማና ብዙሕ ፀገማት ከምዘለዉ ይዝረብ እዩ።

ንሰናይ ስራሕ ዝጥቀምሉ ከምዘለዉ ኾይኖም ብኣንፃሩ ድማ ንፅልኢ ፣ሕድሕድ ጎንፂ ዝፈጥሩን ሓቃዊ ዘይኾነ ሓበሬታ ንምስርጫው ዝጥቀምሉ ኣካላት ከምዘለዉ ክፍለጥ ኣለዎ። ንሰናይ ተግባር ዝተጠቕምሉ ዝተፀገሙ ወገናትና እናረድኡ ፅቡቕ ስራሕ ዘርእይሉ እዩ። ንሃገር ብምሕሳብ ዘሎ ወድዓዊ ኹነታት ንዓለም ማሕበረሰብ ንክፍለጥ ብምግባር ቀትርን ለይትን ደኺምና ሰልችይና እንተይበሉ ዝሰርሑ ከምዘለዉ ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ።

ኾይኑ ግና ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ኣካላት ጉዕዞ ለውጢ ክዕንቅፉ እናፃዓሩ እዮም። ደስ ክብሎም ህንፀት ግድብ ህዳሴ ፣ ወይ ከዓ ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ብዝምልከት ምኽንያት እናደርደሩ ፅዕንቶ ንምፍጣር ፃዕሪ ይገብሩ እዮም። ኣብዚ ሰሙን ድማ ኣሜሪካን ኣውሮፓውያንን ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ጉዳይ ኢዶም ንምእታው ዝገብርዎ ፅዕንቶ ምርኣይ ይካኣል እዩ። እዚ ክንምክት ኣለና። እዚ ጉዳይ መንግስቲ ተዘይኮነስ ጉዳይ ሃገር እዩ። ሃገር ፈተውቲ ኢትዮጵያውያን ኣብ ግድብ ህዳሴ ዙርያ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ዓለም ንክግንዘብ ንምግባር ትፅቢት ኹሉ ክስራሕ ኣለዎ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You