ባዓላት ኣደባባይ መግለፂ ሓድነት ብሄረሰባት

ኢትዮጵያ ብብዙሕ ማንነት፣ባህልን እሴትን ዝደመቐት፤ብህብረ ብሄራውነት ዝተኣሳሰረት ሕውነት ኣጠንኪራ ዘፅነዐት ሃገር ‘ያ። ኣብ እዋን ክረምቲ ተረሓሒቁ ዘይተራኸበ ዝፀንሐ ኣዝማድ ኣብ እዋን መስከረም መራኸቢኡ እዋን ‘ዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ዝኽበሩ ባዓላት ኣደባባይ ኣለዉ። ወርሒ መስከረም ዘድምቑ በዓል መስቀልን ኢሬቻን። እዚኦም በዓላት ካብ ውሽጢ ሃገራትን ካብ ውፃእን ኣጋይሽ ኣብ ዝተዓደምሉ ብድምቐት ተኸቢሮም ሓሊፎም ‘ዮም።

ክሳብ ኸዚ እናተኸበሩ ዝመፁ በዓላት ኣደባባይ ኣብ ክልላት ሃገርና ዝርከቡ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዓርሶም ዝኽኣሉ መስሕብ ቱሪስት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ንምርግጋፅ ዝኣክል ኹሎም ነናይ ባዕሎም ሕብርታትን ስራሕቲ ውፅኢት ኢደ ጥበብን ዘለዎም ‘ዮም። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣልባሳትን መጋየፅታትን እቲ ሓደ ካብቲ ኻሊእ ንምፍላይን፤ ኣዝዮም ሰሓብቲ ዝኾኑ ናይ ገዛ ናውቲ መመገብን ዝኣመሰሉን ብናይ ባዕሎም ፈጠራ ዝሰርሑ ‘ዮም ።

ብብርኪ ሃገር ዝኽበር በዓላት ኣደባባይ እንትሕሰብ ድማ እዞም ውፅኢት ዝተፈላለዩ ኢደ ጥበባት ናብ ሓበራዊ ረብሓ ዝልወጥሉን እቶም ብሄረሰባት ድማ ነንርእሶም ንኽፋለጡን ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሰላም ትኹረት ገይሮም በቲ ዘለዎም ባህላዊ እሴትን ወግዕን ተጠቒሞም ሃገር ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንክሰጋግሩ መንግስቲ ዓብዪ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ይግባእ። ኣከባብራ በዓላት ኣደባባይ ካብ መጀመርያ ምኽባር እንትጅመር፤ ብዙሕነት መልክዕ ከምዝኾነ፣ ሓድነት ህዝብታት ኣብ ብዙሕነት ዝተሞርኮዘ ‘ዩ።

በዓላት ኣደባባይ ስርዓቱ ሓሊፉ ሓድነት ኣብ መንጎ ህዝቢታት ምትእስሳር ዘጠናኽርን ዘከባብርን በዓል ‘ዩ። ኣብቲ በዓል ብዙሓት ባህላዊ ክብሪታት ዝንፀባረቑሉ ስለዝኾነ ንሓድነት ህዝቢ ዝጠቕሙን ክብርታትን እሴታትን ዝረኣይሉ ባዓል ስለዝኾነ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ነዚ ባዓል ንምዕዳም ብዙሓት ኣጋይሽ ድማ ዝመፅሉ ‘ዩ። ነዚ ባዓል ካብ ዝተፈላላየ ዓለማት መፂኦም ዘኽብርዎ ዉሑዳት ኣይኾኑን። በዚ ምኽንያት ድማ ዘርክቦ ኣታዊ ቱሪዝም ቀሊል ኣይኾነን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተኸበሩ ባዓላት ኣደባባይ መስቀልን ኢሬቻን ባህልን ሃይማኖታውን ሃገርና ኣንፀባሪቖም ሓሊፎም ‘ዮም። ኣብቶም ባዓላት ዝተፈላለዩ ካብ ሃገር ውሽጥን ወፃእን ዕዱማት ኣጋይሽ ዝተረኸቡ እንትኾን ህዝቢ ንህዝቢ ‘ውን ዝጠናኽሩ ኾይኖም ተረኺቦም ‘ዮም። ኣብ ሃገርና ካብ ዝኽበሩ ናይ ኣደባባይ ባዓላት ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምኽባር ዝተጀመረ ባዓል ኢሬቻ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ብዙሓት ቀልቢ እናሰሓበ ይርከብ። በዓል ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ንፈጣሪ ምስጋና ዘቕርብሉ በዓል ‘ዩ።

ካብ እዋን ክረምቲ ፀልማት ናብ ብርሃን ስለዘሰጋገሮምን ንመፃኢ ዓመት ድማ ሰናይ ትምኒት ዝገላለፅሉ በዓል ‘ዩ። ኣብ ባዓል ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ንመላእ ወዲ ሰብ ሰላምን ድሕንነትን ንፈጣሪ ይልምንን የመስግንን። እዚ ብዓል ንምኽባር ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገርና ናብ ኣዲስ ኣበባን ቢሾፍቱን ብርክት ዝበለ ዕዱም ዝርከበሉ በዓል ‘ዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን እቲ ባዓል ኣከባብራ ጎኒ ንጎኒ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ኽዳውንትን ባህላዊ ደርፍታትን ደሚቖም ተራዮም ‘ዮም።

ካብ ኦሮሞ ባህላዊ ኣከዳድናን ደርፍን ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝመፁ ዕዱማት ናይ ባዕሎም ኣከዳድናን ደርፍን ብምጥቃም ባህሎም እንተናፀባርቑ ተራዮም ‘ዮም። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ምክብባርን እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ባህሊ ምንነት ምኽባር መግለፂ ኢትዮጵያውነት ከምዝኾነ ዘርኣየ ባዓል ‘ዩ። እዞም በዓላት እዚኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ብዙሓት ብሄር ብሄረሰባት ባህሊ ኣብ ምፅብራቕ ዓብይ ግደ ኣለዎም። ብዙሕ ግዜ ብዘመናዊነት፣ ብኣነባብራ ለውጢ ተበሪዞም ባህላውነቶም ከይዛባዕ ጥንቃቐ የድሊ ‘ዩ።

ካብ ኣሰራርሓ ፀጉሪ ጀሚሩ ካብ ዝኽደን ኽዳን ናይቲ ኸባቢ ምንነት ዝገልፅ ኢደ ጥበብ ውፅኢት ስለዝኾነ ባህሊ ሃገር ኣብ ምንፅብራቕ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ምኽንያቱ እቶም በዓላት ኣደባባይ ትኽክለኛ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ክረአ ካብ ዝግበሩን ናትና እንብሎ ንኻልኦት ዝገልፁ ባህላዊ ባዓላት ስለዝኾኑ። ባህሊ ሓደ ማሕበረሰብ ዝግለፅ ብዝተፈላለየ መንገዲ ‘ዩ። ኣብዞም ባዓላት እዋን ድማ ዘቕርብሉ መገዲ ዝተፈላለየ ክዋነታት እናተዓጀበ ስለዝቐርብ ሳሓቢነቱ ልዕሉ ‘ዩ። በዓላት ኣደባባይ ዝባሃሉ ከም እኒ መስቀልን ኢሬቻን ዝኣመሰሉ በዓላት ንቱሪዝም ዓብይ መስሕብ ዘለዎ ባዓል ‘ዩ፤ ወፃእቲ ዓዲ መፂኦም ዑደት ንክገብሩ ዕድል ዝህብን ምችው ዝባሃል ኣጋጣምን ‘ዩ።

ምስ እዚ ተደሓሒዙ ሆቴላት፣ ባህላዊ መጋየፅታት፣ ባህላዊ ኣልባሳት ሃገር ቦቀል ዝኾኑ ናውቲ ዝፍልጠሉን ዝሽየጠሉን ነቲ ኣምራትን ግልጋሎት ወሃቢን ድማ ዓብይ ኣታዊ ዝረኽበሉ ስለዝኾነ ዓብይ ትኹረት ተዋሂብዎም ንዓለም ዝፍለጥሉ ተፈሊጦም ድማ ናብ ረብሓ ዝቕየርሉ መገዲ ክስረሐሎም ይግባእ። ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፁ ዑደኛታት እቲ ምርኢት ምርኣይ ጥራሕ እንተይኾነስ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ዝምልከትሉ ዕደል ዘለዎ ‘ዩ።

ወፃእቲ ዓዲ እንትመፁ ካብ ዝምልከተዎምን ዝሰሓብሎምን እቲ ሓደ ባህላዊ ማለት ‘ውን ትኽክልኛ ኢደ ጥበብን ዩ። ብሓፈሻ ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ናይ ኩልና በዓላት ምዃኖም ተረዲእና፣ እዞም በዓላት እዚኦም ፍልፍል ቱሪዝም ኮይኖም ብምግልጋልን ካልኦትን ሃፍቲ ሃገር ስለ ዝኾኑ ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ኩልና ከንሕብሖም ይግበአና።

 እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You