ትኹረት ንዓንዲ ሑቀ ኢኮኖሚና!

ብብርኪ ሃገር ይኹን ብብርኪ ክልል ብዙሓት ፍልፍላት ኢኮኖሚ እንተሃለውና ‘ውን እቲ ዋና መሰረት ዓንዲ ሑቀ ኢኮነሚና ግና ሐዚ ‘ውን ሕርሻ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን፡፡

ሕርሻ ዓንዲ ሑቀ ኢኮነሚና እንተኾነ ‘ውን ዘይማዕበለ ባህላዊ ሜላ ኣተሓራርሳ ዝኽተል፣ ልፍዓቱን ውፅኢቱ ዘይመጣጠንን እቲ ዝርከብ እቶት ‘ውን ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዘይሓልፍ ‘ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ንሱ ‘ውን እንተኾነ ብሰንኪ ምቅይያር ፀባይ ኣየር ዝኽሰት ድርቕን ካብ ዝተፈላለዩ ባልዓትን ፅልዋ ዘይወፅአን ብመንፅር ዓለምና ሎሚ በፂሕዎ ዘሎ ቴክኖሎጂ ሕርሻ እንትርአ ሐዚ ‘ውን እኹል ትኹረት ተዋሂብዎ ይስርሐሉ ኣሎ ኢልካ ንምውሳድ ዘኸብድ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ እነተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይከውንን፡፡

ኢትዮጵያ ብፍላይ ትግራይ ንምንባር ዝምቹ ፀባይ ኣየር ዘለዋን ብዙሕ መዓድን፣ እኹል ናይ ከርሰ ምድርን ወሓዝቲ ሩባታትን ማይ ዝወነነት ‘ያ እንተተብሃለት ‘ውን ክሳብ ሐዚ ተፀባዪ ዝኾነ ማሕበረሰብ ከምዘለና ዝክሓድ ኣይኮነን። ድሕሪ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ዝተፈጠረ ኲናት ዘኸተሎ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወታት ተደራሪቡ ሕርሻ ትግራይ ብኸቢድ ከምዝተሃሰየን “ኣብ ርእሲ ድኽነተን ምራኽ ሞተን” ከምዝብሃል ሃለዋት ሓረስታይ ክንድምንታይ ከቢድ ከምዝኾነ ምዝራብ ንቀባራይ ከም ምርዳእ ‘ዩ ዝኸውን፡፡

ስለዚ እቲ ዘሎ ብዙሕ ፀገም ንምቅላል በቲ ዝተለመደ ኣከይዳ ሜላ ስራሕቲ ሕርሻ እናኸድካ እዚ ዝብሃል ለውጢ ክመፅእ ‘ዩ ኢልካ ምፅባይ ከቢድ ስለዝኸውን ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ኣብዚ ዓወዲ ትኹረት ሂብካ ኣብ ምስራሕ ንፅባሕ ዘይበሃል ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሓደ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝልዎ፤ ኩሉ መዳይ ምንቅስቓሳትና ረብሓ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ክኸውን ይግባእ።

ህዝቢ ዘየገልግልን ረብሓ ህዝቢ ማእኸል ዘይገብር ፖለቲካ ትርጉም የብሉን፣ ብኲናት ዝተሃሰየ፣ ደቁ ዝስኣነ፣ ናውቲ ሕርሽኡ ዝተቓፀሎን ዝተሰረቖን ሓረስታይ ትግራይ ናብ ተመፅዋታይነትን ብርኪ ዝወደቐሉ ኩነታት ብምፍጣሩ ክሕገዝ ዝኽእለሉ ኩነታት ምምችቻው ግድን ‘ዩ። ስራሕቲ ሕርሻ ብምዝማንን ዓርሰ ምርኮሳ ቁጠባ ትግራይ ንምርግጋፅ ከም ኣመራርሓ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ኩሉ ኣብ ምውሓስ ረብሓ ህዝቡ ብዕቱብ ክሰርሕ ‘ውን ፀዊዖም ‘ዮም፡፡ እዚ ግና ኢሎም ንክብሃሉ ዘይኮነስ ኣብ መሬት ዝወርድ ከኸውን ኣለዎ።

ከም ሓበሬታ ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ንትልምታት ስራሕ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተውሃበ መግለፂ ‘ውን፤ ድኽነት ንምቕራፍ ዓቕሚ ምፍፃም ምዕባይን ካብቲ ዝተለመደ ኣካይዳ ውፅእ ኢልካ ምስራሕ ከምዝግባእ፣ ኣብቲ ክልል ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ፣ ዕዳጋ ተኮር ፍርያት ምፍራይን ዘላቒ ልምዓት ምርግጋፅን ጠመተ ዝተውሃቦም ጉዳያት ምዃኖምን ብፍላይ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ሃፍቲ እንሰሳት ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ሌማት ትሩፋት ንምስፍሕፋሕን በቢከባቢኡ ንህብን ደርሆን ምርባሕን ክላስተር (መንደር) ናይ ፀባ ኣላሕም ንምፍጣርን እናተሰርሐ ምዃኑ ተመልኪቱ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ዘመበነ ምህርቲ 2016/17 ኣብ ትግራይ ልዕሊ 700ሺ ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ተሸፊኑ ከምዘሎን እዚ ምህርቲ ብእዋኑ ምእካብን መስኖ ንምስፍሕፋሕን ከምኡ’ውን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ መፍረያይነትን ልምዓት ትሩፋት ብምትእትታው ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ስራሕቲ ይሰርሑ ኣለዉ እንተተብሃለን ሓረስታይ ትግራይ ንምዝማንን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ መፍረያይነት ንምርግጋፅን ግዜን ጉልበትን ዝቑጡብ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ግዚኦም፣ገንዘቦምን ጉልበቶምን ቆጢቦም ዝሓሸ ፍርያት ክረኽብሉ ዘኽእል ዕድል ምህላው ዝግለፅ ዘሎ ፅብቅ ኮይኑ እዚ ብጭቡጥ ብዝርኣይ ተግባር ክሳብ ዘይተረጋግፀ ከምቲ ዝተለመደ ብኣፍ ጨለ ብተግባር ዘየለ ከይከውን ብግቡእ ክስርሓሉ ኣለዎ፡፡

ብኻሊእ ወገን ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ከምዝበልዎ፤ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ግዚኡ ዘይሓለወ ዝናብ ክህሉ ብዝኽእል ዘስዕቦ ሓደጋ ከይህሉ ዝራእቲ ብእዋኑ ምእካብ የድሊ። ነዚ ድማ ኣብ እዋን ምእካብ ዝራእቲ ኩሎም ኣማራፅታት ምጥቃም ዘድሊ ምዃኑ ከምዝተሓበረ፣ ሓይሊ ሰብ ኣብ ዝርከቦም ብወፈራ ተዋዲድካ ክፍፀም ከምዝግበኦን ካብዚ ሓሊፉ ዋሕዲ ሓይሊ ሰብ ኣብ ዘጋጥመን ከባቢ ሜካናይዜሽን ንምጥቃም ምድላው ከምዝተገበረ ምግላፁ ፅቡቕ ‘ኮይኑ ኣብዚ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ብዘይ ዝኾነ ዕድመን ፆታን ኣፍላለይ ኣብዚ ከዓስል ክኽእል ኣለዎ ምኽንያቱ ካብዚ ዝዓቢ ውራይ ክህልወና ስለዘይኽእል፡፡

ከምኡ ‘ውን ከም ቢሮ ሕርሻ ዝተታሕዘ ኣንፈት፣ ሓረስታይ ኣብ ሓጋይ ክልተ ግዘ ኣብ ክረምቲ ድማ ሓደ ግዘ ከፍሪ ይስራሕ ከምዘሎ። ስለዚ ልምዓት መስኖ ጎና ጎድኒ ምእካብ ፍርያት ቀልጢፍካ ምጅማር የድሊ። ብመሰረት እዚ ኣብ 2017 ዓ.ም ልዕሊ 69 ሽሕ ሄክታር ብመስኖ ንምልማዕ ምድላዋት ከምዝተገብረ፤ ነዚ ንምዕዋት እኹል ቀረባት እታዎት ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር ውፅኢት ዝርከብ ዓቕምታት ብምእካብን መንግስቲ ንሕርሻ ጠመተ ሂቡ ብተወፋይነት እንትሰርሕን ብምዃኑ መሪሕነት ዝለዓለ ጠመተ ክህብ ከምዝግበኦ ምግላፁ ናብ ተግባር ክሽረፍ ዝግባእን ዝድገፍን ‘ዩ፡፡

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ሐዚ ‘ውን ካብ ዘረባ ዝሓለፈ ብተግባር ሮድማፕ ኣውፂእኻ ዘሎ ኢኮኖሚ ትግራይ ብሙሉኡ ናብ ሕርሻዊ ምድንፋዕ እቶት ብምምዳብ ኩሉ ሰብ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ክሳተፍ ብኣዋጅ ምምራሕ፣ሕድሕድ ሰብ ኣብ መረብኡ፣ ኣብ ዝባን ገዝኡ፣ ኣብ ድሕሪ ገዝኡ፣ ኣብ መስኖኡ ካብ ኣሕምልቲ ክሳብ ካልኦት ዝራኣቲ ከፍሪ ምግባር የድሊ፡፡

ብሓፍሻ ሐዚ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ኩነት ዘይምጥን እዛ እምባይ መን ይወርሳ ብዝብል ዘሎ ሕቱኽቱኽ ንጎኒ ኣፅኒሕና። መንግስቲ ይኹን ካሊእ ዝኾነ ይኹን እምነትን ፖለቲካ ዝኽተል ኣካል ኣብ ናይ ሓባር ጉዳይና ኣብ ዓንዲ ሑቀ ኢኮኖሚ ትግራይ ዝኾነ ሕርሻ ቀዳምነት ብምሃብ እነተነኣሰ ህዝብና ብጥሜት ከይሓምምን ከይሞትን ከምኡ ‘ውን ህዝብና ብዘላቕነት ንምድሓን ኣብ ባህልናን ልምድናን ከይተረፈ መሰረታዊ ለውጢ ንኽመፅእ ብሓባር ብምሰራሕ ሕውየት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ኩሉ ብዝኽእሎ ግድኡ ክፃወት ይግባእ፡፡

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 23 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You