ኣጣቓቕማ መኣድን ሃገርና ብፍላይ ክልልና እንታይ ይመስል?

መኣድናት ብተፈጥሮ ዝርከቡ ኮይኖም ብዙሓት ዓይነት ‘ዮም፤ ገሊኦም ኣዝዮም ክባራት እንትኾኑ ገሊኦም ግና ብቀሊሉ ስለ ዝርከቡ ብዙሕ ክባራት ኣይኮኑን:: መኣድናት ብትኽክል ኣብ ጥቕሚ እንተውዒሎም ኣብ ዕቤት ሃገር ዘለዎም ኣስተዋፀኦ ቐሊል ኣይኮነን::

ብፍላይ ብርክት ዝበሉ ክባራት መኣድናት ዘለወን ሃገራት ኢኮኖሚአን ክዓብያ ንርኢ ኢና:: ኮይኑ ግና መኣድናት ሃለቕቲ ስለዝኾኑ ብኣግባቡ ምጥቓም ወሳኒ ‘ዩ:: ናብ ሃገርና ብፍላይ ናብ ክልል ትግራይ ከንመፅእ እንተለና ዝተፈላላዩ መኣድናት ዘለዉ ኮይኖም ኮይኑ ግና ኣብ ኣጣቓቕማ ሰፊሕ ክፍተት ኣሎ::

መኣድናት ትግራይ ኣጣቓቕማ ስርዓትን ሕግን ወፂእዎ እንተተሰሪሑሉ ኣብ ምዕባይ ኢኮኖሚያዊ እቲ ክልል ኢሉ ‘ውን ኣብታ ሃገር ዘለዎ ግደ ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን:: ኣብ ኣጣቓቕማ መዓድን ዘሎ ክፍተት ትኹረት ተዋሂብዎ ክስራሕ ኩሉ ክረባረብ ኣለዎ:: ብፍላይ ብመንግስቲ ልዑል ትኹረት ክወሃቦ ኣለዎ:: እቶም ዘለዉ ክፍተታት ንምስትኽኻል ጠንካራ ሕግን ደንብን ብምውፃእ ክስረሐሉ ኣለዎ::

ኣብ ሃገርና ኢሉ ‘ውን ኣብ ትግራይ ንመጋየፂ፣ ኢንዱስትሪን ኮንስትራችሽንን ዝውዕሉ ብርክት ዝበሉ ሃፍቲ መዓድናት ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ዘመናዊ ዝኾነ ኣጠቓቕማ ስርዓት መኣድን ብዘይ ምዝርግሑ መኣድናት ካብ ሕጊ ወፃኢ እናተጎሓጉሑ ሽሻይ ውሱናት ኣካላት እናኾኑ ‘ዮም ዝርከቡ:: ብፍላይ ድማ ንኸባቢ ክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ኩናት ኣጋጢሙ ብምፅንሑ ብዙሓት ኣካላት ብኢሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምፍራይ መኣድን ተዋፊሮም ብምፅንሖም እታ ክልል ትኹን እታ ሃገር ካብቲ ዘፈር ከትረኽቦ ዝግበኣ እቶት ከይረኸበት ፀኒሓ ‘ያ::

ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ ኣብቲ ክልል ከም ወርቒ፣ ንእታዎታት ኢንዱስትሪን ኮንስትራክሽንን ዝውዕሉ ብበዝሒ ዋላ ይሃልዉ ፍትሓዊ ተጠቓምነት ብዘይ ምህላዉ ብዙሕ መንእሰይ ስራሕ ብምስኣት ናብ ስደት እናምረሐ ይርከብ:: ኣብቲ ክልል ካብቶም ክባራት ዝኾኑ መዓድናት ብቐንዱ ዝጥቐስ ወርቒ ኮይኑ ካብኡ ብምቕፃል ድማ ሳፋየር ‘ዩ::

ብኻሊእ ወገን እቶም ብስፍሓት ንእታዎታት ኮንስትራክሽን ዝውዕሉ መዓድናት ከም ፀፀር፣ ሓሸዋን ኣእማንን ዝመሳሰሉ ኮይኖም እዚኦም ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ብስፍሓት ዝርከቡ ‘ዮም:: ብምዃኑ እዞም መዓድናት እዚኦም ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ዘለዎም ዓቕሚ ልዑል ዋላ እኳ እንተኾነ ኮይኑ ግና ናይ ኣጣቓቕማ ክፍተት ብምህላዉ ብዝግባእ ናብ ጥቕሚ ኣይወዓሉን ምባል ይከኣል ‘ዩ::

ብፍላይ እቲ ክልል ኣብ ኩናት ምስ ምንባሩ ተተሓሒዙ ኣብ መዓድን ስርዓት ዘለዎ ኣጣቓቕማ ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል ‘ዩ:: እዚ ክልል ኣብ ኩናት ከም ምፅንሑ መጠን ሰፊሕ ዝኾ ናይ ስራሕ ሕፅረት ኣሎ:: እዚ ብትኽክል ተተሰሪሕዎ ግና ብዙሕ ናይ ስራሕ ስእነት ንምቕላል ዝህልዎ ግደ ቀሊል ኣይኮነን:: ኮይኑ ግና ብዘይ ሕጋዊ እናተዘረፈ ይርከብ:: ቑፅፅር መንግስቲ ኣዝዩ ልሑሉሕ ‘ዩ ዘሎ:: ጠንካራ ምሕደራ ብዘይ ምህላዉ ስርዓት ዝጎደሎ ኣጣቓቕማ ተስፋሕፊሑ ‘ዩ::

መኣድን ንኢኮኖሚያዊ ዕቤት ሃገር ብዘለዎ ኣስተዋፀኦ ስፍሕ ዝበለ ናይ ኣጣቓቕማ ስትራክቸር ክህልዎ እናተገበኦ ከምዚ ኣይተገበረን:: ዋላ ካብ ላዕሊ ጥንክር ዝበለ ስርዓት ኣይዘርጋሕ እቲ ናይ ክልልን ወረዳን ኢሉ ‘ውን ኣብ ጣብያ ዘሎ ምምሕዳር ናይ ከባቢኡ ሃፍቲ ስለዝኾነ ብቅርበት ክቖፃፀሮን ከማሕድሮን ግን ኣለዎ:: ምስ ክልል ምትእስሳር ብምፍጣር ጥንክር ዝበለ ምቑፅፃር ክገብር ኣለዎ:: ምኽንያቱ ናይ ከባቢኡ ሃፍቲ ‘ዩ::

ብኸምዚ እንተኸይድና ዘይሕጋውያን መፍረይቲ መዓድናት ክባራኸቱ ኣይኽእሉን ‘ዮም፤ ስለዚ ብርክት ዝበለ ዝፈረየ ሃፍቲ መዓድን ድማ ብዘይ ኣገባብ ክዛዋወር ኣይኽእልን ‘ዩ:: ሕጋውያን ዘይሕጋውያን ፈሊኻ ብምፅናዕ እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ናብ ሕጋዊ መስመር ክኣትዉ ክግበር ኣለዎ:: በርግፅ ብፍላይ እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ዝፈጠሮ ዓብዪ ክፍተት ኣሎ:: ኮይኑ ግና እዚ ሕዚ ሰላም ስለዝኾነ ነዚ ንምስትኽኻል ኩሉ ክረባረብ ኣለዎ:: ምኽንያቱ እዚ ሃፍቲ ሃገር ስለዝኾነ ንኹሉ ዝምልከቶ ጉዳይ ‘ዩ::

ብፍላይ ኣብዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ከም መዓድን ወርቒ ብርክት ዝበለ ኢሕጋዊ ስራሕ ተስፋሕፊሑ ‘ዩ፤ ሕዚ ‘ውን ተወሰነ ቐኒሱ ክኸውን ይኽእል እምበር እናቐፀለ ‘ዩ ዝርከብ:: ብፍላይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ወርቂ ዝስርሑ ስራሕቲ ብዝሕ ዝበሉ ‘ዮም ነይሮም:: ስለዚ እቶም ዘይጋውያን ሕጊ ክሕዙ ክግበር ኣለዎ፤ ጠንካራ መምርሒን ቑፅፅርን ክህሉ ኣለዎ:: ብፍላይ ስራሕ ንዝሰኣኑ መናእሰይ ብትኽክል ኣብኡ ኣትዮም ዝርብሕሉ ወይ ዝሰርሕሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ:: ዝወፅእ መምርሕን ደንብን ነዚ ዘማእኸለ ክኸውን ኣለዎ::

ኣብ መዓድን ‘ውን እተን ዘለዋ ፖተንሻል ኣፅኒዕኻ ካልኦት ናይ መዓድን ቦታታት ኣፅኒዕኻ ኩሉ ብሕጊ መሰረት ካፍቶም ዘይሕጋዊን ‘ውን ሕጋዊ ዝኾነሉ ኩነታት ብምፍጣር፣ ብኣንፃሩ ድማ ነቲ መምርሕን ደንብን መሰረት ገይርካ እቲ መንእሰይ ተጠቓሚ ዝኾነሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ:: ከምዚ እንተኾይኑ ኣብ ናይ ዕቤት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ኩነታት ክልልና ዓብዪ ለውጢ ክመፅእ ይኽእ ‘ዩ::

ብሓፈሻ ኣብ ዘፈር መኣድን ብኣግባቡ እንተተሰሪሕሉ ሰፊሕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ዓብዪ ግደ ኣለዎ፤ ከምኡ ‘ውን ብዝግባእ እንተተሰሪሕሉ ናብ ክልል ይኹን ናብ ፌዴራል ክኣቱ ዝግበኦ እቶት ከርክብ ዘኽእል ‘ዩ::

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You