ረብሓ ሃይማኖታውን ባህላውን ህዝባዊ በዓላት

ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታውን ባህላውን ህዝባዊ በዓላት ኣለውዋ። ብፍላይ ኣብ ወርሒ መስከረም ብዙሓት ህዝባዊ በዓላት ኣለዉ። መስከረም መለወጢት ሓዱሽ ዓመት ጥራሕ እንተይኮነትስ ከም መስቀል፣ ኢሬቻን ዝበሉ ዓበይቲ ህዝባዊ በዓላት ‘ውን ዘሓዘት ወርሒ ‘ያ። ከምዚኦም ዝበሉ ህዝባዊ በዓላት ቱሪዝም ንምምዕባል ዓብዪ እጃም ኣለዎም።

ነዞም በዓላት እዚኦም ንምዕዛብ ብርክት ዝበሉ ቱሪስትታት ይመፁ። እዞም ሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታትት ኣጣሚሮም ዝሓዙ ህዝባዊ በዓላት እንትኽበሩ ካብ ምዕባይ ቱሪዝም ሓሊፉ ካልኦት ብዙሓት ረብሓታት ‘ውን ኣለዎም። ከም መስቀልን ኢሬቻን ዝበሉ በዓላት እንተርኢና መስሕብ ቱሪዝም ካብ ምዃን ሓሊፎም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክብ ክጥንክር ኣብ ምግባር ዘለዎም ረብሓ ብቀሊሉ ዝረአ ኣይኮነን።

በዓል ኢሬቻ ከንርኢ እንተለና እዚ በዓል እዚ ብብሄር ኦሮሞ ብድምቀት ስነ-ስርዓት ዝኽበር በዓል ኮይኑ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ካብ መላእ እቲ ክልል ሓሊፉ ኣብ ከም ክልልት ቤንሻንጉልን ጋምቤላን ‘ውን ብድምቀት ዝኽበር ‘ዩ። እዚ በዓል እዚ ንፈጣሪ ናይ ምስጋና በዓል ኮይኑ ነቲ በዓል ንምዕዛብ ካብ ውሽጥን ገደን ብዙሓት ቱሪስታት ዝመፅሉ ዓብዪ በዓል ‘ውን ‘ዩ።

ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ንናይ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ካብ ምጥንኻር ሓሊፎም ካብ ውሽጢ ሃገር ይኹኑ ካብ ደገ ንዝመፁ ቱሪስትታት ፍሉይ ትዝታ ዝፈጥር ጥበባዊ እሴት ዝሓዘ ‘ውን ‘ዩ። እዞም በዓላት ኣብ ዘይድህሰስ ቅርሲ ዝምደቡ ኮይኖም ካብ ውሽጢ ሃገርን ደገን ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ዘይኢትዮጵያውያን መፂኦም ዝዕዘብዎም ዓበይቲ በዓላት ‘ዮም። ወርሒ መስከረም ቕነ ቱሪዝም ‘ውን ብምዃና ኣብዛ ወርሒ እዚኣ መዓልቲ ቱሪዝም ‘ውን ዝኽበረላ ወርሒ ‘ያ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተፈጥሯዊ፣ ባህላዊን ታሪካዊን መባፅሕቲ ቱሪስታት ካብ ምፍላጥ ጀሚራ ክጉብንዩ ዝመፁ በፃሕቲ ዓዲ ፃኒሕቶም ዝተናውሐ ክኸውን ምእንቲ ብኡ መሰረት ድማ ብዙሕ ገንዘብ ፈሰስ ክገብሩ፣ በዚ ድማ እታ ሃገር ብኢኮኖሚ ተጠቃሚት ከትኸውን ሓደሽቲ መባፅሕቲ ዓዲ እናልመዐት ትርከብ።

ቱሪዝም እንትዓቢ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ሃገር ንምዕባይ ዘይነዓቕ ግደ ኣለዎ። ስራሕ ስእነት የቓልል፣ ሰብ መኪና፣ ሆቴልን ካልኦት ብዙሓት ኣካላትን ተጠቀምቲ ይግብር፤ ነዚኦም ብኣግባቡ ብምምሕዳርን ብምጥቓምን ሓደ ዓብዪ ናይ ኢኮኖሚ እቶት ኮይኖም ከግልግሉ ይኽእሉ ‘ዮም።

እዚኦም ብኣግባቡ ምስ እንጥቐመሎም ‘ዩ ካብ ደገን ውሽጥን ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ (ቱሪስታት) ክውሕዙ ይኽእሉ። ብዙሓት ቱሪስትታ እንትመፁ ድማ ልዑል ናይ ኢኮኖሚ ምንቕስቓስ ይህልው፤ ልዑል ናይ ስራሕ ምንቕስቓስ እንትህሉ ድማ ብዙሕ ስራሕ ይፍጠር፤ ኢኮኖሚ ናይታ ዓዲ እናተማሕየሸ ይኸይድ። ስለዚ ቱሪዝም ሃገርና ብዝግባእ እንተተሰሪሕሉ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ዝዓዘዘ ስለዝኾነ ዜጋታት ኢኮኖሚያዊ ተጠቐምቲ ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም።

በዓላት ብትኽክል እንተተጠቒምናሎም ፍሰት ቱሪስት ክውስኽ ስለ ዝኽእል ብርክት ዝበለ ሸርፊ ወፃኢ ክርከብ ይኽእል ‘ዩ። ብፍላይ ሎሚ ዘበን መንግስቲ ቴክኖሎጂ ብምጥቓም ነቲ ዘፈር ዘዐቢ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ ምስራሕ ጀሚሩ ኣሎ፤ ሓበሬታ ዝህብ ቴክኖሎጂ ንቱሪስት ዝጠቕሙ ነገራት ተዘርጊሖም ‘ዮም። እዚኦም ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ። ናይ ውልቒ ወሃብቲ ግልጋሎት ትካላት ‘ውን ብዝግባእ ግልጋሎት ንምሃብ ድልዋት ክኾኑ ይግባእ።

ከምዚኦም ዝበሉ ንሃገር ዓብዪ ትርጉም ዘለዎም ዓበይቲ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት እንትነኽብር ነቶም በዓላት ብትኽክል ብዝገልፁ ኩነታት ክኸውን ይግባእ፤ ብፍላይ ሓድነት ህዝቢታት ብዘጣናኽርን ንቱሪዝም ብዘዐብን መልክዑ ክኸውን ኣለዎ። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ብኣንፃር ዕቤት ቱሪዝም ዓብዪ ረብሓን ትርጉምን ዘለዎም በዓላት ‘ዮም።

እዞም በዓላት እዚኦም ፍልፍል ቱሪዝም ሃገርና ከም ምዃኖም መጠን እዞም ፀጋታት ቱሪዝም መጀመርታ ባሕላዊን ሃይማኖታውን ትሕዝቶኦም ከይተበረዙ ክኽበሩ ኣለዎም። ንማሕበረሰብ ዓለም ብዝግባእ ኣብ ምፍላጥ ቖላሕታ ሂብካ ክስረሐሉ ‘ውን ኣለዎ።

ብሓፈሻ ረብሓ ህዝባዊ በዓላት ብትኽክል ተረዲእና ፍልፍል እቶት ንምግባር ኩልና እጃምና ክንዋፃእ ኣለና። እዞም ከም መስቀል፣ ኢሬቻ፣ ጥምቐትን ካልኦትን ኣብ ኣዳባባይ ዝበዓሉ ህዝባዊ በዓላትን ካልኦት ታሪኻዊ ቦታታት ብኣግባቡ ንዓለም ማሕበረሰብ ምልላይ፣ መዘናግዒ ቦታታት ምስፍሕፋሕ፣ ንበፃሕቲ ዓዲ ምችው ኩነታት ብምፍጣር እንተተሰሪሑ ዓውዲ ቱሪዝም ዝያዳ ክዓቢ ይኽእል ‘ዩ።

ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምቕላልን ቑፅሪ ስራሕ ስእነት ኣብ ምቕናስን ብሓፈሻ ኢኮኖሚ ሃገር ኣብ ምድንፋዕ ርኡይ ተራ ክፃወቱ ም ግባር የድሊ። ባህላውን ሃይማኖታውን ህዝባዊ በዓላት ቱሪዝም ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ሓድነት ህዝቢታት ኣብ ምጥንኻር ዘለዎም እጃም ልዑል ‘ዩ። እዞም በዓላት እዚኦም ዓውደ ቱሪዝም ንምዕባይ ዘለዎም ግደ ብትኹረት እንተተሰሪሕሉ ብዙሕ ረብሓ ከምፅኡ ከምዝኽእሉ እሙን ‘ዩ።

ስለዚ ክልል ትግራይ ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ብዕቱብ ብምስራሕ ናብ ኢኮኖሚያዊ ርብሓ ምቕያር ይከኣል ‘ዩ። ሃፍቲ ቱሪዝም ብዝግባእ ምጥቓም እንተተኻኢሉ ናይ ሓንቲ ሃገር ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘለዎም ርክብ ብምጥንኻር ሓድነት እቶም ህዝቢታት ዘማዕብል ‘ውን ‘ዩ። ባህላውን ሃይማኖታውን ህዝባዊ በዓላት ቱሪዝም ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ሓድነት ህዝቢታት ኣብ ምጥንኻር ዘለዎም እጃም ልዑል ‘ዩ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You