ውሳነ ኣሜሪካ ምሕዝነትን ርክብ ኢትዮ-ኣሜሪካ ዝጎድእ እዩ

ኣብ ሕውነት፣ ምክብባርን ምትሕብባርን ዝተመስረተ ምሕዝነትን ርክብ ኢትዮ-ኣሜሪካ ነዊሕ ዘመናት ዘቑፀረን ታሪኻዊን እዩ። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልምዓት፣ኣብ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ራዕዳውነት ኣብ ምውጋእን ዘለዎን ርክብ ስጋብ ሐዚ ንብዙሓት ኣብነት ዝኾነ እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ግና ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ቪዛ እገዳን ካልኦትን እንትርአ ምሕዝነት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ግምት ዘየእተወ፣ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ ዘይተመስረተ፣እዋናዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ዘየገናዘበ፣ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገርና ኢድ ናይ ምእታው ዝንባለ ዝተረአየሉን ብሓፈሻ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ሰናይ ምሕዝነትን ርክብን ዝጎድእ እዩ።

እቲ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ናይ ሓባር ጉዳያት ዘለዎ ርክብ ኣወንታዊን ሃናፂን ብዝኾነ መልክዑ እናኻየደ ኣብዘለዎ እዋን ፣ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ተቐቢላ ቐዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ምስ ካልኦት ኣካላት ሓለፍቲ መንግስቲ ብዕምቖት ምኽክር ምስገበሩ ዝተማሓላለፈ ምዃኑ እቲ ውሳነ ግቡእነት ዝጎደሎ ከምዝኾነ መረጋገፂ እዩ። እቲ ዘሕዝን ክፋል እቲ ውሳነ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ማዕረ ንምርኣይ ዘርአዮ ዝንባለ እዩ ። እዚ ጉጅለ እዚ ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ራዕዳዊ ውድብ ተባሂሉ ዝተሰየመ ምዃኑ እዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ብዝተጋገየ ሓበሬታ ተመርኵሱ ውሳ ነ ምሕላፉ ካብዚ ዝሓሸ መረዳእታ ክቐርብ ኣይኽእልን ።

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተኸተሎ ናይ ኣመራርሓ ቅዲ ሃገርን ህዝብን ዝለዓለ ዋጋ ዘኽፈለ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዝወሰዶ ስጉምቲ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ንምእታው ዝዓለመ ምንባሩ ኩሉ ዝፈልጦ እዪ። እዚ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን ዝተኸወለ ኣይኮነን። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምእታው ዝገብሮ ፈተነ ግቡእነት ዝጎደሎ ጥራሕ እንተይኮነስ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ፣መንግስቲ ብሄራዊ ምይይጥ እናበረታተዐን እናገበረን ከምዘሎን ኮይኑ ግና ምስ ራዕዳዊ ተባሂሉ ምስተሰየመ ህወሓት ከፍ ኢሉ ክመያየጥ ኣይኽእልን። ስለዚ ነዚ ጉጅለ ንምምላስ ዝግበር ፃዕሪ ኣግባብነት የብሉን።

ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ጉዳያ ከመይ ክተካይድ ከምዘለዋ ከመይ ክተመሓድር ከምዝግባኣ ክንገራ ኣይግበኣን ። ኣብ ክልል ትግራይ ተፈፂሙ ዝተባህለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል መንግስቲ’ውን ነቲ ጉዳይ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ኮይኑ ብዘይሻራዊ ንምፅራይ፣ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዘለዎ ፅኑዕ ቕዋም ብምግላፅ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ላዕለዋይ ዓቓቢ ሕጊ ዝበፅሖ ሓበሬታ ዕላዊ ገይሩ እዩ። ብገንዘብ ዝተገዝኡ መራኸቢ ሓፋሻት ብዝፍነዎ ዝተዛብዑ ሓበሬታታት፣ሓበሬታታት እናጣመሙ ብዝፍንው ሎቢስትን ቅድም ክብል ምስቲ ጉጅለ ዘይመትከላዊ ርክብ ዝነበሮም ውልቀሰባት ብዝፈጥርዎ ፅዕንቶ መሰረት ገይሩ መንግስቲ ኣሜሪካ ንዚ ቅዋም ክወሰድ ግቡእ ኣይኮነን።

ጉዳይ ሃገርና ካብ ህዝብና ንላዕሊ ዝሓስብ የለን። ብሕጊ ኮነ ሞራል ዘኽይድ ኣይኮነን። እዚ ግጉይ ኣካይዳ እዚ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣተሓሳስባ እዩ። ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣውሮፓ ንኣፍሪካ ተማቒሎም ህዝባ ንባርነት ሃፍታ ንምዝመዛ ዝዳረግሉ ዘመን ዘዘኻኽር እዩ። እዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘይዋፅእን ኪራሳ ዘኸትልን ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ በዚ ግቡእ ዘይኮነ ውሳነ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣይዕንቐፍን ። ኢትዮጵያ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ዝጀመረቶ ፃዕሪ ኣጣናኺራ ከምትቕፅል እያ። እቲ ፈተና ከቢድ ዋላ ይኹን ናብ ዘላቒ ሰላምን ብልፅግናን እትገብሮ ጉዕዞ ኣጣናኺራ ትቕፅል እያ።

መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ክድግፍ ይግባእ። ናይ ዴሞክራሲ መርኣያ እያ ትብል ሃገርን መንግስትን ንዚ ናይ ምድጋፍ ሞራል ግቡእ ኣለዎም። ካብዚ ወፃኢ ግና ብዝተጋገየ መረዳእታ ኣብ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው ምሕዝነትን ርክብን ኢትዮ-ኣሜሪካ ካብ ምጉዳእ ወፃኢ ረባሓ የብሉን። ስለዚ እቲ ውሳነ ተቐባልነት የብሉን።

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You