‹‹ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክረክብ ዝኽእል ካብ መግዛእቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናፃ ክኸውን እንተሎ ‘ዩ››

ኣይተ ኣሰፋ ተካ ነርአ ይበሃሉ፤ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝተወለዱ ኮይኖም ካብ ሻምናይ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ (መሰናድኦ) ኣብ ከተማ ውቕሮ ተማሂሮም። ቐዳማይ ዲግሪ ብሜካኒካል ኢንጅነሪንግ ኣብ ኣክሱም ዩኒቨርስቲ ተመሪቖም። ፓርቲ ዓረና ኣብ 2000 ዓ/ም ምስ ተመስረተ ድሕሪ ሓደ ዓመት ማለት 2001 ዓ.ም ናብቲ ፓርቲ ብምፅማር ማእኻላይ ኮሚቴ ብምዃን ሰሪሖም ‘ዮም። ኣንፃር ስርዓት ጉጅለ ህወሓት ብምቕላስ እጃሞም እናተፃወቱ ይርከቡ። ኣይተ ኣሰፋ ናብ ፓርቲ ዓረና ክኣትዉ ዝገበሮም ቀንዲ ምኽንያት ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይ ዝነበረ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ክስተኻኸል ኣለዎ ኢሎም ብምእማን ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክልሉ ከም ካልኣይ ዜጋ እናተረኣየ ብውሑዳት ካድሬታት ህወሓት ግፍዒ ይበፅሖ ብምንባሩ ‘ዩ። እምበኣርከስ ክቡራት ተኸታተልቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ሃገርናን ኣድሂብና ምስ ኣይተ ኣሰፋ ኣብ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ኣሳናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ዘጋጠመ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ እናፈተነ ኣብ ዘለወሉ እዋን ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ግና ብሓይሊ ከፈትሖ ‘የ ብዝብል ሳልሳይ ኩናት ብምኽፋት ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዙሓት ፀገማት እናስዐበ ‘ዩ ዝርከብ። ብሓይሊ ዝፍታሕ ፀገም ኣሎ ኢልካ ዶ ተኣምን? ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለካ? ኣይተ ኣሰፋ፡- በርግፅ ብመራኸብቲ ሓፋሻት ከምንሰምዖ ዘለና መንግስቲ ንሰላም ቅሩብ ኮይኑ እናሃለወ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ግና ብሓይሊ ንምፍታሕ ሳልሳይ ኩናት ከምዝጀመረ ‘ዩ ብሰፊሑ ዝዝረብ ዘሎ። ፖለቲካዊ ፀገም ብልዝብ ‘ምበር ብኩናት ክፍታሕ ኣይኽእልን። ኩናት ኣሸንፍ ኣይተሸንፍ ውፅኢቱ ክሳራ ‘ዩ። ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት እንኳን ከሸንፍ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ኮይኑ እንተዘሸንፍ ‘ውን ከቢድ ዋጋ ካብ ምኽፋል ሓሊፉ ትርፊ የብሉን።

ብኹናት ዝፍታሕ ፀገም የለን። ኩናት ብዙሕ ሂወት ሰብን ሃፍቲ ሃገርን ዝበልዕ ‘ዩ። ካብ ኩናት ጉድኣት ‘ምበር ረብሓ ስለ ዘየለ ብዝርርብ ‘ዩ ክፍታሕ ዘለዎ። ኩናት ፈፂሙ ኣማራፂ ክኸውን የብሉን። እቲ ፀገም ብሰላም ንኽፍታሕ ኩሉ ተስፋ ገይሩ ነይሩ ‘ዩ፤ ይኹን ‘ምበር ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ሳልሳይ ኩናት ብምጅማሩ ተስፋ ህዝቢ ኣምኪኑ ‘ዩ፤ ብዙሕ ህዝቢ ሓዚኑ ‘ዩ። እቲ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ መከራን ስቃይን ከምዘሎ እናፈለጠ ቕድመ ኩነት ከቕምጥ ኣይነበሮን። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታው ንሰላም ቕሩብ ክኸውን ነይርዎ ‘ምበር ከም እንደጋና ኩናት ብምኽፋት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ፀገም ከእትዎ ኣይነበሮን። እዚ ኩናት እዚ ብዙሓት ደቂ ድኻታት ማለት ህፃናት ከይተረፉ ‘ዩ ዝበልዕ ዘሎ። ኣብ ግምባር ዘሎ ብጥይት፤ ናብ ግንባር ዘይከደ ድማ ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን እናሞተ ‘ዩ ዘሎ። ህወሓት ኩሉ ግዜ ኩናት ምስመረፀ ‘ዩ።

 ንድሕሪት ተመሊስና እንተሪእናዮ ህወሓት ንትግራይ ዝጠቕሙ ፖሊካዊ ውድባት ብሓይሊ እናጥፈኦም ‘ዩ መፂኡ። ብሰላም ዝፈትሖ ፀገም ኣይነበረን። ኩሉ ግዜ ኣብ ሓይሊ ‘ዩ ዝኣምን፤ ንሰላም ኣጀንዳ ገይሩ ኣይፈልጥን። ኣሸኒፍካ ምንባር ዝብል ዝኣረገ ኣተሓሳስባ ‘ዩ ዘለዎ። ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ዝጀመሮ ሳልሳይ ኩናት ኣቛሪፁ ናብ መኣዲ ሰላም ንኽምለስ ካብ ህዝቢ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ? ኣይተ ኣሰፋ፡- ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝግበር ትፅቢት ተግባር ህወሓት ኣጥቢቖም ክኹንኑ ኣለዎም። በርግፅ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሃገራት እኒ በዓል ኣሜሪካን ኣውሮፓን ‘የን። ይኹን ‘ምበር ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮፓን ነዚ ኩናት ዝድግፉ ዘለዉ ሃገራት ‘ዮም። ካብዚኦም ኣወንታዊ ትፅቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን። እኳደኣስ ዝኸፍአ መልክዕ ክሕዝ ዝገብሩ ዘለዉ ‘ዮም። ዝተናወሐ ኩናት ክህሉ ኢዶም ኣንዊሖም እናሰርሑ ‘ዮም ዘለዉ። ድሌቶም ሃገርና ብኹናት እናተሓመሰት ከትነብርን ካብ ድኽነት ከይትላቐቕን ‘ዩ ። ኣብዚ ሃገርና ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ዝጉዳእ ዘሎ። መንእሰይ ይኹን ህፃውንቲ ትግራይ ምንም ኣብ ዘየርበሖም ኩናት እናኣተዉ ንደቒ ልዕሊ ሰብዓ ዝዕድሚኦም ረብሓ ክብል ‘ዩ ዝጉዳእ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ደቑ ኣብዚ መወዳእትኡን ዕላምኡን ዘይፍለጥ ኩናት እናኣተዉ ክሞቱ ክፈቕድ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕዚ ደቅና ክሞቱ ኣይንፈቕድን፤ ብማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ተጎዲእና ኢና፤ኹናት ኣየድልን ክብል ኣለዎ። ደቕና ንኹናት ኣይንህብን ብምባል ኣንፃር ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ። እቲ ዝዓጠቐ ኣካል ድማ ይኣክል ብምባል ኣፈሙዙ ናብ ህወሓት ከዝር ኣለዎ ኢለ ‘የ ዝኣምን።

 መንግስቲ ድማ ብዝግባእ ክሕግዞ ኣለዎ። መሰሉ ከረጋግፀሉ ኣለዎ። ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ትሕቲ ዕድመ ብሓሸሽ ክዕውኑ ብምግባር ናብ ኩናት እናእተዎም ይርከብ። እዚ ድማ ብዓለም ለኸ ሕጊ ገበን ምዃኑ ይፍለጥ ‘ዩ። ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ኣይተ ኣሰፋ፡- እዚ ጉጅለ እዚ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል ህፃናት ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ክስለፉ ብምግባር ክፀንቱ እናገበረ ምርካቡ ከቢድ ገበን ‘ዩ። ብዓለም ለኸ ሕጊ ዘጥይቕ ‘ዩ። ዝገርም ድማ ብሓሸሽ ክዕውኑ ምግባሩ ‘ዩ፤ ነዞም ህፃናት እዚኦም ብሓሸሽ ብምዕዋን ኣብ ዘየምልከቶም ኩናት ምድጓን ማለት ክንደየናይ ጨካን ምዃኑ ‘ዩ ዘሪአካ። ብፍላይ ደቂ ድኻታት ‘ዮም ዝሞቱ ዘለዉ፤ ድኻታት ወለዲ ክከሓሱ ኢሎም ብመከራ ኣዕብዮም ብሰንኪ ጉጅለ ህወሓት ኣደዳ ጥይት ‘ዮም ዝኾኑ ዘለዉ። ካብ ትምህርቲ፣ ቴክኖሎጂ፣ ልምዓትን ዕቤትን ወፂኦም ንጉጅለ ህወሓት ክብሉ ‘ዮም ኣብ ኩናት ኣትዮም ዝጥበሱ ዘለዉ።

ኣብ ዘይጠቅሞም ኩናት ኣትዮም ካብ ዝሞቱ ኣፈሙዞም ናብቲ ጉጅለ ከዝሩ ‘ዩ ዘለዎም። ብዛዕባ ዓለምለኸ ሕጊ ከንርኢ እንተለና ሕጊ ብትኽክል ኣይትግበርን ዘሎ፤ ዓለም ናይ ጉልበተኛታት ‘ያ ኮይና ዘላ፤ ህፃናት ናብ ኩናት ክኣትዉ ምግባር ብፍላይ ድማ ብሓሸሽ ብምዕዋን ብጣዕሚ ሓደጋኛ ኣካዳ ‘ዩ። ተዓሚቶም ብምእታው ሂወቶም ዝስእንሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። እዚ ተግባር እዚ ከቢድ ገበን’ዩ። ዓለም ናይ ሸፈጥቲ መንደር ‘ያ ኮይና ዘላ። ስለዚ እዚ ተግባር እዚ ዋላ ብሕጊ ይከልከል ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘትግብሮ የለን። እቶም ዝምልከቶም ሓያላት ሃገራት በቲ ዝተፃሕፈ መሰረት ተኣኪቦም ክዘራረቡ ይእከቡ ይኾኑ ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ክትግበር ኣይረአይን። ኣብ ብዙሓት ሃገራት እቲ ሕጊ እናተጠሓሰ እናሃለወ እቶም ሓያላት ሃገራት እናረኣዩ እናሃለዉ ስኽ ኢሎም ‘ዮም ዝሓልፍዎ።

ምዕራባውያን ነዚ ዓለምለኻዊ ገበን እዚ ስኽ ኢሎም ዝሪእይዎ ዘለዉ ምኽንያት ረብሐኦም ኣብ ጎንፂ ሃገራት ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ ‘ዩ። ዝነሓነሐኦም ሃገራት ንኸይፍጠራ ወይ ደሞ ድኹማት ዓርሰን ዘይከኣላ ሃገራት ንኽፍጠራ ስለ ዝደልዩ ‘ዮም። ብሓደ ወገን ኣፅዋር ንምሻጥ ‘ዩ። ንኸይንዓቢ ኩሉ ግዜ ኣብ ኩናት ክንነብር ‘ዮም ዝደልዩና። እዚ ኣካል ፖሊሲኦም ‘ዩ። ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ንምንታይ ‘ዩ እዚ ተግባር እዚ ዝፍፅም ዘሎ ይብሉ? ኣይተ ኣሰፋ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ካብ ኣፋጣጥርኡ ጀሚሩ ሂወት ህፃናት እናተጠቐመ ዝመፀ ውድብ ‘ዩ። ንስልጣኑ ክብል ብዙሓት ህፃናትን መናእሰይን ብኹናት ክሃልቑ ገይሩ ‘ዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ንስልጣኑ ጥራሕ ‘ዩ ዝሓስብ። ስለዚ ህፃናት ናብ ኩናት ምስላፍ ንህወሓት ሓዱሽ ኣይኮነን፤ ብሕታዊ ባህሪኡ ‘ዩ። በዚ መሰረት ናይ ቐፃሊ ወለዶ ‘ዩ ዘብርስ ዘሎ።

መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ደቒ 12 ደቒ 13 ዝዕድሚኦም ተረከብቲ ዓዲ ‘ዮም ዘውድኡ ዘለዉ። ስለዚ እዚ ውድብ እዚ ካብ ናይ መፃኢ ወለዶ ብምልቃሕ ‘ዩ ወለዶ ዘፅንት ዘሎ። እዚ ድማ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ‘ዩ። ህወሓት ክልተ ኣይነት ወለዶ ‘ዩ ንኩናት ዝጥቐም፤ እቲ ሓደ ህፃውንቲ ‘ዮም። ንምንታይ እንተይልና ፖለቲካ ስለ ዘየገናዝቡ፤ ብቐሊሉ ዝታለሉ ስለ ዝኾኑ ‘ዩ። ‹‹ህፃን ፃዕዳ ወረቐት›› ‘ዩ ከምዝበሃል ዝነገርካዮም ‘ዮም ዝቕበሉ። ተቐበልቲ ‘ምበር ጠየቕቲ ኣይኮኑን። ዝሃብካዮም ኩሉ ተቐቢሎም ክሰርሑ ዝኽእሉ ‘ዮም። ትእዛዝ ካድረ ካብ ምቕባል ሓሊፎም ዝሓቱ ኣይኮኑን። ናይ ሓሶት ሓበሬታ ‘ውን እንተኾነ ዝቕበሉ ‘ዮም። ካሊእ ድማ ዘይተመሃሩ እሞ ድማ ዕድሚኦም ዝደፍኡ ‘ዩ ዝጥቀም። እዚኦም እሺ ካብ ምባል ሓሊፎም መብዛሕትኦም ዝሓቱ ኣይኮኑን። ብኣተሓሳስባ ህወሓት ዝተሃነፁ ‘ዮም። መምርሒ ህወሓት ከም ወታደራዊ ትእዛዝ ‘ዮም ዝሪእዎ።

 ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ቖልዓ እስካብ ዓብዪ ናብ ዓውደ ኲናት ብምውፋር ብርክት ዝበላ ኣዴታት፣ ህፃናት፣ ከምኡ ‘ውን ኣረጋውያንን ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዮም ዝርከቡ። ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ካብዚ ንምድሓን እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ? ኣይተ ኣሰፋ፡- ቕድም ኢለ ከምዝገልፅክዎ ሞት ህፃናት፣ ኣዴታትን ኣረጋውያንን ንመራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ዘጭንቖም ኣይኮነን። ጭኻነት ባህሪኦም ‘ዩ። እዚ ዘጭንቖም ኣይኮነን። ስልጣኖም መሰረት ዝገበረ ኣካይዳ ‘ዮም ዝኸዱ። ህዝቢ ትግራይ ይንበር ኣይንበር ዘግድሶም ኣይኮነን፤ ህዝቢ ትግራይ ህዝብና ‘ዩ ኢሎም ኣይፈልጡን። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድኽነት ክነብር ‘ዮም ዝንቐሳቐሱ ነይሮም። እቲ ዝተምሃረ ሓይሊ ‘ውን ክንድቲ ዝግባእ ኣይነቐሐን። ክነቕሕ ኣለዎ። ንምንታይ ኢና ብተደጋጋሚ ኣብ ኩናት ንነብር ዘለና ብምባል ክሓስብ ኣለዎ። መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ጉጅለ ህወሓት ክኸውን የብሉን። ብፍላይ ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ እቲ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ኣንፃር እቲ ጉጅለ ብምቕላስ ንባዕሉን ህዝቡን ሓራ ከውፅእ ኣለዎ። ተዘይኮይኑ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘለወሉ እዋን እቲ መከራ እናወሰኸ ካብ ምኻድ ሓሊፉ ብቐሊሉ ዝቕረፍ ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡- ምዕራባውያን ሕዚ ‘ውን መንግስቲ ብሰላም ንምፍታሕ ዝኸዶ ፃዕሪ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ እከይ ተግባራት እቲ ጉጅለ ብተዘዋዋሪ ክድግፉ ይረአዩ እዮም ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ኣይተ ኣሰፋ፡- ኣነ እኳ ብተዘዋዋሪ ጥራሕ እንተይኮነስ ብቐጥታ ‘ውን ይድግፉ ኣለዉ ኢለ እየ ዝኣምን። እቲ ሓደ ክሕይል ከሎ ነቲ ድኽም ዝበለ ብምድጋፍ ብቐጥታ ኢዶም እናእተዉ ‘ዮም ዝርከቡ። ጉጅለ ህወሓት ሃገር ናይ ምትርማስ ስርሑ ኣብ ዝደኽመሉ ግዜ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ክድግፍዎ ይረአዩ ‘ዮም። እዚ ኢድ ኣእታውነት ድማ ንህዝቢ ትግራይ ወይ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓልዮም ኣይኮኑን። ወይ ‘ውን ንህወሓት ይኹን ንመንግስቲ ፌዴራል ሓልዮም ኣይኮኑን ንባዕሎም ደልዮም ‘ዮም። ቕድም ከምዝበልክዎ ሃገራት ብምትርማስ ዝረኽብዎ ረብሓ ስለ ዘሎ ‘ዩ። እቲ ዝደልይዎ ደረጃ ክሳብ ዘይኸደ እዋን ምሕጋዞም ጠጠው ዝብል ኣይኮነን። እዚ ኩናት እዚ ኣካል ብሄራዊ ጥቅሞም ወይ ኣካል ፖሊሲኦም ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንምንታይ ‘ዮም ንህወሓት ጥራሕ ክንሕግዝ ኢሎም ዝሰርሑ? ኣይተ ኣሰፋ፡- ንህወሓት ጥራሕ ዝሕግዝሉ ምኽንያት ተለኣኣኺኦም ስለ ዝኾነ ‘ዩ። ኣጀንደኦም ዘፍፅመሎም ዘሎ ህወሓት ‘ዩ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይንኣቱ ኣሜሪካ ተመለሱ ኢላትና ‘ያ ኢሎም ተዛሪቦም ‘ዮም። እዚ ዘሪአካ ድማ እቲ ኩናት ኣሜሪካ ትመርሖ ከምዘላ ‘ዩ። ኣሜሪካ ትመርሖ ከምዘላ ካብ ተለኣኣኽቶም ንላዕሊ ካሊእ ዘረጋግፀልና ኣካል የለን። ብኣሜሪካ እዮም ዝእዘዙ ዘለዉ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ብኸመይ ናፃ ክወፅእ ይኽእል ይብሉ? ኣይተ ኣሰፋ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ናፃ ክወፅእ ዝኽእል ካብ መግዛእቲ ህወሓት ተቃሊሱ ናፃ ክወፅእ እንተሎ ‘ዩ። ብተወሳኺ ካብቲ ኣምሲሉ ምስ መንግስቲ ተፀጊዑ ዝሽቕጥ ናፃ ክወፅእ እንተሎ ‘ውን ‘ዩ። ብሽም ህዝቢ ትግራይ ስልጣን ዝኣላልሽ እንተኾይኑ ‘ውን ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ተመሳሳሊ ‘ዩ። ብህዝቢ ትግራይ ካብ ዝሽቕጥ ውድብ ናፃ እንተዘይወፂኡ ትርጉም የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ሓቐኛን ንህዝቢ ዘገልግልን ውድብ ክህልዎ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ዝጠቕሞ ውድብ ክፈልጥ ኣለዎ። ብሽሙ ከይሽቐጦ ከነቕሕ ኣለዎ። ናፃ ዝኾኑ ትካላት የድልዮ ‘ዩ።

 ብመንግስቲ ፌዴራል እናተሓገዘ ናፃ ትካላት እንትምስርት ተሎ ‘ዩ። ካብ ፀገም ክወፅእ ዝኽእል። ናይ ህዝቢ ንቕሓትን ናይ መንግስቲ ቑርፀኝነትን እንተሃልዩ ናፃ ትካላት ምምስራት ዝኸብድ ኣይኮነን። መንግስቲ ድማ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝሽቕጡ ኣካላት ከርሕቖም ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ናፃ ኮይኑ ንዕዑ ብትኽክል ከግልግሎ ዝኽእል መንግስቲ ክመርፅ ኣለዎ። መንግስቲ ኣብዚ ብቖራፅነት ብምስራሕ ዝላዕለ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ። ወጋሕታ፡- ምስ ሰላም ተተሓሒዚ ንህዝቢ ትግራይ ከህልፍዎ ዝደልይዎ ሓሳብ እንተልይዎም? ኣይተ ኣሰፋ፡- መጀመርያ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ከቢድ መከራ ዝወፀሉ ግዜ ይፍጠረሉ፤ ህዝቢ ትግራይ ሰላም እትርእየሉ ዘመን ይፍጠረልካ ክብል ይደሊ። መራሕቲ ህወሓት ተዓዊትካ ኢኻ ‘ዮም ዝብልዎ ዘለዉ። ኣነ ግና ተዓዊቱ እንተይኮነስ ኣብ ከቢድ ፀገም ኣሎ ‘የ ዝብል። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክረክብ ዝኽእል ካብ መግዛእቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናፃ ክኸውን እንተሎ ‘ዩ። ሰላም ክህሉ ዝኽእል ዘራጊ ሰላም እንተተወጊዱ ጥራሕ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ምውጋድ ናይ በዓሉ እጃም ክፃወት ኣለዎ። በርግፅ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ስለ ዝኾኖ ‘ዩ ‘ምበር ኣይቓለስን ዘሎ ማለት ኣይኮነን። ኮይኑ ግና እቲ ቃልሱ ብዝበለፀ ከጉልብቶ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ከሕልፍ ይደሊ።

 ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።

 ኣይተ ኣሰፋ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

12 መስከረም 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You