ፅምብል መበል 30 ዓመት ናፅነት ኤርትራ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ፅምብል በዓል ናፅነት ኤርትራ 16 ግንቦት 2013 ዓ.ም ተኸቢሩ ውዒሉ። ፕሬዚዳንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣፍቲ ፅምብል ተረኺቦም ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መደረ ኣስሚዖም። ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ከምዝበልዎ፣ ‹‹ ርዝነትን መኣዛን እዛ ዕዝዝቲ ዕለት፤ ዓመት-ዓመት እናዛየደ ምኻዱ፤ ኪኖ ባህታን ሓበንን፤ ብዙሓት ሓቂታት ዝቕስቅስን ዘዘኻኽርን’ዩ።›› ህዝቢ ኤርትራ ን50 ዓመታት (ካብ 1941 ክሳብ 1991) ብናፅነትን ጅግንነትን መኪቱ፤ኸቢድ መስዋእቲ ኸፊሉ፤ናፅነቱን ሉኣላውነቱን ብፍትሒ ዘረጋገፀሉ ሓወልቲ ‘ዩ ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ብዛዕባ ዶባዊ ጎንፅታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ‹‹ምንቛት ምስ ዶባዊ ግጭታት ግን ንሸውሃት ገባቲ ኣጀንዳታት ኣየዕገበን፤ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ስለዘይሰልከየን ዘይሰነፈን፤ ብሓሶትን ጠቐነን “ሽበራ” ክሲ መስሪትካ፤ ባዕልኻ ከሳሲን ፈራዲን ቀፃዕን ብምዃን፤ ኣብ 2009 ንባይቶ ፀጥታ ኣስገዲድካ ዝሓለፈ ውሳኔ “እገዳ”ን ዘኸተሎ ሃስያን፤ መቐፀልታን ካልእ ገፅን ናይ’ቲ ተፃብኦ’ዩ።››ኢሎም።

ኣብ ሃገራዊ ናፅነትን ሉኣላውነትን ኣመልኪቶም ከም ዝበልዎ፣ ወግሐ ፀብሐ ዝህቀን ቁጠባውን ፖለቲካውን ሽርሕታት፤ናይ ሕሱር ሕሶታት ስነ ኣእምራዊ ኲናት፤ስፍርን ዕረፍትን ኣይነበሮን ኢሎም። እዛ ዕዝዝቲ ዕለት መበል 30 ዓመት ርዝነት፤ህዝቢ ኤርትራ መኸትኡ ከይሰልከየን ከይተሰከፈን፤ናፅነቱን ልኣላውነቱን ኣብ ምክንኻንን ምሕላውንን ከም ዘመስክሮ ዝግለፅ እዩ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ፣ ኣብ መኸተ መደባት ልምዓት ከም ዝበልዎ ‹‹ልምዓታዊ መደባትናን መኸተናን ቀጥታዊ ተዘማድነት ዘለዎ እዋናዊ ጉዳይ ለበዳ ኮቪድ -19 እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመትን መንፈቕን፤ እቲ ለበዳ ብዓለም ደረጃ ኣኸቲልዎ ዘሎ ነውፅን ህልቂትን ንደቂ – ሰብ መለበሚ መፀዋዕታ እዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣል ኢሎም።››

ኣብ ጥዕናዊ ፖሊስታትናን ኣሰራርሓናን ጥራይ ዘይኮነ ድኻምና ክነለሊን፤ናይ ኣጋ ምትዕርራይ ክነተኣታትውን መለበሚ ኮይኑ ስለ ዘሎ ትኹረትና ከየዘለቕና ኩሉ ጎናዊ ናይ ምርምርን ምክልኻልን ፍወሳን ዓቕምታትና እናጎልበትና ንድሕነታውን ልምዓታውን መኸተና ብኣሉታ ምእንቲ ከይግለፁ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ቑፅፅር ክነእትዎ ከይሰልከና ክንፅዕር ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ወድዓዊ ኹነታት ኣመልኪቶም ከምዝበልዎ፤‹‹ እቲ ዘሎ ርቡፅ ዓለማውን ዞባውን ኽስተታት፤ሉኣላውነትናን ናፅነትናን ዝያዳ ክንከላኸልን ክንሕልውን፤ድሕነታውን ልምዓታውን መኸተና ኣሐይልና ተኸሲቱ ንዘሎ ሓፈሻዊ መርሓ ኽስተት፤ከምዘድምዕ ንምርግጋፅ ሰፊሕ ህዝባዊ ሓይሊ ዘጎልብቱ ንጥፈታት ኣብ ዝካየድ መደባትን ተበግሶታትን ክነሐይል እናዘኻኸርኩ ኣውራ ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ዜጋታት፤ምስ ዘለዎም ፍሉይ ዕድላት ኣብ ኹሉ ግንባራት ስታፍኦም ከኻዕብቱ ይላቦ ›› ኢሎም።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You