‹‹ ህዝቢ ትግራይ ደቅና ንኹናት ኣይንህብን ክብል ኣለዎ ›› -ኣይተ ሃይለ ገብረሚካኤል

ኣይተ ሃይለ ገብረሚካኤል ኣብ ትግራይ ፍሉይ ሽሙ ዓዲ ኣሕፈሮም ዝተወለዱ እንትኾኑ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳታት እንትጮን ዓድዋን ’ዮም ተማሂሮም። ካብኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ብስራሕ ኣመራርሓ፣ ብቢዝነስ ማኔጅመንት፣ ብማርኬቲንግ ማኔጅመንት ብመጀመሪያ ዲግሪ ዝተማሃሩ’ዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ቢሮታት ብሓላፍነት ዝሰርሑ እንትኾኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ ክልተ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ክትትልን ቁፅፅርን ከምኡ ‘ውን መሰረታዊ ውዳበ ኣመራርሓ ብልፅግና ትግራይ ኾይኖም እናገልገሉ ይርከቡ። ኣይተ ሃይለ ለውጢ ደላይ ’የ ይብሉ። ኩነታት ኣብ ዘለዎ ጠጠው ክብሉ የብሎምን ተቐይሩ ንካልእ ወለዶ ድማ ክሓልፍ ይግባእ፤ ብትማሊ ክንነብር የብልናን ይብሉ።

ትማሊ ዝነበረ ጌጋ ፅባሕ ክድገም የብሉን እዚ ንክመፅእ ድማ ሎማዓንቲ ብምጥቃም ለውጢ ምቕባል ግድን ’ዩ ይብሉ። ምስ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣድሂብና ዝገበርናዮ ቓለ መሕትት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፤ ሰናይ ንባብ፤ ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ብመንግስቲ ፌዴራል ዝቐረበሉ ፃውዒት ሰላም ንጎኒ ብምግዳፍ ሳልሳይ ዙር ኩናት ምጅማሩ ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ጉድኣት ከመይ ይገልፅዎ? ኣይተ ሃይለ፡- ናይ ሰላም መፀዋዕታ ገዲፉ ናብ ኩናት ምእታዉ፣ ደላዪ ውግእ፣ ፀረ ሰላም፣ ልምዓትን ፍትሕን ምዃኑ ‘ዩ ዘርኢ። ዘላእለም መናእሰይ ተጋሩ ናብ ኩናት ብምእታው ህዝቢ ትግራይ ዘፅንት ዘሎ ጉጅለ ‘ዩ።

ኣይንቓለስን ዝብሉ ሰባት ‘ውን በዓሉ ይቐትሎም ኣሎ ‘ዩ። ሰላም ዘይደሊ ውድብ ማለት፣ ፀረ ሰላም፣ ዕቤትን ልምዓት ‘ዩ። እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ናፃ ንምውፃእ ‘የ ዝቓለስ ዘለኹ ዋላ እንተበለ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኢሉ ይቓለስ ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ። ሃገር ‘ዩ ዝሕምስ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ሰብ ንከይህሉ ‘ዩ ዝገብር ዘሎ። ሕዚ ‘ውን እዚ ንመበል ሳልሳይ ዝጀመሮ ኩናት ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ‘ዩ ተዘይኮኑ ካሊእ ዕላማ የብሉን። ትግራይ ብዘይ ሰብ ከትቐሪ ምእንቲ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። መራሕቲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ንሕና ኢና ናፃ ነውፀአካ ብምባል ንስልጣኖም ክብሉ ብሂወት ህዝቢ ትግራይ ‘ዮም ዝፃወቱ ዘለዉ። ንበዓሎም ኣብ ምቾት ‘ዮም ዘለዉ።

 ህዝቢ ግና ብጥሜትን መከራን እናሞተን እናተሰደደን ‘ዩ ዘሎ። ዝመፅእ ረዳእታ ‘ውን ንበዓሎም ‘ዮም ዝጥቐምሉ ዘለዉ። ነዳዲ አንተይቐረየ ንበዓሎም ‘ዮም ዝገብርዎ ዘለዉ። ስለዚ መራሕቲ ህወሓት ዝሓለፈ ኩናት ይኣኽለና ኣብ ክንዲ ምባል ካሊእ ሳልሳይ ኩናት ምጅማሮም ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንኸይነብር ዝግብርዎ ዘለዉ ተግባር ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን መንእሰይ ብምትላልን ብምግዳድን የዐጥቕዎ ኣለዉ። ዘይተቓለሰ ተጠቓሚ ኣይኸውን ወይ ካብ ጥቕሚ ክነግልሎ ኢና ብምባል መንእሰይ ኣብዘየድሊ ኩናት እዮም ዘእትውዎ ዘለዉ። ይኹን ‘ምበር ሕዚ መንእሰይ እናነፀጎም ‘ዩ ዘሎ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ‘ዮም ሓይሊ ኣለና እናበሉ መንእሰይ ክውዳእ ዝገብርዎ ዘለዉ።

ጉጅለ ህወሓት ሰላም ዘይምድላዩ ማለት ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ሓላፍነት ስለ ዘይስመዖ ‘ዩ። ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ትግራዋይ ተኣሲሩን ተጎሳቚሉን ‘ዩ። መንእሰይ ኣብ ደስ ዝበሎ ብናፃናት ሰሪሑ ከይነብር ‘ዮም ዝገብርዎ ዘለዉ። ህዝቢ ፎቖድኡ ሱዳን ክስደድ እናገበሩ ‘ዮም ዘለዉ። ክልሉ ገዲፉ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ‘ውን ይስደድ ኣሎ። ስለዚ ህዝቢ ዘላእለም ኣብ ስደትን ጥሜትን ክነብር ‘ዩ ዝገብር ዘሎ። እቲ ሕዚ ጀሚርዎ ዘሎ ኩናት ፍፁም ፀረ ዕቤትን ልምዓትን ‘ዩ። ካብዚ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዘይእረም እንተኾይኑ ድማ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እዚ ፀረ ሰላምን ዕቤትን ዝኾነ ጉጅለ ስጉምቲ ብምውሳድ ንህዝቢ ትግራይ ናፃ ከውፀኦ ኣለዎ። እዚ ኩናት እዚ ከንሪኦ እንተለና ብሓፈሻ ንሃገር ብኢኮኖሚያውን ማሕበራዊን ኣዝዩ ዝጎድእ ‘ውን ‘ዩ። ወጋሕታ፡- ሸሊኹ ዝወፀ ምሽጥራዊ ሰነድ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ትግራይ ንዝርከባ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ሓገዝ መቕረብቲ ትካላት ቓልስና ንምቕልጣፍ ከንቖፃፀሮም ኢና ዝብል ዝሓዘ ሓሳብ ዘካተተ ‘ዩ። ኣብዚ ዘለዎም ሓሳብ ተዝገልፁልና። ኣይተ ሃይለ፡- ዓለም ለኸ ሓገዝቲ ትካላት መኽዘን ሰብኣዊ ሓገዝ ቓልስና ንምቕልጣፍ ከንቖፃፀሮም ኢና ምባሎም እዚ ሓዱሽ ኣይኮነን። ክሳብ ሕዚ ብትኽክል ነቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ኣየካፍሉዎን ነይሮም። ንሰራዊቶምን ንባዕልቶን ‘ዮም ዝጥቀምሉ ነይሮም፤ ሕዚ ‘ውን ከምዚ ‘ዩ ዘሎ። ከንቖፃፀረን ኢና ማለት ድማ ከንሰርቐን ኢና ማለት ‘ዩ። ከምቲ ብግልፂ ነዳዲ ዝሰረቕዎ። ህዝቢ ተጠቓሚ ኣይንገብሮን፤ ንባዓልትና ኢና ንገብሮ ማለት ‘ዩ።

 ጉጅለ ህወሓት ካብ እዋን ደርጊ ጀሚሩ ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝመፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግልፂ ንበዓሉ እናተጠቐመሉ ነይሩ ‘ዩ፤ ሕዚ’ውን ንበዓሉን ሰራዊቱን ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ ንህዝቢ እናከፈለ ኣይኮነን ዝርከብ። ዓለምለኸ ትካል መቕረብቲ ስብኣዊ ሓገዝ ኣብ ቑፅፅርና ክነውዕለን ኢና ምባሉ ዝገርም ኣይኮነን። እዚ ዘማላኽት ድማ ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበለ ከምዘይኮነ ‘ዩ። ህዝቢ ብዝበለፀ ክጠሚ፣ ክመውት ክስደድ ዓሊሙ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣብ ቑፅፅርና ከንገብርን ኢና ማለት ከንሰርቐን ኢና ማለት ‘ምበር ካሊእ ትርጉም የብሉን። ወይ ህዝቢ ከይጥቐም ክንገብር ኢና ማለት ‘ዩ። እዚ ኣንፃር ህዝቢ ዝግበር ዘሎ ኣካይዳ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ፍትሕን ከይረክብ ዝገብር ዘሎ ‘ዩ። እዚ ከይኣኽሎ ሕዚ ድማ ረዳእታ ከይረክብ ‘ዩ ዝገብር ዘሎ።

 ህዝቢ ንምጉስቛል ዝግበር ዘሎ ስራሕ ‘ዩ። ዝኾነ ንረዳእታ ዝመፀ ኣይስረቕን፤ ንህዝቢ ዝመፀ ኣብ ህዝቢ ክውዕል ኣለዎ። ኣብ ቑፅፅርና ‘ዩ ንማንም ኣይንህብን ምባሎም ብግልፂ ፀረ ህዝቢ ምዃኖም ዓርሶም ‘ዮም ዘቓልዑ ዘለዉ። ዝኣቱ ዘሎ ረዳእታ ህወሓት ‘ምበር ህዝቢ ከምዘይጥቀሙሉ ዘሎ ‘ዩ ዘማላኽት። እዚ ተግባር እዚ ሽፍትነት ‘ዩ ዘርኢ፤ ካብ ተራ ሽፍትነት ዝነኣኣስ ኣይኮነን። እዚ ፀረ ህዝቢ ኣካይዳ ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ክእረም ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ። ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ንምፅናት ዝዓለመ ኣካይዳ ስለ ዝኾነ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ‘ዩ። ኣብ ርእሲ ሰላም ምስኣኑ ብጥሜት ክውደኦ ስለ ዝደለየ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ዓዱ ገዲፉ ናብ ስደት ንኸምርሕ ዝግበር ዘሎ ስራሕ ‘ዩ።

ብዓለም ለኸ ሕጊ ‘ውን ዘጥይቕን ‘ዩ፤ ከቢድ ገበን ‘ዩ። ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን። ንህዝቢ ዘይኮነስ ንሰራዊቶምን ንበዓሎምን ዝጥቀምሉ ዘለዉ ምኽንያት ንስልጣኖም ጥራሕ ስለ ዝሓስቡ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ይንበር ኣይንበር ዘጭንቖም ኣይኮነን። ዘርኡ ክጠፍእ ድሌት ህወሓት ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ህዝቢ ተጠቓሚ እንድሕር ዘይኮኑ ከይዱ ከይዱ ነቲ ጉጅለ ‘ውን ሓደጋ ‘ዩ። ረዳእታ እናኸልከልካ ንህዝቢ ኢለ ‘የ ዝዋጋእ ዘለኹ ማለት ፍፁም ጌጋ ‘ዩ። ጥራሕ ኣነ ክነብር፤ ስልጣነይ ኣይነኻእ እናበልካ ህዝቢ ምጉዳእ ከቢድ ገበን ‘ዩ። ንሕናን ሰራዊትናን ጥራሕ ንጠቐም ካብ ዝብል ዝነቐለ ኣተሓስባ ክቀሪ ኣለዎ። ብሓፂሩ እዚ ሓሳብ እዚ ፀረ ህዝቢ ትግራይ፣ ልምዓት፣ ፍትሒን ዲሞክራሲ ‘ዩ። ከንቖፃፀሮ ኢና ማለት ህዝቢ በዓሉ ይፈልጥ ተደልዩ ይሙት ኣይሙት ጉዳየይ ኣይኮነን ማለት ‘ዩ። እቲ ረዳእታ ንኸይመፅእ ምግባር ማለት ‘ዩ። ካብ ፈለማ ‘ውን ኣንፀር ህዝቢ ዝንቐሳቀስ ዝነበረ ውድብ ‘ዩ። ካብዚ ውድብ እዚ ፅቡቕ ነገር ምፅባይ ኣይከኣልን። ወጋሕታ፡- ከምኡ ‘ውን ኣብ ትግራይ ዘሎ ማሕበራን ኢኮኖሚያውን ኩነታት ክረአ እንተሎ ምስተን ኩናት ዘይተንከፈን ክልላት ብዙሕ ዝተፈለየ ኣይኮነን።

 ወይ ከምቲ ዝበሃል ኣይኮነን፤ ደሓን ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ሰነድ ተጠቒሱ ‘ዩ። ኣብዚ ኸ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ኣይተ ሃይለ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ኩነታት ምስ ካልኣት ክልላት ክረአ እንተሎ ብዙሕ ዝተፈለየ ኣይኮነን ማለት ትኽክል ኣይኮነን። ብኹናት ዝተሓሰየ ክልል፣ ፀገም እቲ ክልል ዓለም ዝፈልጦ ክልል ‘ዩ። ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ምህላው ኩሉ ዝፈልጦ ኩነታት ‘ዩ። ረዳታ ክኣቱ ዝተፈቕደ ዓለም ስለ ዝፈልጦ ‘ዩ። መሰረታዊ ግልጋሎት ዘይብሉ ክልል ምስ ካልኦት ክልላት ፈፂሙ ተመሳሳሊ ክኸውን ኣይኽእልን ‘ዩ። እዚ ዘሪአካ ንህዝቢ ዘይምሕሳብ ‘ዩ። ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ጉዳዮም ስለ ዘይኮነ ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ከም ሰብ ስለ ዘይቖፅርዎ ‘ዮም ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ዓለም ሙሉእ ዝፈልጦ ነገር ከምዚ ምባሎም ብጣዕሚ ዓብዪ ጌጋ ‘ዩ። ብተግባር ዝረአ ነገር ክከሓድ ኣይግበኦን። እዚ ከምዚ እናሃለወ ነቲ ዝመፅእ ሓገዝ ኣብ ኢድ ቑፅፅርና ከንገብሮ ኢና ማለት ንህዝቢ ዘይምቑርቛር ‘ዩ። ካብ ነዳዲ ጀሚሮም ዝሰርቑ ዘለዉ ‘ውን ናይዚ ኣብነት ‘ዩ። ህዝቢ ኣብ ጭንቒ እናሃለወ ከምዚ ምባሎም ብጣዕሚ ጌጋ ‘ዩ። ህዝቢ ኣብ ጎኖም ንምስላፍ ክብሉ መንግስቲ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ገይሮም ‘ዮም ዝዛረቡ። እዚ ድማ ንስልጣኖምን ንውልቐ ረብሐኦምን ‘ዮም ዝንቐሳቀሱ ዘለዉ። ዘይኮነ ጎስጓስ ብምክያድ ህዝቢ ብመንግስቲ ክፈርሕን ክርዕድን ‘ዮም ዝግብሩ ዘለዉ። ይኹን ‘ምበርመብዛሕትኡ መንእሰይ ዝቕበሎም ኣይኮነን። እዚ ካብ ቶም ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢዶም ዝሃቡ ምርዳእ ይከኣል ‘ዩ። ህዝቢ ተዓፊኑ ‘ዩ ዘሎ።

ህዝቢ ከፊእዎ ስለ ዝኾነ ዝደልዮም ኣይኮነን። ዝኣረገ ኣተሓስሳብ ‘ዩ ዘለዎም። ስልጣኖም ነቲ መንእሰይ ‘ዮም ከርክቡ ዘለዎም። ዘላእለም ኣብ ስልጣን ክነብሩ የብሎምን። ንህዝቢ ትግራይ ዝሓስቡ እንተኾይኖም ስልጣኖም ንመንእሰይ ብምርካብ ህዝቢ ዝጠቕም ነገር ክሰርሑ ኣለዎም። ብዘይካ ንሕና ዝመርሕ የለን ፤ ትግራይ ብዘይ በኣና ከትነብር ኣይትኽእል ዝብል ኣተሓሳስባ ክገድፍዎ ኣለወም። ምስ ዕድሚኦምን ኣተሓሳስበኦምን ክረአዩ ከለዉ ዓዲ ዝልውጡ ኣይኮኑን። በርግፅ ኣማኸርቲ ኮይኖም ክሰርሑ ይኽእሉ ‘ዮም።

 ንህዝቢ ትግራይ ንሕና ኢና ንፈልጠካ ዝብል ኣተሓሳስባ ከውግድዎ ኣለዎም። ንህዝቢ ዝሓስቡ ተዝኾኖም ነይሮም ዝበዝሕ ግዜ ህዝቢ ትግራይ ሂወቱ ኣብ ኩናት ኣይነሐለፎን ነይሩ። ሕዚ ህዝቢ ክነፅጎም ጀሚሩ ኣሎ ‘ዩ እዚ ኣጣናኺሩ ክቕፅለሉ ኣለዎ። ወጋሕታ፡- ኣብቲ ሰነድ ከምተገልፀ ብመንግስቲ ዝቀረበ ፃውዒት ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ስለ ዘይጠቕሞ ብምሕሳም ካብ ታሪኻዊ ተሓታትነት ኣምሊጥና ኢና ‘ዩ ዝብል። ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ኣይተ ሃይለ፡- መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ብመንግስቲ ዝቀረበ ፃውዒት ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ስለ ዘይጠቕሞ ብምሕሳም ካብ ታሪኻዊ ተሓታትነት ኣምሊጥና ኢና ማለት ግጉይ ኣካይዳ ‘ዩ።

ወይ ሰላም ምንፃጎም ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ጭካነ ‘ዩ ዘመላኽት። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ረኺቡ ኣብ ልምዓቱ ከይዋፈር፣ ሰሪሑ ከይልወጥ ምእንቲ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ጉጅለ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ክነብር ስለ ዝደሊ ‘ዩ። ህወሓት ሰላም ዝደሊ ዘይምዃኑ ‘ውን ዘማላኽት ‘ዩ። ኩሉ ከምዝፈልጦ ኩናት ጥፍኣት ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕሞ ድማ ሰላም’ምበር ኩናት ኣይኮነን። ቕድሚ ሕዚ ሪእዎ ‘ዩ። ሰላም ተሓሲምና ኢሎም ዓርሶም ምቕለዖም ኣብ ህዝቢ ዘለዎም ንዕቐት ክንደየናይ ከምዝኾነ ‘ዩ ዘማላኽት። ስለዚ ብሓፈሻ እዚ ጉጅለ እዚ ስርሑ ጥፍኣት ‘ዩ ምባል ይከኣል፤ ምኽንያቱ ሰላም ዝሕሰም እንተኾይኑ ፀረ ሰላምን ዕቤትን ‘ዩ። ሳዕቤን ኩናት ዕንወት፣ ጥሜት፣ ሂወት ሰብ ምጥፋእ ‘ዩ።

 ሰላም ዘይምድላይ ንዕንወት ምስላፍ ‘ዩ። ንጥፍኣት ዝተሰለፈ ሓይሊ ድማ ክጠፍእ ‘ዩ ዘለዎ። ብግልፂ ሰላም ዘይምድላዩ ኣረጋጊፁ ስለ ዘሎ ክውገድ ‘ዩ ዘለዎ። ብዙሕ ግዜ ፃውዒት ሰላም ተገይርሉ ዘቕበፀ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ዘሎ ኣማራፂ ምውጋድ ‘ዩ። ካብዚ ብዝተፈለየ ካሊእ ኣማራፂ የለን። ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ዝጀመሮ ሳልሳይ ኩናት ኣቛሪፁ ናብ መኣዲ ሰላም ንኽምለስ ካብ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይበሉ? ኣይተ ሃይለ፡- ህዝቢ ትግራይ ክገብሮ ዘለዎ፣ ንሕና ኩናት ሰልችዩና ‘ዩ፤ ደቅና ንኹናት ኣይንህብን ክብል ኣለዎ። ደቕና ኣወዲእኹም ንዓና ‘ውን ክተውድኡና ኢኹም ትሰርሑ ዘለኹም፤ ክንደይ ግዜ ዋጋ እናኸፈልና ከንነብር ክብሎም ኣለዎም። ካብ ሕዚ ድምፂ ጥይት ከንሰምዕ ኣይንደልይን፤ይኣኽለኩም ኣይንደልየኩምን ክብሎም ኣለዎ። ተጥፍኡና ኢኹም ዘለኹም ‘ምበር ኣይትጠቕሙናን ዘለኹም፤ በዚ ሕዚ ደቅና ኣይንህብን ክብሎም ይግባእ። በዚ ኩናት እዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ዘሎ። ብሂወት ዘሎ ድማ ተፈናቒሉ ዝኸፍአ ሂወት ‘ዩ ዝመርሕ ዘሎ። ምኽንያቱ ኩናት ትርፉ እዚ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ንላዓሊ ዋጋ ክኸፍል የብሉን። ናይ ሰላም ኣየር ናፊቑ ‘ዩ ዘሎ። ቕድሚ ሕዚ ዝወሰድክምዎም ደቕና ኣምፁኡልና፤ ኣበይ ኣለዉ ክብሎም ኣለዎ። መስዋእቲ ከፊሉ ናፃ ክወፅእ ኣለዎ፤ ዘላእለም እናተሳቐየ ክነብር የብሉን። ካብ ዘላእለም ኩናት፣ ጥሜት፣ ስቓይን ባርነትን ኣንፃሮም ተቓሊሱ ናፃ ክወፅእ ኣለዎ። ካብ ዘላእለም ባርነት ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሰላም ትበልፅ ኢሉ ብሓባር ተላዒሉ ሓራ ክወፅእ ኣለዎ። ናይ ሰላም ኣየር ከተንፍስ ኣለዎ። ኣንፃሮም ክስለፍ ኣለዎ፤ ክንደይ ግዜ ደቑ እናገበረ ኣብ ሓዘን ክነብር። ክንደይ ግዜ ድምፂ ጥይት እናሰምዐ ክነብር፤ ክንደይ ግዜ ደቑ እናገበረ ክነብር፤ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ተቓሊሱ ናፃናቱ ክረክብ ይግባእ። መራሕቲ ህወሓት ትግራይ ብዘይ ዘርኢ ከትተርፍ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ህዝቢ ክሃልቕ፤ ብፍላይ ሕዚ ሰላም ብምሕሳም ንመበል ሳለሳይ ኩናት ዝጀመርሉ ምኽንያት እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ንምውዳእ ‘ዩ። ንመንግስቲ ፌዴራል ምኽንያት ብምግባር ብፍላይ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኮይኖም እናተኮሱ የውቕዕዎ ኣለዉ ‘ዮም።

ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ማእኸሉ ከውፀኦም ኣለዎ። ብሰንኮም ክንደይ ግዜ እናሞተ ክነብር። ንህዝቢ ትግራይ ተጥፍእዎ ኣለኹም፤ ዘርኢ ተፅንቱ ኣለወኹም ክብሎም ኣለዎ። ብሰንክኹም ሰላም ስኢና ከንነብር የብልናን ስልጣንኩም ኣረክቡ ክብሎም ኣለዎ። ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ትሕቲ ዕድመ ናብ ኩናት ምስላፍ ብዓለም ለኸ ሕጊ ዝተኸልከለ እናሃለወ ከምኡ ‘ውን ሓሸሽ ብምጠቓም ናብ ኩናት ክስለፉ እናገበረ ‘ዩ ዝርከብ።

ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ንምንታይ ከ ‘ዩ ከምዚ ዝገብር ዘሎ ይብሉ? ኣይተ ሃይለ፡- ትሕቲ ዕድመ ንኩናት ምስላፍ ንወለዶ ስለ ዘይሓስብ ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ‘ዩ፤ ብዘይ ወለዶ ንምቕራይ፤ ከምኡ ‘ውን መንግስቲ ህፃናት ከይቐረዩ ይቐትል ኣሎ ብምባል ንምኽሳስ ክምችወሉ ‘ዩ። ፖለቲካዊ ከስቢ ንምርካብ ‘ዩ፤ መንግስቲ ፌዴራል ህፃናት ይቐትል ኣሎ ብምባል ሽም ንምጥፋእ ‘ዩ። ነዚ ‘ዩ ኣብ ሓዊ እናኣተዉ ክሞቱን ኣካሎም ክጎድሉን ዝገብር ዘሎ። ሓሸሽ ምጥቓም ድማ ዓቢዶም ብዘይ ውኒኦም ተዓሚቶም ናብ ኩናት ክኣትዉ ምእንቲ ‘ዩ። ተይፈተዉ ናብ ኩናት ኣትዮም ክሞቱ ‘ዩ ካሊእ ምኽንያት ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ውድብ ፀረ ህዝቢ ኮይኑ ይሰርሕ ምህላዉ ዝፍለጥ ‘ዩ። ህፃናት ናብ ኩናት እናዳጎነ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕ ጥራሕ ስለ ዝሓስብ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ምስ ሰላም ተተሓሓዚ ንህዝቢ ትግራይ ከህልፍዎ ዝደልይዎ ሓሳብ እንተልይዎም? ኣይተ ሃይለ፡- ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ኩናት ኣሕሊፍካ ኢኻ፤ እቲ ውድብ ሰላም ተጠይቑ ኣቕቢፁ ‘ዩ። ሰላም ኣይደልን ብምባል ንመበል ሳልሳይ ኩናት ጀሚሩ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ውድብ እዚ ንማንም ኣይጠቕምን። ከምዚ ስለዝኾ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ፈሊጥካ ደቕኻ ንኹናት ከትህብ የብልካን። እዚ ውድብ እዚ መጥፍኢና ‘ዩ ኣየድልየናን ብምባል ኣንፃሩ ምቕላስ ‘ዩ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ። ኣይጠቕመናን ዝብል መርገፂ ክሕዝ ኣለዎ። ምኽንያቱ ብተደጋጋሚ ሰላም ተሓሲሙ ‘ዩ።

 ኣንፃር ሰላም ኢኹም ኣይንደልየኩምን ስልጣንኩም ንመንእሰይ ኣርኪብኩም ዓሪፍኩም ተቐመጡ ክብሎም ኣለዎ። ሰላም ከምፀሉ ዝኽእል፣ መነባብርኡ ክቕይረሉ ዝኽእል በዓሉ ህዝቢ ትግራይ ክመርፅ ኣለዎ። ብፍላይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምትሕብባር ክስርሕ ይግባእ፤ ኣንፃር እቲ ውድብ ብምቕላስ ዝጠቕሞ መራሒ ክመርፅ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ውድብ ብምጭብርባር ናብ ስልጣን ዝመፀ ሃይሊ ‘ምበር ዝመረፆ ኣካል የለን። ክሳብ ሕዚ ኣብ ስልጣን ፀኒሕኻ ኣይጠቐምካናን ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ።

 ብሰላም ስልጣኑ ዘየርክብ እንተኾይኑ ድማ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምትሕብባር ካብ ስልጣኑ ከውርዶ ኣለዎ። በዚ ውድብ እዚ ምኽንያት ‘ያ ትግራይ ተዓፅያ ዝኒሃ። ህዝቢ ሰሪሑ ከይበልዕ ኣይከኣለን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ንላዕሊ ዕድል ክህቦ ኣይግባእን። ኣድላይ ስጉምቲ ብምውሳድ ከውግዶ ኣለዎ። ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይ። ኣይተ ሃይለ፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንምግላፅ ስለ ዝዓደምኩምኒ የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 5 መስከረም 2015 ዓ.ም

Recommended For You