‹‹ኸዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከንቱ ሞት ናይ ምሟት ኩነታት ‘ዩ›› ኣይተ ኪዳነማርያም ፀጋዬ

ትውልዶምን ዕብየቶምን ኣብ ከተማ ኣኽሱም ‘ዩ።ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ተማሂሮም፤ድሕሪኡ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣባባ ብምእታው ናይ መጀመርያ ዲግሪ ረኺቦም ‘ዮም ። ሐዚ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ይነብሩ ኣለዎ። ናይ ሎሚ ጋሻና ኣይተ ኪዳነማርያም ፀጋዬ። ናብ ተሳትፎ ፖለቲካ ዝኣተውሉ ኣብ እዋን መንእሰይነት ትግራይ ዝብል ስምዒት ብምልዓሉ ኸዚ መራሕቲ ህወሓት ኾይኑም ዝሰርሑ ዘለዉ ብሓባር ምንቅስቃስ እንተጀመሩ ‘ውን ግና እቲ ኣካይዳ ትኽክል ኣይኮነን ብምባል ካብቲ ጉጅለ ከምዝተፈለዩ ኣይተ ኪዳነማርያም ይዛረቡ። ነዚ ምኽንያት ድማ ‹‹ብሄር ዝባሃል ኣካይዳ ነይሩ፤እዚ ድማ ኣነ ኣይተርደአንን ፣ ኣብ ወለድና ዘይነበረ ነገራትን ብሓፈሻ ዕላምኡ ትኽክል ከምዘይኾነ ተረድኡኒ ካብኡ ክወፁ ኪኢሊ›› ክብሉ ይገልፁ። ኣብዚ ኸዚ ዘሎ ኩነታት ሃገር ኣይተ ኪዳነማርያም እንትገልፁ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኾነ ህዝቢ ትግራይ ብኹናት ኣንፀርፂሩ ‘ዩ ዘሎ መንግስቲ ብቕልጡፍ መዕለቢ ክግብረሉ ከምዝግባእ ፣ መንግስቲ ፌደራል ብዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ነዚ ጉጅለ ከውግድ ኣለዎ ክብሉ ድማ ገሊፆም። እዚኦምን ካልኦት ሓሳባትን ምስ ኣይተ ኪዳነማርያም ዝገብርናዮ ፃንሒት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት ኹናት ምጅማሩን ኩነታት ትግራይን ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ኪዳነማርያም ፡- ህወሓት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተምሃረ ዝባሃል ‘ውን ከይተረፈ ኾርዩ ‘ዩ ናብ መቐለ ዝኸደ ። ኣብ ፖለቲካ ከምዚ ዝበለ ርኢና ኣይንፈልጥን። ምንም ምኽንያት የብሉን ፣ ን27ኣብ ስልጣን እናሃለዉ ኹሉ ፀጥ ኢሉ ‘ዩ ዝግዛእ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም መንግስቶም ገይሩ ይነብር ነይሩ። ኸዚ ናይ ለውጢ መገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መፀ ናብ ትግራይ ከይድካ ‹‹ትግራይ ትግራይ››ምባል ትርጉም የብሉን። ባዕሎም ዘውፅእዎ ሕገ መንግስቲ ‘ዩ እኮ ዘሎ። ትግራይ ኸፊሉ ዝገዝኣ ሰብ የለን ፣ በቢክልሉ ባዕልካ ኢኻ ተማሃድር ብምባል ዘውፅእዎ ሕጊ ባዕሎም ‘ዮም።

ኸዚ እቲ ኹናት ምስ ተጀመረ ‹‹ከጥፍኡና ‘ዮም ደልዮም ‘ዮም›› ዝብሉ ንምንታይ ‘ዩ ። እዚ ኹናት ካብ መጀመርኡ ባዕሎም ‘ዮም ዘምፅእዎ። መኸተ እናበሉ ኣብዚ ወፃኢ ዘሎ ገንዘብ እናዋፀአ ‹‹ትግራይ ትስዕር›› እናበሉ ፣ ቀዲሞም ባዕሎም ተዳልዮም‹‹ክንስዕር ኢና ፣ ህወሓት ዘሸንፎ የለን›› ተባሂሉ ‘ዩ እኮ ተጀሚሩ። እዚ ክኾን ኣይካኣለን። ብባዕሎም ምኽንያት ‘ዮም ብፀላኢ ተኸቢቦም ዘለዉ። እንታይ ‘ዩ ምኽንያቶም ንዒስራን ሸውዓተን ዓመታት መንግስቲ ኾይኖም እናሃለዉ ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናትና ‘ዩ ኢሉ ንኣባይ ቅርሺ ኣዋፂኡ ‘ዩ ። ኣብ ጎኖም ነይሩ ‘ዩ።

ናይዚኦም ኹራ ኢትዮጵያ ናይ ምግዛእ ኹራ ‘ዩ። ህወሓት ጥራሕ ኣይኮነን ኹሉ ካብ እንዳ ስዋ ጀሚሩ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ መምህር ኹሉ ኣብዚ ስምዒት ኣትዩ ‘ዩ እናተዋገአ ዘሎ። እዚ ዕብዳን ‘ዩ ። ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ‘ያ። ትግራይ እትባሃል መሬት ናይ ተጋሩ ጥራሕ ኣይኮነን ናይ ኢትጰያውያን ‘ዩ። ማንም ኢትዮጵያዊ ትግራይ ተገንፂላ ዝፈቅድ ኢትዮጵያዊ የለን። ኸዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከንቱ ሞት ናይ ምሟት ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ማሪኽና ቐቲልና ክብሉ ይኽእሉ ‘ዮም ኣብ መወዳታ ግን ዘይኾን ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- መገዲ ሰላም ተጀሚሩ እናሃለወ ጉጅለ ህወሓት ንምንታይ ኹናት መሪፁ? ንሰላም ቕሩብ ስለዘይኾነ ዶ ይኸውን?

ኣይተ ኪዳነማርያም፡-እዚ ጥራሕ ኣይኮነን እንትጅመር ዘተ ድርድር ዝባሃል ነገር የለን። መሕፈሪ ‘ዩ። መንግስቲ ሓደ ምስ ዝሸፈተ ጉጅለ ድርድር ኢሉ ምዝራቡ ንባዕሉ መሕፈሪ ‘ዩ። እዚ ናይ ውሽጢ ሃገር ጉዳይ ‘ዩ። ሓይሊ ፌደራል ሓይሊ ክጥቀም ኣለዎ። ሕጋዊ ንዘይኾነ ኣካል ሕጊ ናይ ምኽባር ኹናት እንትካየድ ምኽባር ሕጊ ተባሂሉ ይፅዋዕ። ሰላም ዝባሃል እኮ መጀመርያ ብረት ከውርድ ኣለዎ። ብረት ተሓንጊጥካ ሰላም ዝባሃል ነገር የለን። ንሳቶም ብረት ኣየውርዱን ፣ በዚ ዝዕሾ ሰብ የለን። ስለዚ ዘሎ መማርፂ መንግስቲ ፌደራል ሓይሊ ምስ ህዝቢ ተሓባሩ ሕጊ ከፈፅም ‘ዩ ዝግበኦ።

ዘተ ክባሃል ከሎ ኣነ ብውልቀይ ካብ መጀመርኡ ኣይተቐበልክዎን ነይረ። ንዓለም ማሕበረሰብ ንክፈልጥ እንተኾይኑ እቲ ዘተ ዝባሃል ነገር ንዓይ ግና ብረት ዘየውርድ ሰላም ከምፅእ ኣይኽእልን። ብረት እንድሕር ኣውሪዶም እኮ ካሊእ ነገር እኮ ቐሊል ‘ዩ። ጉዳይ ወልቃይት እንተኾኑ ፌደራል ሓይሊ ኣብ ወልቃይት ኮፍ ኢሉ ከመሓድርዎ ይኸእሉ ‘ዮም። ናብ ኹናት ዘእቱ የኾነይ፤ እንታይ ‘ዩ እቲ ኻልእ ዝደልይዎ? እዞም ጉጅለ ብረት ዶ የውርዱ? ኢል ካ ‘ዩ ምሕታት ።

ብዙሕ ሰብ ስምዒታዊ ኾይኑ ደድሕሪኦም ዝኸደ ኣሎ። ካብ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝሓለፈ ቅድም ኢለ ከምዝበልዎ እቲ መንእሰይ ካብ እንዳ ስዋ ጀሚሩ ክሳብ መምህር ዩኒቨርሲቲ ክዋጋእ ዝወፅኡ ሰባት ኣለው። ክሳብ መወዳእታ ክዋግኡ ‘ዮም። ምኽያንቱ እቲ ኹናት ጀሚረምዎ ‘ዮም። እንድሕር እቲ ዝሓሰብዎ ዘይኾይኑ ሕቶ ክመፅእ ‘ዩ ስለዚ ክሳብ መወዳእታ ክኸዱ ኣለዎም። ስለዚ ብረቶም ክሳብ ዘየውረዱ ሰላም ዝባሃል ኣይህሉን።

ጉጅለ ህወሓት ባህሪኦም ኹናት ‘ዩ ንዝብል፤ እወ ኹናት ‘ዩ። ብኹናት ዝመፁ ስለዝኾኑ እንድዮም እቲ ኹናት ዝጀመርዎ። ኸዚ ግና ካብዚ ነገር መዋፅኢ የብሎምን። መዋፅኢ ስለዘይብሎም ክሳብ መወዳእታ ተዋጊኦም ቀፂሉ ምሟት ‘ዩ ። ግን ይድንድኑ ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም። መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዓፊነ ክሕዞም ‘የ ምባል ንሳቶም ዓሪፎም ኣይቕመጡን ዓያሹ ኣይኮኑን። ስለዚ መማረፂ ዘለዎ እዚ ኹናት እዚ ንመወዳእታ መንግስቲ ከጥፍኦ ‘ዩ ዘለዎ። ዘይኽእል እንድሕር ኾይኑ ኣነ ኣይርደኣንን። እንበር ዘተ ሰላም ምባል ኣነ ኣይቕበሎን።

ህወሓት ካብ ቀደሙ ብዛዕባ ሰላም ኣይፈልጥን፤ ነዚ ‘ዩ ኹናት ባዕሎም ዝጀመርዎ። ስለዚ ኹናት ደልዮም ‘ዮም ማለት ኣይኮነን። ካልእ ኣማራፂ የብሎምን ፣ ኢዶም ክህቡ ኣይኽእሉን። ናይ መንግስቲ ኣማራፂ እንታይ ‘ዩ፤ ሓይሊ ከጠናኽር ‘ዩ ዘለዎ። ሚኢቲ ሚልየን ዝውክል መንግስቲ ከመይ ገይሩ ኣብዚኦም ሕግ ምኽባር ይኣብዮ? እዚኣ ንዓይ ሕቶ ‘ያ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መቐለ ዝርከብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም 570ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ህወሓት ከምዝዘረፎ ተገሊፁ ‘ዩ፤ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ኪዳነማርያም፡- እዚ ዝደንቕ እኮ ኣይኮነን ። እዚኣቶም እኮ ሽፍታ ‘ዮም ። ናይዚኦም ስራሕ ስራሕ ሽፍታ ‘ዩ ምንም ዝግደሱ ኣይኮኑን። ንዓኣቶም ተዋሂቡ እንተኾነ ኸ ? ብሽም ሓገዝ ህዝቢ ተባሂሉ ንዓኣቶም ተዋሂብዎም እንተኾነ ኸ ? ንምንታይ ‘ዩ ዝኹሉ ነዳዳ ኸይዱ ፤ እዚ ኹሉ ነዳዲ ብሽም ሓገዝ ተባሂሉ ‘ዩ ከይዱ። እታ ሓንቲ መዓልቲ ወሲደምዋ ሰሪቖምዋ ምስ ተብሃለ ድሕሪኡ ምንም ዘረባ የለን ሱቕ ሱቕ ኾይኑ። ካልኣ እዚኦም ሸፋቱ ስለዝኾኑ ሽፍታ ዝኾነ ኹሉ ‘ዩ ዝገብር። ዋላ ይሰርቕ ዋላ ይቐትል ስለዚ ኣብዚ ሓድሽ ነገር የለን።

ወጋሕታ ፡- ግደ ድያስፖራ ትግራይ እንታይ ክኸውን ኣለዎ? ብምንታይ ምኽንያት ‘ዮም ንህወሓት ዝድግፍዎ?

ኣይተ ኪዳነማርያም ፡- ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ተጋሩ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ተጋሩ ሓደ ‘ዮም ። ንኣብነት ኣብዚ ኣነ ዘለኽዎ ከተማ ኣነ ጥራሕ ‘የ ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለኒ ። መብዛሕትኡ ትግራዋይ ናቶም ደጋፊ ናታቶም መጣቕዒ ‘ዩ። እዚ ኣብዚ ዘሎ ትግራዋይ ድማ ዝተፈለየ እንተይኾነስ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ትግራዋይ ስምዒታዊ ‘ዩ። ትግራይ ሃገር ‘ያ እትኾን፣ ሃገር ንምግባር ናይ ዕብዳን ሕልሚ ኣለዎም፣ ኣብዚ ስምዒት ‘ዮም ዘለዉ። እናወደቑ እናወፁ ሰልፊ እናገበሩ ኣብዚ ንዘለዉ መንግስቲ እናርኣዩ ነይሮም ‘ዮም። ኸዚ እኳ ደኺምዎም ይመስለኒ ኣይሪኦምን ዘለኹ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ውን እኮ ብዙሕ ደጋፊ ኣለዎም ‘ዩ። ፍልልዩ ኣብዚ ቅሩብ ነፃነት ኣለዎም ኣብ ወፃኢ ‘ዮም ዘለዉ’ምበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ውን እኮ ሓደ ጀነራል ሞይቱ ‹‹ትግራይ ትስዕር›› እኮ ኢሎም ‘ዮም። ኣብቲ መቓብር ኸይዶም ‹‹ትግራይ ትስዕር›› ኢሎም ‘ዮም መንገዲ ረኸብና ኢሎም። ኣብ ወፃኢ እውን ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ‘ዩ ዘለዎ።

ፍታሕ ኣብ ኢድ መንግስቲ ፌደራል ‘ዩ ዘሎ። ዘምፅእዎ ዝገብርዎ ሓሳብ ኣሎ ኢለ ኣይግምትን። ንሳቶም እኮ ግዲ የብሎምን ፣ እዚ ኹሉ ሰብ ብኹናት ይመውት ኣሎ ፣ እዚ ኹሉ ህፃን ናብ ኹናት ይኸይድ ኣሎ፣ እዚ ኹሉ ገይሮም መወዳትኡ እንታይ ‘ዮም ዝኾኑ? እዚ ኹሉ ገይሮም ኢትዮጵያ ክመርሐርዋ ድሕሪ ኸዚ ኣይኽእሉን። ብግልፂ ዝዛረብ ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ‘ያ ‘ምበር ናይ ናይ ተጋሩ ጥራሕ ኣይኮነትን። ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ቦታ ናይ ኢትጰያውያን ‘ዩ። እዚ ሚስጥር ‘ዩ ዘይረደኦም ዘሎ። ኤርትራ ባዕሎም ‘ዮም ገንፂለምዋ። ብናታቶም ግዘ ስለዝተገንፀለ ኸዚ ‘ውን ዝኾነሎም መሲልዋም እዚኣ ‘ያ እታ ዕላምኦም። ኣብዚ ሕብሕቢኢተይ የለን። ስለዚ ናዚኦም ዲያስፖራ ዝውስኖ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝግበር ጉዳያት ‘ዩ። እንድሕር ዘለዎ ሓይሊ ተጠቒሙ ዝግበር እንተገይሩ ናይዚኣቶም ጫውጫው ዋላ ሓንቲ።

ወጋሕታ ፡-ማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ተዝገብር ‘ዩ ተግባር ጉጅለ ህወሓት ጠጠው ክብል ዝኽእል?

ኣይተ ኪዳነማርያም፡- ሃገራት ወፃኢ እዚ ጉዳዮም ኣይኮነን። መጀመርያ ምሉእ ሃገራት ኣፍሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ዮም። ኣብ ኣፍሪካ ሓንቲ ሃገር ፀገም እንትበፅሓ ኹሉም ሃገራት ኣፍሪካ ‘ዩ ዝምልከቶም። ንሃገራት መንግስታት ኣፍሪካ ጥሒሱ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደጋ ከብፅሕ ዝኽእል ሓይሊ ይኹን መንግስቲ ኣብ ዓለም የለን። እቲ ፖለቲካ እዚ ‘ዩ። ማንም ኣፍሪካ ዩንየን ዘይፈቐዶ ኣብ ሓንቲ ኣፍሪካ ሃገር ሓደ ፀገም ምፍጣር ማለት ምስ ሙሉእ ኣፍሪካ ምፅላእ ማለት ‘ዩ። ስለዚ እዚ ይፈልጡ ‘ዮም፤ግና ሓንቲ ነገር ክገብሩ ኣይካሉን። ኣሜሪካ ኾነ ኣውሮፓ ከምዚ ክገብረልና ‘ዩ ይባሃል ።

ኣፍሪካ ፀላኢት ናይ ኢትጵያ ኣይኮነትን። ግና ካብ ክሊንተን ጀሚሩ ህወሓት ንዒስራን ሸውዓተን ዓመት እንትመርሕ ናቶም ደገፍትን ናቶም ዝበልዑን ዝሰተዩን ሰባት ‘ዮም ንሓፂር እዋን ፅዕንቶ ዝፈጠሩ። ማህበረሰብ ዓለም ዝብሎ ነገር የለን ። መጀመርያ ኢትዮጵያ ኣባል ዩናይትድ ኔሽን ‘ያ ። ኣብ ናይ ሓንቲ ሃገር ናይ ውሽጢ ጉዳይ ማንም ጣልቃ ኣይኣቱን ‘ዩ። ንሳቶም ክኣትዉ ዘፈተንዎ ብጆነሳይድ ‘ዩ። እዚ ኸዓ ጆኖሳይድ ኣይተፈፀመን ተባሂሉ ብምንታይ ይእቶው። ጆኖሳይድ እንድሕር ተፈፂሙ ይኣትዉ ‘ዮም። ድሕሪ ሩዋንዳ ዝተፈጠረ መእተዊ ሕጊ ‘ዩ። እዚኣ መእተዊ ስለዝተብሃት ‘ያ ‹‹ጆኖሳይድ ጆኖሳይድ›› ዝባሃል ዘሎ። ዝገርም ጌታቸው ረዳ ጆኖሳይድ ‘ዩ ኢሉ ብኣፉ ኣይተዛረበን። ንሱ ‹‹ጆኖሳይድ ክኾን ዝኽእል ‘ዩ ›› ‘ዩ ዝበለ ፣ናይ ሕጊ ምሁር ‘ውን ስለዝኾነ ብሞይኡ ክቕልድ ሞይኡ ከባላሹ ኣይደለየን። ተመሊሱ እቲ ዘረብኡ እንረኢናዮ ክሳብ ጆኖሳይድ ዝበፅሕ ‘ዩ ዝብል፤ ማህበረሰብ ዓለም ምንም ኣይገብርን፤ እዚ ናይ ውሽጢ ዓቕሚ ‘ዩ ዝውስኖ፤ናይ ወፃኢ ዝባሃል ዘረባ ምንም ትርጉም የብሉን።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን ንክረክብን ንጉጅለ ህወሓት ይኣኽለካ ንምባል ተቃውምኡ ብምንታይ መገዲ ክገልፅ ኣለዎ ይብሉ ?

ኣይተ ኪዳንማርያም፡- ክቃዎም ኣይኽእልን። ኣብ ሓደ ዲክታተር መንግስቲ ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ዓቕሚ የብሉን። እዚ እቲ ሓቂ ዘይተረደኦ ሰብ ‘ዩ ከምዚ ዝብል። ህዝቢ መሰሉ ዘኽብር ዝባሃል ኣብ ዲሞክራክ ዓዲ ‘ዩ። ኣብ ዲሞክራያዊ ዓዲ ህዝቢ መሪፁ ንመንግስቲ የውድቕ ‘ዩ። ካብ መንግስቲ የላቕቕ’ምበር ኣብ ዲክታተር ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ እንታይ ‘ዩ ክገብር? ህዝቢ ተጨቁኑ ‘ዩ ዘሎ። እዚ እናበልካ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ክላዓል

 ዝባሃል ነገር ኣይሰርሕን። ከመይ ገይሩ ‘ዩ ዝለዓል መን ዕድል ሂብዎ ? ብጠመንጃ ብኹናት ዝተኸበበ ዓዲ ፣ ደቅኻ ንኹናት ኣዋፅእ እናተብሃለ እንድሕር ዘየዋፂኻ እንድሕር ዘየጋዲልካ ዓድኻ ኣይኮነን ኣብ ዝባሃሉ ዓዲ ‘ዩ እኮ ዘሎ። ኣብዚ ከምዚ ዝባሃለሉ ኩነታት ህዝቢ ተሲኡ እንታይ ክገብር ‘ዩ? ህዝቢ ክላዓል ክቃዎም ኣለዎ ዝብል ትርጉም ዘይብሉ ዘረባ ‘ዩ። ንዒስራን ሸውዓተን ዓመት ወያነ ህዝቢ ክገዝኦ ከሎ ኣየናይ ህዝቢ ተላዒሉ ይፈልጥ ? ዘይምገልበጦም ደኣ ? ሓቢሩ እንድዩ እቲ ህዝቢ ዝግዛእ ዝነበረ። ኸዚ ኣብ ትግራይ እንታይ ዝተፈለየ ነገር ኣሎ? እዚኣ እያ እታ ቁርፂ ዘረባ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ተዝገብር ‘ዩ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ? እንታይ ዓይነት ኣካይዳ ክኸይድ ትፅቢት ይግበረሉ?

ኣይተ ኪዳነማርያም፡- ዓዱ ይከላኸል። ሃገሩ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ከመይ ‘ዩ ዝገብሮ ባዕሉ ይፈልጥ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ንከይትፈርስ መንግስቲ ሓላፍነት ኣለዎ። ሓላፍነት ኢትዮጵያ ሉኣላውነት ስልጣን ዘለዎ ፌደራል መንግስቲ ‘ዩ። መከላከያ ኣለዎ ሓይሊ ኣለዎ ሙሉእ ስልጣን ኣለዎ። ንዝሸፈተ ሽፍታ ሕጊ ኣይኽትልን ፣ ሕጊ ኣይፍፅምን ንዝበለ ዝኾነ ጉጅለ ሕጊ ናይ ምኽባር ግቡእ ኣለዎ። ምስ ሓደ ሽፍታ ከመይ ኢልካ ኮፍ ኢልካ ዘተ ይግበር። ምስ ሽፍታ ኮፍ ኢልካ ምዝታይ መሕፈሪ ‘ዩ። ህዝብን መንግስትን ዘነኣእስ ሓደ ሽፍታ እናተፈጠረ ሱቕ ኢልካ ዝራኣየሉ መገዲ ኣነ ኣይቕበሎን። ስለዚ መንግስቲ ሓላፍነቱ እዚ ‘ዩ ካልእ ነገር ኣይኮነን። ንሳቶም ሕጊ ጥሒሶም ጠመንጃ ኣልዒሎም እንድዮም ዝዋግኡ ዘለዉ? እዛ መልሲ እዚኣ ‘ያ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንተሃልይዎም ?

ኣይተ ኪዳነማርያም ፡- እዚ ጉዳይ ብፖለቲካ ዘረባ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ጉዳይ ወታደራዊ ውሳነታት ዘድልዮ ጉዳይ’ምበር ብዘረባ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ረብረብ ኢሉ ደኺምዎ ‘ዩ ዘሎ። በዚ ጉዳይ እዚ ሰልችይዎ ‘ዩ ዘሎ። ሰላም ስኢኑ ‘ዩ ዘሎ እዚ ዓዲ ፣ ብኢኮኖሚ ድዩ ትምህርቲ ምንም ክግበር ኣይካኣልን። ኣብ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ኢትዮጵያ ‘ውን ቅልውላው ‘ዩ ዘሎ። ከመይ ገይርካ ‘ዩ ናብ ዕብየት ዝኽየድ ናብ ልምዓት ዝኽየድ ? እዚ ነገር እዚ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ክውዳእ ኣለዎ። እቲ ህዝቢ ሰላም ክረክብ ኣለዎ፣ ደኺምዎ ኣሎ ፤ ብኹናት ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ ደኺምዎ ዘሎ። ሱቕ ኢልካ ብሃለውለው ዝኾን ነገር ዝመፅእ ሰላም የለን። ምስ ሰላም ዘይደሊ ፍጥረት ከመይ ኢሉ ሰላም ይመፅእ?። ኣውሮፓን ኣሜሪካን ሰላም ስለዝበሉ ሰላም ኣይመፅእን ። ንሳቶም ኣብዚ ዘገድሶም ነገር የለን። ንሳቶም ኣብ ዝኾነ ዓለም ሰላም ግበሩ እናበሉ ‘ዮም ዝዛረቡ ፣ እታ ሰላም ከመይ ገይራ ትምፃእ ? ‘ዩ እቲ ዓብይ ሕቶ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ኪዳነማርያም፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 3 ጳ ጉሜን 2014 ዓ.ም

Recommended For You