‹‹ኣብ ዘፈር ማይ፣መስኖን ኢነርጂን ወሰንቲ ዓወታት ተረኺቦም እዮም››ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ዘፈር ማይ፣መስኖን ኢነርጂን ወሰንቲ ዓወታት ከምዝተረኸቡ ቐዳማይ ሚኒስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ መረብ ማሕበራዊ ገፅ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ፤ኣብ ዘፈር ኢነርጂ ማይን መስኖን ወሰንቲ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም ኢሎም። ብሓፈሻ 56‚790 ትካላት ህንፀት ዝስተ ማይ ከተማን ገጠርን ብምዝዛም 15‚287‚148 ነበርቲ ቐረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ተበፃሒ ምግባር ተኻኢሉ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንከተማታት ቐረብ ዝስተ ማይ ዝውዕል ብር 16 ቢሊየን ብልቓሕ ካብ ዝተፈላለዩ ልቓሕ ወሃብቲ ትካላት ብምትእኽኻብ ን72 ከተማታት ቐረብ ዝስተ ማይ ዝውዕል ልቓሕ ፋይናንስ ምቕራብ ተኻኢሉ እዩ። ጊቤ 3 ሓይሊ ማይ (1‚870 ሜጋ ዋት)፤ ገናሌ ዳዋ 3 መፈልፈሊ ሓይሊ ማይ (254 ሜጋ ዋት)፣ ረጲ ደረቕ ጉሓፍ (25 ሜጋ ዋት) ምዝዛምን ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ምእታውን ተኻኢሉ እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓፈሻዊ ዓቕሚ ምፍልፋል ሓይሊ 4‚466 ሜጋ ዋት ከምኡ ‘ውን 19ሺ748 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎም መተሓላለፍቲ መስመራት ኣብ ስራሕ  ውዒሎም ይርከቡ።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ (79.3 ሚእታዊ)፤መፈልፈሊ ማይ ግድብ ኮይሻ (45.8 ሚኢታዊ)፤ኣይሻ ንፋስ ወሃቢ ሓይሊ (73.9 ሚኢታዊ)፤ጂኦተርማል ኣሉቶ ላንጋኖ (28.3 ሚኢታዊ) ዝበፅሑ እንትኸውን፤ መሸጣ ሓይሊ ጎረቤት ሃገራት ከትርፍ የኽእል እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ መተሓላለፊ መስመርና ኢትዮ-ኬንያ 500 ኪቭ 97.8 ሚኢታዊ በፂሑ እዩ። ልዕሊ 875 ሽሕ ዜጋታት ግልጋሎት ግሪድ እንትረኽቡ ልዕሊ 1100 ከተማታት ገጠር ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ንክረኽቡ ተገይሩ እዩ።

ምስ ናይ መንግስቲ ቕነሳ ወፃኢ ተተሓጊዙ፤ ፀገማት ዝነበርዎም ፕሮጀክታት ፍታሕ ብምሃብ 4 ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ (ፕሮጀክታት ርብ፣ጊዳቦ፣መቂ ዝዋይን መገጭ ሰራባ ልምዓት መስኖ ፕሮጀክት) ብምዝዛም 32ሽሕ400 ሄክታር ብምልማዕ 56ሽሕ946 ሓረስቶት ተጠቀምቲ ምግባር ተኻኢሉ እዩ። ድሕሪ ለውጢ ህንፀቶም እናተኻየደ ዝርከቡን ንህንፀት ኣብ ኸይዲ ጨረታ ዝርከቡ 8 ሓደሽቲ ፕሮጀክታት (ካሊድዲጆ፤ላዕለዋይ ጉደር፣ጨለጨል፣ወ ልመል፣ኣጅማጫጫ፣ወይቦ፣ኣንገር፣ኬጦ) ግድባት መስኖ እንትዛዘሙ 52ሽሕ192 ሄክታር ብምልማዕ 104ሽሕ384 ሓረስቶት ተጠቀምቲ ምግባር ይከኣል እዩ። ወፍሪ ምውጋድ እምቦጭ ካብ 4ሽሕ 302.4 ሄክታር ውሽጢ 3ሽሕ 856.7 ሄክታር ምውጋድ ተኻኢሉ እዩ። እዚ ድማ ብሓፈሻ 85 ምኢታዊ ምስኻዕ ተኻኢሉ እዩ። (ዝተሳተፈ ሓይሊ ሰብ 396ሽሕ 943 (73.4 ሚኢታዊ ኣንስትዮ) ከምዝኾነ ገሊፆም።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You