‹‹ ሰሞነ ኢትዮጵያ›› ሓድነት ዘጠናኽር ብምዃኑ ቐፃልነት ክህልዎ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ‹‹ሰሞነ ኢትዮጵያ››ምኽባር ሕድሕድና ንምፍላጥን ሓድነት ንምጥንኻር ዝሕግዝ ብምዃኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ርኢቶኦም ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝሃቡ ተሳተፍቲ ገሊፆም። ቢሮ ቅርሲ ባህሊ ቱሪዝምን ስፖርትን ክልል ሲዳማ ፣ታሪክን ባህልን ዳይሬክተር ኣይተ ተፈራ ሌዳሞ ከምዝበልዎ ፣ሲዳማ ሓድሽ ክልል ስለዝኾነ እቲ ክልልን ዘለዎ ሃፍትን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ዝሕግዙ ነገራት ሒዞም መፂኦም እዮም።

በዚ እውን ባህላዊ ፣ታሪካዊን ተፈጥሯውን ዝኾኑ ነገራት ከሪኡ ዝኽእሉ ናውቲ፣ኽዳውንቲ ፣ናይቲ ክልል ኹለንተናዊ ዓቕምን ሃፍትን ዘሪኡ ፎቶ ግራፍን ዘጋቢ ፊልምን ሰሪሖም ከምዝመፁ ገሊፆም እዮም። ሕብረተሰብ ብዝራኣዮ ነገር ከምተሓጎሰን ሓዱሽ ክልል ኣይመስልን ዝብል መልሲ ረኺብና ኢና ዝበሉ ኣይተ ተፈራ ፣ብዝተሓሰበ ልክዕ እቲ ክልልን ዘለውዎ ፀጋታትን ብኣግባቡ ከምዘፋለጡ ኣፍሊጦም እዮም።

ከም እቶም ዳይሬክተር ገለፃ ፣ኣብ ሲዳማ ዘሎ ታሪካዊ ፣ባህላውን ተፈጥራውን ሃፍቲ ናይ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ሃፍቲ እዩ። ኣብ ካልኦት ክልላት ዘሎ ሃፍቲ’ውን ብተመሳሳሊ ናይ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም ፣እቲ ምድላው ኣብ ኩሉ ክልል እንታይ ዓይነት ሃፍቲ ከምዘሎ ንምፍላጥን ነንባዕልና ንምቅርራብ ዕድል ፈጢሩልና እዩ ኢሎም። ስለዝኾነ ሓድነት ከጠናኽሩ ዝኽእሉ ምድላዋት ቐፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ክካየዱ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ካብ ክልል ሱማሌ ዝመፁ ኣይተ ከማል ዘካርያስ ብወገኖም ፣‹‹ሰሞነ ኢትዮጵያ›› ዘቕረብናዮ ክልል ሶማሌ ብውሕዱ ክግለፁ ዝኽእሉ ባህላዊ ናውቲ ፣ምግብታት ፣ስእልታትን ኽዳውንትን ከምዝሓዙ ገሊፆም እዮም። ብዙሕ ሰብ እንስሳ ዘርብሕ ጥራሕ ከምዘለዎ ይሓስብ እዩ ዝበሉ ኣይተ ከማል ፣እዚ ምድላው እቲ ከልል ኣርባዕተ ሩባታት ዘለዉዎን ንልምዓት ሕርሻ ምቹ ከምዝኾነ ንምርኣይ ከምዝኸኣሉ ገሊፆም። ካብዚ ብተወሳኺ ባህላዊ ፣ታሪኻውን ተፈጥሯውን ሃፍትን ኢንቨስትመንት ኣማረፅቲ ንኢትዮጵያውያን ንምፍላጥን ናይ ካልኦት’ውን ንምፍላጥ ዕድል ከምዝተፈጠረ ኣብሪሆም።

ሓደ ቦታ ጎንፂ እንትፍጠር ኣብ መንጎ ህዝብታት ፀገም ከምዘሎ ተገይሩ ከምዝቐርብ ዝጠቐሱ ኣይተ ከማል ፣ኣብ ‹‹ሰሞነ ኢትዮጵያ›› ሓደ ብሓዲኡ ባህሊ እንትሕጎስ፣ናይ ሓዲኡ ሳዕስዒት እቲ ካልእ እንትስዕስዕ ብምርኣዩ ፀገማት እንተሃለዉ ‘ውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ምንም ዓይነት ቕሬታ ከምዘየለ መርኣያ ምዃኑ ኣመልኪቶም እዮም። ካብቶም ዑደት ዝገበሩ መዓልቲ ተትውሰኽ ፣ካልእ እዋን ድማ ተመሳሰልቲ ምድላዋት ተዝግበሩ ዝብል ርኢቶ እናተውሃበ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይተ ከማል ፣ከምዚ ዝኣመሰሉ ምድላዋት ንምቅርራብን ሓድነት ንምጥንኻር ዓብይ ግደ ስለዘለዎም ቐፃልነት ተዝህልዎም ፅቡቕ እዩ ኢሎም።

‹‹ሰሞነ ኢትዮጵያ›› ብቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሓሳብ ዝመፀ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ፣ብሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮ ህፃናትን መናእሰይን ብሚኒስቴር ከተማ ልምዓት ኮንስትራክሽን ምትሕብባር ኣብ ‹‹ወዳጅነት ኣደባባይ›› ካብ 10 ጉንበት ክሳብ 16 ጉንበት 2013 ዓ.ም እናተኻየደ ከምዝፀንሐ ዝዝከር እዩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You