መንግስቲ ምስ ኣሜሪካ ዘለዎ ርክብ እንደገና ንምግምጋም ከምዝግደድ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ዘለዎ ርክብ እንደጋና ንምግምጋም ከምዝግደድ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ። መንግስቲ በቲ እገዳ ከይተሰናኸለ ዝጀመሮ ጉዕዞ ለውጢ ኣጣናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ፌዴሪኢ፣ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣናት ኢትዮጵያ ቪዛ እገዳ ኣመልኪቱ ኣብዘውፀኦ መግለፂ ከምዘመልከቶ፣ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳያ ከመይ ከምትመርሕን ከምተማሕድርን ክንገራ ኣይግባእን።

መንግስቲ ኣሜሪካ ዝወሰዶ ክልከላ ቪዛን ካልኦት ተዛመድቲ ስጉምቲታትን ንነዊሕ ግዜ ዝፀንሐ ክልተኣዊ ርክባት ብዝላዕለ ብርኪ ከምዝጎድእ ብምግንዛብ፣ እዚ ውሳነ ብውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቓ ንምእታው ዝዓለመ እንትኾን ክፍለ ዘመናት ዝተሳገረ ምሕዝነት ኣብ ግምት ውሽጢ ዘየአተወ ክሳዕ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ዘለዎ ክልተኣዊ ርክብ ከም እንደጋና ንምርኣይ ከምዝግደድ ኣፍሊጡ። እቲ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ናይ ሓባር ጉዳያት ዘለዎ ርክብ ኣወንታዊን ሃናፂን ብዝኾነ መልክዑ እናኻየደ ኣብዘለዎ እዋን ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ተቐቢላ ቐዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ምስ ካልኦት ኣካላት ሓለፍቲ መንግስቲ ብዕምቖት ምኽክር ምስገበሩ ዝተማሓላለፈ ምዃኑ እቲ መግለፂ ዝጠቐሰ ኮይኑ እቲ ውሳነ ግቡእነት ዝጎደሎ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እቲ ዘሐዝን ክፋል ውሳነ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ማዕረ ንምርኣይ ዘርአዮ ዝንባለ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፣ እዚ ጉጅለ እዚ ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ራዕዳዊ ውድብ ተባሂሉ ዝተሰየመ ምዃኑ ብምዝኽኻር መንግስቲ ኣሜሪካ ብዝተጋገየ ሓበሬታ ተመርኵሱ ውሳነ ምሕላፉ ካብዚ ዝሓሸ መረዳእታ ክቐርብ ኣይኽእልን ኢሎም።መንግስቲ ኣሜሪክ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምእታው ዝገብሮ ፈተነ ግቡእነት ዝጎደሎ ጥራሕ እንተይኮነስ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጊሙ የፍልጥ ዝበለ እቲ መግለፂ፤ መንግስቲ ብሄራዊ ምይይጥ እናበረታተዐን እናገበረን ከምዘሎ ብምጥቓስ ምስ ራዕዳዊ ህወሓት ከፍ ኢሉ ክመያየጥ ከምዘይኽእል ዘለዎ ፅኑዕ ቕዋም ኣፍሊጡ እዩ። ነዚ ጉጅለ ንምምላስ ዝግበር ፃዕሪ ኣግባብነት ከምዘይብሉ ገሊፁ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ጉዳያ ከመይ ክተካይድ ከምዘለዋ ከመይ ክተመሓድር ከምዝግባኣ ክንገራ ኣይግበኣን ዝበለ እቲ መግለፂ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈፂሙ ዝተባህለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ኮይኑ ብዘይሻራዊ ንምፅራይ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዘለዎ ፅኑዕ ቕዋም ብምግላፅ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ላዕለዋይ ዓቓቢ ሕጊ ዝበፅሖ ሓበሬታ ግልፂ ምግባሩ ኣብሪሁ።እዚ ኩሉ እናተሰርሐ ኣብ ዘለዎ እዋን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበሮ እገዳ ቪዛን ካልኦት ውሳነታትን ዘሐዝን ጥራይ እንተይኮነስ ዘመናት ዘቚፀረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብምትሕብባር ዝተረኽቡ ወሰንቲ ውፅኢታት እንተይቐረየ ከምዝጎድእ ኣፍሊጦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ብግቡእ ዘይኮነ ውሳነ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣይዕንቐፍን ዝበለ እቲ መግለፂ፣ ኢትዮጵያ ሕዚ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ዝጀመረቶ ፃዕሪ ኣጣናኺራ ከምትቕፅልን እቲ ፈተና ከቢድ ዋላ ይኹን ናብ ዘላቒ ሰላምን ብልፅግናን እትገብሮ ጉዕዞ ኣጣናኺራ ከምትቕፅለሉ እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ። ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካኣ ልዑል ለውጢ የምፅእ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ 6ይ ሃገር ለኸ መረፃ ንምክያድ እናተዳለወት ኣብ ዘለወትሉ እዋን፣ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሓገዝ እናተፀበየ ኣብ ዘለዎሉ ኩነታት መንግስቲ ኣሜሪካ ብዝተጋገየ ሓበሬታ ተመስሪቱ ነዚ ውሳነ ምሕላፉ ኣብቲ መረፃ ኣሉታዊ ጎኒ ከምዘሕድር ጠቚሞም።ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ነዊሕ ዓመታት ዘቚፀረ ዕርክነት ከምዘለዋ ብምጥቓስ፣ እዚ ሕዚ ዝተምሓላለፈ ውሳነ ግና ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ኣብ ግምት ውሽጢ ዘየእተወ፣ ዝነበረ ምሕዝነት ዘዳኽምን ዘሕዝንን ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

መኣርግ ገ/ሄር

 ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You