‹‹ ታሪኽ ህወሓት ኹናት እዩ ››- ኣይተ ነጋሲ በየነ

ትግራይ ካብ ዘፍረዮቶም ንህዝቢ ትግራይ ማዕርነትን ነፃነትን ብዲፕሎማሲ ዝቃለሱ ምሁራን ዉሑዳት ኣይኮኑን፡፡ ከም ዕደል ኮይኑ ትግራይ ብቡዙሕ ዘመናት ብኹናት ጥራሕ ዝመፅእ ታሪኽ ዘለዋን ኣብቲ ብረታዊ ቃለሲ ዝተሳተፉ ጥራሕ ታሪኾም እናተዘንተወ እንተመፀ ‘ውን ካብዚ ብተቃራኒ ድማ መገዲ ሰላምን ዲሞክራሲን ዝመረፁ ብዲፕሎማሲ ዝቃለሱ መንእሰይ ትግራይ ካብ ኹናት ወፃኢ ብዝሰልጠነ ኣካይዳ ንክራመድን ብሓሳብ ልዕልነት ንክኣምንን ዝሰልጠነ ተተካኢ ወለዶ ንምፍጣር ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ተጋሩ ብዙሓት ‘ዮም፡፡ ካብ ማንም ፓርቲ ኣባል ወፃኢ ብምዃን ሕማም ህዝቢ ትግራይ ዝሰመዖም፣ ፀገም ህዝቢ ትግራይን ዕድል መፃኢ ወለዶ ትግራይ ዘተሓሳስቦም፣ ትግራይ ካብ ኹናት ወፃኢ ኣንፈት ልምዓትን ስልጣነን ተስፋን ከሪኡ ዝደልዪ ተጋሩ ዉሑዳት ኣይኮኑን፡፡ ካብዚኦም ሓደ ዝኾኑ ኣይተ ነጋሲ በየነ ‘ዮም፡፡

ካብ መቐለ ቤት ትምህርቲ መሰረተ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ብትምህርቲ ዝተሃነፀ መንነት ዝተሓንገጡ ኣይተ ነጋሲ ፣ ጎኒ ንጎኒ ትምህርቶም ግና ዝወፅሉ ማሕበረሰብ ወፃዓን በደልን ካብ ምቅላስ ንድሕሪት ኣይበሉን፡፡ ‹‹ዘይዋሓጠልይ ኣካይዳ ህወሓት ነይሩ ፣ ስልጣን ሒዞም ‘ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገበረዎ ለውጢ ምንም ዓይነት ኣይነበረን›› ብዝብል ሕልነኦም ዕረፍቲ ከምዘይሃቦም ይዛረቡ፡፡ ንትምህርቲ ካብ ዝኸድሉ ሩስያ ይኹን ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኣተዉ ‘ውን ምቅላስ ከምዝጀመሩን ክሳብ ኸዚ ድማ ኣንፃር ህወሓት እናተሟገቱ ይርከቡ፡፡ ብህዝቢ ትግራይ ‘የ ተማሂረ ግና ነቲ ህዝቢ እንታይ ገይረሉ ብዝብል እቲ ሓቂ ብምዝራብ ‘የ ዝኣምን ካብ ወለደይ ‘ውን ዝወረስክዎ እዚ ‘ዩ ዝብሉ ኣይተ ነጋሲ ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ኣድሂቦም ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ኸዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብኸመይ ይገልፅዎ? ኣይተ ነጋሲ፡- ኣነ ብውልቀይ ናብዚ ከይንበፅሕ ብዲፕሎማሲ እናተቓለስኩ ፀኒሐ ‘የ ፤ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመት እናተሰርሐ ዝመፀ ኣሰራርሓ ንቕድሚት እንታይ ከምዝመፅእ ይረኣየካ ‘ዩ:: ህወሓት ባንክን ታንክን ኣብ ኢዶም ኣብ ዝነበረ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ቆላሕ ኢሎም ኣይራኣይዎን:: ኣብ ኢትዮጵያ ‘ውን ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ ትካላት ብምጥያሽ ትኽክለኛ መረፃ ብምግባር ዋላ እንድሕር ተሸኒፎም ‘ውን ስልጣኖም ብኣግባባቡ ተዘርከቡ ነይሮም እዚ ናታቶም ታሪኽ ወለዶ ዝዝክሮ ፅቡቕ ታሪኽ ምኾነ ነይሩ:: ግና ዘይምዕዳል ‘ውን ‘ዩ ካብ በረኻ ጀሚሮም ‘ውን ጥዑያት ኣይነበሩን:: ሓደ ሓደ ሰባት ቃልሶም ፅቡቕ ‘ዩ ኢሉ ወርቂ እኳ ክጣስሞም እንተሞከረ ካብኡ ጀሚሩ ‘ዩ ፅቡቕ ዘይነበረ:: ካብ በረኻ እናሃለዉ ጀሚሮም ኣብ ውሽጦም ዲሞክራሲ ኣይነበረን:: ህወሓት ካበናታቶም ዉሑዳት ኣባላት ወፃኢ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ዘለዎ እንድሕር ደኣ ኾይኑ ወይ ማእሰርቲ ፣ ምብራር ወይም ምቕታል ‘ዩ ነይሩ:: ስለዚ ኸዚ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ስራሕ እቲ ዝለመድወ ‘ዩ ንህዝቢ ትግራይ’ውን ተማላሊአምዎ ኣለዉ::

እዚ ንከይመፅእ ኣነ ንሕልናይ ኢለ ይዛረብ ነይረ እየ:: ግና ክንደየናይ ኸቢድ ከምዝኾነ ኣብ ህዝብና ዝበፅሐ ፀገም ይዛረብ እዩ ፤ መንግስቲ ፌደራል ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ለሚንዎም ‘ዩ::ብጠረጴዛ ዙርያ ንፍተሓዮ ብምባል ዓበይቲ ዓዲ፣ኣቕሽቲ ፣ ተላኢኾም ‘ዮም ግና ትዕቢት ነይሩ ፣ ደርጊ ኣሸኒፍና ኢና ኸዚ ‘ውን ዘሸንፈና የለን ብምባል:: ቅድሚ እዚ ምምፅኡ መሳርያታት ምሕባእ ፣ ኣብ ትግራይ ንክፀንሕ ብምግባር፣ እቶም ጀነራላትን ፕሮፈሽናለትን ዝኾኑን ትግራዎት ምግባር እዚን ዝኣመሰሉን ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ ግና ዘይሩ ዘይሩ ግፍዐኛ እንድሕር ተባሂልካ እታ ግፍዒ ‘ውን ተመሊሳ ናብ ባዕልኻ ‘ያ::

እቲ ዘሕዝነ ግና ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ዝገበርሉ ነገር የለን ኸዚ ‘ውን ናቶም ዉሑዳት ሰባት ሓጥያት እቲ ዕዳ ኣብ ህዝብን ሰገናትን ህይወቶምን ኣካላቶምን ንክኸፍሉ ገይርዎም ‘ዩ:: ኣብ ትግራይ ዘሎ ነገር ሓደ ሒዝካ ሓደ እትለቆ ኣይኮነን ብሓፈሻ ግና ዝተበላሸወ ኩነታት ‘ዩ ተፈጢሩ ዘሎ:: ብብርኪ ታሪኽ ‘ውን ፀረ ኢትዮጵያ ምስ ኩሉ ጎረባብቲ ኣባኢሱ ሰላም ከይረክብን ኣብ ዝደለዮ ቦታ ኸይዱ ሰሪሑ ከይነብር ዕንቅፋት ዝኾንዎ ቀዳማይ እቲ ህወሓት ‘ዩ:: ህወሓት ብምኽንያት ፕሮፖጋንዳ እቲ ፀገም ኣብ ወፃኢ ዘሎ የምስሎ ኣሎ’ምበር እቲ ፀገማት ኣብ ባዕሉ ውሽጢ ‘ዩ ዘሎ:: ኹሉግዜ ‹‹ኣምሓራ ከምዚ ገይሩ ፈደራልን ኤርትራን ከምዚ ገይሩ››ካብ ምባል ንምንታይ ኢና ምስ ኹሉ ዘባእሰና ኢሉ እቲ ዝተምሃረ ትግራዋይ ክሓትት ኣለዎ:: እንድሕር ንህዝቢ ትግራይ ዝሓስብ እንድሕር ኾይኑ::

 ወጋሕታ፡- መገዲ ሰላም ተጀሚሩ እናሃለወ ጉጅለ ህወሓት ኹናት ምምራፁ ንምንታይ ‘ዩ ይብሉ ? ምስ ቅድሚ ኸዚ ምስዝነበረ ባህሪ ህወሓት ኣተሓሒዞም ተዝገልፁልና? ኣይተ ነጋሲ፡- ካብ ቀደም ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ተጋሩ ዝመርሕዎ Tigray liberation front (TLF/ቲ.ኤል.ኤፍ) ዝብል ሓደ ዉድብ ነይሩ ‘ዩ፤ ኣብዚ ዉድብ መብዛሕትኦም ደቂ መቐለን ደቂ ዓዲግራትን ተሳተፍቲ ነይሮም ‘ዮም፤ ናዚኦም ውዳበ ዘይተቐበሎ ህወሓት ‹ሰላም ንግበር ትግራይ ክልተ ዉድብ ኣይትሽከምን› ብምባል ዝሓገዝዎም መሲሎም ሓሳብ ኣቕረብሎም:: እዚኦም ድማ ብግርህነቶም ፀገም የብሉን ብምባል ብምድርዳር ፌክ ዝኾነ ኣመራርሓ ብምምራፅ ብሓባር ንክውደቡ ተስማዕሚዖም:: ግና ኣብ ዝድቅስሉ እዋን ኽልቴና ዝተስማዕማዕና ዝተዋድሃና ምዃና ንምግላፅ ሓደ ካብ ቲ.ኤል.ኤፍ ሓደ ካብ ህወሓት ብምዃን ክድቅሱ ተገይሮም:: ግና ኣብዚ እዋን ኣመራርሓ ህወሓት ነቶም ናይ ቲ.ኤል.ኤፍ ኣባላት ለይቲ ተላዒልኩም ኢድ ንላዕሊ በልዎም እንድሕር ዘይገብሩ ኾይኖም ቕተልዎም ዝብል መምርሒ ‘ዩ ተዋሂብዎም::

ልክዕ ኣብ መከላከያ ለይቲ ኸይዶም መጥቃዕቲ ዘብፅሕሎም ተመሳሳሊ ‘ዮም ኣብዚ ‘ውን ዝገበሩ:: ስለዚ ነዚኦም’ውን ከምዚ ገይሮም ‘ዮም ኣጥፊኦምዎም እዚ ናይቲ ውድብ መግለፂ ‘ዩ:: ቀፂሉ ድማ ጠራናፊት ዝባሃል ነይሩ ነዚኦም ‘ውን ብኹናት ኣጥፊኦምዎ:: ንኢድዩ ‘ውን ብኹናት ‘ዩ:: ምስ ኢህኣፓ ‘ውን ብኹናት ‘ዩ:: ምስ ደርጊ ምስ ሻዕብያ ‘ውን ብኹናት ‘ዩ:: ስለዚ እዚ ዉድብ ምስ ሓድ ኮፍ ኢሎም ተዛትዮም ተስማዕሚዖም ወዲኦም ዝባሃል ኣብ ታሪኾም ጠቕላላ የለን:: ኣብ ታሪኽ ህወሓት ኮፍ ኢልካ ተዘራሪብካ ፍታሕ ዝመፀ ግዜ የለን:: እቲ ታሪኾም ዘርኢ ኩልሻዕ ኹናት ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ትብደል ከሎ ፣ ኣካሉ ክጎድል ከሎ ደሙ ክፈስስ ከሎ ንሳቶም ዝበለፀ ‘ዩ ዝምችዎም:: ካብ ቐደም ጀሚሩ ኸምዚ ‘ዩ:: ቅድም ኸዚ ኣብ ጥምየት እናሃለወ ‘ውን ናይ ወፃኢ ኣካላት ሓገዝ ኢሎም ዝሃብዎ ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልየን ዶላር ንባዕሎም ወሲዶም ሓሙሽተ ሚኢታዊ ዘይትመልእ ‘ዩ ነቲ ህዝቢ ዝሃብዎ:: ስለዚ ኣብ ትግራይ ጥምየት ኹናትን ክህሉ ከሎ ንሳቶም ዝበለፀ ‘ዩ ዝጥዕሞም:: ብዘይ ኹናት ካልእ ምንም ፍታሕ የብሎምን :: ሓሳብ ‘ውን ከምፅኡ ኣይኽእሉን:: ኸዚ መፂኦም ዘለዉ ኣባላት ብልፅግና ካብኣቶም ዝናኣሱ ‘ዮም:: ሓዱሽ ሓሳብ፣ ሓዱሽ ኣካይዳ ኣምፂኦም ‘ዮም፣ እዚ ድማ ንሳቶም ብሓሳብ ክስዕርዎ ኣይከኣሉን፣ ክስዕርዎ ስለዘይኽእሉ ኩልሻዕ ብሓይሊ ስለዝኾነ ‘ዩ:: ህዝቢ ናብዚ መከራ ኣትዮምዎ ዘለዉ ናይ ሓሳብ ፀገም ስለዘለዎም ‘ዩ:: ተሰሊፍካ ናብ ገደል ተኣተኻ ‘ውን ሓቢርካ ኢኻ ገደል ትኣቱ:: ኣቱም ሰባት ናብ ገደል ንኣቱ ኣለና ክባሀሉ ከለዉ እዚ ሓሳብ ካብ ቐደም ተዝሰምዑ ነይሮም ኣብዚ ኹሉ ኣይምፃሕናን ነይርና:: ግና ናታቶም መገዲ ጥራሕ ተዘይኾይኑ ናይ ካልእ ስለዘይቅበሉ እቲ ህዝቢ ሒዘምዎ ናብ ገደል ይኣትዉ ኣለዉ::

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክኣቱ እናገበረ እናሃለወ ጉጅለ ህወሓት ኹናት ምጅማሩ ዘስዕቦ ሳዕቤን እንታይ ይመስል ? መፍቲሒኡ እንታይ ‘ዩ? ኣይተ ነጋሲ ፡- ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅኽዎ ህዝቢ ክሳቐ ከሎ ንዓኣቶም ደስታ ‘ዩ:: እዚ ድማ ካብ በረኻ ጀሚሩ ‘ዩ ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን ፣ ምናልባት ሰብ ስለዘይየስተውዓሎ ይኾን:: ኣብ እዋን ሰብዓን ሸውዓተን ዋላ ደርጊ ሓገዝ ይህብ ነይሩ ‘ዩ ፤ ናብ ከተማ ንዝመፀ ከሎ ሓገዝ ነይሩ ‘ዩ:: ንሳቶም ኣብ ዝተቆፃፀርዎ ቦታ ‘ዩ ዘይኼድ’ምበር ናብ ከተማ እንትመፁ ሓገዝ ነይሩ ‘ዩ፤ ይወስዱ ነይሮም ‘ዮም:: መኒኻ ታዋይ ኢኻ ኣይነበረን ፣ በዚ ሰዓት ኣብ መቐለ ነይረ ‘የ:: ፀኒሑ ግና እቲ ህዝቢ ናብ ከተማ ኣትዩ ሓገዝ ከይረከብ ከልኺለምዎ:: ብእግርኻ ናብ ሱዳን ክትጓዓዝ ኣለካ ኢሎም ናብ ሱዳን እናተጉዓዘ ዝነበረ ናብ ሰላሳ ሽሕ ዝፅጋዕ ህዝቢ ብጥምየትን ዓቕሚ ብምስኣንን ህይወቱ ሲኢኑ ‘ዩ ፤ ኣብ ሱዳን ወሲዶም ድማ ንዓኣቶም ናብ ጋዜጠኛታት ወፃኢ ብምቕራብ ህዝብና ብጥምየት እናጎድአ ‘ዩ ብምባል መንግስቲ ሓገዝ እናሃበና የኾነይ ብምባል ሓገዝ ንክረኽቡ ተገይሩ እዩ::

እቲ ሓገዝ ግና መሳርያ ‘ዮም ገዚኦምሉ:: ስለዚ እዚኦም ታሪኾም ንህዝቢ ምንም ግዲ የብሎምን:: ኸዚ ‘ውን መንግስቲ እኽሊ የእቱ ኣሎ እዚ ድማ ኣብ ኹሉ እናተሰምዐ ‘ዩ ፣ ነዳዲ የለን እናበሉ ነይሮም ግና ባዕሎም ወሲድምዎ ‘ዩ:: እዚ በቃ ሽፍታነት ‘ዩ:: ዋላ መንግስቲ ዝነበሩ ኣይመስሉን፣ ከም መንግስቲ የኾኑይ ኣክት ዝገብሩ ከም ሽፍታ ‘ዩ:: ሽፍታ ድማ ምቕታል ፣ ምዕማፅ ‘ዩ ዕላምኡ:: ነቲ ህዝቢ ዋላ እኽሊ እንተሃለወ ዘይወስደሉ ኣጋጣሚ ‘ዩ ዘሎ:: ደቁ እንድሕር ዘየዝሚቱ እኽሊ ኣይዋሃብን:: በዚ ምኽንያት ብጥምየት ዝመውት ብዙሕ ‘ዩ:: ስለዚ ህይወት ህዝቢ ትግራይ ግዲ የብሎምን ፣ ካብ ቐደሙ ‘ውን ኣይነበሮምን ፤እዚ ዝፀንሐ ‘ዩ::

 ወጋሕታ፡- ኣብ መቐለ ዝርከብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም 570 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ጉጅለ ህወሓት ከምዝዘረፎ ተገሊፁ ‘ዩ:: ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል? ኣይተ ነጋሲ፡- እዚ ሓገዝ ብትኽክል ይበፅሕ ኣሎ ድዩ ኢሉ ምቁፅፃር ክካየድ ነይርዎ ፣ ካብ መፈለምታ ጀሚሩ ምግቢ ይበፅሕ ኣሎ ድዩ ናይ ምክትታል ስራሕ ናታቶም ‘ዩ:: እዚ እንድሕር ዘይኾኑ ሓደ ሓደ እዋን ብፍላጥ ‘ዩ ዝመስል:: ክነስተውዕል ከለና ካብ ህወሓት ዝሰርሖም ብዙሓት ስራሕቲ እታ ሓንቲ ዘውፅእዋ  መግለፂ እዚኣ ጥራሕ ‘ያ:: እዚ ኣብ ሚድዮኦም ከጋዉሕዎ ኣይራኣይን ::

ኣነ ብወገነይ ዝመስለኒ ናይቲ ህዝቢ ዝኸይድ ሓገዝ ናብቲ ህዝቢ ከምዘይበፅሕ ይፈልጡ ‘ዮም::ነዳዳ ምዝራፎም ዝገለፅዎ ንመጀምርያ ግዜ ‘ዩ:: ትራካት ሓገዝ ፅዒነን እንትኸዳ እኮ ካልእ ሓገዝ ክወስዳ ክምለሳ ‘የን ዝግበአን ነይሩ:: ንህዝቢ ዝሓልዩ እንድሕር ኾይኖም እኮ እተን ትራካት ኣብ ሰዓተን ክምለሳ ኣለወን:: ግና እዘነ ትራካት ኣብኡ ንክተርፋ ብምግባር ንጥቕሚ ወታደር እናተገልገሉለን ‘ዮም:: ናይ ጉጅለ ህወሓት ወታደራት መመላለስቲ ‘ዮም ገይረምወን:: እዚ ዘሪአካ ነቲ ህዝቢ ከመዘይሓልዩ ‘ዩ ፤ እተን ትራክ ክኸዳ ከለዋ እኮ ሓዱሽ የኾነይ ዝመፅእ ፣ ዝፃዓነኦ ኣራጊፈን ካልኣይ ንምምፃእ ክምለሳ ኣለዎን::

ወጋሕታ፡- ማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ተዝገብር ‘ዩ ተግባር ጉጅለ ህወሓት ጠጠው ክብል ዝኽእል ? ኣይተ ነጋሲ፡- ማሕበረሰብ ዓለም በተለይ ድማ ምዕራባውያን ክገብሩ ዝግበኦም እቲ ሓደ እቲ ሓይሊ ኹሉግዜ ሰላም ዘይደሊ ሓይሊ ምዃኑ ካብ ታሪኹ ይፈልጥዎ ‘ዮም፣ ካባና ንላዕሊ ይፈልጥዎ ‘ዮም:: ብዙሕ መረዳእታ ኣለዎም ‘ዩ:: ጉጅለ ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ንዒስራን ሸውዓተን ዓመት ዘውፅእዎ ዝነበሩ ናይ ሁማንራይት ሪፖርት መብዛሕትኡ እቲ ገበናት ኣብኡ ይፃሓፍ ‘ዩ:: ኸዚ ኣይፈልጡን ከይንሎም ብደንቢ ይፈልጡ ‘ዮም:: ባዕሎም ‘ውን እቲ ሪፖርት የውፅእዎ ነይሮም ‘ዮም:: ኸዚ ‘ውን ኹሉ ነገር ይፈልጡ ‘ዮም:: ንህዝቢ ከመይ ከምዝገብርዎ፣ እንታይ ዓይነት ቅፅዓት ከምዝገብር፣ ደቁ እንድሕር ዘየዝሚቱ ሓገዝ ከምዘይረክብ እዚ ኹሉ ይፈልጡ እዮም:: ስለዚ እዚ ጠጠው ከብሉ ኣለዎም:: እንድሕር ሰብኣዊ መሰል ዝግደስሉ እንተኾይኑ::

ግና እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንፖለቲካ ኢድ መጠምዘዚ ስለዝጥቀምሉ’ምበር ስራሕ ጉጅለ ህወሓት በቃ ክብልዎ ኣለዎም:: እናሸፋፈንካ መንግስቲ ጥራሕ ካብ ምውቃስ ንጉጅለ ህወሓት ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ትኽክል ከምዘይኾነ ኣብ ምግባር ክሰርሑ ኣለዎም:: ካልኣይ መንግስትን እዚ ጉጅለን ህወሓት ከም ሓደ ርኢኻ ምፍራጅ ትኽክል ኣይኾነይ:: እቲ ሳልሳይ ጉጅለ ህወሓት ንኢትዮጵያ ይኹን ንምብራቕ ኣፍሪካ ሰላም ክህባ ስለዘይኽእል ዕጥቑ ክፈትሕ ኣለዎ:: ናብ ፍርዲ ዝቕረብ ናብ ፍርዲ ይቐርብ ፣ ስለዚ ምዕራብያውያን ኣብ ህወሓት ፅዕንቶ ገይሮም ዕጥቁ ፈቲሑ ናብ ሰላማዊ ናብርኡ ንክምለስ ትግራዋይ ‘ውን ናብ ልምዓት ተመሊሱ ኣብ ዝደለዮ ኸይዱ ክነብር ሰላም ‘ዩ ዝደሊ:: ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክንደይ ኹናት ‘ዮም ኣእቲዮምና? እቲ ሰብ ከስተውዕል ኣለዎ:: ብኹናት ዝፍታሕ ነገር የለን:: ከምቲ እንሪኦ ዘለና ትግራይ ብኢኮኖሚ ኾነ ብኹሉ ትሕቲ ኹሉ ‘ያ ኾይና ዘላ:: ኣብ ኹናት ኸስቢ የለን:: ብናተይ እምነት ህወሓት ፀባዩ ስለዝኾነ ዋላ ተደራዲሩ እሺ ኢሉ ግዜ ንምጥፋእ ተዘይኾይኑ ናብ ሰላም ክምለስ ‘ዩ ኢለ ስለዘይኣምን ምዕራብውያን ህወሓት ብሰላማዊ መገዲ ዕጥቆም ንክፈትሑ ናይ ምግባር ስራሕ ክሰርሑ ኣለዎም ‘የ ዝብል ::

ወጋሕታ፡- ግደ ዲያስፖራ ትግራይ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ? ኣይተ ነጋሲ፡- ዲያስፖራ ትግራይ ብፍላይ ድማ እቶም ፊደል ቆፂርና ኢና ዝብሉ ንህዝቢ ትግራይ ነፃ ካብ ምውፃእ ንህወሓት መራሕቲ ሚኢቲ ዘይመልኡ ገበኖም ንምድሓን ‘ዩ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ:: ርግፅ ኣብዚ ዘለዉ ‘ውን እንመን ‘ዮም ኢልካ ምጥያቕ ‘ውን ፅቡቕ ‘ዩ:: ደቂ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰባት ዝተጠቐሙ ሰባት ፣ ገንዘቦም ናብ ወፃኢ ዘውፅኡ ሰባት ደቆምን ኣዝማዳቶምን ኣብ ደገ ‘ዮም ዘለዉ:: ነቲ ድኻ ትግራዋይ ‘ዩ ደሙን ህይወቱን ንክህብ ዝሓቱ’ምበር ንሳቶም ኣይኮኑን:: ስለዚ ኣብዚ ኾይንካ በሎ በሎ ምባል ቀሊል ‘ዩ፤ ኣብቲ ግንባር ኾይንካ ደምካን ኣካልካን ምሃብ ግና ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ:: እዚ ብናይ ሰብ ህይወት ምፅዋት ‘ዩ::

ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ተጋሩ ህወሓት ብሰላማዊ መገዲ ንክውድኦ ፅዕንቶ ክገብሩ ይኽእሉ ‘ዮም:: ምኽንያቱ ናይቲ ህወሓት ካልኣይ ሓይሉ ኣብ ዲያስፖራ ‘ዩ ዘሎ:: እቲ ዲያስፖራ ክሓስብ ዘለዎ ግና ህዝቢ ትግራይ ተጠቒሙ ዶ? ዝኹላ ኹናት ገይርናስ እንታይ ኣምፂኡ ? ንኣብነት ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ቃልሲ ክንደይ ሰብ ሞይቱ ? ኣካሉ ዝጎደለ ኸ ክንደይ ‘ዩ? ምስ ኤርትራ ዝተገበረ ኸ? እዚ ኹሉ ዝተገበረ ኹናት ብምቁፃር ንትግራይ እንታይ ‘ዩ ጠቒሙ ዝብል ክሓስብ ኣለዎ:: ዘላኣለም ጠመንጃ ነኺስና ክንነብር ንዒስራን ሓደን ክፍለዘመን ይምጥን ዶ? ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ:: እዚ ኹሉ ፀገም ንክመፅእ ዲያስፖራ ትግራይ ክቃለሱ ነይርዎም፤ ኣብዚ ዝሰርሕዎ ዘለዎ ስራሕ እቲ ሓደ ሓደ ትግራዋይ ትግራይ ትግራይ ክብልዎ ከለዉ ብግርህነት ዝኣተዎ ክኾን ይኽእል፤እቶም ዋና ዘወርቲ ግና ተጠቀምቲ ደቂ ኣባይ ፀሃየ፣ ደቂ ስየ ዝቕመጥሉ ገዛ ድማ ብሚልየናት ዝኽፈለሉ ፣ ናይ ሚኢቲ ሽሕ ዶላር መኪና ዝዝውሩ ‘ዮም::

ስለዚ ዝተጠቐሙ ‘ዮም ንዓኣቶም ‘ውን ትኽክል ኮይኑ ዝስመዖም ነዚ ‘ዩ:: ግና ነቲ ህዝቢ ዝሕግዝ ተራ ትግራዋይ ግና ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ:: ምስ ኹሉ ጎረባብቲ እንድሕር ትባኣስ እንተኾይንካ እቲ ፀገም ኣብ ጎረቤት እንተይኾነስ እቲ ፀገም ኣብ ባዕልካ ‘ዩ ዘሎ:: ኸዚ ‘ውን ዲያስፖራ ለውጢ ክገብር ይኽእል እዩ:: ንህወሓት ‘ውን ብሰላማዊ መገዲ ወድእዎ ናይ ምባል ዓቕሚ ‘ውን ኣለዉዎ:: ኸዚ እቲ ፍርቁ ንእሽተን ዝነቅሐ ይመስል:: እቱ ዝገበርዎ ምንቅስቃስ ‘ውን ቅንዕና የብሉን:: ትግራይ እኮ ኸዚ ‘ውን ተገንፂላ ‘ያ ዘላ፤በይና ‘ያ ዘላ :: ንሳ ‘ያ እታ ትግራይ ማለት ካልእ ትግራይ የለን:: ግና ኣብ ምንታይ ፀገም ከምዘሎ ኹላትና ንፈልጦ ኢና:: ህዝቢ ኢትዮጰያ ብትግራዋይ ክሳብ ኸዚ ተስፋ ኣይቆረፀን :: ህዝቢ ትግራይ እናተጎድአ ‘ዩ ኢሉ ‘ዩ ዝዛረብ::

ወጋሕታ፡- ህዝቢን መንእሰይን ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን ንክረክብ እንታይ ዓይነት ግደ ክፃወት ኣለዎ? ኣይተ ነጋሲ፡- ሓደ ሓደ ተቃውሞታት ይስማዕ ‘ዩ:: እቲ ህዝቢ ንከይቃወም ሓደ ንሓሙሽተ ብዝብል ጨፍሊቖም ሒዞምዎ ‘ዮም:: ብጥምየት ይኹን ብኹናት ምሟት ኣሎ ‘ዩ:: እቲ መንእሰይ ብሕብረት ኾይኑ እምቢ ዝብል ዓመፅ ከካይድ ኣለዎ:: እዚ ህወሓት ‘ውን የፈርሖ ‘ዩ:: ናብ ኹናት ዘእትውዎም ዘሎ ‘ውን እኮ ግዜ ረኺቡ እዚ ነገር ናበይ ‘ዩ ዘምርሕ ዘሎ? ኢሉ ንከይሓስብ ‘ዩ ኩልግዜ ፅድፍ ፅድፍ ዘብልዎ ዘለውን ዕረፍቲ ዘይህብዎ ዘለዉን ነዚ ‘ዩ:: ስለዚ እቲ መንእሰይ ከልብም ኣለዎ ናታቶም እዋን ኣብቂዑ ‘ዩ:: ልዕሊ ስልሳ ሰብዓ ዘለዉ ጥሮታ ወፂኦም ነቲ መንእሰይ ሃገር ከረክቡ ኣለዎም:: ሓሳብ ‘ውን እኮ ምፍላቅ ኣይእሉን ፣ ነዚ ‘ውን ‘ዩ ትግራይ ሒዞምዋ ወሪዶም ዘለዉ:: ምስዚ ዘመን ዝኸድ ኣተሓሳስባ ዘለዎም መናእሰያት የድልዩ ‘ዮም:: ተዘይኾኑ ናይ ስልሳታት ኣተሓሳስባ ሒዝካ ነዚ ዘመን እዚ ኣይኾንን:: እንተኾነ እቲ መንእሰይ ኣካሉን ህይወቱን ክግብርን ኣይግበኦን፣ ክቃወም ኣለዎ ባሃላይ ‘የ::

ወጋሕታ፡- ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀገማት ንክፍትሑ እንታይ ትፅቢት ይግበር? ኣይተ ነጋሲ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተኽኣለ መጠን ብሰላማዊ መገዲ ንክውድኦ ሞኪሩ ‘ዩ:: ኸዚ ብፍላይ ድማ ናይ ህወሓት ኣካይዳ ዘይድግፍ ተወዲቡ ሓደ ነገር ክገብር ኣለዎ ባሃላይ ‘የ:: እቲ ተበታቲኑ ዘሎ ተቃዋማይ ምስ መንግስቲ ኾይኑ ዘተ ምግባር ‘ዩ ዘዋፀአና ይመስለኒ:: እዚ እንድሕር ተኻይዱ ሐሳባት ክመፅእ ‘ዩ ፣ብፍላይ እቲ መንእሰይ እንድሕር ተሳቲፉ ሓዱሽ ሓሳባት ሓዱሽ መውፅኢ ክፈጠር ይኽእል ‘ዩ:: መንግስቲ ከም ህወሓት ዝብልዎ ንትግራዋይ ክፉእ ኣይኮነን:: ስለዚ መንግስቲ ምስ ንትግራይ ድሕንነት ዝሓስብ ትግራዋይ ብምዃን ንክውደቡ ክገብር ኣለዎ፤ ንኣብነት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ ሰባት ብምስብሳብ ትኹረት ክህቦም ኣለዎ:: ኢትዮጵያዊነት እናለምለመ ዝኸይድ ከምዚ ዝበሉ ሰባት ሒዝካ ፣ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኣምሓራ ይኹን ኦሮምን ካልኦትን እንትቕፅል ፣ ለውጢ ደግፍቲ ዝኾኑ ተጋሩ እናበረታዕኻ ‘ዩ ‘ምበር ሓደ ግዜ ተጠቒምካ ዝድብረይሉ ኣካይዳ ክህሉ የብሉን::

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ እተሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ኣይተ ነጋሲ፡- ኢትዮጵውያን ኾነ ተጋሩ ክንርዶኦ ዝግበአና ብሄረተኝነት ፖለቲካ ንማንም ኣይጠቕምን:: ሰብ ከም ሰብነቱ ኢና ክንዕቅኖ ዝግበአና:: ምዕራባውያን ‘ውን ንዓና ሓልዮም ኣይኾኑን:: ኸዚ ‘ዩ እናተረደአና መፂኡ፤ኣነ ንባዕላይ ዝሓለዩና ‘ዩ ዝመስለኒ ነይሩ:: ውሽጡ ክንሪኦ ከለና ግና ንሕና ንክንዓቢ ፣ ንሕና ባዕልና ክንኽእል ፣ ብቴክኖሎጂ ፈጢንና ካብ ሓገዝ ክወፅእ ኣይደልዩናን:: ንሕና ካብ ሓገዝ እንድሕር ወፂእና ንሳቶም እቲ ዝደልይዎ ከራምዱ ኣይኽእሉን:: ኢድ ንመጠምዘዚ ‘ዮም እናተጠቐምሉ ዘለዉ ፤ እንድሕር እዚ ዘይገይርካ ሓገዝ ኣይትረክብን:: ኢትዮጵያውያን ጥራሕ እንተየኾነስ ንኣፍሪካውያን ባዕዳዊ መግዛእቲ ብቀጥታ እንተይኾነስ ብተዘዋዋሪ እናተጠቐሙልና ስለዘለዉ ‘ዩ::

ኣፍሪካ ንምንታይ ‘ያ ዘይዓበየት ኢልና ‘ውን ክንጥይቕ ኣለና:: ንጥረ ነገር ድዩ ንኢስና ? ፣ርእሲ ድዩ ንኢስና ? ኹላትና ካብ ባዕለይ ጀሚሩ ናብ ምዕራብ እንመፅእ ዘለና ንምንታይ ‘ዩ ኢልና ክንሓትት ኣለና:: ኣምሐራይ የኾነይ ፀላኢኻ ፣ ኣሜሪካ የኾነቲ ፀላኢትኻ ማንም ፀላኢ የብልናን:: ግና ሕድሕድና ክንውዳእ ዝገብር ኣካይዳ ስለዝኾነ ምስ ጎረበባትኻ ምፅላእ ኣየድልን:: ንኣፍሪካ ኸዚ ናብ ልምዓት እንኣትወሉ ብሓንጎል ኣተሓሳሳባ እንኸደሉ ፣ ብመሳርያ እንተይኾነስ ብሓሳብ እንሙግተሉ ፣ ኸዚ ዘድሊ ናይ ሓሳባት ውድድር ‘ዩ ዘድሊ ፣ ዕብየት ቴክኖሎጂ ‘ዩ ዘድሊ ፣ ካብ ጥምየት ካብ ስደት ባዕልና ንክንኽእል እንተኾይኑ ሓድነትን ሰላምን ፍቕርን ‘ዩ ዘድሊ ፣ እዚ ‘ዩ ዘዋፅእ :: ኹናት ንምዕራብውያን መሐጎሲ ንምዃን ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ወለድና ደሞም ኣፍሲሶም ዘፅንሕዋ ዓዲ ‘ያ፣ ማዕርነትና ንክመፅእ ኢና እንቃለስ ዘለና:: ብምግንፃል ዝመፅእ ዕብየት የለን ይብል::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን ::

ኣይተ ነጋሲ፡-ኣነ ‘ውን የመስግን::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 26 ነሓሰ 2014 ዓ.ም 

Recommended For You