ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ብሙሉእ ዓቕሙ ንምስራሕ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ፃዕሪ እናተገበረን ምንቅስቓስ ይካየድ ከምዘሎ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ፋብሪካ ኣይተ ሮቤል …. ገሊፆም። ኣይተ ሮቤል ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፣ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ቅድሚ ኸዚ ብምሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ ንከይኣቱ ዝነበሩ ዕንቕፋት ንምቕራፍ ብፍላይ ድማ መኻይን ናይዚ ትካል ኣበይ ከምዘለዉ ስለ ዘይፍለጥ፣ በዚ ‘ውን ሕፅረት መጓዓዝያ ስለዘጋጠመ ፣ኣብዚ ትካል ከም ዓብይ ፀገም ዝጥቀስን ብቕልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ ዝደሊ ጉዳይ እዩ።

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝነበሮ ዓቕሚ ምህርቲ ንክምለስ ዘለዉ ፀገማት ንምቕራፍ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናተዛራረቡ ከምዝርከቡን ኩሉ ዝምልከቶ እናተረባረበ ከምዝኾነን ኣይተ ሮቤል ገሊፆም እዮም። ሰራሕተኛ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ኣብ መጀመርያ ሪፖርት ግበሩ ኣብ ዝተብሃለ እዋን ዳርጋ ኹሎም ዘመልከቱ እንትኸውን ብዝነበረ ወድዓዊ ኹነታት እቲ ትካል ብምሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ ስለዘይኣተወን ብሰዓት እቶ እቶ ምኽንያት ከምኡ’ውን ንኣርባዕተ ወርሒ ጠጠው ኢሉ ዝነበረ ፋብሪካ ኪሳራ’ውን ከጋጥም ስለዝኽእል እዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታዉ ብሽፍት ንክሰርሑ እናተገበረ ከምዝፀንሐ እቶም ሓላፊ ገሊፆም እዮም።

ከም ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፣ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ናይቲ ፋብሪካ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስን ቐፃሊ ኣንፈት ስራሕ ንምሃብ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ዑደት ከምዝገበሩ ዝዝከር እዩ። ዶክተር ኣብርሃም ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ምስ ናይቲ ፋብሪካ ሓለፍቲ ስራሕ ዘተ ኣካይዶም እዮም። ኣብቲ ዘተ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ተበፃሕነት ድልየት ህዝቢ ትግራይን ልምዓትን ቐዳምነት ብምሃብ ክስራሕ ከምዘለዎ ገሊፆም እዮም። ከምኡ’ውን ፍታሓዊ ዝኾነ ተበፃሕነት ንክህሉ ሓደሽቲ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ትኹረት ተዋሂቡ ንክስራሕ ዘኽእል ምምሕያሽ ከምዝግበር ‘ውን ተሓቢሩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You