‹‹ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ ብቖራፅነት ንዝሓዞ ዘተ ሰላም ብምድጋፍ ኣወንታዊ ግደ ክፃወት ኣለዎ›› ኣይተ ሃይለ ገብረሚካኤል

ኣይተ ሃይለ ገብረሚካኤል ኣብ ትግራይ ፍሉይ ሽሙ ዓዲ ኣሕፈሮም ዝተወለዱ እንትኾኑ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳታት እንትጮን ዓድዋን ’ዮም ተማሂሮም። ካብኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ብስራሕ ኣመራርሓ፣ ብቢዝነስ ማኔጅመንት፣ ብማርኬቲንግ ማኔጅመንት ብመጀመሪያ ዲግሪ ዝተማሃሩ’ዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ቢሮታት ብሓላፍነት ዝሰርሑ እንትኾኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ ክልተ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ክትትልን ቁፅፅርን ከምኡ ‘ውን ኣማራርሓ መሰረታዊ ውዳበ ብልፅግና ትግራይ ኾይኖም እናገልገሉ ይርከቡ። ኣይተ ሃይለ ለውጢ ደላይ ’የ ይብሉ። ኩነታት ኣብ ዘለዎ ጠጠው ክብሉ የብሎምን ተቐይሩ ንካልእ ወለዶ ድማ ክሓልፍ ይግባእ፤ ብትማሊ ክንነብር የብልናን ይብሉ። ትማሊ ዝነበረ ጌጋ ፅባሕ ክድገም የብሉን እዚ ንክመፅእ ድማ ሎማዓንቲ ብምጥቃም ለውጢ ምቕባል ግድን ’ዩ ይብሉ። ምስ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣድሂብና ዝገበርናዮ ቓለ መሕትት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፤ ሰናይ ንባብ፤

ወጋሕታ፡- ሕዚ ‘ውን ጉጅለ ህወሓት ጎስጓስ ኩናት እናካየደ ከምዝርከብ ዝፍለጥ ‘ዩ፤ እዚ ጎስጓስ እዚ እንደጋና ናብ ኩናት ከየምርሕ ብፍላይ ካብ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ትፅቢት የድሊ ይብሉ?

ኣይተ ሃይለ፡- መጀመርታ ህዝቢ ትግራይ ክንደይ ግዜ ‘ዩ ተለዓል ንኹናት ክበሃል? ክሳብ መዓዘ ኣብ ኩናት ክነብር? ተዓጠቕ፣ ተለዓል ማለት ትኽክል ኣይኮነን። ክንደይ ግዜስ ኣብ ጥሜትን ኩናትን ክነብር፤ እዚ ፍፁም ጌጋ ‘ዩ።ንሰላም ተለዓል ‘ዩ ክባሃል ዘለዎ።ኩናት ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ተዝኾን ነይሩ ቕድሚ ሕዚ ምጠቐሞ ነይሩ።

ኩናት ንህዝቢ ትግራይ ይኣኽሎ ‘ዩ፤ ቅድሚ ሕዚ ማለት ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ብዙሕ ኩናት ኣሕሊፉ ‘ዩ። ብፍላይ ናብ ዶብ ቐይሕ ባሕሪ ቀረባ ብምዃኑ መብዛሕተኦም ናይ ደገ ፀላእቲ ከም እኒ ጣልያን ዝበሉ ብትግራይ ‘ዮም ዝመፁ ነይሮም። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ምስ ደርግን ሻዕብያን ጥራሕ እንተይኮነስ ቕድሚኡ ‘ውን ብዙሓት ኩናት ኣሕሊፉ’ዩ።ብፍላይ ብሰንኪ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ኩናት ስለ ዝገጠሞ ማእለያ ዘይብሉ ፀገምን መከራ ገጢምዎ ‘ዩ።ተቀቲሉ፣ ተሰዲዱን ተጎሳቚሉን ‘ዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሓንቲ ዕድል ‘ያ ዘለቶ።ንሱ ‘ውን ‹‹ሆ›› ኢሉ ብምትሳእ ኣንፃር ህወሓት ምለዓል ‘ዩ።ንህወሓት እንተዘይ ኣወጊዱ ዕረፍቲ ክረክብ ኣይኽእልን ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ግዜ ኣብ ተኹስን መከራን ክነብር የብሉን። ኣዶ ትግራይ እነሓዘነት ከትነብር የብላን።ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን መንግስትን ኢድን ጓንትን ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ እንተዘይ ኮይኑ ከውግዶ ኣይኽእልን።

ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ታሪኹን ባህሉን ካብ ምጥፋእ ሓሊፉ ኣይጠቐሞን፤ ብሰንኪ እቲ ኩናት ብዙሓት ታሪኻት ተቓፂሎምን ዓንዮምን ‘ዮም። ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ህወሓት ይጭፍጨፍን ይመውትን ‘ዩ ዘሎ።ኣብ ርእሲ ቑስሉ ተወሳኺ ቑስሊ ንምፍጣር ‘ዩ ዝገብር ዘሎ።ምስ ኩሉ ህዝቢ ምስ ኤርትራ ‘ውን ከይቐረየ ኣባኢስዎ ‘ዩ።ህዝቢ ኤትርራ ሓው ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ፤ ክልቲኦም ተዛረብቲ ትግርኛ ‘ዮም። ብታሪኽ ሓደ ህዝቢ ‘ዩ።ብፍላይ ድማ ናይ ቕድሚ ሕዚ ከይኣክል ሕዚ ‘ውን ነዓ ተለዓል ማለት ናብ ዝኸፍአ ፀገም ዘእቱ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ እምቢ ክብል ኣለዎ። ህወሓት ንሰላም ቕሩብ እንተዘይ ኮይኑ ብሓይሊ ከውግዶ ኣለዎ፤ ካሊእ መማረፂ የብሉን። ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራልን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኮይኑ ንሰላም ብምቕላስ ልምዓቱን ሓድነቱን ንምርግጋፅ ናይ በዓሉ ግደ ክፃወት ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ኣብዝሓለፈ ሰሙን ዶክተር ደብረፂዮን ኣብ ዝተጋደለን ዘይተጋደለን ኣብ ጥቕሚ ኣፋላይ ከንገብር ኢና ኢሉ ነይሩ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና።ከምዚ ምባሉ ኸ ግቡእ ድዩ?

ኣይተ ሃይለ፡- ህወሓት ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ቕድሚ ሕዚ ‘ውን ይጥቐመሉ ነይሩ ‘ዩ።እዚ ዝነበረ ባህሪኡ ‘ዩ፤ ሕዚ ዝጀመሮ ወይ ሓዱሽ ኣይኮነን።ከምዚ ክገብር ዝኸኣለሉ ምኽንያት ብጥቕሚ ብምፍርራሕ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ንምስላፍ ‘ዩ፤ ፖለቲካ ብዕላማ ‘ምበር ብጥቕሚ ኣይተሓዝን ‘ዩ።እዚ ጌጋ ‘ዩ። ህወሓት ከምዚ ምባሉ ደጋፊ ይስእን ስለ ዘሎን ተስፋ ምቑራፁ ‘ዩ ዘርኢ። እቲ ስርዓት ይወድቕ ምህላዉ ዘመላኽት ‘ዩ። ህዝቢ እንተይኣመነ ብጥቒሚ ኣገዲድካ ምሓዝ ማለት ብዙሕ ርሕቐት ዘኽይድ ኣይኮነን።

ከምኡ ‘ውን ከፋፊልካ ናይ ምግዛእ ባህሪ ስለ ዘለዎ ንገሊኡ ብጥቕሚ ንገሊኡ ድማ ካብ ጥቕሚ ክግለል እናገበርካ ንምሓዝ ‘ዩ።እዚ ፖለቲካ እንተይኮነስ ናይ ጥቕሚ ጉዳይ ‘ዩ፤ ጌጋ ስራሕ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ፤ እዚ ዘግርም ኣይኮነን።መራሕቲ ህወሓት ካብ ምዕዳል ረዲኤት ጀሚርካ እንትረአ ንመን ከምዝህብዎ ዘለዉ ዝፍለጥ ‘ዩ።ነቲ ዝተፀገመ ገዲፎም ብበዝሒ ንደጋፊኦም ‘ዮም ዝህብዎ ዘለዉ።ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ ብፍትሓውንት ኣይዕድል ነይሩ። በዚ መገዲ እዚ ድማ ህወሓት ዕላምኡ ከሳኽዕ ኣይኽእልን።እቲ ስርዓት እናፈረሶ ‘ዩ ዘሎ፤ ብሓፈሻ እዚ ኣግባብነት የብሉን ጌጋ ኣካይዳን ምልክት ምፍራስ እቲ ስርዓት ‘ዩ።

ወጋሕታ፡-ህወሓት መንግስቲ ረድኤት ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ምፍቃዱ ፈትዩ እንተይኮነስ ብኣፍንጭኡ ስለ ተተሓዘ ‘ዩ እንትብል ፤ መንግስቲ ግና ንሰላም ብዘለዎ ድሌትን ንህዝቢ ትግራይ ብምሕላይን ከምዝኾነ ‘ዩ ዝገልፅ፤ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና?

ኣይተ ሃይለ፡- መንግስቲ ረድኤት ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ምፍቃዱ ብኣፍንጭኡ ስለ ተተሓዘ ‘ዩ ምባሉ እዚ ንፖለቲካ መኽስብ ‘ዩ ‘ምበር ህወሓት ንመንግስቲ ብምንታይ ዓቕሙ ‘ዩ ብኣፍንጭኡ ክሕዞ ዝኽእል። ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ማለት ‘ዩ። ምግቢ ምቕራብ መንግስቲ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ ‘ምበር ህወሓት ስለ ዘገደዶ ኣይኮነን። ህዝቢ ከይጉዳእን ከይጠምን ብምሕሳብ ‘ዩ። ካብዚ ብምብጋስ ከም መራሒ ሃገር ዝገበሮ ዘሎ ስራሕ ‘ምበር ብህወሓት ተገዲዱ ኣይኮነን። ህወሓት ዝወደቀ ሓይሊ ከመይ ገይሩ ‘ዩ ንመንግስቲ ከግድድ ዝኽእል።

መንግስቲ መራሕ ህዝቢ ‘ዩ፤ ሽፍታ ኣይኮነን። ወይ ኣሸባሪ ኣይኮነን። ብህዝቢ ተመሪፁ ህዝቢ የማሕድር ክሳዕ ዘሎ ምግቢ ምልኣኽ ስርሑ ‘ዩ። ምኽንያቱ ህዝቡ ክጎሳቖል ኣይደልን። ሃገር ‘ዩ ዝመርሕ ዘሎ፤ ከም መራሒ መጠን ወይ መንግስቲ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ድማ ህዝቡ ስለ ዝኾነ ሓልዩ ‘ዩ ዝልእኽ ዘሎ፤ ህዝቢ ከይፅገም ስለ ዝሓስብ ‘ዩ ‘ምበር ህወሓት ብዓፍንጭኡ ሒዝዎ ማለት ኣይኮነን።ከም መንግስቲ ክገብሮ ዝግባእ ‘ዩ ዝገብር ዘሎ ‘ምበር ህወሓት ዲፕሎማስያዊ ፀቕጢ ስለ ዝፈጠረሉ ኣይኮነን። ከምዚ ምባሉ ምጭብርባር ‘ዩ። መንግስቲ ህዝባዊ ሓላፍነቱ ‘ዩ ዝዋፃእ ዘሎ። እዚ ሽም ምጥፋእን ምፅላምን ናይ ህወሓት ስራሕ ስለ ዝኾነ ዘገርም ኣይኮነን።ኩሉ ግዜ ምፅራፍ፣ ባእሲን ፈኸራን ትርጉም የብሉን።ብዛዕባ ሰላም፣ ፍቕሪ ክሓስቡን ክሰብኩን ‘ዩ ዘለዎም። ካብዚ ወፃኢ ሽም ስለ ዘፀለምካን ስለ ዝፈከርካን ትርጉም የብሉን።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት መንግስቲ ፌዴራል መጥቓዕቲ ፈፂምለይ ‘ዩ፤ በዚ ምኽንያት እዚ በይናዊ ጠጠው ምባል ተኩሲ ፈሪሱ ‘ዩ ክብል እንተሎ ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ድማ እዚ ሓሶት ‘ዩ፤ ካብ መገዲ ሰላም ንምውፃእ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ሂቡ ‘ዩ።ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሃይለ፡- ጉጅለ ህወሓት መንግስቲ ፌዴራል መጥቓዕቲ ፈፂምሉና ‘ዩ፤ በዚ ምኽንያት እዚ በይናዊ ጠጠው ምባል ተኩሲ መንግስቲ በዓሉ ኣፍሪስዎ ‘ዩ ምባሉ ንምእማኑ ከቢድ ‘ዩ። መንግስቲ ብግልፂ በዚ ምኽንያት እዚ ኣፍሪስናዮ ኢና ኢሉ ኣይተዛረበን፤ ከም ከማይ እዚ ሓሶት ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምኽንያቱ እዞም ኣካላት እዚኦም ተፃረርቲ ኣካላት ስለ ዝኾኑ ህወሓት ትኽክል ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን። ምፍራሱ መረዳእታ የለን፤ ኩልና ከምንሰምዖ ዘለና ድማ መንግስቲ ንሰላም ቕሩብ ‘ዩ፤ ፃዕሪ ‘ውን እገብር ኣለኹ ‘የ ዝብል ዘሎ።ብግልፂ ኩናት ጠጠው ኢሉ ‘ዩ፤ እንተፈሪሱ ድማ ብግልፂ ‘ዩ ክንገር ዘለዎ። ምኽንያቱ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝሕባእ ነገር የለን።ህወሓት መንግስቲ ኣፍሪስዎ ‘ዩ ዝብል ዘሎ እዚ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።

ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ህወሓት ከምዚ ምባሉ ካብ ሰላም ንምርሓቕ ‘ዩ ዝበሎ መልሲ፣ ከም ከማይ ኣብ መንጎ ተፃረርቲ ኣካላት ሙሉእ ሓበሬታ ክሳዕ ዘይረኸብካ ብግምት ካብ ምዝራብ ሓሊፍካ መንግስቲ ወይ ህወሓት ‘ዩ ትኽክል ከትብል ኣፀጋሚ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ መንግስቲ ትኽክል ክኾን ዘይክኾን ይኽእል ‘ዩ። ምኽንያቱ እዚ ናይ ክልተ ተፃረርቲ ኣካላት ፖለቲካ ‘ዩ። መንግስቲ ዋላ ትኽክል ተዝዛረብ ብህወሓት ወገን ናይ ሓሶት መልሲ ክወሃብ ይኽእል ‘ዩ።እዚ ኩሉ ግዜ ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይ ‘ዩ።ብሓፈሻ ግና መንግስቲ ንሰላም ቖሪፁ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን በዓሉ ኩናት ይጅምር ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን።

ወጋሕታ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ምስ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ኣብ ዝገበርዎ ዋዕላ ‹‹ሰለስተ ዓመት ካብ ንዋጋእ 10 ዓመት ንሰላም ምዝታይ ይሕሽ›› ኢሎም ነይም ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሃይለ፡- ሰለስተ ዓመት ካብ ንዋጋእ 10 ዓመት ንሰላም ምዝታይ ይሕሽ ምባሎም ብጣዕሚ ዝድገፍን ዝነኣድን ሓሳብ ‘ዩ። ቕዋም መንግስቲ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ‘ውን ሰላም ‘ዩ ዝሕሽ እናበለ ብተደጋጋሚ ይዛረብ ነይሩ ‘ዩ።ሰላም ዝመስልዎ ነገር የለን።ፀገማት ብሰላም ንምፍታሕ ምዝታይን ምትእምማንን ኣድላይ ‘ዩ።ፀገምካ ብልዝብ ምፍታሕ ዝመስልዎ ነገር የለን።ናብ ኩናት ምእታው ቀሊል ‘ዩ፤ ልምዓት፣ ሰላምን ሓድነትን ምምፃእ ‘ዩ እቲ ከቢድ ጉዳይ። ህዝቢ ሰላም ፈጢሩ ሓደ እንተኾይኑ ይሰርሕ፣ ልምዓት የምፅእ፣ ተጠቓሚ ይኸውን። ብኩናት ግና ዕንወት እንተዘይኮኑ ዝመፅእ ለውጢ የለን፤ ኣደዳ ልመናን ጉስቑልናን ኢኻ ትኸውን፤ ካሊእ ትርጉም የብሉን።

ወጋሕታ፡- ብሓፈሻ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ጉድኣት ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ሃይለ፡- ጉጅለ ህወሓት ካብ ደርጊ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ጉድኣት እንትረአ ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ።ካብ እዋን ደርጊ ጀሚሩ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ትግራይ እንዳተሓብአ ንህዝቢ ትግራይ የውቐዖ ነይሩ ‘ዩ።ሕዚ ‘ውን ተመሳሳሊ ‘ዩ ዝኒሀ። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ እናተሓብኡ ህዝቢ ትግራይ ክውዳእ እናገበሩ ካብኡ መንግስቲ ወይ ፀላኢ ከምዚ ገበረካ ይብሉ፤ እዚ ትኽክል ኣይኮነን። ሕዚ ‘ውን የውድእዎ ኣለዉ ‘ዮም።ንህዝቢ ትግራይ ከም መሕብኢ ካብ ምጥቓም ፀገም እንተሃልዩ እንታይ ናብ መቐለ ኣኽየዶም? ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ዘይፈትሕዎ ነሮም።ብሓፂሩ እዞም ኣካላት እዚኦም ንህዝቢ ትግራይ ምንም ዝጠቐምዎ ነገር የብሎምን፤ እኳዳኣስ ብጣዕሚ ጎዲኦሞ ‘ዮም። ዝለዓለ ዋጋ ኣኽፊሎሞን የኽፍልዎን ‘ዮም ዘለዉ።

ምስ ኤርትራን ካልኦት ጎረባብቲ ክልላት እናበኣሱ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ክጥፍእ ‘ዮም ዝገብሩ ዘለዉ።ብዙሕ ህዝቢ ክረግፍ ጌሮም ‘ዮም።ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ይጥፋእ ኣይጥፋእ ዝግድሶ ኣይኮነን፤ ብዛዕባ ስልጣኑ ጥራሕ ‘ዩ ዝጭነቕ።ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ሓደ ኮይኑ ብምትሳእ ይኣኽለኩም ክብሎም ኣለዎ።

 ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ክሳብ ሕዚ እንታይ ሰሪሑለይ ኢሉ ደው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ።ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ግዜ ኣብ ኩናት ክነብር የብሉን።እዚ ከብቕዕ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ ምስ ዘተ ሰላም ተተሓሒዙ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ፡፡

ኣይተ ሃይለ፡- ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራልን ህዝቢ ኢትዮጵያን ጠጠው ብምባል ንሰላም ክድግፍ ኣለዎ።ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ‘ውን ባእሲ ካብ ምልዕዓል ተቖጢቡ ኣብ ሰላም ቖላሕታ ገይሩ ክሰርሕ ‘ዩ ዝግበኦ። ባእሲ ንማንም ኣይጠቕም፤ ክሳብ ሕዚ ሪኢናዮ ኢና። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ብተደጋጋሚ ከም ዘይጠቕሞ ሪኢዎ ‘ዩ። ክሳብ ሕዚ ኣድላይ ዘይኮነ መስዋእቲ ዝኸፈሎ ይኣኽሎ ‘ዩ፡፡

መራሕቲ ህወሓት ንሰላም ጠጠው ዘይብሉ እንተኾይኖም ካብ ስልጣን ከውርዶም ኣለዎ።ዝኾነ ትግራዋይ ንሰላምን ዕቤት ትግራይን ጠጠው ክብል ‘ዩ ዝግባእ። ናብ ንቡር ሰላም ክምለስ ዝኽእል ንሰላም ጠጠው ክብል እንተሎ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ደላዪ ሰላምን ፍቅርን ከምኡ ‘ውን በዓል ታሪኽን ‘ዩ። ኩናት ጠጠው ንኽብል ህዝቢ ትግራይ ክለዓል ኣለዎ። ብመንግስቲ ተጀሚራ ዘላ ዘተ ሰላም ህዝቢ ተቀቢሉ ናብ ተግባር ንምቕያር ክሰርሕ ኣለዎ። ህወሓት ‘ውን ክሳብ ሕዚ ዘጥፋእኽዎ ይኣክል ‘ዩ ብምባል ናብ ዘተ ሰላምን ምይይጥን ክመፅእ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ‘የ ከመሓላልፍ ዝደሊ።

ወጋሕታ፡- ዕድሜና ኣኽቢሮም ብምምፃእ ርኢቶኦም ስለ ዝገለፁልና የቅንየልና፡፡

ኣይተ ሃይለ፡- ኣነ ‘ውን ኣኽቢርኩም ስለ ዝዓደምኩምኒ የቕንየለይ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 19 ነሓሰ 2014 ዓ.ም

Recommended For You