‹‹ባህርያት ፖለቲካዊ ህወሓት ኣብ ሰላም እንተይኮነስ ኣብ ጎንፂ ዝተመስረተ ‘ዩ›› -ኮማንደር ገብረመስቀል ወልደሚካኤል መኣርግ ገ/ሄር

ኮማንደር ገብረመስቀል ወልደሚካኤል ኣብ 1956 ዓ.ም ኣብ ራያ ኣላማጣ ተወሊዶም ክሳብ 12 ክፍሊ ‘ውን ኣብ በዓሉ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ‘ዮም ተማሂሮም፡፡ ድሕሪ 12 ክፍሊ ምውደኦም ኣብ 1974 ዓ.ም ናብ ፖሊስ ሰራዊት ዝተፀመሩ እንትኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ፖሊስ ብፍላይ ኣብ ድሕንነት ትራፊክ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ሰሪሖም ‘ዮም። ኣብ 2012 ዓ.ም ጡረታ ወፂኦም ዝነበሩ እንትኾኑ ቕድሚ ለውጢ ዝነበረ ኣካይዳ ስርዓት ህወሓት ይቓወምዎ ስለ ዝነበሩ እቲ ለውጢ ምስ መፀ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ደጉዓ ተምቤን ከተማ ሃገረሰላም ብናይ ፀጥታ ምልሻ ሓላፍነት እናሰርሑ ድሕሪ ምፅናሖም መንግስቲ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ምስ ምውፃእ ተተሓሒዙ ጉጅለ ህወሓት ጉድኣት ከየብፀሐሎም ብምስጋእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመፁ ክኢሎም ‘ዮም፡፡ እምበኣርከስ ክቡራት ተኸታተልቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ሃገርናን ኣድሂብና ምስ ኮማንደር ገብረመስቀል ኣብ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ኣሳናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት ንዘተ ሰላም ድልዊ ‘የ እኳ እንተበለ ንዘተ ሰላም ዓንቀፍቲ ዝኾኑ ሓሳባት ከቕርብ ይስትውዐል ‘ዩ፤ ካብዚ ብምብጋስ ጉጅለ ህወሓት መርገፂኡ ግልፂ ኣይኮነን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ:: ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ህወሓት ሓንሳብ ንዘተ ሰላም ድልዊ ‘የ ይብል ብኻሊእ ወገን ድማ ንዘተ ሰላም ዓንቀፍቲ ዝኾኑ ቕድመ ኩነት የቕምጥ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ሓቒ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን ህወሓት መርገፂኡ ግልፂ ኣይኮነን:: ጉጅለ ህወሓት ካብ መፈልምትኡ ኣትሒዙ ደላዪ ሰላም ኣይኮነን:: ፖለቲክኡ ዓሌት፣ ሃይማኖትን ከባቢን መሰረት ብምግባር ብሄራት ነንርእሶም ክፃልኡን ክጓነፁን ‘ዩ ዝገብር ዘሎ:: ኣብ ፅልኢ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ‘ዩ ዝኽተል:: ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝተደረኸ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሓይሊ ድማ ንሰላም ድልዊ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ኢልካ ምዝራብ ይከኣል ‘ዩ:: ባህርያት ፖለቲካዊ ህወሓት ኣብ ሰላም እንተይኮነስ ኣብ ጎንፂ ዝተመስረተ ‘ዩ፤ ደላዪ ሰላም ስለ ዘይኮነ ብሰላም ናይ ምንባር ባህሪ የብሉን፤ ሃገር ኣብ ምብታንን ኣፋላላይን ዝተመስረተ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሓይሊ ድማ መርገፂኡ ሰላም ‘ዩ ከትብል ኣይትኽእልን:: ንሰላም ዓንቓፋይ ዝኾነ ኣካይዳ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ባህሪ ንሰላም ዝምችው ኣይኮነን::

ጉጅለ ህወሓት ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ባህርያቱ ንሰላም ዝምቹ ኣይኮነን ክብል እንተለኹ ካብ ኣማፃፅኡ ጀሚሩ ኣብ ጎንፂ ዝተመስረተ ባህሪ ‘ዩ ዘለዎ:: ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብሓሳብን ልዝብን ዝኣምን ሓይሊ ኣይኮነን:: ከምኡ ‘ውን ብሓሳብ ዝግዛእ ብዘይምዃኑ ኩሉ ግዜ ናብ ጎንፂ ዘምርሑ ሓሳባት ‘ዩ ዘቕርብ:: እዚ ጉጅለ እዚ ብተደጋጋሚ ኩናት እናካየደ መፂኡ ‘ዩ:: ናይ ጎንፂ ባህርያት ዘለዎ ሓይሊ ሕዚ ዝተለወጠ ኣወንታዊ ብህሪ ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ ዝብል ሓሳብ የብለይን:: ነዚ ‘ውን ‘ዩ ብሓደ ገፅ ንዘተ ቕሩብ ‘የ ይብል ብኻሊእ ገፅ ድማ ንዘተ ሰላም ዓንቐፍቲ ዝኾኑ ሓሳባት ዘቕምጥ ዘሎ:: ንሰላም ቕሩብ ‘የ ክብል እንተሎ ማሕበረሰብ ዓለም ንምትላል ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ::

እዚ ሓይሊ እዚ ንስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ዝጭነቕ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናጓነፀ ኣብ ስልጣን ክነብር ‘ዩ ድሌቱ:: ናብ ናይ ዘተ ሰላም ክኣቱ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን:: ከምቲ ቅድም ዝበልክዎ ደላዪ ሰላም እናመሰለ ማሕበረሰብ ዓለም ብምትላል ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ‘ዩ:: እዚ ፖለቲካዊ ሽርሒ ‘ዩ:: ሰላም ተዝደሊ ነይሩ መንግስቲ ቕድሚ ኩናት ምጅማሩ ብተደጋጋሚ ክልምኖ እንተሎ ሰላም ክፈጥር ነይሩ ‘ዩ:: ስለዚ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ካብ ምጭብርባርን ምትላልን ሓሊፉ ካሊእ ትርጉም ዘለዎ ኣይመስለንን:: ግዜ ንምባላዕ ተዘይኮኑ ብሓቒ ሰላም ዝደሊ ኣኮነን:: እኳደኣስ ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ካብ ክልል ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዘስዐቦ ጉድኣት ደጊሙ ከየስዕብ መንግስቲ ዓብዪ ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ:: ስለዚ ጉጅለ ህወሓት ሰላም ይደሊ ‘ዩ ዝብል ሓሳብን እምነትን የብለይን::

ወጋሕታ፡-ህወሓት ‹‹መኸተ ሰለስተ›› እናበለ ጎስጓስ ኹናት እናገበረ ‘ዩ ዝርከብ፣ እዚ ናብ ኩናት እንድሕር ኣምሪሑ ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ፅልዋ ከመይ ይገልፅዎ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኣብ ሃገር ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጥሮ ፅልዋ ቐሊል ኣይኮነን:: ኩናት ዘስዕቦ ጉድኣት ቐሊል ስለ ዘይኮነ መንግስቲ ነዚ ተረዲኡ ‘ዩ ኩናት ጠጠው ኣቢሉ ንሰላም ድልዊ ኮይኑ ዘሎ:: ቕድሚ ሕዚ መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ብምሕላይ ኩናት ጠጠው ብምባል ብፍላይ ሓረስታይ ተረጋጊዑ ስርሑ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሉ ብምሕሳብ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከውፅእ ገይሩ ‘ዩ:: መንግስቲ ፌዴራል ዋላ ኣወንታዊ ስራሕ ይስራሕ ‘ምበር ጉጅለ ህወሓት ግና ነዚ ከምፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቓም ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን እንተይቐረየ ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑ ‘ዩ::

ስለዚ እዚ ጎስጓስ ኩናት እዚ እንደጋና ናብ ኩናት እንተምሪሑ ብጣዕሚ ሓደገኛ ‘ዩ:: ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካሊእ ተወሳኺ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል ‘ዩ:: ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ኢኮኖሚ ተተሓሒዙ ዘሎ ፀገም ብቐሊሉ ናብ ዘይንወፅኦ ኩነታት ከአትወና ይኽእል ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- እዚ ጎስጓስ እዚ እንደጋና ናብ ኩናት ከየምርሕ ብፍላይ ካብ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- እዚ ናብ ኩናት ከየምርሕ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ጉጅለ እዚ ይኣኽለካ ኢሉ ካብ ስልጣኑ ከውርዶ ወይ ኣገዲዱ ንሰላም ቕሩብ ክገብሮ ኣለዎ::ተገዲዱ ናብ ሰላም ወይ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተዘይተገይሩ ንህዝቢ ትግራይ ከቢድ ተወሳኺ ጉድኣት ከስዕበሉ ይኽእል ‘ዩ:: ወይ ኣገዲዱ ናብ ሰላም ከምፀኦ ኣለዎ:: ሰላም ተዘይተፈጢሩ ኣብ ሃገር ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ከቢድ ቑልውላው ከስዕብ ዝኽእል ምዃኑ ግልፂ ‘ዩ:: እዚ ጉጅለ እዚ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ተሳንዩን ሓቢሩን ከይነብር ‘ዩ ዝገብር ዘሎ:: ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምጉናፅ ነንሕድሕዲኡ ክጠራጠር ገይርዎ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ክሃልቕ ‘ዩ ዝገብር ዘሎ:: ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ::

ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ናብ ዘተ ሰላም ንኽመፅእ ናይ ባዕሉ ተራ ብምፅዋት ንኹናት ዕድል ክህቦ የብሉን:: ጉጅለ ህወሓት ቕድሚ ሕዚ ኣትሒዙ ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ዋጋ እናኽፈሎ መፂኡ ‘ዩ፤ ሕዚ ‘ውን ተወሳኺ ዋጋ የኽፍሎ ኣሎ ‘ዩ:: ስለዚ ካብዚ ንላዕሊ ተወሳኺ ዋጋ ከየኽፍሎ ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ:: ኣብ ሕማቕ ኩነታት ክወድቕ ገይርዎ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ንላዕሊ ክፃወሮ የብሉን:: ኣብዚ መንግስቲ ፌዴራል ድማ ሓገዙ ኣሐይሉ ክቕፅለሉ ኣለዎ:: ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ንኽለዓል ክሕግዞን ክውድቦን ይግባእ:: ህዝቢ ትግራይ ተወዲቡ ተዘይተቓሊሱ ካሊእ መፍትሒ የብሉን:: እቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ዘሎ:: ስለዚ መንግስቲ ክበፅሐሉ ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ጎንፂ ብሰላም ንምፍታሕ ድልየት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ እናገለፀ ‘ዩ ዝርከብ፤ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- መንግስቲ ንሰላም ድልዊ ምዃኑ ዝነኣድን ዝምስገንን ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ሰላም ንምምፃእ ጉጅለ ህወሓት ንሰላም ቅሩብ ስለ ዘይኮነ ኣፀጋሚ ‘ዩ:: ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ከግድዶ እንድሕር ዘይክኢሉ ህወሓት ሰላም ዝፈጥር ሓይሊ ኣይኮነን:: ህወሓት ኩሉ ግዜ ኣንቃፊ ሰላም ‘ዩ:: ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ትማሊ ይኹን ሕዚ ኣይጠቐሞን:: ኣደዳ ኩናት፣ ስደትን መከራን ‘ዩ ገይርዎ :: መንግስቲ ነዚ ብምርዳእ ‘ዩ ንህዝቢ ትግራይ ነቲ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ ዝፅዕር ዘሎ:: በርግፅ ጉጅለ ህወሓት ሰላም ክፈጥር ‘ዩ ኢልካ ትፅቢት ዝግበር ኣይኮነን:: ባህርያቱ ንሰላም ዝተፈጠረ ሓይሊ ኣይኮነን:: መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ መገዲ ሰላም ዝነኣድ እኳ እንተኾነ ህወሓት ግና ሰላም ካብ ምዕንቓፍ ሓሊፉ ንሰላም ድሌት የብሉን:: ምኽንያቱ ኣብ ጎንፂ ዝኣምን ሓይሊ ‘ዩ::

ድሌት ህዝቢ ትግራይ ሰላም እኳ እንተኾነ ውሱናት መራሕቲ ህወሓት ግና ሰላም ካብ ምዕንቃፍ ሓሊፎም ድሌት ህዝቢ ትግራይ ዝውክሉ ኣይኮኑን:: ህዝቢ ትግራይ በዚኦም ክብደል የብሉን:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ተወዲቡ ወይ ናብ ሰላም ዝመፀሉ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ ወይ ድማ ከውግዶም ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ኩለመዳያዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ እንተኾይኑ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ህዝቢ ትግራይ ናፃ ኮይኑ ዝመረፆ መንግስቲ ክህልዎ ኣለዎ:: ፍትሒ፣ ዲሞክራሲ፣ መዓርነት፣ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ዲሞክራሲያዊ መረፃ ክረጋገፅ ኣይኽእልን:: ሰላምን ልምዓትን ዘስፍን መራሒ ክህሉ ኣለዎ:: ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ልምዓት፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ተነፊጉ ዝፀንሐሉ ምኽንያት ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ስለ ዘይረኸበ ‘ዩ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ እዚኦም ዘረጋግፀሉ መንግስቲ ክህልዎ ኣለዎ:: እዚ ክህሉ እንተኾይኑ ድማ ዝተወደበ ቓልሲ የድልዮ ‘ዩ:: ተወዲቡ እንድሕር ዘይተቃሊሱ መሰረታዊ መሰላቱ ክንፈግ ይኽእል ‘ዩ:: ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ እዚኦም ክረጋገፀሉ እንተኾይኑ ብመንግስቲ ፌዴራል እናተሓገዘ በዓሉ ዝቖፃፀሮ መንግስቲ ክህልዎ ኣለዎ::

መንግስቲ ዝለዓለ ሓገዝ ክገብረሉ ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ በይኑ ተቓሊሱ ነቲ ፀገም ክስዕሮ ዘይኽእል ‘ዩ:: ብሓይሊ ተጨቚኑ ‘ዩ ዝኒሀ:: ኣብዚ ናይ መንግስቲ ክፍተት ከምዘሎ ‘ዩ ዝርደአኒ:: ንህዝቢ ትግራይ ኣተሓባቢሩ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ:: ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣምባገነናዊ ዝኾነ ሓይሊ እዚ ናፃ ክወፅእ ሓገዝ መንግስቲ የድልዮ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ብስርዓት ህወሓት ከም ዘይተጠቐመ ይፈልጥ ‘ዩ:: ክሳብ ሕዚ ብሽሙ ይሽቐጦ ‘ዩ ነይሩ::

 ወጋሕታ፡- መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ሰላም ዕዉት ንኽኸውን ግደ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ቕድሚ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ደላዪ ሰላም ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ:: ሰላም ፀሚኢዎ ‘ዩ ዘሎ:: ሰላምን ራህዋን ረኺቡ ዘይፈልጥ ህዝቢ ‘ዩ:: ምስ ደርጊ፣ ሻዕብያ ተዋጊኡ ብዙሕ ፀገም ዘሕለፈ ህዝቢ ሕዚ ‘ውን ብሰንኪ ህወሓት ኣብ ከቢድ ኩነታት ይርከብ::

ስለዚ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ሰላም ዕውት ክኸውን እንተኾይኑ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባል ናይ በዓሉ ግደ ክፃወት ኣለዎ:: ብውዳበ መልክዕ ኣብ ጎኒ ፌዴራል መንግስቲ ደው ክብል እንተኽኢሉ ህወሓት እንተይፈተወ ናብ ሰላም ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነትን ኣተሓሳስባን ‘ዩ ዘለኒ:: መንግስቲ ምስ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝገብሮ ዘተ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ቐጥተኛ ተሳታፊ ክኸውን ኣለዎ:: ምኽንያቱ ህወሓት ብዝፈጠሮ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ እቲ ፀገም ዝቕበሎ ዘሎ:: ህወሓት ድሌት ህዝቢ ትግራይ ከንፃባርቕ ስለ ዘይኽእል ህዝቢ ትግራይ በዓሉ ብምስታፍ ናይ ሰላም ተዋሳኢ ክኸውን ኣለዎ:: ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ ሰላም ፍጠር ክብሎ ኣለዎ:: ኣይሰምዕን እንተይሉ ድማ ተወዲቡ ክቓለሶ ኣለዎ::

መንግስቲ ክሳብ ሕዚ ዕድል ሰላም ብምሃብ ይፅዕር ኣሎ ‘ዩ:: ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ‹‹ቕድሚ ሕዚ ንሰላም ተለሚንካ ኣቢኻ ኣብዚ ፀገም እዚ ክንኣቱ ጌርካና ሕዚ ኸ እንታይ ኢኻ ከትደግም›› ክብሎ ኣለዎ:: ወይ ሰላም ፍጠር ወይ ድማ ካብ ስልጣን ውረድ ክብሎ ኣለዎ:: ክሳብ መዓዘ ኣብ ኩናት ከንነብር? በዚ ኩናት እዚ ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ስደትን ሞትን ኮይኑ ‘ዩ ክብሎ ይግባእ:: ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክሳብ ዝኾን ክንፅበ:: ዘለኣለም መስዋእቲ እናኸፈለ ክነብር የብልናን ክብሎ ኣለዎ:: ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣባኢስካና ኢኻ ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ::

ህዝቢ ትግራይ ብዙሓት ፀገማት ክበፅሕዎ ገይሩ ‘ዩ:: ብሰንኩ ‘ዩ ኢኮኖሚያዊ ቚልውላው በፂሕዎ ዘሎ:: ስለዚ ካብ ሕዚ ይኣኽለና ደጊምና መስዋእቲ ኣይንኸፍልን ክብሎ ይግባእ:: ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ተዋሳኢ ብምዃን ኣብ ሓገራዊ ሓድነት ትኹረት ክገብር ኣለዎ:: ብፌደራል መንግስቲ እናተሓጋዘ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፀቕጢ ክፈጥር ኣለዎ:: ህወሓት ወይ ንሰላም ጠጠው ክብል ኣለዎ ወይ ድማ ስልጣኑ ከርክብ ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ተገዲዱ ናብ ሰላም ንምምፃእ ቖላሕታ ሂቡ ክስርሕ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባን እምነትን ‘ዩ ዘለኒ:: ህዝቢ ትግራይ ተወዲቡ ኣንፃር ህወሓት ክቓለስ እንተኾኑ ድማ ባጀት የድልዮ ‘ዩ:: መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ከንቐሳቅሶ ዝኽእል ስሩዕ ባጀት ክብጅተሉ ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ::

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ንህዝቢ ትግራይ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ከምቲ ቕድም ኢለ ዝገለፅክዎ ደቅና ኣይንህብን ክብል ኩናት ይኣኽለና ክብል ኣለዎ:: ካብ ፈለማ ኣትሒዙ እዚ ኩናት እዚ ህወሓት ዝፈጠሮ ኩናት ‘ዩ:: መንግስቲ ፌዴራል ብተደጋጋሚ ሰላም ግበር እናበለ ይልምኖ ነይሩ ‘ዩ:: ይኹን ‘ምበር ካብ ናይ መንግስቲ ፌዴራል ድሌት ወፃኢ ክፍጠር ክኢሉ ‘ዩ:: ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ድሌት ኩናት ዘይብሉን ዘይነበሮን ምዃኑ ይፍለጥ ‘ዩ:: እዚ ኩናት እዚ ብድፍኢት መንግስቲ ፌዴራልን ህዝቢ ትግራይን እንተይኮነስ ብድፍኢት ህወሓት ዝመፀ ‘ዩ:: እዚ ኩናት ምስተፈጥረ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ዓይነት ቚልውላው ከምዝገጠሞ ይፈልጥ ‘ዩ:: እዚ ከብቕዕ እንተኾይኑ ድማ ህወሓት ካብ ጎስጓስ ኩናት ክቑጠብ ህዝቢ ትግራይ ልዑል ታራ ክፃወት ኣለዎ::

ህዝቢ ትግራይ ካብዞም ገጢሞሞ ዘለዉ ፀገማት ብምምሃር ደቑ ደጊሙ ናብ ውግእ ክሰድድ የብሉን:: ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ኩነታት ብጣዕሚ ከበድቲ ፀገማት በፂሖሞ ‘ዮም:: ህወሓት ቕድሚ ሕዚ ብዓበይቲ ዓድን ፍሉጣት ሰባትን ንሰላም ተለሚኑ ኣብዩ ‘ዩ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ጉጅለ ህወሓት ዘይጠቕሞ ሓይሊ ምዃኑ ካብዚ ክመሓር ኣለዎ:: ደቑ ከይታለሉ ክመክርን ክምዕድን ኣለዎ:: በቢኸባቢኡ እንታይ እንተገበርና ‘ዩ ዝሕሽ ኢሉ ክመያየጥን ክመኻኸርን ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ፈላጥን መስተውዐልን ህዝቢ ‘ዩ፤ ደላዪ ሰላም ‘ዩ:: ውፅኢት እቲ ኩናት ርኢዎ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ዝጠቕሞን ሰላም ስለ ዝኾነ ከብዚ ተበጊሱ ተወሳኺ ቑልውላው ከየጋጥም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ኣለኒ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና::

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ::

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 12 ነሓሰ 2014 ዓ.ም

Recommended For You