‹‹ውሳነ ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ኣብ ትገብሮ ምክልኻል ራዕዳውነት ፅልዋ ዘሕድር እዩ›› ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ዕገዳ ቪዛን ካልኦት ማዕቐባት ኢትዮጵያ ኣብቲ ጎደቦ(ዞባ) እትገብሮ ምክልኻል ራዕዳውነት ፅዕንቶ ከምዘሕድር ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቓል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ሰሙናዊ መግለፂኦም ከምዘፍለጥዎ፣ ብኣሜሪካ ዝተገብረ እገዳ ቪዛ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጎደቦ እትገብሮ ምክልኻል ኣልሻባብን ካልኦት ስራሕቲ ሓለዋ ፀጥታ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ። እቲ እገዳ ኣብ ኢትዮጵያ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ዋላ እንተሃለወ መሊሱ ኣሜሪካውያን ኮነ ኣፍሪካ ዝጎድእ እዩ።

ከም ኣምባሳደር ዲና ገለፃ ፣ እቲ ውሳነ ንብዙሕ ዘመናት ዝፀንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘሐርፍፍ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ሓለዋ ፅጥታ ኣሉታዊ ፅልዋ ዘሕድር እዩ፤ ብፍላይ ክልቲአን ሃገራት ራዕዳውነት ንምክልኻል ንብዙሕ ዓመታት ብሓባር ክሰርሑ ዝነበሩ ዝጎድእ እዩ። ስለዚ እዚ ውሳነ እዚ ተመሊሱ ንኣሜሪካ ከምዝጎድእ ኣሜሪካውያን ክፈልጡ ይግባእ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሓለፍቲ ስራሕ ዘውረዶ ውሳነ ምኽልካል ቪዛ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ርክብ ብባዶ ዘባዝሕ እዩ። እገዳ ንምውሳን ብቑዕ ምኽንያት ዘየለ ብምዃኑ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም። ኢትዮጵያ ንኣልሻባብ ንምውጋእ ኣብ እትገብሮ ወፍሪ ኣቐዲማ ኣብ ወፍሪ ኮርያ ካብ ኣፍሪካ በይና ናይ ኣሜሪካ ወገን ኮይና ሰሪሓ እያ። ኣብ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋዓዕን ኢትዮጵያ ወሳኒ ግደ ኣለዋ።ብምዃኑ እቲ ርክብ ክባላሾ እንተሎ ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነትስ ኣሜሪካ ‘ውን ተጎዳኢት ከምእትኸውን ኣምባሳደር ዲና ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሰዓት ምሳይ ጥራሕ ኩኑ ዝብል ኣዛራርባን ቑፅፅርን ናይ ምግባር ጉዳይ ኣሎ፤ ናፃነትን ማዕርነት ግና ብፅዕንቶ ከምዘይመፅእ ድማ ኢትዮጵያ እትኣምን እያ። ኢትዮጵያ ናፅነታ ምስ ጉልበትን ሃፍትን ተተሓሒዙ ኣሕሊፋ ኣይትህብን። ኣሜሪካ ዝወሰደቶ እገዳ ቪዛን ካልኦት ስጉምትታትን ብምፅናዕ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንዘይምብልሻው ምስራሕ የድሊ እዩ። ኣሜሪካ ዝወሰነቶ ውሳነ ኣግባብነት ዋላ ኣይሃልዎ ነቲ ጉዳይ ብዘየጓሃህርን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዘይጎድእ መገዲ ንምፍታሕ ክሙከር እዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን ግሕሰት ሰብኣዊ መሰልን እተቕርቦ መረዳእታ ዝተጋገየን ነባራዊ ኩነታትት ዘይገለፅ እዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና፤ ኣሜሪካውያንን ምዕራባውያንን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ መቕረቢ መገዲ ተዓፅዩ እዩ አናበሉ ዝዛረቡ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ንኹሉ ክፍቲ ዝኾነ ኣሰራርሓ ጠፊእዎም ኣይኮነን ክብሉ ገሊፆም።

 ኣሜሪካውያንን ካልኦት ዝማዕበሉ ሃገራት ቴክኖሎጂታት እናተጠቐሙ ኣይሽንኳይዶ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ይቕረ ሕዚ ኣብ አንእከበሉ ኣዳራሽ ነቲ ዝንገር ንምድማፅ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ኣለዎም እዩ። ይኹን’ምበር ኮነ ኢሎም ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣብ መሬት ዘየሎ ጉዳይ ይገልፃሉ ኣለው ኢሎም። ኣምባሳደር ዲና ኣብ መግለፂኦም ከምዘፍለጥዎ፤ ግብፅን ሱዳንን ኣብ ዶብ ኸባቢ ናይ ‹‹ናይል ንስርታት›› ብዝብል ስያመ ናይ ሓባር ልምምድ እናገበሩ እዮም። ልምምድ ናይ ምግባር መሰል ኣለዎም እዩ።ኮይኑ ግና ልምምዶም ኣብ ኢትዮጵያ ጉድኣት ዘመፅእ እንተኾይኑ ተቐባልነት ኣይህልዎምን።

ብሃገር ጉዳይ ሉኣላውነት ዝድቕስ ዜጋ ኮነ ምክልኻል ሰራዊት ከምዘይብልና ይፍለጥ እዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፤ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ዝሰርሕ ሓይሊ ዝኾነ ፀገም ንምምካት ድልው እዩ። ብወገን ኢትዮጵያ 24 ሰኣት ዝሰርሕ ሓይሊ ምክልኻል ከምዘለና ክፍለጥ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም። ምስ ናይ ኤሜሪካ እገዳ ቪዛን ካልኦት ውሳነታትን ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ኣልሻባብ ንምክልኻል ኣብ ሶማሊያ ዘእተወቶ ሰራዊታ ብዛዕባ ምውፃእን ዘይምውፃእን ክሳብ ሓዚ ምንም ዓይነት ውሳነ ዘይምትሕልላፉ ኣምባሳደር ዲና ገሊፆም እዮም።

መኣርግ ገ/ሄር

 ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You