‹‹ ሰላም ፍታሕ ኩሉ ፀገማት ስለዝኾነ ኣድላይ ዋጋ ምኽፋል ይግባእ ›› ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቁልፊ መፍትሒ ፀገማት ዝኾነ ሰላም ኹሉ ኣድላይ ዋጋ ክኸፍል ከምዘለዎ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ፃውዒት ኣቕሪቦም።ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዓመታዊ ቅዱስ ሲኖዶስ ምልኣተ ጉባኤ ኣብ ምክያድ ትርከብ። ኣብቲ ጉባኤ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ከምዝበልዎ፣ ኣብዚ ኸዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኸቢድ ፈተና ዘጋጠመ እንትኸውን ኹሉ ክፅልይ ይግባእ ኢሎም። ናይታ ቤተ ክርስትያን ገዳማትን ኣድባራትን ፣መለኹሴን ኣቃውሽትን ፣ዲያቆንን መናእሰይን ምእመናንን ኣብ ፈተና እንትወድቑ ቅዱስ ሲኖዶስ ብቐጥታ ዝምልከቶ ብምዃኑ እዚ ንምፍታሕ ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት እዚ ጉባኤ ብፀሎት ፣በምትዕራቕ ፣ ብናውትን ብመፅለልን ከምኡ’ውን ብምግብን ብመስተን ብምሕጋዝ ኣብ ጎኖም ጠጠው ክብል ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ሓገዝ ንቤተ ክርስትያን ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ዝበሉ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ፣ ናይ ኸዚ ፍልይ ዘብሎ ናይቲ ፀገም ከቢድ ምዃኑ እዩ ኢሎም። ኾይኑ ግና ኽብደቱ ርኢና እንርሕቆ እንተይኾነስ ብምትሕብባር መከራን ፈተናን ምፅዋር ኣለና ኢሎም እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ኹሉ መፍትሒኡ ሰላም ብምዃኑ ኹሉ ንሰላም ክብል ኣድላይ ዋጋ ክኸፍል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ዝኾነ ሰላም ንምምፃእ ኹሉም መዳርግቲ ኣካላት ብዘተ ፣ብምንግጋርን ብምርድዳእን ንሓባር ሰላም ክሰርሑ ይግባእ። ቅዱስ ሲኖዶስ ዓመታዊ ምልዓተ ጉባኤ ሊቀ ጳጳስ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ ሓዊሱ ኹሎም ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ምስታፍ ይርከቡ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

 ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You