መንእሰይ ናብ ስራሕ ንኽኣቱ ምስ ተግባር ዝተተሓሓዘ ፍልጠት ክህልዎ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ካብ ኮለጃት ተመሪቑ ዝወፅእ ዘሎ መንእሰይ ናብ ስራሕ ንኽኣቱ ምስ ተግባር ዝተተሓሓዘ ፍልጠት ዓጢቑ ክወፅእ ኣለዎ ክብሉ ኣማኻሪ ፋይናንስን ቢዝነስን ኢንቨስትመንት ኣይተ ጌታቸው ፋንታዬ ገሊፆም። ኣይተ ጌታቸው ብፍላይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ቓለ መሕትት ከምዝገለፅዎ፣ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዘሎ ስራሕ ዘይሓዘ መንእሰይ ዋላ እኳ ካብ ተፈላለየ ኮለጃት ተመሪቑ እንተወፀ ብስነ ሓሳብ’ምበር ብተግባር ኣፅጋቢ ፍልጠት ሒዙ ኣይወፅእን ዘሎ።

ኣብ ሃገርና ካብ ኮለጃት ተመሪቑ ዝወፀ ስራሕ ዘይብሉ ብዙሕ መንእሰይ እዩ ዘሎ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፣ እዚ መንእሰይ እዚ ስራሕ ክረክብ ዘይከኣለሉ ምኽንያት መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ተግባር ፍልጠት ሒዙ ስለዘይወፀ እዩ ኢሎም። እዚ ፀገም ድማ ናቲ ተምሃራይ እንተይኮነስ ብቐዳምነት መንግስቲ ምስ ተግባር ዝተተሓሓዘ ፍልጠት ኣትሒዙ ከውፀኦ ብዘይ ምኽኣሉ እዩ ኢሎም።

ካብ መንግስቲ ትፅቢት ዝግበር ምስ ተግባር ዝተተሓሓዘ ትምህርቲ ምሃብ እዩ። መንግስቲ ንኹሉ መንእሰይ ስራሕ ከቕርብ ኣይኽእልን። መንእሰይ ወለዶ ካብ መንግስቲ ወይ ካብ ውልቐ ሰባት ስራሕ ካብ ምፅባይ ስራሕ ፈጣራይ ክኸውን ኣለዎ። መጀመርያ ስራሕ ንምስራሕ ናይ ተግባር ብቕዓት ወሳኒ ኮይኑ ኣብ ስራሕ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ‘ውን ክህሉ ኣለዎ ኢሎም።

መንእሰይ ናይ ተግባር ክእለት ሒዙ ክወፅእ እንተዘይተገይሩ ስራሕ ስእነት ዝፈጠር ዘሎ መንግስቲ’ምበር ባዕሉ እቲ ተምሃራይ ኣይኮነን። መንግስቲ ተምሃራይ ክእለት ሒዙ ክወፅእ እንተዘይገይሩ እዚ መንእሰይ እዚ ስራሕ ንምፍጣር ክፅገም ይኽእል እዩ። ዲግሪ ወይ ዲፕሎማ ተመሪቑ ብዘይ ናይ ተግባር ክእለት ክወፅእ እንተተገይሩ ግዚኡ ካብ ምብኻን ሓሊፉ ስራሕ ክረኽበሉ ዝኽእለሉ ክእለት ኣይኮነን ሒዙ ዘሎ ኢሎም።  ናይ መንግስቲ ዋና ስራሕ ክኸውን ዝኽእል ምስ ተግባር ዝተተሓሓዘ ፍልጠት ሒዙ ክወፅእ ምግባር ‘ምበር ስራሕ ናይ ምትሓዝ ኣይኮነን። እዚ መንእሰይ እዚ ክእለት ሒዙ እንተወፂኡ መንግስቲ ወይ ብዓል ሃፍቲ ክቖፅሮ ኣይፅበይን ኢሎም።

ብኻሊእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ መብዛሕትኡ ተምሃራይ ምስዝንባልኡ ዝተተሓሓዘ ምደባ ኣይካየድን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፣ እዚ ድማ ነቲ ተመሪቑ ዝወፅእ ተምሃራይ ውፅኢታዊ ኣይገብሮን እዩ። ዝንባለ መሰረት ዝገበረ ስልጠና እንተኾይኑ እቲ ድሌት ካብ ውሽጢ ስለዝኾነ ባዕሉ ስራሕ ክፈጥር ይኽእል እዩ ኢሎም። ዝንባለ መሰረት ገይሮም ዘይተመረቑ ተምሃሮ እቲ ድሌት ካብ ውሽጦም ስለዘይኮነ ስራሕ ናይ ምርካቦም ትሑት እዩ። ኮይኑ ግና ካልኦት ካብ ኮለጃት ተመሪቖም

 ዘይወፁ መናእሰይ ካብ ናይ ባእሎም ዝንባለን ድሌትን ብዝነቐለ ዘማዕበልዎ ክእለት ኩሉ ስራሕ ክሰርሕዎ ይስትውዐል እዩ ኢሎም። ብቐዳምነት ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ክሕዛ ዝኽእላ ዘፈራት ፈሊኻ ምፅናዕ ኣድላይ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፣ ኣብዚ ኩነታት እዚ ዝንባለ ተምሃሮን በዝሒ ሰልጠንቲ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታውን ዝግበር ፃዕሪ ክፍተት ከምዘሎ ተዛሪቦም። ነዚአን ዝምጥን ፍልጠትን ክእለትን ስልጠና ክወሃብ ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም። ተምሃራይ ኣብ ኮሎጃት ኣትዩ ብተግባር ብቑዕ ኮይኑ ክወፅእ እቲ ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ ሕብረተሰብን ተምሃራይን ‘ውን እዩ ኢሎም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You